Category Archives: ትግርኛ
መልቀስ፡ ንፕሮፈሶር ሓወይ የማነ ገብረ እግዚኣብሄር
ወየዶ! ኢለ ከልቅሰልካ!!!!!! የማነ ሓወይ ባዕለይ ከልቅሰልካ ዓሪፍካዶ ከምይከ ቀነኒኻ ለሚድካዮዶ እቲ ሓድሽ ገዛኻ ኣነስ ኣይከኣልኩን ብድሕሬኻ ምኽኣል ስኢነዮ ናፍቖትካ ይሙን ሓወይ እምብዛ ተሃዊኽካ። የማነ ሓወይ ዓቢ ናይ ገዛና ዝለዓለ ምሁር ካብ ኩላትና ታተ እናበል ዘዕበየና ኣፍ ክንከፍት ሃ ሁ ዘበለና ከይንስበ እናሓቖፈ ዘታተየና ብዙሕ ዝተመረቀ ካብ ገዛና። … more
ታንኪ ወዲ ዓሊ!
ወጽዓ ሓፋሽ ህዝቢ ሕሰም ዝቐሰባ ለይቲ ተበጊሳ ካብ ጎልጎል ማዕረባ ታንኪ ወዲ ዓሊ ምልኪ ከይዓጀባ ተኣምር ሰሪሓ ኣብ ፎርቶ ደይባ! ስእላ’ሞ ረኣዩ እዛ ታንኪ ሓርነት ማዕረ ብዓል ጃጓር ሓወልቲ ጥዋለት ብግርማን መንፈስን ጸብለል ከም ዝበለት! እቲ ስውር መንፈሳ ዘይተሰወጠኩም ማዕረ’ተን ቀዳሞት ከመይ’ላ እንተ በልኩም ነጺሩለይ ኣሎ ባዕለይ ከብርሃልኩም ጽን ኢልኩም … more
እንታይ’ዩ ዓንዚዙኩም! ባዕለይ ዶ ክመርሓኩም!
ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል! እናተጣርዐ ህዝቢስ ክኢልኩሞ ስቕ ምባል! ገጉድጓድኩም ሒዝኩም ምጽንጻንከ እንታይ ይብሃል? ካብቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምብኳር ምሕካል! ንውፉያት ደቂ ህዝቢ ንበላዒ ሰብ መባእ ምኽፋል! ንበይኖም ድዮም ተወሊዶሙላ’ዛ ሃገር? ከየርከብኩም ንበይኖም ዝስዉኡ ዓጽሞም ዝስበር? ንህዝቢ ተስፋ ዘስነቐ ‘ፎርቶ ንህዝቢ ኣበራቢራቶ እሱራት ይፈትሑ! ቅዋም ይተግበር! ይኣክል ውረድ … more
ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም!
ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም! ጋዜጠኛታትና ኣብ ፎርቶ ዘለኹም እስከ ንገሩና ናይ ሰኑይ ውዕሎኹም ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕድለኛታት ኢኹም መዓልቲውን ትኹን ሓራ ዝወጻእኹም! ብመግዛእቲ ምልኪ ኣብ ጸላም ከለና ንሓንቲ መዓልቲ ሓለፋ ኩልና ጩራ ዝረኣኹም ናይ ሓርነት ባና ንስኻትኩም ኢኹም ጋዜጠኛታትና ውዕለትኩም ምለሱ *ፈንኪ ስውኣትና! *ንዝገበረልካ ምግባር፡ ነዚ እኩይ ስርዓት ከተገልግልዎ ልብኹም ጠቢርኩም ኣይተዐሽውዎ … more
ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብ ኣኼባ ባይቶ መንእሰያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ፈጻሚ ኣካል፤ ተሳቲፉ።
ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን- ደቡብ ኣፍሪቃ (ኤምዲሰመ)፣ አብቲ ብዕለት 01 ለካቲት 2013 ኣብ ንውዮርክ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ባይቶ መንእሰያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ተሳቲፉ። ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኤምዲሰመ፤ ኣቶ ሜሮን ሰመዳር፤ ንኤምድሰመ ብምውካል ኣብ ኣብ ዘስመዖ መደረ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ መግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ናይ … more
ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 6ይ ክፋል
ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 6ይ ክፋል ሓበሬታ ምዕፋንን ዝንቡዕ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ህዝብና ፖለቲካዊን ማሕበረ ቁጠባዊን መሰላቱ ጥራይ ዘይኮነ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ’ዉን ተጋሂሱ እዩ። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፦ ሀ) ኩባንያ ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ 2010 መፍረ ምስ ጀመረ፡ ሱር በተኻዊ ዕብየት ክመጽእ እዩ ዝብል ኣብ ሕልሚ ዘእቱ ወረታት … more
ፎርቶ 2013
ፎርቶ ዝወዓልካ ጅግና ኣባ ዳህሪ ጥዋፍ ወሊዕካልና ብርሃን መበሰሪ ከይዳ ተላቢዓ ኮይናትልና ጓህሪ ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ከተሕጽሮ ዕምሪ ቃልሲ ናይ ውጹዓት ክዕንብብ ክፈሪ! ጻውዒት ጀጋኑ ሰማዒ ረኺቡ ህዝብና ሰሚሩ ኩሉ ተኣኪቡ ይኣኽለኩም ክብል ሒዙ መመዝገቡ ፋሕ ዝበለ ዓቕሙ ኣብ ሓደ ኣኪቡ! ህዝቢ ተላዒሉ ብቕጽበት ብናህሪ ንኽርዳድ ክጽሂ ክፈልዮ ካብ እኽሊ … more
ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሩ።
ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ሓቢሮም። ማእሰርቱ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣሚቶም። ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል፡ ኣብ ገድሊ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብ 1987 ‘ዩ ኣብቲ፡ “ ሓድነታዊ ” ተባሂሉ ዝፍለጥ … more
ሙኒቺፕዮ!
