Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልክን ምልካዊ ስርዓትን ብስሙር ህዝባዊ ሓይሊ ካብ ስሩ ቦርቚቕካ ከልግስ ዘለዎ እምበር ብለግቦ፡ ለጋግቦ ኣቢልካ  ዝሕሰብን ዝህቀንን ከንቱ ፈተነታትን፡ ንዘላቒ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ከተማ ደንቨር (ኮሎራዶ)፡ ሕዳር 29, 2015 ዝተሳናደአ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተሳላሲሉ።

READ MORE

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ንጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ዝሃቦ ዝተፈላለየ ኣርእስታ ዝሓቖፈ ቃለመጠይቕ ንጉዳይ ኤርትራን: ህግደፍ ወደብ ዓሰብ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን  ኣብ የመን ንዘካይድኦ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብዛዕባ ምፍቃዱ  ተወሲዱ ተተርጉሙ ዝቐረበ:;; ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳላኝ:- ብዛዕብ ዝምድና  ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ከም እንገልጾ:

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከምዝድረት ከምዝገበረ ብፍላይ ንዲፕሎማሰኛታት ንምትላል ዝዘርግሖ ወረ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ከምዘረጋገጸ፣ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ 57 ገጻት ዘለዎ ሰፊሕ ጸብጻብ መስኪሩ። ኣሚኒስቲ ኢንተርናሺናል፣ ካብ መፋርቕ 2014 ንደሓር ናብ ስደት ምስ ዝመጽኡ ልዕሊ 72 ኤርትራውያን ኣብ ዘካየዶ ቃለመጥየቓት

READ MORE

ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ኣቶ የማነ ተስፋይ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኣቶ የማነ ተስፋይ፣ ንቀጥታዊ ምትእትታው ኢሳይያስ ኣብ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ብምቅዋሙ እዩ ግዳይ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ዘሎ። ቁጽሮምን ኣስማቶምን ዘይተነጸረ ካልኦት ሓለፍቲ

READ MORE

ጳጳስ ካቶሊክ ፍራንሲስ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ መጊድ በጺሖም ኣብ መንጎ ኣምንቲ ክርስትናን እስልምናን፣ ዘሎ ጽልእን ቅርሕንትን ደው ኢሉ ብስኒት ክትካእ  ብምምሕጻን ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየዱዎ ሰፊሕ ዑደት ከምዝዛዘሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። ንሶም ኣብ መግለጺኦም፣ “እቶም ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና ዝብሉ ኩሎም ደቂ ሰብ፣ ናይ ሰላም ሰባት

READ MORE

ኣብ ካናዳ እትርከብ ማኒቶሊን እትብሃል ደሴት ንሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ክትህብ ምዃና ‘ሳድበሪ ስታር’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ምምሕዳር ናይታ ደሴት ሓፈሻዊ ኣኼባ ተቐማጦ ብምግባር ስደተኛታት ንምቕባል ድሕሪ ዝበጽሖ ውሳኔ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ብምርኻብ እዩ ነቶም ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበሩ ሓሙሽተ

READ MORE

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ዝብል ጨፍላቂ ፖሊሲታቱ፡ ምስ ምቅያር ባጤራ ናቅፋ ብዝተኣሳሰር ጉዳያት ምስ ሓለፍቲ ንግዳዊ ባንኪ ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣብ ምፍጣጥ ኣትዩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ከምዝኣመትዎ፡ ንትግባረ ምቅያር ባጤራ

READ MORE

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከም ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ትማሊ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ Cecafa ንፈለማ ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም ብዘይ ሸቶ ማዕረ ማዕረ ከዝተፈላለያ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ሳልሳይ ጉጅለ ተመዲባ ትጻወት ዘላ ጋንታ ደቡብ ሱዳን ኣቐዲማ ንጅቡቲ ሓደ ብባዶ ስለዝሰዓረታ ናብ ርብዒ ፍጻሜ ንምሕላፍ ተስፋ ረኺባ ኣላ። እታ ብቐጻሊ ሕቶ

READ MORE

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝኽሰስ ንድሓርን ብገበን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይቀርብ ፍርሒ ስለዝሓደሮን፡ መዕቆቢኡ የጣጥሕ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እዚ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን ትካላት’ቲ ስርዓትን ዘንጸላሉ ዘሎ ክሲ

READ MORE

ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ኣትሒዙ ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሰ ሕጂ ‘ውን ኣብ ኣብ ስደት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቡ ደው ኢሉ ምእንቲ ፍትሒ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ምቕሉል ሓው ዓብደላ ሓጋይቶ ትማሊ 16 ሕዳር ኣብ ቺካጎ ሃንደበት ከምዝዓረፈ NBC News Chicago ሓቢሩ። ወዲ 42 ዓመት፣ ኣቦ 4 ቆልዑ ዓብደላ ሓጋይቶ ኣብ

