ካትመይ!

help

ካትመይ! ካትመይ ካትም ሕድሪ ኣይሰጠመትን ኣብ ባሕሪ ርግቢ ኖህ ኣውሊዕ ሒዝኪ ብረሪ ንህዝበይ ንገሪ። ነቶም ዝጠሓሉ ኣብ ባሕሪ ዘኪርኮሞምዶ፧ ኣኽቢርኩም ሕድሪ እኒሄለ ኮይኑ ክልተ ዓመቶም ዝገደፉልና ካትም ሕድሪ ኔራቶም ብዕለት 22/03/11 ብጴጥሮስ ተኽሉ ሓላዪ) 23/03/2013 ቃል ዝኣተኹላ ሓላል ወላዲተይ ምሳኻ’ሞ ትጽናሕ እዚኣ ሃበለይ ዝረኽባ ኣይመስለንን ተመሊሰ ባዕለይ ተወድአ ይመስል መንገዲ … more

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ልዕሊ 50 ዓመት ኣዴታት ወተሃደራዊ ታዕሊም ክህብ ከምዝጀመረ ምንጭታት ሓቢሮም

women_farmer

ኣብ እዋን ዕርበቱ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝገበራ ኣዴታት ንዝርከበአን ኣንስቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክህብ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ንኡስ ዞአባ ላዕላይ ጋሽ፡ ከተማ ቶኾምብያ ዚበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ሰብ ኪዳነንን መንእሰያት ደቀንን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስርዓት ህግደፍ ደረት ንዘይብሉ እዋን ተጨውዮም ሓዲግመዲግ ኮይኖም ብምህላዎም ሓላፍነት ስድራ … more

ኩሉ ንሱ!

isaias_Nai

ኩሉ ንሱ! እዚ እኩይ መላኺ ጠንቂ ሕሰም ሕስረት ንጹህ ደምና ኣፍሲሱ ዝዓለሰ መሬት ኣብ ክንዲ ምዕባለ ብልጽግና ዕብየት ሃገርና ብምልኪ ሸሚሙ ኣብ ድሕረት ህዝብና ኣጥፊኡዎ ብኲናት ብስደት! ንሱ ኮይኑ ቅዋም ናይ ሃገርና ሕጊ ምድናይ ዘይፈልጥ መልሓሱ ሓለንጊ ምሁራት ኣርዒዱ ዘደንቁር ዘጋጊ ንሱ’ዩ እቲ ሽግር ህይወትና ዘራጊ! ንሱ’ዩ መንነት ባዕሉውን’ዩ ሃገር … more

ስጋ ፎርቶ

Forto_2013_2

03-22-2013  ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ማሕላ ተቐይሩ ስጋ ፎርቶ መርሖ ዝኸፈትካ ድሓን እቶ ስጒምቲ ጃጋኑ ኣየ ሾቶ   ቦዂሪ ዓወት ፎርቶስ ተደይባ ድሕሪኣኸ መን’ያ ተመዲባ ዘይነጽፍ ቀለሙ ድሃይ ሃባ   ሰራዊትና ቅያ እኮ’ዩ ገይሩ ጋምባለ ጅግንነት ኣምባር እግሩ ስጋ ፎርቶ ማሕረላ ተቐይሩ   ኣየ ዕጥቂ ዘገርም ንቕያ ምሉእ ሃገር አነቓኒቕካያ ናትካ … more

ብጓል መንገዲ ዓዲ ኣይእቶን እዩ!

Er_children

ብድሕነት ኣሕላም፡ ጥፍኣት ሽሕ ምዕዳም፡ ከይኮነና። ኣብዚ ሳልስቲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝዋስኡሉ Social Media ብፍላይ ድማ Paltak ን Facebookን ብዋዕዋዕታ ምውጻእ ገንዘብ ንድሕነት ጓል 8 ዓመት ግዳይ በደዊን ሲናይ፡ ኣሕላም፡ ተናዊጹ ቀንዩ ‘ሎ። እዚ ካብ ዶባት ኤርትራ (ወረ ሎምስ ካብ ውሽጢ ኤርትራ) ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ፡ ጓሃላሉ ህግደፍ፡ … more

