መን’ዩ ፈታዊ ኤርትራ?

Tsilal_Eri

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብኣጋጣሚ’ቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሰላማዊ ሰልፍን መራኸቢ ብዙሓንን ኣቢሎም ነቲ በቲ ውድብ  ዝቀረበ ጸብጻብ ደገፎም ገሊጾም። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ በቲ ንሱ ዝውንኖ ጋዜጣ፡ ራድዮን ተለቪዝንን ኣቢሉን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት … more

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም

Asmera_Churches

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነዛ ጽሕፍቲ ክንጽሕፍ ዝገደደና አቲ ብዕለት ሰነ (June) 28,2016 ኣብ ኣሰና ዶት ኮም “ ጳጳስ ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተከርስቲያን ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጸሓፈ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ተሓዊስዎ ስለዘሎ መልሲ ንምሃብን ከምእውን አቲ ሓቂ  ንኣምበብቲ ንምሕባር እዩ። … more

ክልተ ውዕሎታት ጀነቫ።

S1290018

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ነዛ ሓጻር ዓንቀጽ በጃኻትኩም ኣንቢብኩም ናብ ዘይኣንበባ ኣሳግርዋ፡፡ ኣይትንዓቕዋ ዝእረም ወይ ዝንቀፍ እንተለዋ ወስኹላ ኣርምዋ፡፡ ሓላፍነት ናይዛ ጽሕፍቲ ተሓታቲ ባዕለይ ኢየ። ብዛዕባቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ  ዕለት 26 ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝተኻየደ ድሙቕ ሰለማዊ ሰልፊ ብባህር ጋዜጠይና ኣማኑኤል ኢያሱን ብሰፊሑ ብስእልን ቪድዮን ተተንቲኑ። ኣብ ልዕሊ ናይ ኣማኑኤል ካልኦት … more

ሓድነት ትካላት መርበብ ሓበሬታ ደምበ ተቃውሞ! ሕጂ!!!

Media_code

ሓድነት ትካላት መርበብ ሓበሬታ ደምበ ተቃውሞ! ሕጂ!!! ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ሓድነት ኣብ ሓደ መስርሕን ክውን ነገርን ዘለዎ ጥቕሚ ብምግላጽ ‘ዬ ዝጅምር። እስኪ ሓድነት ኣብ ስድራቤት ዘለዎ ጥቅሚ ንርአ። ስድራቤት ምስሊ ናይ መንግስቲ እዩ። ኣላይ ስድራ ኣቦ ኣደ ዓቢ ሓዊ ወዘተ እንዳበለ ዝወርድ ሰንሰለታዊ መስርሕ ‘ዩ። ሓድነት ስድራ ብደምን ስጋን ዝተኣሳሰረ … more

ዓቕሊዶ ጸበበ ላዕልን ታሕትንዶ ኮነ

S1290016

ኣንታ እንታይ ተረኽበ ኣዬ ዓቕሊዶ ጸበበ ላዕልን ታሕትንዶ ኮነ መሸንቆቓ ዶ ጸቢባ ዘድምዕ ጊዜ ምስባኸነ ህዝቢ ምስ ምስተበታተነ ለባማት ደቂ ሃገርና ድጋጊሞም ሚዒዶም ዝሰምዕ ምስተሳእነ እዋይ ሕማቕ ዕድል ኣየ ህዝብና እዚዶ ትፍደ ከም ብደው ዝዓወነ ብገርማዕ ወዲ ገርማዕ ምስተማሓደረት ሃገር ክህሎቶም ዝበነነ ዓለም ካባና ትማሃር ኣላ አንዳበሉ ዝጭድሩ ከም ሰብ … more