READ MORE

ቅዋም ናይታ ሃገር ጥሒሱ ንሳልሳይ ግዜ ክምረጽ ዝወሰነ ፕረዚደንት ብሩንዲ ፒረ ንኩሩንዚዛ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ኣሻማዊ ምርጫ ተዓዊተ ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ብሩንዲ ዝተላዕለ ናዕቢ ኣብ ዘይሃደኣሉ እዋን፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ናይታ ሃገር ኣርባዕተ ሰባት ብቶኽስን ነተጒትን ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ

READ MORE

ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ግዜ ሓንቲ ካብ ተሰነይ `ኣኳ ፍሬሽ` ዝተባህለ ውጽኢት ማይ ጽዒና ናብ ኣስመራ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ኣብ መንጎ ዓደርደን እንገርነን ብ RPG ተሃሪማ ድሕሪ ምቅጻላ መራሒኣ ብኡንብኡ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እታ ኣብ ተሰነይ ካብ ዝርከብ `ሓሊብ ባርካ`

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ውጽኢት ጸባን ስጋን ንዘፍርዩ ሓረስቶት ቤትመኻእ ከብቶም ካብ ኣስመራ ክወጽኡወን ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ጥሪቶም ዘሚቱ ናብ ዒላበርዕድን ኣለቡን ከምዝወሰደን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ልኡኻት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ፈለማ ነቶም ዋናታት ከፈራርሑ ኣብ ደምቢአን ከለዋ ነተን ከብቲ ክሓርዱወን ኳ እንተጀመሩ፡ እቶም ከምብቶም

READ MORE

ብሰንኪ ‘ቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዘተኣታተዎ ናይ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ፣ ነዳድን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃለኽትን ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምእታው ኣብ ከሰላን ከባቢኣን ክዘዋወር ዝጸንሐ ብብዝሒ ናቕፋ ስለዘሎ፣ ሰበስልጣን ዞባ ከሰላ ናይ ሱዳን ብዛዕባ ቅጥዒ ናይቲ ኣብ ዞባኦም ተኾሚሩ ዘሎ ናቕፋ ንምዝርራብ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ወረቐት ንምቕያር ኣዊጁሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዋጋታት ሃለኽቲ ገሊኡ ብዕጽፊ ገሊኡ ድማ ብሓምሳ ካብ ሚእቲ ንሂሩ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ 2500 ናቕፋ ዝነበረ ዋጋ ኩንታል ፊኖ ዕጽፊ ብምውሳኽ 5 ሽሕ ናቕፋ ክዓርግ ከሎ፣ 40 ናቕፋ

READ MORE

ማእሰርቲ ኣብ ጋራጅ መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ጥቓ በትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝርከብ  መንግስታዊ ጋራጅ ሓላፊ ናእሽቱ መካይንን ጋዝን ዝነበረ ወዲ-ረድኢ ዝተባህለ ሓላፊ መበል 13 ርእሱ ብምልካዊ  ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ‘ዚ ተኣሲሩ። ምኽንያት ማእሰርቲ ናይቶም ግዳያት ብንጹር ኣይተፈልጠን። ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ኣስመራ ካብ ትማሊ ረቡዕ 11 ሕዳር

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት ‘ዚ ባጤራ ናቕፋ ብሓዱሽ ወረቐት ክቕየር ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩዎ ዘሎ ሸገርገር ብኢሱ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዜና ከምዝጠቐስናዮ፣ እቲ ስርዓት፣ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣ ሓደ ውልቀሰብ 20 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ጥራይ ክቕይር ከምዝፍቀደሉ

READ MORE

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ሃገሩ ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊቶም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ልዕሊ 1400 ኤርትራውያንን ሶርያውያንን ስደተኛታት ንምጥያስ ተቐሪባ ምህላዋ ምግላጹ ኣሾሼትድ ፕረስ (AP) ሓቢሩ። ንሱ ስጳኛ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ድሮ ኣብ መሬት ኤውሮጳ ኣትዮም ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ኩለን ሃገራት ንምምሳሕ ንዝወሰዶ ውሳነ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ገንዘብ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ እቲ ስርዓት ብቐንዱ ካብ ዘዋፈረን ትካላት ህግደፍ ጀሚርካ ክሳብ ውልቀ ነጋዶ ዝዋስኡሉ ናይ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ ኮይኑ ስለዝጸንሐ፣