እታ ሰይቲ ስውእ ቈልዑ ዘለውዋ ኣብዚ ግዚ ሕሰም ዘበን ናይዚ *ባልዋ *ኣርሓ መፍለስ መጠቓ ሰንኪታ *ከይትምሽት ስዋ *ከይትሽቅጥ ዳጉሻ ብምስኣና ፍጹም ሓርቢቱዋ ቆሎ እንተሸቀጠት ቊሩብ ንክርህዋ ወተሃደራት ከተማ ኣይተሳቕይዋ! ኮሚደረ ሹጉርቲ ኣብ ክሻ ዘርጊሓ ኣብ ጸሓይ እናወዓለት ድኻ ተሰጢሓ ብሃድን ሙኒቺፕዮ ኣመና ሰኪሓ ከምታ ካብቲ ነብሪ እትሃድም ሰሳሓ ወትሩ ምዩቕ ትብል ንኣኻትኩም … more
ደቀይ ተማሃሩ ይብሉ ወለዲ
ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ብእትውንኖ ባህርያዊ ጸጋትታት ኣዝያ ሃብታም ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ። እቲ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ወርቅን ኣልማዝን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ጥራሕ ዘጠቓልል ኣይኮነን። ኣዝዩ ሰፊሕ ተሓሪሱ ክፈሪ ዝኽእል ድንግል መሬት’ውን ትውንን ኢያ። ብዙሓት ተንተንቲ ስነ-ቑጠባ ይኹኑ ዝተፈለለዩ ካልኦት ምሁራት ከኣ፡ ኣፍሪቃ እዚ ብኣጸዋውዓ ፕሮፈሰር ዓሊ ማዙሩይ “ናይ ሃብቲ ደሴት” ዘስምያ ጸጋታት እናወነነት፡ … more
መጸዋዕታ ነሰላማዊ ሰልፊ – ኣትላንታ
መጸዋዕታ ነሰላማዊ ሰልፊ ንጨቃኒ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ንዝበሉ ጀጋኑ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ብምድጋፍን ድምጺ ህዝብና ንምስማዕን ንቀዳም 9 ለካቲት 2013 ካብ ሰዓት 1፡00-4፡00ድ/ቀ ዉዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ስለ ዝኾነ፡ ኩሉኹም ኤርትራውያንን የዕሩኽ ኤርትራን ኣብቲ ቦታ ተረኺብኩም ድምጽኹም ከተስምዑ ብትሕትና ንጽውዕ። ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ፊት CNN … more
ቶባእ! ካብ ጽባሕ ምሕባእ።
ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክመልእ ጸጋ፡ ትማሊ ምስ ሎሚ፡ ሕጂ ምስ ጽባሕ እንተለሚደን ክዝትያ ብስራሕ፡ ምዕባለ ይስስን ይዕምብብ ሰላም። … more
ናይ ተለዓል ደወል
ናይ ተለዓል ደወል ናይ ተለዓል ደወል ዝጽውዕ፡ ዋዜማ ንለውጢ፡ ብከበሮ መፕቅዕ፡ ብፍትሒ ዲሞክራሲ፡ ንቶንኮለኟ ዚረትዕ፡ ሕድሪ ጀጋኑ አሕዋቱ፡ ፍጹም ዘይርስዕ፡ ምእንቲ ህዝቡ፡ ብደሙ ሚሒሉ ዚጠቅዕ፡ ጀሚሩ ክኑቂ ከም አርሓ ዝራብዕ፡ አያ ክኾኖ ንውጹዕ፡ ብህግደፍ ከይነብዕ። ሓየት ኮርዒዳ ፡ አብ ፎርቶ እንዳ ዜና ኤርትራ፡ ኽጭድር ተራእዩ፡ አራሚ ምንቅስቃስ ተሰይሙ፡ ክእርም ንዚተጋገዩ፡ … more
ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 5ይ ክፋል