ብሽም ተቃዋማይ ምሽቃጥ ዓገብ ; መስከረም ዶት ነት

S1290024

ንመስከረም ዶት ነት ዓገብ ክብል እደሊ። ከም ሽም እቲ ዝዓበየ ተቃዋማይ መርበብ ሓበሬታ ስያመ ተዋሂብዎ ‘ሎ። ተቃዋማይ ዝብል ሽም። ብግብሪ ግን ኣይከምሽሙን። ተቃዋማይ እንተኾንካ እኮ ክህልወካ ዘለዎ ዕላማታት ንጹርን ፍሉጥን እዩ። ብሽም ተቃዋማይ ግን ከኣ ደጋፋይ ኮንካ ምቅራብ ኣይግድን። ንዝበልሐ መጉደሚ ኮንካ ከምቅራብ እዩ። ኣብ ሓደ ጽሑፍ ከምመሽረፈት ዝመሰልዋ ከምዘለዉ … more

ርስቃ ኮይኑዎ’ዩ! ቃል መስከረም ነት፥

Addis_Ababa_demo2015

  “እቲ ምርጫ ንጹር እዩ።  ወይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ወይ ምስ ሃገርካ ምውጋን።” “ሎሚኸ፡ ንካልኣይ ግዜ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታትክውሰን?” “እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብዘይፍላጥ: መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራትመንግስታት ንኽውሰን ዘተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ።” “ሬድዮ ወያኔ ሬድዮ ወጋሕታ ዘቕረቦ ጸበጻብ ሰላማዊ ሰልፍታት…፤ ወይሰልፊ ትወጽእ ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ኣይትወጽእን… “ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና” ዝዓይነቱ ቃላት፡ ቃል እቲ ርስቃ (ካብ ኣቦ እተወርሰ) ኣቦኡ ጀነራል ጎይትኦም ወሪሱ፡ ንኤርትራውያን ንሓድሕዶም ንምጥፋእ፡ ኣበርቲዑ ዚሰርሕ ዘሎ፡ ቈርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተዂላ፡ ዕሱብ ናይ ዕሱባት ዝኾነ፡ ወናኒ ናይ ብሕቱን ንብሕቱን ዝኾነት ፍንፍንቲ መርበብ ሓበሬታ … more

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን ነቲ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጉባኤና ንምስልሳል ንዕለት 07/11/2015 ከነካይድ ስለዝኾንና ደለይቲ ፍትሒ ጻዊዕትናን ዕድሜናን ኣክቢርኩም ብሳዓትኩም ክትርከቡልና ብትሕትና ንምሕጸን፡፡

Indianapolis

ብቀዳምነት ሰላምታና ነቐርብ። ቀጺልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እንድያናፖሊስን ከባቤአን ነቲ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጉባኤና ንምዝዛምን ንምስልሳልን ንዕለት 07/11/2015 ከነካይድ ስለዝኮንና ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ፡ ጉዳይና ስለዝኮነ ጻዊዕትናን ዕድሜናን ኣክቢርኩም ብሳዓትኩም ክትርከቡልና ብትሕትና ንምሕጸን፡፡ ነዚ መደብ’ዚከኣ ንዘይ ሰማዑ ጉድሳት ሰባት ንምሕባር ኣብ ጎስጎስ ነብሲ ወከፍ ክትተሓባበሩና  ኣሰናዳዊት ሽማግለ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኢንዲያናፖሊስን … more

ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ ሕልናኻ ኣቕሲንካ

S1290024

ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ ሕልናኻ ኣቕሲንካ Tesfamariame Wel. 30/06/2015 Norway   ህዝቢ ተላዒሉ ከካብ ዝነብረለን ሃገራት ብዘይ ተጽዕኖ ብሕልና ምእንተ ዉጹዓት ተወዲኡዎ ኣስተንቲኑ ብናይ ህዝቡ ምረት ቃሉ ከስምዕ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት   ሰናይ ዘመን ኮነ ጠጥዕሙ ዘበስር ንደላይ ፍትሒ ቃል ኪዳን ዘተኣሳስር ኣብ ሓደ መኣዲ ተጠርኒፍና ክንመክር ህዝብና ስኒትና ሰሚዑ … more

ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

Asmera_Churches

ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣባ ሲኖዳ ካብ ናይ ኣመሪካን ካናዳን ካብ ናይ ጵጵስና ሓላፍነት ስራሕ ተገሊፎም። ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዑደት ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሰነ 26, 2015 ኣብ ከተማ ፊላደልፍያ ዝተኣካቡ ኣባላት ቤተ ክርስቲያናት ኣብ ዘለውዎ፥ ኣባ ሲኖዳ ካብ ናይ ኣሜሪካን … more

ውዕሎ ጀነቫ 26 ሰነ 2015 እቲ ፍሕሹው ገጽ ተጋዳላይ፡ ዳግማይ ኣብ ጀነቫ ርእየዮ

Tadesse

ውዕሎ ጀነቫ 26 ሰነ 2015 እቲ ፍሕሹው ገጽ ተጋዳላይ፡ ዳግማይ ኣብ ጀነቫ ርእየዮ ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም         29/06/2015 ድሕረ ባይታ፡ –  ዝኽትምና ዝብል ቃል ኣብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውቱር ኢዩ። ኣቡኡን ኣዲኡን ወይ ሓዲኦም ዝሞቱዎ ቆልዓ፡ ግቡእ ሓልዮት ናይ ወለዲ ስለ ዝጎድሎ ዘኽታም ይበሃል። ዝዘኽተመ ቆልዓ፡ ክሳብ ዓቕመ- ኣዳም ዝበጽሕ  ብዙሕ ጸገማት … more

ንወ/ሮ መድህን..!

S1290019

ንወ/ሮ መድህን..! ህግደፍ ተጨኒቑ ፍጹም ኣዕወንዊኑ ልዕሊ እምባሶይራ በሪኹ ገበኑ ካብ ሰብ ከይክዉሎ ገለ ሸፋፊኑ ክፉኡ ዝኸድን ዓለባ ስኢኑ ኣደድ ክፉእ ትርኢት ወጺኡ ዕርቃኑ! እታ ምኽኒት ሓሶት መሰንቖ ባድመ ዓለም ብቕኒታ ወትሩ እናጸመመ እዚ ዓማጺ ጉጅለ ሕድሪ ዝጠለመ መብጽዓ ሰማእታት ስለ ዘይፈጸመ ህዝብን ሰራዊትን ኢዱ እናሰለመ ይበታትን ኣሎ ከም ደበና … more

ኣለኹ ምሳኻ ብመንፈስ

Democracy_dic12

ኣለኹ ምሳኻ ብመንፈስ : ደላይ ፍትሒ ንስለይ ትቃለስ ኣውያተይ ከተስምዕ:ብለይቲ ብቐትሪ ትግስግስ ዝተረገጠ ማዕጾ  ክትኹሕኩሖ ይርኣየኒ’ሎ መሬት ከተውግሖ:: ይሰምዖ’ለኹ መቓልሕካ ድቁስ ዘበራብር ሓያል ቀላጽምካ ኣርዑት ምልኪ ዝሰብር:: ኣብ ዒላዒሮ ተመቁሐ ኣፈይ እንተ ተዓብሰ ትሕተ መሬት ኣደልሰር ስጋይ እንተበስበሰ ኣሎኹ ብመንፈስ ምሳኻ ይዕልል ተመቁሐ ኣእጋረይ ብተስፋ ይዘልል:: ረስኒ ዊዓ ናኹራ ገላዕሎ … more

ስሙር ድምጺ ሃገርና ንምድሓን

Tsilal_Eri

እታ ልሳን ህግደፍ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብ20 ሰነ 2015, “ትሕዝቶን ተኣማንነትን ዘይብሉ ጸብጻባት ‘ኣጻራዪ ኮሚሽን’ ውድብ ሕቡራት ሃገራት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከነኣእሶን ዘይመልክዑ ከትሕዞን ፈቲኑ። ምዕልባጥን ዓበድበድን ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ንልዕሊ 20 … more

