Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ ጻሕታሪ ተግባራት መሪሕነት (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ዝወጸ ውሳኔ ብይን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ብምዝካር ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካናዳ ዝተዋህበ መተሓሳሰቢ ዘሐጉስ ስጉምቲ ብምውሳድኩም ሓጎሰይ ወሰን የብሉን።


ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐስ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣሸባብ፡ ‘የዕጥቕን ይድግፍን ኣሎ’ ብዝብል ክሲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቱን ገንዘቡን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ጌርሉ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘይሓላፍነታውን ዓንዳሪን ኣካይድኡ ሃገርና ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዓለም ተነፊጋን ተነጺላን ምስላ ኣብ ዓለም ድማ ብሃናጺ ኣበርክቶኣ ዘይኮነስ ብኣዕናውን ተጻባኢን ካብ ዝምሰል ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ 2% (ክልተ ሚእታዊት) እናኽፈለ ABN AMRO ኣብ ዝተባህለ ባንክ ናይታ ሃገር ብሕሳብ ቁጽሪ 425297322 ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ዝተባህለ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳኔ ብይን ተመሓላሊፉ ዘሎ እገባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ መጽውዒ ውሳኔ ብይን 1907/2009/ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብተግባራቶም ፋሕቲሮም ዘምጽእዎ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ልዕልን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓይሊ ጠበንጃ ኣስገዲዱ ዝገዝእ ዘሎ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ‘’ንስውአን ብጡጠን” ገይሩ ብሰሪ ጻሕታሪ ተግባራቱ ዝሸመቶ ጽዕንቶ እከይ ውጺኢት ባርባራዊ ሽቕለቱ ኢዩ።


አንታ ብዓል አበር ናይ ህግደፍ ከዳሚ አንቲ ብዓልቲ አበር ናይ ህግደፍ ጠስሚ ደስ ኢሉዎም ዝሓድር ሕዝብና ክደሚ ውርደትን ሕፍረትን ኢዩ ጽባሕ ናታትኩም ገዝሚ። ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ላዕሊ ታሕቲ ውዲት ድዩስ ሕማቕ ሕማም ዛርቲ ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን እትሃሉ ቀትሪ ለይቲ አይትዘንግዕዎ ምዃንኹም ብገበን ተሓተቲ።   ህግደፍ’ዶ አይኾኑን ደመኛታት ሕዝብና ንመንእሰይ ወለዶ አብልዮም ብጉዱድ ዕስክርና ሓዲሽ ትውልዲ ጸሊኡዋ

READ MORE

ኣቶ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣምባሳዶር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ። ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ/ወዲ ባሻይ/ ኣምባሳዶር ኣብ እስራአል። ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣምባሳዶር ኣብ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ጽቡቕኩም ሕማቕኩም ታሪኽኩም ክንገልጽ ሰዓቱ ስለዝኣኸለ ኣይትቀየሙና። 

ኣምባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ‘ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ትሓትት ፈሊጠ እየ ካብ መጀመርታ ዕድል ክህበካ ዘይክኣልኩ’ ብምባል ከኣ ነቲ ናይ ልቡ ከይተረድኦ በጨቕ ኣቢልዎ።


ቀዳም ዕለት 30/01/2010 ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ካብ ስዓት 2.00 ስጋብ ስዓት 6.10 ድቀ ኣብ ቤት መግቢ ሳቫና ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ብኣምባ ሳደር ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ወዲ ገራህቱ ተኻይዱ.

አብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ድሕሪ’ቲ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕ/ሃ፡አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሐድሽ ዓመት፡ ኢሳያስ አፈወርቂ ዝሃቦ ቃለመጠይቅን መደረን: አሰልካይን ራኢን ሐቅነትን ዝጎደሎ፡ ከምኡ’ውን ንእዋናዊ ሕሱም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘየንጽባርቅ ኮይኑ ረኪበዮ።

ስርዓት  ህግደፍ : “ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ  ምትእትታው  የብለይን” ኢሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝኽሕደሉ ዘሎ እዋን ፡ ክልተ ወተሃደራውያን ኣማኸርቱ ኣብ ሶማልያ ተሸሪቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።


እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳኔ ብይን ተመሓላሊፉ ዘሎ እገባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ መጽውዒ ውሳኔ ብይን 1907/2009/፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብተግባራቶም ፋሕቲሮም ዘምጽእዎ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ልዕልን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓይሊ ጠበንጃ ኣስገዲዱ ዝገዝእ ዘሎ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ‘’ንስውአን ብጡጠን” ገይሩ፡ ብሰሪ ጻሕታሪ ተግባራቱ ዝሸመቶ ጽዕንቶ እከይ ውጺኢት ባርባራዊ ሽቕለቱ ኢዩ።

ኣብ ስዊስ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱን ነበርትን ኤርትራውያን።

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣብ ዝጭቆነሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘይከብረሉ፣ መንእስያትና ግዳያት ናይ ምድረበዳን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕሪን ዝኾንሉ፣ ብሰንኪ ጉጉይ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ሃገርና ትባድመሉ ዘላ ግዜ ፣ ብሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ስለ ዝተወሰነ፣ ነዚ እገዳ ዘይፍትሓዊ ኣምሲልካ፣ ንገርሂ ህዝብና ንምድንጋር ድማ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተወሰነ ጌርካ ንዝግበር ዘሎ ሸፈጥን፣ ፋኸራን፣ ህግዳፋውያን ንምልከቶ አሎና። ንሓልዮት ህዝቢ ድማ ኣይኮነን። ነቲ ብሓይሊ ወተሃደር ስልጣን ህዝቢ መንዚዑ ዘሎ መራሒኦም ዕድሜ ስልጣኑ ንኸናውሑ፣ ዝግበርዎ ዘለዉ ኮንቱ ፈተነ ኢዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ርእሲ ስርዓት ኤርትራ ውሕሉል ማዕቀብ ካብ ዝወሰነሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝተነጸለን ብኡ መጠን ዝተኾነነን መሪሕነት ስርዓት ኤርትራ ከይሓነኸ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ብይን ከምዝገበረሉ ከምስል ብናህርን ዲፕሎማሲ ብዝጎደሎን ኣገባብ ይጓየ ኣሎ።