ዓገብ! ኤርትራውያን ንኤርትራውያን ይጨውዩ ኣለዉ። (መልእኽቲ ካብ ግብጺ)

ካብ ሱዳን ናብ ሲናይ (ግብጺ) ብ 2500 ዶላር ተሰማሚዕም ዝተበገሱ ኣሕዋትና፡ ኣብ ሲናይ 2800 ኣኽፊሎሞም። ሲናይ ምስ ኣተዉ ከም እንደገና ካብ ሲናይ ንወስደኩም ኣለና ኢሎም ጠዋውዮም ናብ ካልእ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፋፊሎም፡ ነቶም ሓደ ጉጅለ ንነፍሲ ወከፎም 7000 ዶላር ኣመሪካ ነቶም ሓደ ጉጅለ ኸኣ 6000 ዶላር ኣመሪካ ኣምጽኡ … more

ናይ ደገፍ መልእኽትና ንሲምፓዝዮም EYGM US – ብ EYGM UK

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ሲፖዝም ብመጀመርታ ነዚ ሲመፖዝዮም ክዉን ንምግባር ግዚኦም ሰዊኦም ኣብዚ ዘብቁዑዎ ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዲሲ፣ ህያው ኣብነት ናይቲ እዚ ማሕበር ከማዕብሎ ዝምነን ዝብህጎን ኢኹም ኢልና ስለንኣምን የውሃናና ክንገልጽ ከለና ብኣኹም ክሳብ ክንደይ ሕቡናት ምኻንና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ. … more

ዕድመን ብድሆን ንኣዕሩኽተይ – ናይ EGS/EDA ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንቶን ብዝምልከት፡

እዞም ደቂ ዓዲ ከምዚ ይብሉ "put your money where your mouth is". እዚ ከኣ ንዝኾነ ይኹን  ጉዳይ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ'ውን ክርኤ ኣሎዎ ማለት እዩ። ብካልእ ኣርዘረባ ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብ  ኤርትራ ዘሎ ግፍዒ ምንጽርጻርን ምሕማይን ምውርዛይን ፈኸራን፣ ከምኡ'ውን ብመልሓስካ ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ንሃገሩን ንህዝቡን ሓላይን ኣስቆርቋርን ምምሳል ንግዜኡ ንሕደጎ'ሞ … more

ኣገዳሲ ሓበሬታ: ንዅሉ ኤርትራዊ ዜጋን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን።

በቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ኣሰቃቒ ምሕደራ ጉጅለ ህግዲፍ መሰረት ብምግባር ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ንምቅዋም ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ንዕለት 28-02-2009 (ቀዳም መዓልቲ) ልክዕ ሰዓት 12.00 ቅድሚ ቀትሪ ሰልፊ ክጅመር ምዃኑ እንዳሓበርና ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ሰዓትን ተረኺብኩም መረረኹም ክትገልጹ ብጥብቂ ንላቦ። … more

ብራቮ ዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ወርቃዊ ዝኾነ ተፈታውን ተነባብን እዋናውን ጽሑፋት ብስም እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ዜጋ ከነንብብ ቀኒና፡፡ ውሕሉል ዝወጾ ዘይብሉ ዘበራብር ጽሑፍ ኮይኑ ረኺበዮ፡፡ ኣቶ ተስፉ ዘውደ ንዶክተር ዘይነብ ኣመስጊኖም ንተበግሶ ምሁራን ዝምልከት ኣርእስቲ ንእግረ መንገዶም ጠቒሶም ምሁራና እንቋዕ ድምጾም ጀመሩ ክብሉ ኣመስጊኖም።ናብ ዶክተር ዘይነብ ዝቐንዐ ምስጋና ዝድገፍ ኮይኑ … more

ቃለ መጠይቕ ኣምባሳዶር መሓመድ ኑር ምስ ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ

ክቡር ኣምባሳዶር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ምስ ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውዲት ኣብ ጉዳይ ጠንቂ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ከምኡውን ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ውዲት ምእሳር ሓለፍቲ ሰበስልጣን ዓበይቲ ዓድን ጋዜጠታትን የቓልዕ፡፡ … more

መልእኽቲ ጽንዓት

ብምኽንያት ሞት ገዲም ዓቢ ሃገራዊ ተጋዳላይን መራሒን ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ክንገልጽ ንፈቱ። ክቡራት ስድራ ሸኽ እስማዒል ዓብዱን ብጾቱን  ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ … more

ጸዋዒት ንኹሎም ኤርትራዊ ተቐማጦ ካናዳ

መንግስቲ ካናዳ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዘለዎ ሓበረታ ግጉይ ስለዝኾነ ነቲ ቅኑዕ ሓበረታን ስእሊን ንምሃብ ናይ ጥርዓን ጽሑፍ ንምቕራብን ኣብ ዝለዓለ ኣካል በጺሕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ተሰማሚዕና ነዚ ጉዳይ እዚ ትመርሕ ሽማግለ መዚዛና ስራሓ ጀሚራ ኣላ።ነዛ ሽማግለ እዚኣ ንምሕጋዝ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ክለዓል ንጽውዕ። … more

ኣዋጅ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኤርትራ

ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን (ሕ.ወ.ኤ.-ኣ.ማ.ም.) ንግንቦት 18 ፣ 2008 (ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ግንቦት) ስለ ህዝብናን ሃገርናን ቤተክርስቲያን ኤርትራን እትጽልየሉ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኮይና ኪትውዕል ይጽውዕ ። … more

ቃለ መጠይቕ ምስ መስፍን ሐጎስ — አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

ቃለ መጠይቕ ምስ መስፍን ሐጎስ — አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ  አቕራቢ ጋዜጠኛ – ወልዱ ሚኪኤል ኤርትራ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ካብ መሬታ ክውጽእ ምውሳና፡ ብሕጊ ምኽኑይን ብዲፕሎማሲ ሓጋዚንዶ ነይሩ፡ ወይስ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ሃሳዪ? ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ ክዕስከር ዝብል ውሳነ፡ ምስ ምሕንጻጽን ኣብ ባይታ ምምልካትን ናይቲ ሓድሽ … more