READ MORE

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ «ሓሚሙ ዶ ተጸሊሉ» ዝብል ወረ ኣብ ከም ፈይስ ቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገኒኑሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኤሪ ቲቪ ትማሊ ንኢሳይያስ ብዝምልከት ዝዘርግሓቶ ብደረቕ ስእሊ ዝተሰነየ ዜና ነቲ ፈኸም ክብል ዝቐነየ ወረ ላምባ ወሲኹ ዘብእስ ኮይኑ ተረኺቡ። መደበር ቴለቭዥን ናይቲ ስርዓት፣ ኣብ ናይ ትማሊ

READ MORE

ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ስድተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከይብእስ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድሌት እንተለዎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣዘኻኺሩ፡፡ ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ መዳይ ትምህርቲ፡ ስልጠና ከምኡ እውን ኣብ ስራሕ ምምዳብ ከም

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዑደት ንዘሎ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ክቕይሮ ምዃኑ ትማሊ 4 ሕዳር ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓኑ ኣዊጁ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣ ነቲ ኣብ ዑደት ዝጸንሐ ባጤራ ብሓዱሽ ናቕፋ ናይ ምቕያር መስርሕ ብመንገዲ እተን በቲ ስርዓት ዝውነና ንግዳዊ ባንክታት ዝካየድ ካየድ እዩ። ውልቀ ተገልገልቲ ይኹን ትካል

READ MORE

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተመዲቦም ዝሰርሑ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ካብ ገያሾ ገንዘብ ከም ዝልምኑ ምንጭታት ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፡፡ እቶም ኣባላት ጸጥታን ኢመግረሽንን ካብ ወጻኢ ናብ ኣስመራ ንዝኣትውን ካብ’ታ ከተማ ንዝወጽኡን ኣብ ተርሚናል ደው ብምባል “ እንታይ ደኣ ገለ’ባ በልና( በሉና)” ብምባል ውርዙይ ብዝመስል ልመና ንገያሾ

READ MORE

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ትማሊ ቀዳም 31 ጥቅምቲ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ብዛዕባ ‘ቶም ኣብዚ መድረኽ ‘ዚ ንመንእሰያት ኤርትራ ዝብድሁዎም ዘለዉ ሽግራትን ፍትሖምን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ። ንሱ ኣብ መእተዊ ናይቲ ክፉት ዘተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብመንገዲ ‘ቲ

READ MORE

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ዓለም ሕቆኡ ሂቡና ፤ ኣብ 20 ክፍለ-ዘመን ክረኤ ብዘይትጽበዮ  ናይ ምዕራብን ምብራቅን ምሽራው ብ MIGን F15ን  ንድብደብ ኣብ ዝነበርናሉ ተካል እዋን፤ ካብቶም ኣብ ጎንና ደው ዝበሉን ንስውራ ህዝቢ ኤርትራ ዘዔንገሉን ውሑዳት ሓደ  ህዝቢ ሶርያ`ዩ። ኣብ 2011 ከምቲ ብዙሓት መናእሰይ ዓረብ ንለውጢ ሓፍ ዝበሉ፤ መንእሰይ

READ MORE

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዅናንን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኒውዮርክ፣ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት

READ MORE

ኩልና ከም ንፈልጦ እዞም ኣብ ሃገርና  ዝገዝኡ ዘለዉ  ጃንዳ ካብቲ ሓሳድ ባህርያቶም፣ ዜጋታት ነብሶም  ኪኢሎም ካብ ተጸባይነት ወጺኦም ናብርኦም ክመርሑ ምስ ዝፍትኑ ከመይ ገይሮም ብተላኣኣኽቶም ኣቢሎም ሸርሕታት እናመሃዙ ዓዲ ከም ዘውዕልዎምን ከም ሳዕቤኑ ክኣ ተስፋ ቆሪጾም ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ከም ዘብሎዎምን ኣብዚ ዓሰርተታት ዓመታት ዘመነ

READ MORE

በቲ ን29 ጥቅምቲ ኣብ ኒው ዮርክ ንምክያዱ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ዓቢ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ፣ ብተሳተፍነቱ ዝዓበየ ሰላማዊ ስለፊ ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሰናበደ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ ንምትዕንቓፉ ሰፊሕ ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝበጽሑና ሓበሬታት

