Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ክኸውን ኣለዎ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ኣብ ገለ መድረኻት ናይ ሓባር ዓላማን ናይ ሓባር ጸላእን ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ነቲ ዝፈላሊዮ ንወሰን ሓዲጉ በቲ  ዘራኽቦ ሓቢሩ ክሰርሕ ናይ ግድን ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ

READ MORE

"በረኸት ሃብተስላሰ ዝጸሓፎ ቅዋም ንየው በሎሎሎ!!!!!!!!" ይቅረታ ብሓደ ስግንጢር ዝመስል ኣርእስቲ ጀሚረልኩም።ግን ብሓቂ ከም ቁምነገር ተሓሲቡ ዝተዘርበ እዩ።። ብኻልእ ዓይነት ቋንቋ ዝተዘርገሐ ቤላ-በለው ዓይነት ኮይኑ ከይስምዓኩም ብወረጃታት ማዕዶ ብቋንቋ ዓድናዝተዘርበ አዩ።እዚ ዘረባ እዚ ክዛረብ ዝኽእል ፍጡር ፡ብገለ ኣጋጣሚ ጎፍእንተ ኢሉኩም የተንፍስ ምህላዉ ክትጠራጠሩ ኢኹም እሞ፡ ቆንጢኹምሰብ ምዃኑ ኣረጋግጹ ።ሃይ እንተበለ፡ እሕሕሕ ወስኸሉ በልዎ። ውሕሕሕእንተበለ ግን ፡ከምዘይናትኩም ገዲፍክሞ ዓዲ እንተ ኣተኣተኹም ሓላልስለዝኾነ፡ ግልጽ ኢልኩም ኣይትርኣይዎ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብ"ተመሊስካ እትረድኦ'ስ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ' ዝብል ምስላ ወለዲ ኣይሰርሕን አዩ።ብነብሱ እውን ፍጥረት ህዝብና መሃይምነት ዝዕንድረሉሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝተናፈሰ ወረ ክመሚ ዓቅሚ ይውሕዶጥራሕ ዘይኮነ ፡በቲ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፣ ንረብሓ ረገጽቲ ዘገልግል 03፡መሽረፈት ከም ዘቀብል ገይሩ ከይፈተወ ክውደብ ስለዝተገብረ ኣብ ክሳዱገመድ ይጥምጥም ምህላው ክርድኦ ሓያለ ግዜ ክወስድ አዩ። ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ህዝቢ ዝደርበዮ ዱቦላ፡ ኢደ-እግሪሩ መትሓዚ ዘይነበሮ፡ ንለባም ዘይሓደሶ፡ ንዓሻ ግን መለሳ ኮይኑ ዝተሰምዖ መደረ፣ወርሕን ፈረቃን የሕሊፉ ኣብ ዘለወሉእዋን ፡ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣትየ፡ ምስ ሓደ ኣቀዲመዝፈልጦ ሻሂ ክንሰቲ ምስ ተኣለና፡ ዘረባ ዘረባ ዘምጸኦ ሃንደበት "ብበዓልዶክተር በረኸት ዝተጻሕፈ ቅዋም ንየው በልዎ "ዝብል ዱቦላ ዘረባ ምስሰማዕኩሉ ፡ቅንጥው እንተበልኩዎ ሃይ ስለዘይበለ ፡ብድድ አለ ቀልቀለይከምዝደርበኹ ጠንጢነዮ ዕዝር በልኩ።እታ ዘረባ ግን ከም ተራ ዘረባ ጌረክርዳኣ ኣጸገመትኒ እሞ ፡ምስቲ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ኢሰያስ ኣፈወርቂዝመደሮ ከተሳስራ ፈተንኩ። ከመቅጽበት ፡ብዘይካ ናይ ኣሰዃኹዓ ቃላትፍልልይ፡ መንፈሰን ሓደ ምዃነን ክርደኣኒ ግዜ ኣይወሰደለይን።ለከ ጥሪት'ሲካብ ዓበይቲ የብሉ ካብ ን ኣሽቱ በልኩ።ንሱ "ድሕሪ ካብ ማእለያ ዘየብሎም ተጻብኦታት ተሞክሮ ምቅሳምና መጻኢ መንግስቲ

