Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሙሉእ ዓለም ንነብር ልዕሊ ክልተ ሲሶ ንኸውን ናይ ዓለምና ክርስትያናት፡ መዓልቲ ልደተ የሱስ ክርስቶስ ኣኽቢርና ኣሎና። እዚ በዓል ሰባት ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ቤተሰብን፡ መሓዙትን ተኣኪብና ዝተፈላለየ መግቢ፡ መስተን፡ “ሳዕስዒትን” ከምኡውን ህያባትን ዝተለዋወጥናሉ ኩነት እዩ። እቲ ናይ’ዚ በዓል ዝዓበየን ዝበለጸን ህያብ ግና፡ እቲ እግዝኣብሄር፡

READ MORE

  ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከ-ቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡር-ኣልቦነትን ኣብ ድሕረ-ናጽናት ኤርትራ ሳልሳይ ክፋል ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ   እቲ ኣማራጺ መንገዲ፡ ምስባር "ሰንካም ዓንኬል" ኣብ ኤርትራ ነዚ ሃዳናይ ኣካይዳ ናብ ግሉጽ፣ ኣሳታፍን ተሓታትን ፖለቲካውን ቁጠባውን ሲስተም ንምስግጋር፣ ኩሎም ኤርትራውያን

READ MORE

ኣብ ድሮ ናይ’ዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017፡ ሓደ ዝፈትዎን ዝኣምኖን ዓርከይ ጽቡቅ ብስራት ኣስሚዑኒ። ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣገልግሎት ተንቀሳቃሲ ናይ ኢድ ተለፎን(Mobile Phone) ስለዘየለ፡ ብዕድል ድሕሪ ብዙሕ ምድዋል ኣብ እንራኸበሉ፡ ይትረፍ ንስርዓት ህግደፍ ዝነቅፍ ክንዛራብ ዝውድስ ምዕላል’ውን ንጋዳ’ዩ። ንምንታይ’ሲ፡ መስመራት ተለፎን ሰለይቲ

READ MORE

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ን ምድንፋዕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መልስታት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናይ ተደጋጊሞም ዝተሓተቱ ሕቶታት! ታሕሳስ 25, 2016 ክቡራት ነበብቲ፡- ካብቲ ኣብ ናይ ኤርትራ ድሮ መበል 25 ዝኽሪ ዓመት (23 ግንቦት፡ 2016) ``ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን`` ዘውጻእናሉ፡ ሓያለይ መተባብዒ መልስታት ረኺብና ኢና። ክሳብ ሕጂ ኣብ

READ MORE

ኣብዛ ናብ ምዝዛም ትቀርብ ዘላ ዓመተ 2016፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉዳያት ተኸሲቶም፡፡ እቶም ፍጻመታት ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነብር ህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ድኽነት፡ ሕሰም መነባብሮ፡ ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምርጋጽ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሞት፡ ስደትን ሓሳረ መከራን ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ጽልኣትን

READ MORE

ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ፣ ዓቕሊ ጽበታዊ ጉዕዞ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ቅድሚ ትማሊ 22 ታሕሳስ ኣብ ዘእንገዶ ሰፊሕ ዓንቀጽ፣ በቲ ኣራዊትን ክብ ኣራዊት ዘይፍለዩ ሸፋቱን ነጋዶ ሓሽሽን ዝበዝሑዎ ብሓደገኛቱ ካብ ዓለም ኣስጋኢ ዝኾነ ጣሻታት ላቲን ኣመሪካ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዓለም ኤርትራውያን ከምዝርከቡዎም ብኣብነት ብምጥቃስ

READ MORE

ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከባቢ ዓዲ ጥልያን ክልተ ጃላቡ ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ዘለዉ 100 ስደተኛታት ሞይቶም ከይኮኑ ከምዝፍራሕ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። ዘ ጋርድያን ንኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ ሓንቲ ካብተን ዝተገልበጣ ጀላቡ ዝደሓኑ ስደተኛታት፣ ምስኣቶም ብዙሓት ኣዴታትን ቆልዑን ተሳፊሮም ከምዝነበሩ

READ MORE

እቲ ኣብ በርሊን፣ ናይ ጽዕነት መኪናት ተጠቒሙ ኣብ ዕዳጋ ልደት 12 ሰላማውያን ዘጥፍአ ቱኒዝያዊ  ኣሸባሪ ብፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ ከባቢ ሚላኖ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ጀርመን ኣብቲ ውዲት ንዝተሓባበሩዎ ሰባት ንምርካብ ሃድን ይቕጽሉ ከምዘሉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።   እቲ ኣሸባሪ ካብ ጀርመን ብፈረንሳ ኣቢሉ ዓዲ ጥልያን

