Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ዓለም ኣብ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያ ንደቀንስትዮ "ማዕረ ወዲ ክሃልካ ኣለወን" ኣብ ዝብል ኣምር ዝተመስረተ ኣይኮነን:: ኣብ ትምህርትን ምርምርን ዘለዎ ኣበርክቶን ጸጋ ተፈጥሮ ዝዓደለን ኣደነትን ንደቀንስትዮ ብምክንኻን ጥዑይ ሕብረተሰብ ምፍጣር ንዓለምና  ቀንዲ ሕመረት ምዕባለ ምዃኑ ብምእማን እዩ:: መሰል ደቀንስትዮ ህያብ ኮይኑ ወይ ዋና ሃልዩዎ:

READ MORE

ጽላል ሲቪካውያን ማሕበራት ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS) ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና መዋእል ሃገራዊ ባይቶ ንምብጻሕ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ታሪኻዊ ጉቡኡ ዘበርከተ ማሕበር እዩ። EGS ንመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብዕግበት ተቐቢሉ ኣብ ምድላው ይኹን ኣብ ግዜ ዋዕላ ዓቢ ግደ ከም ዝተጻወተ መዝገብ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ

READ MORE

ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ነዛ ብዓለም ደረጃ ንመበል102 ዓመት እትኽበር ዘላ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክነብዕል ከለና፤ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎን ጾታዊ ጭቆናን ኣግላሊ ኣሰራርሓን ማእከል ብምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ወጽዓና ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ዝበዝሐን ብቐጻሊ ብህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ መላእ ሕብረተሰብናን ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ናይ ኩሎም ውጹዓት ወገናትና መሰረታዊ

READ MORE

Ykuno Bahta, March 05, 2012 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኻብ 1910 ጀሚሩ ኻሳብ ሕጂ ማለት 2012 ንመበል 102 ዓመታት ይበዓል ኣሎ። ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ንክብርታትን፡ መሰልን፡ ፍትሕን፡ ጸቕጥን ደቂንስትዮ ንምሕላው ተመስሪቱ። ኣብ መልእ ዓለም እካ እንተዘይበልና ደቂኣንስትዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት መሰለንን ኽብረንን ረኪበን እየን። ብፍላይ

READ MORE

ቀብሪ ሓደ ሰብኣይ ወይስ መሰል 4 ምልዮን ህዝቢ? ኣብ ዓለም ዘለው ዲክታተራት ሓደ ንኹሎም ዝገዝኦም ባህርይ ኣሎ። ንሱ ድማ መሰል ህዝቢ ኣየኽቡሩን፡ መሰል ውልቀሰባት ኣየግድሶምን፡ ልዕላውነት ሃገርውን ኣይንታዮምን። እታ ቀንዲ እተገድሶም ስልጣኖም ኢያ። ብስልጣኖም ዝመጾም ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ድልዋት ኢዮም። ኢሳያስ ብፍላይ ሕልፍ ዝበለ ጨካን ኢዩ። ናይዝጊ

READ MORE

ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ኤርትራ ከይዱ ከይቕበር ተኸልኪሉ ዝብል ወረ እንሆ ወርሑ ሒዙ። ካብ ሕድሪ ስውኣት ዝጠለመ ከሓዲ ሰናይ ምጽባይ ካብ ዝቐብጽ ዛጊት ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት’ካ ኣቑጺረ እንተኾንኩ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ተግባር ዋላ ካብቲ ብቱኽ ተባሂሉ ዝፍንፈን ስሑው’ውን ኣይተጸበኹን። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ሓለፍትስ ኣብ ከባቢ’ቲ

READ MORE

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ንስርዓት ህግደፍ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘፍርሕን  እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ህግደፍ ብዝከኣሎ ክቈጻጸሮ ይፍትን ኣሎ። ነቲ ጕዳያት በብሓደ ንርኣዮ። -      ኣብ ሰራዊት ዘሎ ሓይሊ ሰብ ብብሄረ ትግረ ጥራይ ስለ ዝተዓብለለ፡ መራሕቲ ሰራዊት ከምቲ ልሙድ ብትግርኛ ኣኼባ ክመርሑ ስለ ዘይከኣሉ ኣኼባታት ብትግረ ክካየድ ኣለዎ