READ MORE

ቦሎኛ  - መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና’ምበር መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን ዮውሃንስ ጸጋይ - ሎንዶን - 26 ሰነ 2014   ኣብ ዓቕመ-ኣዳም ዘይበቕዐት ንኡስ ዕድመይ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ፡ ብመትከልን ስነ-ሓሳብን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተሓጺበ፡ ኣብኡ ዓብየ ተጋዲለ፡ ሰንኪለ፡ ዝበሃግኩዋ ናጽነት ክርኢ በቒዐ። እታ ዝበሃግኩዋ ሓርነት ህዝበይ ግን ክርእያ ኣይበቓዕኩን።

READ MORE

ኣይስወጠኩምንድዩ!?   (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 4ይ ክፋል)   ግደ ሓቂ፡ እዚ ፈጺሙ ዘይተጸበዮን ዘይገመቶን፡ ብሃንደበት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም መግዛእቲ ወዲቑ ዘሎ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዝኸፈሎ ናይ እልፊ ኣእላፍ መስዋእትን ዘሕለፎ ውርደትን ሕስረትን፡ ሎሚ ሓለፋ ኹሉ ህዝቢ ዓለም፡ ሓርነትን መሰልን ዘሎዎ ህዝቢ’ዩ ክኸውን ኔሩዎ። ብሰሪ’ዚ ብዘይካ

READ MORE

መላጉቦ ጊዜ፡ ዝሓለፈ፣ ህልዊ፣ መጻኢ፤ ምስናድ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡  ካብ  ምዕቃብ ታሪኽ ናይ ዲሞክራሲያውያንን ሓርበኛታትን ኤርትራውያን ተፈልዩ ዘይረአ ሃገራዊ ሓላፍነት እዩ። ዕላማ ተበግሶ ምስናድ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ.  (ብጽሑፍ፡ ብቃል፡ ብስእሊ)፡ ብባህርያቱ ፍትሓዊ እዩ። ስለዝኾነ፡  ካብ  ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ንምድሓን  ንለውጥን ንፍትሕን ዝሓንን ዘሎ ቃልሲ ኣይፍለን።  ምንቃስቓስ  ዳግመ-ርኽክብ

READ MORE

መቸም እዛ ደርፊ ናይ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈትላ ግዜ እንክንዝክር፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ግዜ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራ ዘርከብና እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ እዚያዳ ተምሳጥን ተዘክሮን ጠቡላሕታን ዝገደፈ ህሞት እዩ። እምበኣርከስ እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ። ኣብቲ እዋን ካብቶም ቀዳማይ ተሓባባሪ ስርዓት ኢትዮጵያን መሓዛ ሃጸየ ሃይለስላሴ ዝነበረ

READ MORE

ህግደፍን ቅዋምን   ውልቀ መላኺ ኢስያስ አፈወርቂ ዝሓለፈ መዓልቲ ነጻነትና ብዛዕባ ምንዳፈ ቅዋም ክጅመር ምኻኑ ተዛሪቡ ነይሩ፤ ግን መጀመርታ ዝመጸካ ሕቶ እቲ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም  እንታይ ኮነ፧  እዚ ሕጂ ዝንደፍ ቁዋም ከኒ በየናይ መዓቀኒ እዩ ካብቲ ቀዳማይ ብዝበልጸ ሕጋውነቱ ዘመስክር፤ ናብቲ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይቲ ቀዳማይን እንኮን ኤሪትራዊ

READ MORE

መግለጺ መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ካብ በዓል ናጽነት ናብ መዓልቲ ሰማእታት   ኣብ ዝሐለፈ ውሑድ ሰሙናት ህዝቢ ኤርትራ ብዓሰርተታ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብሉጻት ዕሸላት ደቁ ከፊሉ ዘምጸኦ ጽንብል ናጽነት ብዝተፈላለየ መልክዓት ከብዕል ቀንዩ። ካባኡ ናብኡ ድማ ነቲ መዐልቲ ናጽነትን ልኡላውነት ሀገርና ኤርትራ ኩውን ንዝገበሩ፤ እቶም ኣብ ንእስነቶም ንህዝብና ምእንቲ ክሐልፈሉ፡

