ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን እናተገፉ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን እናተገፉ ካብ 300-500 ፓውንድ ሱዳን ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ግፋ ኣብቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጻዕቂ ዝርከቡሉ ሰሓፋ ከምኡ ‘ውን ጀረፊ ዝብሃል ቦታታት ኮይኑ፡ ኣብ ካርቱም ካርቱም፡ ሱዳን ብሓፈሻ ኤርትራውያን ተሸቝሪሮም ዝንቀሳቐሱሉ ቦታ ኮይኑ ‘ሎ። ኣብ … more

ንፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝተላዕሉ መንእሰያት ማንቸስተርን ከባቢኡን (ዓባይ ብሪጣንያ) ዕዉት ኣኼባ ኣካይዶም።

Assenna_DC-Demo_may24

ኣብ ዝሓለፈ 11 ለካታቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ ማንቸስተርን ከባቢኣን ዝርከቡ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ስቕታ ማንቸስተር ይሰበር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዕዉት ኣኼባ ከምዘሰላሰሉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። መብዛሕትኦም እቶም በቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝምኽነ ገደብ ዘይብሉ ባርነት ዘስካሕክሑ መንእሰያት፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ንእተሕልፎ … more

ስርዓት ህግደፍ ንሬሳ ናይቲ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነት ዘገልገሎ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

nayzgi-kiflu

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሬሳ ናይቲ ብትእዛዙን ኣብ ክንድኡን ሓያለ ንጹሃት ኤርትራውያን ከም ዘጋፍዐ ዝንገረሉ፡ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነትን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ጸጥታን ዘገልገሎ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝዓረፈ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ ምኽንያት፡ እታ ካብ ዝዓረፈሉ ሰዓት … more

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንድሕነቶም ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ።

egypt_Prisons

ናብ እስራኤል እናተጓዕዙ ብወተሃደራት ግብጺ ተታሒዞም ኣብ ሓሲና ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ግብጺ ተዳጕኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት ብምግላጽ፡ ነጻ ክልቀቑን ከም ስደተኛታት መሰሎም ክሕለወሎምን፡ ንድሕነቶም፡ ሓገዝ ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ። ንሳቶም  ናብ ድምጺ ኣሰና ደዊሎም ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ሓለፍቲ ናይቲ ቤትማእሰርቲ … more

ተባዓት ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ኦስሎ ንህግደፍ ኣብ ራዕዲ ከም ዝሽመም ጌሮሞ

Oslo_youth

ብዕለት 12.02.2012፡ ”ኣገዳሲ ሰሚናራት ንኤርትራውያን ተቐማጦ ኦስሎ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ህግደፍ ኣብ ከተማ ኦስሎ ክፉት ሰሚናር ንህዝቢ ዓዲሞም። ናይቲ ኣኼባ ዛዕባታት እዘን ዝስዕባ ነበራ፡- ህልው ኩነታት ሃገር ብተኽለ መንግስቱ፡ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት፡ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስዊድን ዕደና ኣብ ኤርትራ፡ ብፕሮፌሰር እምባየ ፈሮው፡ ማናጀር ዕደና ኤርትራ ገለ ክፋል ካብቶም ዝተሳተፉ መንእሰያት … more