READ MORE

ኢሳያስ ስለምንታይ ምስ ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ጥምጥም ገጢሙ ከም ዘሎ ነቶም ዝቃወሙ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ነቶም ኣጣቓዕቲ ኢሳያስዩ ገሪሙዎም ዘሎ። ስለምንታይ እንተ በልና፡ እቶም ንኢሳያስ ፎእ! ኢሎም ዝኸዓቡዎን ዝፈንፈኑዎን ሰባት፡ ክንዮ’ዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ሓጢኣት ዝኸይድ ገበናት ከም ዝፈጸመን ገና’ውን ክፍጽም ከም ዝኾነን ድሮ ተጋሂዱሎም’ዩ። እቶም

READ MORE

ለንቅነ፡ ሓደ መሳጢ ድራማ፡ ኣብ ቅድሚ የዒንትና፡ ክፍጸም ረኣና። ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ [ናይ እዝጊ ምባሉኳ የሰክፍዩ፡ ናይ ኢሳያስ/ናይሳያስ  ምባሉ ይቀለል] ፈትሊ ሂወቱ ተበጣጢሳስ፡ ስግኡን ትንፋሱን ምስ ተፈልየት፡ ወያ ኣይኡ ኢሳያስ፡ ሬስኡ ኣይተርኢዩኒ፡ ኣሻፈረኝ! ክብል ረኣናዮ። ነቲ ድራማ መታን ክጥዕም ድማንስ፡ ወያ ትንፋስ ናይዝግስ፡ ኣብ ዓባይ

READ MORE

ኣብዚ ቅንያት እዚ ሓደ ዘገርም ዜና ኽንሰምዕ ቀኒና ኣለና፡ንሱ ድማ ቐደም ብደረጃ ሚንስትርነት ዝሰርሐን ትክ ትንፋስን ዓርክን ኢሰያስ ዝነበረን ናይዝጊ ኽፍሉ ሬስኡ ናብ ዝተወለደሉ ዓዱ ከይዱ ከይቅበር ተከልኪሉ ተባሂሉ ክዝረብ ቐንዩ ኣሎ፡ መስደመም እዩ ኣንታ ሎሚስ ጉድ ክንሰምዕ ኢና ዝብሉን ገለ ድማ እቲ ነገር ዝኣርሞሞም

READ MORE

ወልዱ ገረሱስ (ባርያ) ኣብ 1976 ዝተሰለፈ ሰብ ኮይኑ፡ ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ኣስመራ ከም ፖምፒስታ ወይ ዓራዪ ፖምፓ ምስ ሓደ ኢጣልያዊ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ተመዲቡ ከም ፖምፒስታ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ምዝላቕ ከም ሓላፊ ጋራጅ መራፊት ተመዲቡ ንውሱን እዋን ሰሪሑ።

READ MORE

ድሕነት ብዘይደም፤ ያለ ምንም ደም ኢትዮጵያ ትቅደም፤ ጉንዲ እዝንኻ ንዝለኽዓካስ፡ ካልኣይ ጉንዲ እዝንኻ ድማ ሃቦ፤ ኢድ ዝቖረጸ ኢዱ፡ ዓይኒ ንዘንጦቐ ዓይኑ፤ ዝቐተለ ድማ ሂወቱ……….፤ ብዙሕ ብዙሕ። እዋእ ክትጽገም እንከለኻ መቸም ዘይሕሰብ የለን። ጸገም ብኹሉ መልከዓቱ ማለትና ኢዩ። ገለ ብእምነት ይኸውን ገለ’ውን ግድነት ኮይንዎ ይኸውን። ነገር ብላዕ

READ MORE

ከተማ አስመራ ልዕሊ 700 ዓመት ዕድመ ከም ዘለዋ እዩ ዝንገረላ። እዛ ሕጂ እንርእያ ዘለና ዘመናዊት አስመራ ግና ካብ 1890 ዓ.ም እያ ክትህነጽ ጀሚራ። እቲ ናይ ሹዑ አመሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ ኢጣልያዊ ፈርናንዶ ማርቲኒ ምምሕዳሩ ካብ ምጽዋዕ ናብ አስመራ ብምቕያር፤ ንአስመራ ርእሲ ከተማ ናይ ሙሉእ ኤርትራ ጌርዋ።