ወዳጄ “ልምዓታዊ ሚድያ”! ሚኒስትሪ ዜና ከም ዝኾነ ናይ ፕሮፖጋንዳ ትካል ንተልእኾኡን ዕላማታቱን ዝዉክል ስትራተጂ ኣለዎ። ንሱ ድማ ብጉልባብ ስትራተጂ “ልምዓታዊ ሚድያ” ህዝቢ ምድንጋር እዩ። ንምዃኑ ኣብዛ ኢሳያስ ዝነገሰላ ኤርትራ ፖሊሲ ልምዓት ኣሎ ድዩ!? እቲ ሚኒስትሪ ዜና እኽተሎ’የ ዝብሎ ስትራተጂ ‘ልምዓታዊ ሚድያ’ኸ መጎታዊ ባይታ ኣለዎ ድዩ!? ብመሰረቱ ንልምዓት ዘንቀደ ፖሊሲ ምስ … more
ብስራት ንግሆ
ተዓገስ ኹኹናይ : ነቑ ኣርሓ ደርሆ በቲ ረጒድ ድምጺ : ሓባሪ ንግሆ ንስካ ኣይትስሕትን : ጸኒሕ ናይ ኣቦካ ሃየ ደጋግሞ : እቲ ጉሩም ድምጽካ ወጊሓ’ዶ መሬት : ኮይና ከብዲ ኣድጊ ተዓሪቖምና’ዶ : ሎምስ ኣቦይ እዝጊ ተንሲኦም’ዮም በሎ ፡ ዎዮም ሰብ- ቖጽሊ የንፋሕኽ ብእግሩ ፡ ናይ መን ሰጋር በቕሊ ዶው ኣይበል … more
ክብሪ ወዲ ዓሊ!
ክብሪ ወዲ ዓሊ! ብስርሒት ፈርቶ ናይ ሓርነት ቡቕሊ ከደይብ ከውርድ ነገራት ከለሊ ሰለም ኣቢሉኒ ሓሊመ ትማሊ፡ ከውታ ከሎ እዋን ዝሓዘለ ጠሊ መጐስ ናይቲ ስውእ ክብሪ ወዲ ዓሊ ብርሃን ደጒሑኒ ወሪዱ ካብ ላዕሊ! ዓይነይ ብኽዱኑ እዛ ርእሰይ ኣቕኒዐ እዝነይ ተጸለኹ ገለ እንተ ሰምዐ ዓው ዝበለ ድምጺ ናይ ነድሪ ቁጠዐ ንጹር ዝመልእኽቱ … more
ሰራዊትና ጠበቓ ውጹዓት
ሰራዊትና ጠበቓ ውጹዓት 01/28/203 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ጥሓሒሳ እምኒ መደረጋሕ ቀሪብካ’ምበር ከተብላ ወጋሕ ኣታ ኲዓዒታ ዓቢ ’ፍራዛ ቀሪብካ’ምበር ከተርሕዎ ገዛ ኣንታ ዘይርበሽ ርጉእ መንፈስ ማህጸን ጅግና ቀሪቡ ክድበስ ጠበቓ ውጹዓት ኣበካቶ ብበሪኽ ዝጅምር ዝባን ፎርቶ ፈዳይ ሕነ ከም ነብሪ ዝውንጨፍ ይትረፍ ቀትሪ ለይቲ ዘይዕንቀፍ ወራስ ንእዲ ብዓል ጻዕዳ ማእሲ ንስኻስ … more
ጅግና ህዝቢ እንዲኻ!
ጅግና ህዝቢ እንዲኻ! ጎይታ ስቡሕ መሬት ወዲ’ዚ ጋሽ ባርካ ኣንታ ሰረወታይ ጻዕዳ ጣፍ እቶትካ ኣንታ ወዲ ሰንሒት ፍሩታ መወጽካ ኣንታ ደንከለታይ ባሕሪ ዝቕናትካ ኣንታ ወዲ ሰምሃር ባጽዕ ዝወደብካ ኣንታ ኣከለታይ ሃብታም ቅርስታትካ ኣንታ ወዲ ሳሕል ሰውራና ዘዕቖብካ ኣንታ ሓማሴናይ *ቃቤላ ሃገርካ *ዓንዲ ማእከል ኣስመራና ጻዕዳ ሓበን ዝንያትካ መንደላይ ነጊሱ ኣብዛ መረበትካ … more
ደሃይ ካብ ኣስመራ፡ “ቃላት ወዲ ዓሊ”
ወዲ ዓሊ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኤርትራውያን ጀጋኑ ንሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል መልእኽቲ ብተለቪዥን’ቲ ስርዓት ዘመሓላለፉላ ታሪኻዊት ዕለት ዝተሰወአ ሓርበኛ ተጋዳለይን ናይ ለውጢ ተቓላሳይን ኢዩ። ወዲ ዓሊ ይኹን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ ነቲ ንስርዓት ኢሰያስ ኣንጉዑ ዘምከኾ ናይ ሓበን ስርሒት … more