ኣብ ዝተፈላለየ መዋእል ዝመሳሰል መድረኽ

Eritrea_3

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽና ምስ እንውከስ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ዳርጋ ሚእቲ ዓመታት መዋእል ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወራርትን ገዛእትን እናተዳህከ’ዩ መጺኡ። ንኹሉ ወራራት’ውን በብዞኑኡ እናመከተ ኣፍሺልዎ። ምዕራባውያን ንእንዱስትሪያዊ  ምዕብልናታቶም ዝኸውን ጥረ ሃብቲ ንምንዳይ ንኣፍሪቃ ቈራሪሶም ተኻፊሎማ። ኤርትራ ሃገርናውን ግዳይ ናይዚ ምዕራባውያን ውጥን ብምዃን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ተቘሪና። ኣብቲ ናይ ዳርጋ … more

ለውጥን ጸገማትን

Amanuel_Sahle_Asena_FL

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ህይወት ጕዕዞ፡ ንስኻ ወይ ድማ እቲ ኣከባቢኻ (environment) ከይተለወጠ ስለ ዘይተርፍ፡ ወይ ንስኻ ክትብድሆ ኢኻ ወይ ከኣ ንሱ ኪብድሃካ እዩ። ወይ ንስኻ ክትልውጦ ኢኻ ወይ ድማ ንሱ ኪልውጠካ እዩ። ተጠማሚትካ ደው ምባል የልቦን። ክትዕወት እንተ ኾንካ ድማ፡ ወይ ነቲ ኣከባቢኻ ምሰል/ተመሳሰል፡ ወይ ድማ ንኣኻ ብዚምሽእ … more

ፈውሲ መርዚ ገበል ሓድነት።

ፈውሲ መርዚ ገበል ሓድነት። እዝክረካ’ወ ንቑሕ ዉፉይ ንጉስ በረኻ፡ ቆራጽነትካ ዘፍትሔ ዕጥቂ ጸላእትኻ፡ ዓወት ንሓፋሽ ዝነበረ ስንብታኻ፡ ህይውትካ ዝኸፈልካ ንዕላማኻ፡ ነቕንቃ’ስከ ንዋዕሮ ሳሕል ብጸይትኻ፡ ከዘንትወልኩም ሕሰም ናይ ህዝብኻ። ኣቦኻ ተጸቢዮም ነይሮም ክላበውኻ፡ ናፍቖት መሊኻ መገሻ ኣርሒቖም ክደልዩኻ። ኣደኻ”ስ ደቅኻ ከጽንሓልካ ሃቂነን፡ ክመርዓው ያኢ ሓድጊ ክገድፉለን፡ ተካል ማህጸን ግን ሕሹኽ ኢላተን፡ … more

ጀጋኑና

Eritrean_fighters

ጀጋኑና ፍሥሓየ መብራህቱ ጀጋኑ ኤርትራ  ኣቱም ነጋውሠ መስዋዕትኹም ክዝክር ሎሚ ኣሓዲሸ መንነትኩም ክዝርዝር ሞያኹም ጠቒሸ ዝኽሪ ጨጓር ዳንጋ ጡና ዝጠሓሰ ዝኽሪ ንኡስ ጓሳ ገና ዘየግዓሰ ዝኽሪ ደፋእ ድንኵል ሕዳድ ዝሓረሰ ዝኽሪ ናይ ሸቃላይ ለይቲ ዝገስገሰ ዝኽሪ ተማሃራይ ደብተር ዝዳህሰሰ ዝኽሪ ሊቅ ምሁርና መጽሓፍ ዝደረሰ ዝኽሪ በዓል ሞያ መሬት ዝሃንደሰ ዝኽሪ … more

