ኤርትራዊ ተቐማጣይ ለንደን ብሓደጋ ኣውቶቡስ ሞይቱ፣

Getachew

ብዕለት  17 ጥሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጐንደር 46 ገያሾ ሒዛ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ምስ ምስ ወላዲት ኣዲኡ ወ/ሮ ወርቄ መለስ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኤርትራዊ ዜጋ ጌታቸው የሕደጐ ዑቕባዝጊ ፣  ኣብ ኣጻድፍ ኣባይ  ጥቓ ድልድል ሕዳሴ፣ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስ ኣዲኡን 43 መጓዕዝቱን ከምዝሞተ ቤተሰቡ ሓቢሮም። እታ ኣውቶቡስ ምኽንያቱ  ብዘይተፈልጠ መስመራ … more

ምስጋና

Tsigehana

ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ መቕዘፍቲ ሞት ጓለይ ጽገሃና፡ ፈተውትን ኣዕሩኽትን ቤተሰብን፤ ተቐማጦ ሃምቦርግን ካስልን ክምኡ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን እትነብሩ ኤርትራውያን፤ ሂወተይ ምቁጽጻር ኣብ ዘይክእለሉ ስዓት ብመሪር ሓዘን እናተሓቖንኩ ከለኹ ብመግለጺ ንብዓትኩም ተኻፈልቲ ሓዘነይ ብምዃን ንምቕናስ ሓዘነይ ዘድሊ ምጽንናዕን ከምኡ‘ውን፤ ብገንዘብ ሓገዝ ዘድሊ ኣበርክቶ ብምግባር፡ ጓለይ ኣብ ትውልዲ ዓዳ ሓመድ ኣዳም ከምትለብስ … more

ተበግሶ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን

ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን  ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።

ሕሱር ፈላልዪ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ቤት-ክርስትያናት፡

ኩነታት ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኣብ “ስዊዝ” ኣብ ዘመነ ህግደፍ ዘይርኤ ክፉእ ነገር ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ግናይ ጭፍራ እኽብካብ ህግደፍ፡ ሕድሪ ጀጋኑና ብምጥላም፡ ንሃገርናን ህዝብናን ክግለጽ ዘይከኣልን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ኣደራዕ ኣውሪዱሉን የውርደሉን አሎ።

ዘይሕለላ ሃገር ተቀባሊት ጋሻ ሃገረ ሱዳ – ብሚካኤል ኣጎስቲኖ(ጀርመን)

ሃገረ ሱዳን ተቀባሊት ጋሻ  ኢያ : ብፍላይ ናዓና ንኤርትራዉያን ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ሓብሒባ ዘቃለሰትን ኣብ ኣጋ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ንናጽንት ኣርትራ ዝኣመነትን ብኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛ ህዝብና ዘዕቆበትን ሃገር ኢያ::

ኣውያት መንእሰያት ኤርትራ ካብ ጋህስታት በረኻ ሲናይ። ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍና ገለ ውሑድ ተረክቦታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምድረ ግብጺ ጠቒስና ኔርና። እቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ኣቓልቦ ንኽረክብ ብማለት ከኣ ከም ኣገዳሲን ጭቡጥን ሓበሬታ መጠን ጽሟቕ ትሕዝቶኡ  ብቛንቋ እንግሊዝ ተተርጕሙ  ንገለ ካብቶም ብጉዳይ  ህዝቢ ኤርትራ ዝግደሱ ፈተውቲ  ከምዝበጽሕ ተጌሩ።

መንግስቲ ህግደፍ ብስም ሃይማኖት ተዋህዶ፡ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት ቀጥታዊ ርክብ ይገብር ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሞትን ጥይትን ህግደፍ ተሳጊሮም ምድረ በዳ ሳሃራ ሰጊሮም፡ ዝፈትውዎምን ዘፍቅርዎምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ በረኻ ሲና ንኣሞራ ብሰንኪ ህግደፍ ወፍዮም ኣብ እስራኤል ዕቑባ ዝሓተቱ መንእሰያት ማእለያ የብሎምን።

ካብ እግሪ ኣፍ ይዕንቀፍዶ ወይስ ምጽልጻል ከምትርጉሙ ! – ጋዜጣ ሓቅን ሕይወትን

እታ ጋዜጣ ድሕሪ ነ’ዚ ኣርእስቲ ኣብ ዓምዳታት ምስፋር ካብ ትምስረት ድሕሪ 45 ወይ 47 ዓመታት ካብ እትህቦ ዝነበረት መንፈሳዊ ማሕበራውን ፍልጠታውን ፈልፋሊ ትምህርቲ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተኣገደት ነባር ካብ ቀዳሞት፡ ቀዳመይቲ ዝተኣገደት ጋዜጣ’ያ።

ዓቕሊ ጽበት እንታይከ ዘየግብር

ሰኑይ 22 ለካቲት ንኹሎም ፈተውቲ ሃገርን ህዝብን ዝኾንና ኤርትራውያን ካብተን ዝሓለፋ ሰኑያት ዘይትፍለይ ሰኑይ እያ ኔራ። እንተ ነቶም ህግደፋውያንን ኢሰያስያውያንን ግና ከም ፍልይቲ መዓልቲ እዮም ክጽበይዋ ቀንዮም። ንህዝቢ ዝረኸበ ረኺብዎም መዓንጣ ከብዶም ተሓሚሶም እዮም ወሪሖም። ግና ዘይተርፍ ሓመድ ድበ ስለ ዝኾኖም ቅባጸት ንኽቀብጹ ከምቶም መሰልቶም በሃማት ልኡኽ ከብጽሑ ኣብ ከተማ … more