READ MORE

ከም ዓረም ክሓልቡ!                     (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 3ይ ክፋል)   ጃንዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ንደገፍቱ ዝመስሎም መንግስቲ ኔሩ እንተ ዝኸውን፡ መንግስቲ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ስለ ዘሎዎ፡ ብዘይዚኾነ መተካእታን ሓበሬታን ነታ ንነዊሕ ዓመታት ብውሑስን ጽፉፉን መገዲ፡ ንህዝብን ሃገርን ተገልግል ዝነበረት ነፋሪት ሉፍታንዛ፡ ብሓንሳብ ደው ኣይመበላን! ብውሕዱ ‘በሉ

READ MORE

 ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….? ሎሚ እታ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን፡ ንመሰልን ፍትሕን፡ ንስለ ዕቤትን ብልጽግናን ንስለ ሰላምን ቅሳነትን ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ፡ ብመንጽሩ ስዉኣትና ዝገደፉልና ረዚን ሕድሪ መብጽዓና እነሐድሰላ፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ኢልና ማሕላናን ድምጽናን እነቃልሓላ ዕስራ ሰነ (20 ሰነ) መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኢያ፡፡ መበል ዕሰራን ሰለስተን ዓመት

READ MORE

ንሕና ምስ ጳጳሳትና ሸጥ መዓንጣና   ሎሚ እዛ ቅድስቲ ሃገረ ኤርትራ ዓውደ ኩናት ናይ ርኹሳንን ቅዱሳንን መናፍስቲ ኮይና ኣላ። ቅዱሳን መናፍስቲ ሕሰም ህዝብና ክዛዘምን፡ ነባሪ ፍስሃን ራህዋን ክሰፍንን፡ ብስርዓተ ሕግን ዘንግን እትምራሕ ሃገር ክትህልወናን፡  ኣርባዕቱ ወንጌላውያን ብስም ኣርባዕቱ ጳጳሳን ካብ ጽርሃ ጽዮን ወሪዶም ደወል „ተለዓል,, ይወቕዑ ኣለው።

READ MORE

ትፈልጦዶ?ሕግታት ኣገዛዝኣ።4ይ ክፋል    16-06-14። Robert Greene on his 48 laws of power: 'I'm not evil – I'm a realist'“ኣነ ተንኮለኛ (ክፉእ) ኣይኮንኩን - ኣነ ሓቀኛ(ውዱዕ) እየ’”። ብ1959 ኣብ ኣመሪካ ካሊፎርኒያ ዝተወልደ ጸሓፍን ተመራማርን ሮበርት ግሪን ገና ብሂወቱ ኣሎ። ንሱ ነዛ 48 ናይ ኣገዛዝኣ ዓንቀጻት “ሕግታት ስልጣን”፡ (laws

READ MORE

መብጸዓ ግንቦት ማሕሙድ ሳልሕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ኲናትን ከቢድ መስዋእት ብ1991 ነቲ ዕማም ምሕራር መሬቱ ክዛዝም እንከሎ፡ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ድሕሪ ምጭባጥ ናጽነቱ፡ ደቁ ዓዶም መሪርዎም ናብ ሞት ሃጽ ክብሉ፡ ካብ እንስሳ ሓሲሮም መዛረቢ ዓለም ክኾኑ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። ምእንቲ ክብሩ ኣዝዩ

READ MORE

“ብእምነት ናይ ሓቂ ደቅና’’ ናብ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ናብ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፣ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።1 ብትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዓወት ዝተረኽበሉ፡ በዚ ዘመነ ትንሣኤ ብጐይታ ኣብ ብርሃን ምእንቲ ክትህልዉ፡ፍረ ብርሃን ዝኾነ ጽድቅን ሓቅን ክትለብሱ (ኤፌ.5፡8-9 ረአ) ሠናይ ትምኒትና

READ MORE

እቶም ክልተ፣ ዕላምኦም ሓደ፣ መልሓሶም ዓሰርተ መን'ዮም? ብስራት ኣየናይ ኢዩ? ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል (ሰባር ካርሸሊ) ካብ'ቲ ን15 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተመቚሑሉ ዝነበረ ቤት-ማሕቡስ ውልቀ-ምልኪ ብትብዓት ፈንጢሱ ድሕሪ ምውጽኡ ጥዑም ድሃዩ ክንሰምዕ ምብቃዕና ድዩ፣ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ'ቲ ኣብ 24 ግንቦት ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስምዖ

