ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ዋሺንግቶን ዲሲ

Conference_Youth

“ሽግር ኤርትራ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ኤርትራውያን መንእሰያት ሽግር ሃገርና ንምቕንጣጥ አብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት መዛዘሚ ንኽግበረሉ ዝሕግዝ ኮንፈረንስ ንምድላው አብ ምሽብሻብ ንርከብ። እዚ ዝተፈላለየ መደባት ዝሓቖፈ ኮንፈረንስ ካብ 25-28 ግንቦት አብ ርእሲ ከተማ ሕ.መ.ኣ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ክካየድ እዩ። ነዚ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነቒሉ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርና … more

ጠንቂ ምድስካል መንበር ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS) ካበይ ይብገስ፤

egslogo_assenna

ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ሃገርና በዂሩ ዘሎ ሰብኣዊ መሰል፣ ፍትሕን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ማእከል ናይ ዕላምኡ ገይሩ ካብ ዝቃለስ እንሆ ዓመታት ኣቚጺሩ። ነዚ ቅዱስ ዓላማ’ዚ ንምዕዋት ድማ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ኣብ ምጥርናፍን ናይ ቃልሲ ወኒኡ ክብ ኣብ ምባልን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ እንነብረሉ ሃገር ምስ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን … more

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ (EYGM ) ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ አብ ውሽጢ ሃገር (EYIM) ዝተሰምየ ጽፉፍ ውዳበ ዘለዎ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝተመስረተ የበስር::

eygm

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ (EYGM ) ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ አብ ውሽጢ ሃገር (EYIM) ዝተሰምየ ጽፉፍ ውዳበ ዘለዎ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝተመስረተ የበስር::አብ ምትታይ ናይዚ እግሪ ተኽሊ ማሕበር: እጃም ኩልና ደቅ ሃገር ብሓፈሻ: መንእሰያት ድማ ብፍላይ አገዳሲ ምዃኑ ጸቒጥና እናተላበና: እቶም ነዚ ስጉምቲ ወሲዶም ዘለው ኣሕዋት ተባዓት መኹራዕቲ ህዝቦም … more

ማርያም ሚላኖ ከም ጽንዓታ ኣብ ቦትአ ኣላ።

Eritrea_religions

ህዝቢ ሚላኖ ብሓድነት ተጠሚሩ ኣብ ሓደ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ብጸሎትን ምህለላን ምስ ኣምላኹ ዝራኸበሉ ኩሉ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝረኽበላ ኳ እንተኾነት፡ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ናብ መጋበርያ ኽለዉጡዋ ሒዅ ካብ ምባል ዓዲ ዊዒሎም ኣይፈልጡን። ኮይኑ ድማ ኣብ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ምስ ምምጻእ መንእሰያት ካብ ሊብያ፡ እቲ ቤት ክርስትያን ካብ … more

ድግምጋም ሓሶታት ህግደፍ ብተኽለ መንግስቱ ብትብዓት መንእሰያት ትሮንድሃይም ፈሺሉ!!!

Trondheim

ወዲ ሰብ ኩሉ ግዜ ብሓሶትን ብምትላልን ኪነብር ኣይክእልን እዩ᎓᎓ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ሓቂ እዚ ዘስተብሃሎ ኣይመስልን እዩ᎓᎓ተኽለ መንግስቱ ክኣ ትማሊ ቀዳም 21᎐01᎐2012 ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም ነዚ ሓቂ ጎስዩ ነቶም ሕልና ዘይብሎም ብጀካ ዝሰምዕ እዝኒ ዝዛረብ ኣፍ ዘይብሎም ሰብ ረብሓ ንዝኾኑ ደገፍቲ እቲ ስርዓት፣መኸተ ብዝብል መታለሊ ቃል ኣኼባ ኪገብር መጸ᎓᎓ደገፍቲ ህግደፍ … more

ዓመጻት ህግደፍ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ – ብቀሲስ ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ

Itnatiwos

ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ። ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ማለት እታ ብ330 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ስብከት ቅዱስ ፍሬምናጦስ … more

ከም`ቲ ገለ-ገለ እንስሳታት ምስ ተፈጥሮ እንዳተመሳሰላ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ኮይነን ዝነብራ ምንቅስቓስና`ውን ንህ.ግ.ዲ.ፍ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ!!

EUnityMovement

ህዝቢ ኤርትራ እታ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ኣቦታቱን ኣዴታቱን ከምኡ`ውን ደቁ፡ ዝተሰውኡላ ነጻነት ተነፊጋቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ንሞትን ንውርደትን፡ ንዘመናዊ ባርነትን፡ ካብ ዝቃላዕ እነሆ ድሮ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ እወ!! ኤርትራዊ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ብኣረሜናውያን ጀነራላትን፡ ክፍሊ ስለያን ናይ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ከም ደቂ ዛግራ ብጥይት ክህደንን ክቑለብን ብኾንቱ … more

ጓህና ገንፊሉ

HRC1

እዚ ለንቕነ ኣብ ናይ ሃገራውያንን ዓለምለኻዊ ናይ ዜና ማዕከናት ተዘርጊሑ ንርእዮ ዘለና መጭወይቲ፣ ግፍዒ፣ ዓመጽ፣ ስቅያትን መቅተልትን ንጹሃት ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ በረካ ሲናይ ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ እቲ ናይ ዓሰርተ ዓመት ህልቂት ናይ ጉዕዞ ስደት እዩ። ኣብ እዋን ሓዘና ዝፍስሑን ብሽግርና ዝወራዘዩን ንሶም ፈጠርቲ ጸገምና ምዃኖም ንመን ይጠፍኦ። “ኣይትብከ እንድዩ … more