ህጹጽ ሐበሬታ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ

isias_Kissed

ብመሰረት ዉድብ ሕብራት ሃገራት ዝመዘዞ መርማሪ ኮሚሽን ዘቅረቦ፡ንሓቀኛ መከራን ስቃይን ንሓቀኛ ምስልን ወጸዓን ህዝቢኤርትራ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዕብድብድ ኣእቲዩሉ ይርከብ። ነቲ ጸልማት ትጎልቢቡን ብሚስጥርን ብቃጻን ብሽርበት መልክዕን ክፍጽሞ ዝጽነሐ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጨካን አረመናዊ ገበናት፡ እነሆ ሕጂከም ጸሓይ ቀትሪ ቦጣዕጣዕ ኢሉ፡ከዊልካ ዘይክወል፡ ሽፊንካ ዘይ ሽፈን፡ኣመኽኒኻ ዘይሕለፍ አብ ጸቢብ ማሕንቆ ተቅርቂሩ፡ህዝቢ … more

ትርጉም ዘይብሉ ጉዕዞ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንጀነቭ – ኣብ ዓዲ-ዲሞክራሲ ኰይንካ ንዲሞክራሲ ምቀዋም?

isias_Kissed

ትርጉም ዘይብሉ ጉዕዞ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንጀነቭ ኣብ ዓዲ-ዲሞክራሲ ኰይንካ ንዲሞክራሲ ምቀዋም? ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ፡ጨቋንን ተጨቋንን ዘለዎ ስርዓት፡ ተቓዋምን ደጋፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ። አብቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ እቶም ተቓወምቲ ውሑዳት ኢዮም። እቲ ቅኑዕ ዓላማ ስለ ዝተዓጥቁ ግን እና በዝሑን እናሓየሉን ይኸዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዓወቶም ናይ ግድን ይኸውን። … more

ጅግንነትን ቆራጽነትን ብልሕን መስዋእትን ተሓኤ ዓቢ ግናዕ ናጽነት ኤርትራ’ዩ።

Eritrea_3

ጅግንነትን ቆራጽነትን ብልሕን መስዋእትን ተሓኤ ዓቢ ግናዕ ናጽነት ኤርትራ’ዩ። ሃገራዊ ቃልስና ካብ ዝቀጻጸል ኣትሒዙ፡ ተጻብኦታቱ ዋላ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ይደይብ፡ ሳላ’ቲ ውሁብ ሓቅነቱ ንኽምክት ህዝባዊ ግርማ ስለ ዝነበሮን፡ ካብ ዕለት ንዕለት ቅያታት ዘይተፍልዮ መስተንክር መስዋእቱ እንዳኣተርንዐ ዓወት ክጓናጸፍ ክኢሉ’ዩ። እቲ ተቓላሲ ባህርን መኸተን ህዝብና፡ ብቐንዱ እቲ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራን፡ ብፍላይ’ውን … more

ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..?

Mike_emba

ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..? ናጽነት ኤርትራ ፍረ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት እያ፡፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ንኹሎም እቶም ንስለ ናጽነት ህይወቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ብፍሉይ እንዝክረላ: መብጽዓና እነሓድሰላ: ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት፡፡ እቲ ምንታይ ጀጋኑና ንሞት እናተቐዳደሙ ግንባሮም እንተዘይህቡ፡ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ ሕመረት መትከሎም እንተዘይ ገብሩ፡ … more

ጡረታ ጌርኩሞ!

Isaias_ostrich

ጡረታ ጌርኩሞ!   ወዲ ሰብ ከም ዓሳ ካብ ጐልጎል ክትገፉ ኣሪግኩም ቆንቊንኩም እንካብ ትስነፉ ኣቱም *እምሄዋትና ሎምስ’ባ ኣዕርፉ                   *ኣባሓጎታትና ክሳዕ ግዜ ሞትኩም ስልጣን ከይትገድፉ መብጽዓ ኣሎኩምድዩ ናይቶም ዝሓለፉ!?   ክሳዕ እትወድቁ’ወ ብሕማም ሰንኪልኩም ኣብ ኰረሻ ስልጣን ክትነብሩ ኣራጢጥኩም እቲ ዝፋን ናይ ህዝቢ ኪኸውን ደሞዝኩም ጡረታ ጌርኩሞ ዓስቢ ምግዳልኩም  ነዚድዮም ስውኣት … more