ኣደ

Rally_Mother1

ኣደ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)  03/03/13 ሕያወይቲ ዘይርከባ ኣበር ሰብ እንዳደቀሰ ትበራበር ዘይትኣርጊ ተትዀኒ’ዩ ’ምበር ኣብ ጽላት ልብኺ ትሓቝፍና ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ ትሓዝልና ካብ ቀይሕ ደም ጸባ ተስትይና   ኣንቲ ለዋህ እንኩም ዝልማዳ ብቕናታ ትጥብር ንኸብዳ ሓይኻ ተብልዕ ንውላዳ ውሉድ እንተበኸየ ትርብርቢ ብቛምቋ ህጻናት ትዛረቢ ናትክስ ንበይኑ’ዩ ጒዳም ልቢ   በዚ … more

ጸብጻብ ኣኼባ ወኪል ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሊድስ፡ – “100 ፖሊስ ን 90 ኣኼበኛታት”

gerahtu_Isu

“100 ፖሊስ ን 90 ኣኼበኛታት” ብብድሆ መንእሰያት ኤርትራ ሊድስን ከባቢኣን ዝባህረረ ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ትማሊ ሰንበት 3 ለካቲት ብልዕሊ 100 ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓለዋ እናተገብረሉ፡ ናይ 90 ሰባት ኣኼባ ኣካይዱ። ዝረኸቡዎ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡ ን12 ሰዓታት ንኹሉ መእተዊ ኣንጎሎታት ብቫንን ፖሊስን ዓጽዮም፡ ቅድሚ ልዕሊ 20 ሜትሮ፡ ስእልን … more

ዋዕሮ ዘይትሕለል!

bravewomen12

ብዕለት 8-03-1908 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ሰላማዊ ሰልፊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመሰልን ፍትሕን ከም ዝጀመረ መዛግብት ታሪኽ ይሕብሩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ሎሚ ድሕሪ 105 ዓመታት፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብተን ሓለፋ ኩለን ደቂ ሄዋን ዓለም፡ ሕሰምን መከራን፡ መውጋእትን ክቡር መስዋእትን ከፊለን፡ ናጽነተን፡ መሰለንን … more

ረጋቢት ብስራት

Eri_fighters

ረጋቢት ብስራት ጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ) 27/02/2013 ኣውሊዕ ብስራት ዝሓዛ ምስ ዓርከ ምሓዛ ብዓል ኩንብራዛ ዝወጻ ካብ ገዛ፡ ብዓል ሎኻኺቶ፣ ብዓል ሽላ ተጸዋውዓ ዓድምኣ ኹላ ተሸባሸባ ምዓልቲ ኣኺላ ቅጽበት ተበገሳ ቶሎ ኢልክን ንቀላ፡ ናይ ዓይኒ ምስክር ኤርትራ ብዓል ንስሪ፣ ብዓል ኣሞራ ብረሩ ንፈሩ ተላይ ዲያስፖራ ሓብሩ ንገሩ ብዘይ ጉርሒ ሻራ፡ ረጋቢት … more

መልቀስ ንኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ!!!!!!

Wedi_Ali_1

መልቀስ ንኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ!!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!! ስዒድ ኮለነል ተወሊዱ ኣብ ኤርትራ ኣንታ እንታይ ተረኽበ! ኣብ ኣስመራ ታንክታት ሰሪዒወን መጺኡ ብሓበራ ኣብ ፎርቶ ተሰቒለን ኣንቓዕረራ ይብሃል ነበረ ነስመራ መን! ይደፍራ። ንጉስ ኤርትራ በለ ክንመውት ብሓበራ ንኹላትና ይብጽሓና በብታራ ኣንቀጥቂጦም ናይ ህግደፍ ጭፍራ ኣይፋልካን ክትብሃል ውዒላ ሓዲራ ተባህለ ወዲ ዓሊ … more