READ MORE

ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ  መበል 23 በዓል ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስመዖ መደረ `` ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ከፍልጥ እፈቱ ``። ክብል ከምዝኣወጀ ሰሚዕና ኣለና። ድሕሪ  ኲናት ኢትዮ ኤርትራ  ጉዳይ ቅዋም ንመጀመርታ ግዜ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ

READ MORE

ቦሎኛ!   ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ሎሚ ካብ ዚኾነ እዋን ንላዕሊ ፍጹም ዕርቋኑ ወጺኡ፡ ብህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከም ሕሱም ተፈንፊኑሉ ዘሎ ግዜ፡ ክልተ ዓበይቲ ዕላማታት ንምውቃዕ ኢሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ በተን መዳናገርቲ ዝኾና ማዕከናት ዜናኡ፤ ኣብ ወጻኢ ድማ በቶም ‘ኣምበሳደራት’ ኢሉ ዝሰምዮም፡ ገንዘብ ምእካብን ህዝቢ ምፍልላይን ጥራይ ዝስራሖም

READ MORE

                                     ቅዋም ወዲ(ጓል)-ኣርባዓ፡                        04-06-14. “ወዲ-ኣርባዓ” ክበሃል እንከሎስ ከምሓደ ተኣፋፊ ቃል ይውሰድ ይኸውን። ከምኡ ድማ ወደ-ባትን ወ ዲ-ጓናን ናይ ምጉናይ ባህጊ ወይ ዓላማ ብዘለዎም ሰባት ዝዝረብ ይመስል ኢዩ። እንተ ብወገነይ

READ MORE

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                    ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም             6ይን ናይ መወዳእታን ክፋል      29/05/2014     ኣብ ሓሙሻይ ክፋል፣ ኢሰያስ ባዕሉ “ከምዚ በዓል ወዲ-ገራህቱ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝገበሩዎ ዕዉት ስራሕ …” ኢሉ ምጒሱዎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሓና ገሊጸ  ነይረ። እቲ ዕዉት ዝተባህለ ስራሕ ድማ

READ MORE

ብዕለት 24.05.14 ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብጭፍራ ህግደፍ ሓደ ንኣውሎን ማሰን መልቀስን ዝምልከት ሴሚናር ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብዚ ብስነ ጥበባዊ ሰለሙን ጸሃየ ዝቐረበ ሴሚናር ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ይኹን ደገፍቲ ህግደፍ ከም ዝተሳተፉ ዝፍልጠ ኮይኑ፡ ወኪል ጭፍራ ህግደፍ እየ በሃሊ ተኽለ ንጉሰ ፈዳይ (ምስ ጻዕዳ ሰበይቱ ዘሎ

READ MORE

ደቂ ሕድርትና  ውሽጠይ መኪና ክዕድግ ኣድልዩኒ ትሰማማዓኒ  ክሳብ ዝረክብ ነዊሕ ደልየ። ሓንቲ ከኣ ኣብ ልበይ ሓዲራ። ብኵሉ ሸነኻታ ካብ’ታ ዝጸንሓትኒ መኪና ትፍርዝን። ክሳብ ሽዑ ዝሓዝኩወን መኪናታት ‘ኣቲ’ ተባሂለን ዝጽዋዓ ንኣሽቱ እየን። የዕሩዅተይ ኵዕሶ ተኒስ ኢሎም ዝጸርፉዋ ሚክራ ነይራትኒ። ብድሕሪኡ ኣነ ከይተረፍኩ’ውን ጠበቕ ኢለ ዘጠመቝኩዋ ኣብ መሬት

READ MORE

ለበዋ ንመንእሰያት ኤሪትራ 2ይ ክፋል ከመይ ትኾኑ ተኻታተልቲ መርበብ ሓበረታ ኢንተርነት ኣብ ቀዳማይ ክፋለይ ብዛዕባ ክብረት ሰብ ንመንእሰያት ተላብየኩም ኔረ እዚ ኣነ ብዝፈልጦ ወገን ኮይኑ ግን ኣብ መላእ ኤሪትራ ኣብ ወወረድኡ ወይ ምምሕዳሩ ግፍዒ ዘይወረዶ ለባም ወይ ዘይደሃልዎ ሽማግለ የለን። ንኣብነት ኣብ ሰማንያታት ኣብ ባርካ መንእሰያት ክገፉ

