ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም።

Isaias_Af10

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብቲ ኣኼባ ኢሳይያስ ዘተኮረሎም ጉዳያት፣ ኩነታት ሰራዊትን ህሉው ኩነታትን ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ሓይልታት ምልክኻል ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ብዝሒ ምዅብላልን … more

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዝጠፍኡ 325 ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላጽ ኤርትራውያን ናይ ሓዘን ስነስርዓት ኣካይዶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ … more