ፕረዚደንት ኣመሪካ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራ ሃገራት እገዳ መገሻ ዝተገብረሎም ወጻእተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝውግዝ ኣዋጅ ኣጽዲቑ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፡ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራ ሃገራት እገዳ መገሻ ዝተገብረሎም ከምኡ ‘ውን ህጹጽ ኣዋጅ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ስልጣን ኣመሪካ ዝውግዞም ወጻእተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ። … more

ሓላፊ ጸረ-ግብረሽበራ ‘ዋይት-ሃውስ’ ኣመሪካ ኣብ የመን ቅልጡፍ ምስግጋር ስልጣን ክግበር ድሌት ከምዘለዋ ንምኽትል ፕረዚደንት ታ ሃገር ገሊጹሉ።

  ዋና ሓላፊ ጸረ-ግብረሽበራ ‘ዋይት-ሃውስ’ ጆን ብሪናን፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት የመን ብምርካብ ኣመሪካ ኣብ የመን ቅልጡፍ ምስግጋር ስልጣን ክግበር ድሌት ከምዘለዋ ከምዝገለጸሉ ኣሾሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ። … more

መንግስቲ ኣመሪካ ንፓኪስታን መዲቡዎ ዝነበረ $800 ደው ኣቢሉዎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ‘ፓኪስታን ኣብ መኸተ ግብረሽበራ ቁልፊ መሓዛ ‘ያ’ ብምባል ነታ ሃገር ክህቦ መዲቡዎ ዝነበረ $800 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዋህበ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን። … more

ፕረዚደንት ቻቨዝ ኣብ ኩባ እናተሓከመ ሃገሩ ክመርሕ ምዃኑ ይንገር

ጥረ ካንሰር ካብ ኣካላቱ ከምዝተወገደሉ ብሃንደበት ዝገለጸ ፐርዚደንት ቬንወዝዌላ ሁጎ ቻቬዝ፡ ኣብ ኩባ ዝግበረሉ ዘሎ ሕክምናዊ ክንክን ዋላ 6 ወርሒ እንተወሰደ ነታ ሃገር ብማዕዶ ክመርሓ ሕጊ ከምዘፍቅደሉ ምክትል ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ከምዝገለጸ ነው ዮርክ ታይምስ ሓቢሩ። … more