READ MORE

ወልፊ ስልጣን በዓል ቈጽሊ፡ በዓል ሓይሊ፡ በዓል ጽልዋ ምዃን ደስ ይብል። ብዘይ ዓቃሪቦ ግን ኣይኮነን። ስልጣን ንመዓልታዊ ህይወት በዓል ስልጣንን ንንቡር ዝምድናታቱ ኣብ ስነሓባራዊ ናብራን ይቕይሮ። ርግጽ፡ ስልጣን ኣብ በዓል ስልጣን ኣዎንታዊ ጽልዋታት ይፈጥር እዩ። ነፍሰ ንቕሓትን እምነትን ክብ የብል። ነቲ በዓል ስልጣን ብመጠነ ስትራተጂን ረቂቕን

READ MORE

  ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                    ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                     5ይ ክፋል           22/05/2014   ኣብ 4ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሑጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም፦ “እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓሳባት፣ ብማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ናብ ኩሉ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ዝተዘርግሐ ሓደገኛ ፖሊሲ ኢዩ። ብዓቐኑ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ ኣብ ኩሉ

READ MORE

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1555 ጀሚሩ ክሳብ 2014 ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ጸኒሑን ኣሎን። እቶም ንኤርትራ ዝገዝኡ ስርዓታት ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡እንግሊዝ፡ ኢትዮጵያን ኢሰያስን ኢዮም። መግዛእቲ ቱርኪ ካብ 1555 ክሳብ 1865 ንከባቢ 300 ዓመታት፡ መግዛእቲ ግብጺ ካብ 1865 ክሳብ 1885፡

READ MORE

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                    ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                     4ይ ክፋል           16/05/2014   ኣብ 3ይ ክፋል; ናይቲ ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝገበሮ ምብትታን ኤርትራውያን፣ ነዛ ዝነብረላ ከተማ ከም ኣብነት ወሲደ ክጽሕፍ ምዃነይ ገሊጸ፣ በዛ እትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም። “ቀጺለ ኣብዛ ከም ኣብነት ዝወሰድኩዋ ከተማ

READ MORE

ሃገር ተጋጊኻ ኣለኻ!   ናብታ “ጽናሕ ኣታ ስዲ ወዲ ሰበይቲ! ናብዛ ገዛ ገጽካ ኪትመጽእ እንዲኻ ከርእየካ’የ ስራሕካ!” እናበለት ኣብ ደገ ወጺኣ፡ ናብቲ ንእሽቶይ ሓወይ ደንጎላ ክትድርቢ ዝጸናሓትኒ ወላዲተይ ቅርብ ኢለ፡ ‘ከመይ ኣምሲኺ ኣደይ? ደሓን ዲኺ ደኣ ምሸት ምድሪ ኣብ ደገ ወጺእኪ ትጻረፊ ዘለኺ?’ በልኩዋ በቲ ጸላም ኩነታታ

READ MORE

ሃገር  ብመንጽር  ህግደፍን ደምበ ተቓዉሞን። መጀመርታ  ሃገር  እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦኳ እንተኾነ  ነዚ ሕድሽ ወለዶ ዘደናግር መግለጺ ዝህቡ ናይ ዘመንና ፖለቲካዉያን  ስለዘይተሳእኑ  ብሕጽር ዝበለ ስነ-ፍልጠታዊ መልክዑ ከቕርብ ጽቡቕ ይመስለኒ ። ሃገር ማለት ሓደ ዉሱን ጀኦግራፊካዊ  ኣቀማምጣ  ንሓደ ብባህሊ ፣ብቛንቛ ፣ ብልምዲ  ዝተጣመረ ህዝቢ ዝሓቑፍ  ዓሚቑ

READ MORE

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                   3ይ ክፋል      11/05/2014   ኣብ 2ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ኢየ ተፋንየኩም፦ “ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ ኩሎም’ቶም ቀደም እንፈልጦም ሎሚ ዘይንርእዮም ሓለፍትን ብሓደ ወገን፣ ናይቶም ሕጂ

READ MORE