Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ 21 ክፍለ ዘመን እንተሎ ዝዕሹ

እሞ ኮምፒተር ተተርኢሶም ዝድቅሱ

ኣብ ጫካ ዝነብሩ ብ10.ኢድ ይሕሹ

ብዘይካ ምምእራር ካልእ ዘይፈላፈሱ

ከም ብዓል ማንኪ ዘይብሎም ዝሕሱ

 

ንምክልኻል ሕይልታት ተጸግዕዎ

ናይ ለውጢ ሓይሊ ክከውን ሕተትዎ

ንለውጢ እጃሙ ከበርክት ኣባራትዕዎ

ታሓባቢርኩም ንህዝቢ ክተድሕንዎ

ሽሕ ኪሎመተር ብሓደ ክትዓምዎ

ለውጢ ክራጋገጽ ህዝብና ክርህዎ።

ኣለዉና ዑቑራት ሙሁራን ሊቃወንቲ

ይቀላቐሉ ኣለዉ ቀስብቐስ በብሓንቲ

ድሕሪ ሃገራዊ ዋዕላ ብርኽቲ መዓልቲ

ታሪኻዊት ዓመት ሓናፊጽኪ ተቓለስቲ

ኣኪብክና ብኣላዝቦ ክንመክር ክንዝቲ።

ርሑስ ዓመት እንዳባ ብዂሉ

በዚ ቦኽሪ ዓመት እንትልመሉ

ራህዋ ንህዝብና አብ ዘሎ ይሃሉ

ዘበነ ለውጢ ንኽኾነልና አብየት በሉ

ውርደትን ሕፍረትን ንህዝቢ ዝበደሉ።

ከመይ’ላ ከሪማ ሓትነይ ብሪ
ዘረብኣ መቀያየሚ መቃሓሓሪ
ቃላታ ናይ ሰብ ጓሶት ናይ ሰብ በትሪ
ኣካለ ስንኩላን ኣይትብል ሰብ እግሪ
ንዝተቓወማ ብጥይት ትኣሪ
ከም ዘየኽበርናያ ከም ልዑል ፈጣሪ
ሎሚካ ፈኾሰት ከም ታኒካ ባሕሪ።