READ MORE

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሎ ብቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ እገዳ ንሓደ ዓመት ጸኒዑ ክቕጽል ሎሚ 23 ጥቅምቲ 2015 ወሲኑ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ውሳኔ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ቁጡቕ ግብረመልሲ፣  ባይቶ ጸጥታ ዋላ ኳ ገለ ኣባላቱ ዕቃበታት እንተርኣዩ፣ ብኣመሪካ ተዓብሊሉ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዱሽ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ብምስናዕ፣ እቲ ብናይ ‘ዓረብ ምሕዝነት’ ዝፍለጥ ሓይሊ ንልኡላዊ መሬት፣ ክሊ ኣየርን ማያትን ኤርትራ ተጠቒሙ ነቶም ኣብ የመን ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሽዓውያን ተቓወምቲ ሕቱ ንምጥቃዕ ወተሃደራዊ ዘመተ ከካይድ ከምዘፍቀደሉ፣ እቲ ብመሰረት ተልእኾ ባይቶ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ኣስመራ ንዘለዉ ሰብ ስታላ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ብምስግዳድ፣ ነቲ ድሮ ጸንኪሩ ዘሎ ቀረብ ስጋን ጸባን የጋድዶ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ቤትመኻእ ዝርከቡ ሰብ ስታላ፣ “ዓድና እዚ እዩ ናበይ ክንከይድ ደሊኹምና ኢሎም” ምስቲ ስርዓት ይከራኸሩ ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ የረድእ። እቲ ናይ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኮነ

READ MORE

እቶም ኣሽሓት ኤትራውያን ብምጭዋይ ናብ በደዊን ሲናይ እናሸጡ ህይወት ዜጋታትና ዘባኸኑ ነጋዶ ሰብ ዝኾኑ ራሻይዳ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዶባት ሱዳንን ዝርከቡ ራሻይዳ፣ ገና ሕጂ ‘ውን ነቲ ዘይሕጋውን ኣረሜናውን ንግድ ደቂ-ሰብ ብምቕጻል፣ ሓያለ ኤርትራውያን ጨውዮም ምእንቲ ገንዘብ የጋፍዑ ከምዘለዉ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣሽሓት ዶላራት ብምኽፋል ካብ ኢዶም

READ MORE

ኣብ ከተማታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣  Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣጥቃዒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም “ኣሸባሪ ጠርጢርናዮ” ዝበሉዎ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ ብጥይት ወቒዖም ከምዝቐተሉዎ ምንጭታት ካብ እስራኤል

READ MORE

ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ድሕሪ ምቕናይ ኣብ ቦትስዋና ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ንኸይምለሱ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ናይታ ሃገር ውሕስነት ከምዝረኸቡን ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ታሕሳስ 11 ኣብ ቤትፍርዲ ክስማዕ ተወሲኑ ከምዘሎን ኣብ ቦትስዋና ዝነብር ጉዳዮም ኣብ

READ MORE

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ዘዝቕመጡሉ ሃገራት ናብ ዘሎ ኤምባሲታት ቦትስዋና መልእኽቲ ብምስዳድ፣ መግስቶም ነቶም ኣብ ሃገሮም ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ 10 ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ መሰል ዑቕባ ክህቦምን ድሕነቶም ከረጋግጽን ሕጋውን ሞራላውን ግዴታ ከምዘለዎ መተሓሳሰቢ ከመሓላልፉ፣ ንእዋናዊ ኩነታት ናይቶም ዑቕባ

READ MORE

ትማሊ ዓርቢ ዕለት 08/10/2015 ኣምባሳደር ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ኣቡዳቢ ህዝባዊ ሰሚናር ብምክያድ  ነፍሰወከፍ ኤርትራዊ ተቀማጣይ ኣቡዳቢ ኣብ ሊዕሊ እቲ ዝኸፍሎ 2% (ግብሪ)  1% ወርሓዊ  ክኸፈል ሓድሽን ኣስገዳዲ መምረሒ ኣውጺኡ፡  ነዚ ተሰሊዑ ዘሎ ተወሳኺ  ክፍሊት ዘይከፍል ዜጋ ዝኾነ ቆንስላዊን ይኹን ኮማዊን ኣገልግሎት ከምዘይዋህቦ ብተሪር ሃዲዱ፥ ኣብ

READ MORE

ሕብረት ኤውሮጳ፣ መኣትዎ ናይቶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ብምዃነን፣ ብጻዕቂ ስደተኛታት ተዋጥረን ዝርከባ፣ ከም ቅድመ ግንባር ናይቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝጥቀሳ ከም ዓዲ ጥልያንን ግሪኽን ዝኣመሰላ ሃገራት ጽዕነተን ንምፍኳስ ኣብ ድሮ ኣብ መሬተን ንዝርክቡ 40 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ

READ MORE

ኤርትራ ብመስፈሪ ኢብራሂም ሞኣ 2015፡ ኣብ ምምሕዳር ምስ’ተን ሓሙሽተ ታሕተዎት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምእተሰርዐት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ(AFP) ሓቢሩ፡፡ በቲ ንሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ቀጻሊ ቁጠባዊ ዕድል፡ ድሕነትን ግዝኣተ ሕግን መሰረት ብምግባር  ብሚእታዊት ዝተኻየድ ኣርባዕተ መምዘኒ፡ ኤርትራ 29.9%  ብምምዝጋብ ነተን ብኵናት ሓድሕድ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣኸቲላ

READ MORE