ሓሳዊን ቆርበትን እናሓደረ ይፈኵስ 2ይ ክፋል

Estifanos_3

ብቐዳምነት እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንግፍዐኛ ጕጅለ ህግደፍ ትቃወሙ ተቓለስቲ ኣሕዋት ምስጢር ስለ ዘይኮነ፡ ነቶም መሳኪን ደድሕር’ቲ ዝተፈንፈነ ስርዓት ኰለል ዝብሉ ዘለዉ ንመነቓቕሒ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ክትግንዘቡለይ እፈቱ።ኣብ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ምስ እንብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት ከይተረፈ ደሞክራሲ ፈሊጡስ ኣብ ሃገራዊ ባይቶኡ ብስልጡን መንገዲ ይካታዕን ሃገር ይመርሕን ነይሩ’ዩ። ሽዑ ኣብ … more

ኣየ ህግደፍ ድሑር!

Isaias_ostrich

ኣየ ህግደፍ ድሑር ክንደይከ ይቐልል በቲ ዝቖንቆነ ፖለቲካ *ዋጭል         *ንእሽቶ ህበይ ነዚ ዓቃል ህዝቢ ብተስፋ ከታልል ብሃብቲ መሬትና እኖሆ የሽካዕልል! ዘውዲ ናይ መላኺ ብናዕቢ ከይደፈር ድራማ ደሪስካ ህዝቢ ንኪጥበር ሓንሳብ ኣውቶቡሳት ንሓንሳብ ትራክተር ብዓይኒ ካሜራ ምስ ኣበለልና ተር፡ ማና ከም ዘምጽአ ድኻ ንኽድረር ሽሻይ ራሕሲ እናልካስ ብኸበሮ ይዝመር! ብስርሒት ፈርቶ ህዝቢ … more

ተቐቢሩ ዝነብር ታሪኽ የለን – ጠዓሞት ካብ ኣሰና

broke_chains

ብ ወርሒ ሰነ 2009 ኣብ ዊዓ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ጠያይጢ እናተተኮሰሎም ጽኑዕ ሓለዋ ፈንጢሶም ከምዘምለጡ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣሰና ከም ዜና ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑይ ድምጺ ኣሰና መደብና፡ ንሓደ ካብ ወጠንትን መራሕትን ናይቲ ደማዊ ግን ከኣ ዕዉት ጅግንነታዊ ስርሒት- ሓርነት፡ መንእሰይ ሳሙኤል ብርሃነ ከነቕርበልኩም ኢና። ንዓና … more

ሓወልቲ ሓርነት ታሪኽ ጅግንነትካ

Wedi-Ali

 ሓወልቲ ሓርነት ታሪኽ ጅግንነትካ ብ መስፍን   ባህልቢ ኣንበሳ ፎርቶ ሓርማዝ ናይ ጾሮና ንዓኻ ኣጥፊፍእናስ ደቂስና ሓዲርና ወጊሑ ክንትስእ እንታይ ኣቐሚጥና ዋይ ልቢ ምስጠፍአ ኣየ ድንቍርና ዓይኑ ከይትርኢ ሕሰም ናይ ኣሕዋቱ እዝኑ ከይትሰምዕ ብኽያት ኣዴታቱ ናብ ዲክታተር ኣቕኒዑ ብረቱ ሰመርመር ኢልዎ መብጽዓ ብጾቱ ድሓን ኩኑ ኢሉና ኣምሪሩ ሓሞቱ ሓሪሩ ደብርህ ውፉይ … more

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን

Tadesse

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ                            10ይ ክፋል                23/02/2013 ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት እቲ ጎነጻዊ ቃልሲ ምስቲ ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ተሳንዩ ዝኸደሉ መንገዲ ሓቢረ ነይረ። ኣብ ተመክሮ ናይቲ ንህግደፍ ዝወለደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር እንተርኢና፣ እቲ ብዓንቶቦኡ’ውን ጽኑዕ ምትእስሳር ዘይነበሮ፣ ብሳበ ዝምራሕ ሲቪላዊ ጉጅለ፣ ኣብ 1976 ዓ.ም. ብወግዒ ካብቲ … more

“ደገፍቲ ህገደፍ ዝዕዘብሉ፡ ተቓወምቲ ህግደፍ ዝስዕስዕሉ እዋን መጺኡ”

demo (1)

ብ21 ጥሪ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ፎርቶ ኣብ ዝርከብ ሚኒስተሪ ዜና ብትብዓት ኣትዮም መረረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ብቐጥታ ብኣስመላሽ ኣብርሃ ከምዝንበብ ዝገበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘሎ ሓቀኛ ኤርትራዊ ሓያል ፍናን ሓበንን ተስፋን ሂቦም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ደኣ ብኸመይ ኢና ክንክሕሶም ዝብል ሕቶ ድማ … more

ሳላ እቲ ዲፋኖ!

Forto_2013_2

ሳላ እቲ ዲፋኖ! ሳላ እቲ *ዲፋኖ ስውእ ሓርነትና     *ገንሸል፡ ተባዕታይ በጊዕ ሳላ እዛ ፎርቶ’ወ ከፋቲት *መንቀና   *ዓብዪ ናይ ቀጽሪ ማዕጾ እቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልና ወዮ ማይን ልችን ጃሕጃሕ’ኳ ኢሉልና! ውዕሎ ናይ ጀጋኑ እዛ ስርሒት ፎርቶ እዛ ክብርቲ ዕለት ከመይ ደሓን ትእቶ እቲ ብኩፖን ህግደፍ ዝተዓደለቶ ቁንጣሮ መሸላ ኣደ ዝለሰቶ መጎጎ ኣናዲያ ጣይታ … more

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 8ይ ክፋል

Amanuel_Mahdere_final

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 8ይ ክፋል  ጭዉያ ኣቓልቦ ህዝቢ ብጉልባብ “ግዳማዊ ተጻብኦ” ሓደ ካብ ቀንዲ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና፤ ኣቓልቦ ህዝቢ ንግዳም ከም ዝግዕዝ ምግባር እዩ። “ሕቘን ከብድን ኮይኑ ንዘሎ ህዝቢን ስርዓትን ምቅርራብ” ብዝብል ብሉይ ሜላ “ማሕበረሰብ ዓለም እናዘረየና’ሞ እንታይ ዘይገበርና!?” ዘስምዕ ቃና ዘለዎ ትሕዝቶታት ኣብ ኣየርን ሕትመትን … more

ብበደዊን ሲናይ ከም ጅሆ ተሓይሮም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብምቕጥቃጥን ሓዊ ምትኳስን ተሳቕዮም 3 መንእሰያት ከምዝሞቱ እቶም ኣብቲ ቦታ ተታሒዞም ዘለዉ ግዳያት ንኣሰና ሓቢሮም።

Sinai_Eritrea

በቶም ነጋዶ ሰብ ዝኾኑ ጨካናት በደዊን ኣብ ሲናይ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ሓደ ማሕዩር ይሳቐዩ ኣስታት 30 ኤርትራውያን፡ ብምቕጥቃጥን ሓዊ ምትኳስን ተሳቕዮም፡ ሓንቲ ሕርይቲ ዝተባህለት፡ ኣብ ዚሓለፈ መደብ፡ “ድምጺ ስቅያት ካብ ሲናይ” መደብ ራድዮ ኣሰና ኣዛራሪብናያ ዝነበርና ካብ ሸገራብ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ዝተጨውየት ስንክልቲ (ቆራጽ እግራ) ጓልኣንስተይቲ እትርከቦም  3 መንእሰያት … more

ኣብ ኖርወይን መላእ ዓለምን

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 16/2/2013 Norway ኖርወይ ብተኣምር ሰራሕቲ ቅያ ላዕሊ ታሕቲ ብጉልበት ብዎፈያ ተጓይያ ምእንተ ወጽዓ ኤሪትረያ ህዝብና ንምድሓን ሰልፊ አዳልያ ኣውቶቡስ ባቡር መካይን ብኣየር ተጓዒዙ ካብ ኣሻሓት ኪሎሜተር ቑሪ በረድ ተጻዊርኩም ንስለ ሃገር ገንዘብኩም ኣፍርዩ ዓቢ ቑምነገር ሕልና ከተቕስኑ ደስ ክብለኩም ኣምላኽ ረቢ ዝፈትዎ ሰሪሕኩም ጽባሕ ክንዕወት ብሳላ ጻማኹም ቕንዕናን … more