ብርዐይ ልሳነይ ኢያ!!!(መልእኽቲ ነቶም ልሳን ህዝቢ ክዓብሱ ዝፍትኑ)
ብርዐይ ልሳነይ
ብኣ'የ ዝገልጾ ናይ ልበይ፡
ብርዐይ ሓያል'ያ
ዘራይ ዘይድልያ፡
ኣብ ጸሓይ ቁሪ
ፈታዊ ጸላኢ ተጥሪ፡
ኣብ ሽግር ራህዋ
ብርዐይ ሓይሊ'ለዋ፡
ኣይትጽሕፍን ብወዝቢ
ጻዕራም ከም ንህቢ
ጠበቓ'ያ ናይ ህዝቢ፡
ኣብ ጊዜ ሽግር
ንሓቂ ትምስክር፡
ኣብ ጊዜ ጸበባ
ተጽንዕ ንህዝባ፡
እዛ ብርዐይ
ኢያ ልሳነይ፡
ኣይትፈርህ
መሊሳ ትበልሕ
ዓመጽቲ ትገንሕ፡
ብርዐይ ኮርዒዳ
ኣብ ኩሉ ዓዳ
ተርክበሉ ኣብ ዝኸደት ከይዳ፡
ብርዐይ ዓቃል
ንጸላእታ ተካል፡
ፈታዊት ሓቂ
መርሃዊት ናይ ጭንቂ፡
ብርዐይ ጸግዒ ድኻ
ፈታሒት ማሕለኻ፡
ወገን ዘይብላ
ዘይትምሕር ዝበደላ፡
ኣደ ውጹዕ
ንሓያል ትቐጽዕ
ሓቂ ተውጽእ፡
መን ክኽልክላ
የለን ዝሕይላ
ምእንቲ ህዝቢ ትዋጋእ ዘሊላ፡
ነኽብራ
ብሓይሊ ኣይንቕበራ
ትዛረብ'ያ ካብ መቓብራ
ትወጽእ'ያ ጉድጓዳ ፍሒራ፡ ፡
ፍትሒ ይንገስ
ወልዱ ተኽለ