ጀኔቫ ሓቂ ፍረዲ

Isu_Supporters

20/06/2015 ጀኔቫ ሓቂ ፍረዲ እንታይ ክ ኢዩ ጉዱ ገሪሙና ተጋጊና ዲና ሲኢና ጥዕና ዘይንሓስብ ስቓይ ናይ ደቅና እቶም ዝዕዘቡስ እንታይ ይብሉና ሙሉእ ዓለም ይዛረብ ብአና ካባና ርሒቑ እቲ ሕልና ክብረት ሲኢናላ መንነትና ከም ደርሆ ንጻወት ብደቅና። ተልእኾ ዘሎዎ እዚ እከይ ወዲ ሓዲግ መዲግ ገይርዋ እዛ ዓዲ ከይንስጉም ዓጺና መገዲ መቐጻዕ … more

“ይድንጒ’ምበር ኣድግስ ናይ ዝብኢ ኢያ”

Isaias Afewerki

“ይድንጒ’ምበር ኣድግስ ናይ ዝብኢ ኢያ”              18.06.15፡                                                                               ካልኣይ መርድእ፡ ካልኣይ ቀብርን ካልኣይ ሃገራዊ ሓዘንን። ሓደ ግዜስ ዝብኢ፡ ኣድጊ ንኣእዛና ከምዝጠዓማ የማነ-ጸጋም ከተወጣውጦ እንከላ ቀርኒ መሲልዎ ከብዱ ከይትብትብቶ ይፈ ርሃ ከምዝነበረ ኣውጊዐኩም ነይረ። ኣይደለየቶን’ምበር ብበሮኾዳኣ ገይራ’ውን ኣስናኑ ከይተርግፎ እሰግእ ነበረ። ሓንቲ መዓል ቲ ወዮ ዝብኢ ክቱር ጠምዩ ምማቱ ዘይተርፎ ምስመሰሎ፡ ንኣድጊ ወሰን-ወሰን … more

Updated: ቅድሚ 23 ዓመት

Heroine

ቅድሚ 23 ዓመት ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ: ኣብ ሕዳር 1978 ብሰራዊት ደርግ ተማሪኻ:: ኣብቲ ደርግ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ኣእላፍ ሰራዊት ኣሰሊፉ ዝኸፈቶ ናይ ሰሜን ግንባር: ህዝባዊ ሰራዊት ብጅግንነት መኪቱ ሰብን ንብረትን የውጽእ ነበረ:: ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ ኣብ ብርጌድ 23 ተሰሊፋ ኣብቲ ኣብ ዒላበርዕድ ዝተገብረ ናይ ኢድ ብኢድ ቦምባ ውግእ … more

ሞያ ስውኣትና ብህግደፍ ተረሲዑ

Tsilal_Eri

ዓመት መጸ 20 ሰነ፡ ሰማእታትና ንምዝካር፡ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ፡ ኣግራብ ብምትካል፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ብምጽላይ፡ ስድራቤቶም ብምሕጋዝን ካልእ ንጥፈታት ብምክያድን ክቡር ሞያኦም ንዝክሮ። ኣብ ዓለም ንህዝብኻን ሃገርካን ህይወትካ ምውፋይ፡ እቲ ዝኸበረን ዝዓዘዘን ህያብ’ዩ። ስውኣትና ዝኸፈልዎ ልዑል ህይወት፡ ዋጋን ትርጉምን ንኽህልዎ ግን፡ ኣብቲ ደሞም ዝፈሰሶን ኣዕጽምቶም ዝተኸስከሶን መሬት፡ ሰላም፡ ብልጽግና፡ … more