READ MORE

ከሳብ ሎሚ ኣብቲ “ለውጢ“ ዝብል ባሕሪ ኣርእስትና ኢና ዘለና ክቡራት ተኸታተልቲ። ኣብ ውሽጢ ለውጢ ድማ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ተኸታቲሎም ቀሪቦም ኢዮም። ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ “መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን“ ዝብል ዝጀመርናዮ ትረኻ ንምቕጻል ኣብ ዝተበገስኩሉ እዋን ከኣ ንገለ ካብቲ ዘዳለኹዎ መደብ ማለት ነቲመድረኽ ዝምልከት ቃለ-መሕትት ሰሚዐ። ከምቲ ደጋጊሙ

READ MORE

ኣብ ኣመሪካ ቀንዲ ኣፈኛ ህግደፍ ዝኾና ወ/ሮ ሶፊያ ተፋማርያም ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብቲ ህግደፍ ዘዋደዶ ፈቲቫል ተረኺበን ነቲ ባዕለን ሕጽረት ናይ ቋንቋ ኢዩ ይመለኒ፡ መግለጺ ዝብል ስም ዝሃበኦ ሓበረታ፡ ኣብቲ ፈስቲቫል ተሳቲፉ ንዝነበረ ህዝቢ፡ እቲ ንባዕለንን ንመንግስተን ህግደፍን ዘጸባብቕ፡ ንካልኦት መንግስታት ዓለም ዘነውር ሓሶት ከም

READ MORE

ከምዝዝከር ካብ ሕዳር 21 ክሳብ ሕዳር 30/2011 ኤሪትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዋሳ፡ ርእሰከተማ ናይ ደቡብ ብሄረስባት ክልላዊ መንግስቲ፡  ተኻይዱ። ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ካብዝተሳተፉ ሓደ ብምንባረይ  እዛ ሓጻር ናይ ውልቂ ርእይቶይ ክህብ እፈቱ ። እቲ ዝተኻይደ ጉባኤ እንተስ ክነድምዕ ፡ እንተስ ንኸይነድምዕ፡ ዛዕባታቱን፡

READ MORE

ዒድ ሙባረክ ብአጋጣሚ በዓል ዒድ አል-አድሐ አልሙባረክ ብሐፈሻ ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ንኹሉ አብ እስልምና ዝአምን ህዝቢ ርሑስ በዓል ዒድ አል-አድሐ ክገብረልና እናተመነኹ አብ መላእ ዓለም ዘለኹም አሕዋትን አሐትን ኤርትራውያን ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ይብል። ካብዚ ቀጺለ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ሽግር ምግላጽ ዘድልዮኳ እንተዘይኮነ፡ ሎሚ

READ MORE

አብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ምስ ኢሰያስ አፍወርቂ ዝገበርኩሞ ቃለ ምልልስ ምኽንያት ብምግባር ንኽልተ ዝተፈላለየ አረአእያ ዘለዎም ውልቀሰባት አቕሪብኩም ምዝርራብኩም ዝዝከር እዩ:: እቲ መደብ ሚዛናዊ ንክኽወን ምሕሳብኹም ዝምጎስ እኳ እንተነበረ: አብ ተግባር ግና እቲ መደብ ሚዛን ምሕላዉን ዘይምሕላዉን መዔቀኒ ብዘይምግባርኩምን ኣብቲ ኣተሓታትታ እንተኾነ እውን እቲ ዝቀረበ ሕቶታት

READ MORE

ንሳ’ያ እታ መፍትሕ ኩቡራት ኤርትራውያን ኣብ ዘለኹሞ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ብዘይ ምግናን እዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ፡ ብናተይ መለክዒ፡ ካብ ሊድ ሃገር እንግሊዝ ዝጀመረ መንፈስካን ሞራልካን ስምዒትካን ሰማይ ዘዕርግ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ፡ ብዓይነቱ ፉሉይ ተርእዮታት ዝገብሮ፡  ብተባዓትን በላሕትን ሰራሕቲ ታሪኽ ሓደስቲ ወለዶ ተካእቲ ዝሓለፉ ሓርበኛታት ኣያታቶም ምንባሩ ጥራይ

READ MORE