ዘራጊ ማይ እንከሎ: ጽሩይ ማይ ኣይስተን ።

eygm-canada-s

ንዘስተውዕል ብሓቂ ኣእምሮ ዘለዎን ዘገናዝብን እዚ ዘለናዮ መድረኽ ህጹጽ ሕቶ ህዝቢ፡ ሕቶ ብኩራት ፍትሕን ሓርነትን ክንምልሽ ንዘይመስረታውያን ፍፍልያት ኣጽቢብና ኣብ ሓደ ስፊሕ ዲሞክራሲያዊ ሜዳ ተጠርኒፍና ክንቃለሰ ዝሓትት ምዕራፍ ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓሲምዎን ሰፍ ዘይብል ምልኪ ኣብ ዝባኑ ተወጢሕዎን ዘሎ ወቕቲ ሰለዝኾነ፡ ‘ቆሎ ጥጥቖ’ ዛዕባታት … more

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ( ስ.መ.ኤ.ለ) ራኢና ንሱሉጥ ዓወት

EYCS1

ራኢ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ብምስዓር ሓንቲ ብቅዋምን፡ ደሞክራስን፡ ፍትሕን እትመሓደር ሃገር ምርኣይ’ዩ፡፡ ንሕና ኤርትራዊያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ልዕሊዑ ዝጽሒ ዘሎ ኣደራዕን ፡ መግደራን፡ ሑሱም መግዛእትን፡ ንህልው ኵነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ተነቓፊ ኵነታት ስለ ዘብጽሖ፡ እዚ ኵነታት እዚ ድማ በዚ ዘለዎ … more

መንዩ ፈላላዪ (2ይ ክፋል)

HRC1

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል መንዩ ፈላላዪ መዛዘሚ ጽሑፍና  ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይ ህዝቢ ስሚዒታት ከነቕርብ ቃል ብዝእተናዮ መሰረት ካብ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” ዝዓይነቱ ኣገባብ ተገላጊልና እቲ ዘየልቦ ግን ከኣ ህሉው ኮይኑ ከም ሕማም መናፍስቲ ኣብዘይጭበጥ ጸገም ሸሚሙና ዘሎ ፈርሱ ከነውጽዖ ኢና እኳ እንተዘይበልና ብዓቕምና ግን ነቲ ሽፊንዎ ዘሎ … more

መጸዋዕታ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኤዉሮጳን

LeedsYouth1

ብሰፊሑ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ ማዓልታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን ፌስቲቫል ንምክያድ መዲቡ ኣሎ። ልክዕ እዩ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ምስ ኣሕዋቱን ህዝቡን ዝእክቦ ባህላዊ ኣጋጣሚ ረኺቡ ክሳተፍ ምድላይ ነዉሪ ኣይኮነን። ብናይ ገለ ጥበበኛታት ኣዛራርባ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ባዓል ቦለኛ ዝካየድ ዝነበረ ኣምሲልካ ምግላጹን፣ ንህጻናት ብፍላይ ናይ ሃገሮም … more

መንዩ ፈላላይ

HRC1

ክቡራት ኣንበብቲ፣ እዚ ፈሊምናዮ ዘለና ኣርእስቲ ንዓና ንኤርትራውያን ንጉዳይ ሓድነትና ዝምልከት ምዃኑ እንዳኣገንዘብና መበገሲና ኩልና ንጥምረትና እእጃምና ንምብርካት ነቶም ሕማም ዓበቕ ኮይኖም ነንሕድሕድና ከይንተሓቛቖፍ ንዝኽልክሉናን ዘየልቦ ነገራት ክንሓክኽ ሰለም ከይበልና ከምንሓድር ዝገብሩና ዘለው ፈሊና ንምፍላጥ ምዃኑ ብትሕትና ንገልጸልኩም። ጉዳያትና ኣብ ክንዲ ብምዝንጣል ብምክብባር፣ነድርን ሕርቃንን ገዲፍና ርግኣትን ዓቕልን፣ ምንጽርጻርን ምጉብዕባዕን ወጊድና … more

ለብም ኢሰያስ ኣፈወርቂ

afewerki475

ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ከተማ ጊሰን (ጀርመን) ኣኼባ ህግደፍን ከምኡ ድማ ኣንጻር እዚ ኣኼባ ህግደፍ ዝቃወሙ መንእሰያት ዝመብዝሕተኦም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ኔሮም ብሕጽር ዝበለ ክልተ ውራይ ኣብ ሓደ ህሞት ። ቅድሚ ጽሑፈይ ምፍላመይ ነዚ ጽሑፍ “ለብም ኢሰያስ ኣፈወርቂ“ ዝብለ ዘበገሰኒ ሓደ ፈታዊየይ ብስልኪ (ቴሌፎን) ዘዕለለኒ ክነግር መሪጸ ኣሎኹ ። ንሱ … more

ስትራተጊ ምርጻ

  ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መትከላት ሃገራዊ ዋዕላ ጸብጻባት ንወከልቲ ሃገራዊ ዋዕላ ይቐርቡ ይብል። ሃገራዊ ጉባኤ ብግቡእ ስለ ክሰናዳእ ኮሚተታ ቆይመን ነበራ፣

20 ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ግና ሓዘን እዩ። – ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC)

  ዝኸበርካ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ዝኣገረ ልባውን ሃገራውን ሰላምታና ነቐድመልካ። ኣብዚ እዋን ንዓና ንኤርትራውያን መዓልታዊ መነባብሮና ምስ ሞት፡ ስቓይ፡ ስደት፡ ማእሰርትን ግፍዕን ተኣሳሲሩሉ ዘሎ እዋን