READ MORE

ኣመሪካ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻይደ ንጉዳ ሰፈራ እስራኤላውያን ዝምልከት ድምጺ፣ ናይ ቀውፊ ድምጻ ዓቂባ ሰፈራ እስራኤል ብባይቶ ጸጥታ ዝዅነነሉ ኩነታት ብምፍጣር፣ ባይቶ ጸጥታ ድሕሪ 36 ዓመት ንፈለማ እዋን ንእስራኤል ዝነቅፍ ውሳኔ ከሕልፍ ዕድል ከምዝሃበት ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጀሚን

READ MORE

ዝሓለፈ ሰኑይ 19 ታሕሳስ ናይ ጽዕነት መኪና ጨውዩ ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ናይ ልደት ዕዳጋ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ህይወት 12 ሰላማውያን ዝለከመ፣ 49 ንጹሃት ዘቝሰለ ወዲ 24 ዓመት ቱኒዝያዊ ዜጋ ንምሓዝ ብደረጃ ኤውሮጳ ሃድን ይካየድ ከምዘሎ ቢቢሲ ሓቢሩ። ፖሊስ ጀርመን ‘ውን ሃለዋት ናይቲ ኣሸባሪ ብምሃብ

READ MORE

ሓደ ናይ ካፕቴን መዓርግ ዘለዎ ኡጋንዳዊ  ወተሃደር ዝርከቡዎም ሰለስተ ኡጋንዳውያን ፣ ንሓደ ዳኒኤል ወልዱ ዝተባህለ ኤርትራዊ ነጋዳይ ኣብ ካምፓላ ብምቕታል ኣብ ባንክ ዝነበረ 2 ሚልዮን ይሮ ንምዝማት ኣብ ዝተኻየደ ውዲት ብምስታፎም ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ allafrica.com ሓቢሩ። ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ከምዝሓበሮ፣ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ

READ MORE

ፖለቲካዊ ዘተ ምስ Prof. Dr. ደሳለ ኣብራሃ ኣብ ፓልትክ ኤርትራዊ ገዛ (Room) ሕድሪ ጀጋኑና። ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እምባኣር‘ከስ፡ ኣብ ፓልቶክ (Paltalk) እትርከብ: ኤርትራዊ ገዛ ሕድሪ ጀጋኑና (Official Room)፡ ንቀዳም ምሸት፡ ዕለት 30. 12. 2016. ዓ.ም.ፈ.፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ

READ MORE

ኣብ ሓደ ጽዑቕ ቅርዓት ዕዳጋ በርሊን ኮነ ኢሉ ብናይ ጽዕነት መኪና ኣብ ልዕሊ ናይ ልደት ዕዳጋ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰላማውያን  መጥቃዕቲ ብምፍጻም 9 ሰባት ክቐትል ከሎ ልዕሊ 50 ከም ዘቝሰለ ርይተርስ ቢቢሲ ዝርክቡዎም ማዕከናት ዜና ገገሊጾም። እቲ ቀንዲ ዘዋሪ ናይታ ናይ ጽዕነት መኪና ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ንመዓላ ወተሃደራዊ መደበር ዝውዕል ናይ 30 ዓመት ክራይ ረኺባ ከምዘላ ብምጥቃስ ሓደ “Maydania” ዝተባህለ ኣብ በይሩት ዝመደበሩ ናይ ዓረብ መደበር ቴለቭዥን ንዘቕረቦ ዜና ኣሉታ ንምሃብ ግዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ ከምዘላ ብፍሉጣት ኣህጉራውያን ማዕከናት

READ MORE

 ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ ፖለቲካዊ ሃደና ከም ዓንቃፊ ቁጠባቂ ዕብየት፡ ዓንኬላዊ ምትእስሳር መዝመዝቲ ትካላት ፖለቲካን ቁጠባን - ዘይምዕብላናን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኤርትራ ንኹሉ ኣካላት ህዝቢ ብዛዕባ ህንጸት ሃገርን ቅዋም ሃገርን ከዘራርቡን ከካትዑን እዩ ዝግበኦም ነይሩ። ብውሑዱ፣ ሰባት ቁጠባዊ

READ MORE

ሕብረት ኤውሮጳ ዘይምርግጋእን ዘይስርሩዕ ዋሕዚ ስደትኛታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ናይ 170 ሚልዮን ይሮ ወፍሪ ከካይድ ንዘውጽኦ ውጥን ከምዘጽደቖ ብቕድሚ ትማሊ ካብ ብራስለስ ኣብ ዘወጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፣ ከምኡ ‘ውን ጠንቂ ስደትን ግዱድ ምዝንባልን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝኾኑ ሰበባት ንምግጣም

READ MORE

ራብዓይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዕለት 09.12.2016 ክሳዕ ዕለት 10.12.2016 ኣብ ስታቫንገር ተኻዪዱ። ኣብቲ ጉባኤ ኣባላት ጽላል ዝኾኑ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ተረኺቦም። በቲ ወጺኡ ዝነበረ ፕሮግራም መሰረት ድማ ዓርቢ ዕለት 09.12.2016 ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብጽላል ዝተኻየደ ስራሓት ንምግምጋም መጀመርታ ብመሪሕነት ጽላል ዝቐረበ

READ MORE