ህግደፍ መንደፍ! ጃህራን ዓፍራን ግደፍ! ‘ናጽነት’ ብዘይካኻ ‘ዩ ናጽነት ዝጸሓፍ።
ህግደፍ መንደፍ ዋኒነ ኢሳይያስ ብምልኪ ዝኽየፍ ዕብድብድ ዘብሎ ናይ ስልጣን ሃነፍነፍ ቅሳነት መርዘኑ ደም ሰባት ዝውለፍ ሊቕነቱ ጸይቂ ዘይውድኦ ጽያፍ፡ ክሳብ መዓስ ሓሶት ሓቂ ‘ምሲልካ ሃተፍ ሕድርታት በሊዕካ ብሕድሪ ምልፍላፍ ናጽነት ኣብሪስካ ብናጽነት ዓዘፍ፡ ክንደይ ከ ይደፍር መልሓሱ ትቆለፍ ብኻ ሽንቲ ኮይኑ ብሽቓቕ ዝሓልፍ ብማይ በላ ‘ቢሉ ናብ ባሕሪ ዝምርቀፍ፡ … more
















