ህግደፍ መንደፍ ዋኒነ ኢሳይያስ ብምልኪ ዝኽየፍ ዕብድብድ ዘብሎ ናይ ስልጣን ሃነፍነፍ ቅሳነት መርዘኑ ደም ሰባት ዝውለፍ ሊቕነቱ ጸይቂ ዘይውድኦ ጽያፍ፡ ክሳብ መዓስ ሓሶት ሓቂ ‘ምሲልካ ሃተፍ ሕድርታት በሊዕካ ብሕድሪ ምልፍላፍ ናጽነት ኣብሪስካ ብናጽነት ዓዘፍ፡ ክንደይ ከ ይደፍር መልሓሱ ትቆለፍ ብኻ ሽንቲ ኮይኑ ብሽቓቕ ዝሓልፍ ብማይ በላ ‘ቢሉ ናብ ባሕሪ ዝምርቀፍ፡ ንሱ ኳ ነዊሑ ኣብ መከራ ገፈፍ በቋራጭ ከረውረው ብ’ምባሶይራ ህትፍ መን ‘ዩ በቒቑሉ ነቲ ተሎ ምጽዳፍ፡ ኣምላኽ ከ ‘ታይ ኮይኑ ፍርዱ ዘይጽሕፍ በዳሊ ቐጺዑ ውጹዕ