ሰራዊት ኤርትራ፡ “ሕቶ ወዲ ዓሊ ሕቶና’ዩ” ብምባል፡ ከቢድ ሕቶታት ስለዘልዓለ፡ እቲ ስርዓት ኢሳይያስ ን ብሪጋደር ሳልሕ ዑስማን ኣኸቲሉ ናብ ምሉእ ሰራዊት ከካይዶ ጀሚሩዎ ዝነበረ ጎስጓስ ከምዝተቖጽየ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሰራዊት ድሕሪ ምቝጻዩ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፡ ሜጀር ጀነራል ፊሎጶስ ወልደየውሃንስን ተሰንዩ ናብ ሰራዊት ዑደታት ንኸካይድ ዝተገደደ፡ ምስ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዝነበረ ‘ሞ ዝተታሕዘ ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን ናይ መጀመርያ ዑደቱ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ በቶም ናቱ ሰራዊት ‘ዩ ተጀሚሩ። … more
















