Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

ፈለማ ሌላና ብቴለፎን(ስልኪ)’ዩ ዝነበረ።ኣብታ ዝሰርሓላ ዝነብርኩ ጋዜጣ ቀስተደበና እንከለኹዩ ጸሓፊት ጋዜጣ ቀስተደበና፡ሰብ ይደለየካሎ ዝበለተኒ፥ ኣብ ሓደ ሕጂ ብልክዕ መዓልቱ ኣብ ዘይዝዝክሮ ኣብ መወዳእታ ከባቢ 2000 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣስመራ።

ብበረኸት ስቲፋኖስ – ዋሽንግተን ዲሲ

እዚ ሓጺር ጽሑፍ ብዛዕባቲ “ብወፊሮም ገዝኦም ዘይተመልሱ” ዝብል ዝወጽእ ዘሎ ጽሑፍ ርእይቶይ ንምሃብ ዘቕርቦ ዘለኹ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ናተይ ናይ በይነይ ርእይቶ እዩ።

ብ 31 ታሕሳስ 2009 ምትሕንፋጸን ዝኣወጃ ሰለስተ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ (EDP, EPP, EPM)፡ ደጊም ከም ከሚስትሪ “ጨው” ሓደ ኮይና ኢና፡ ኣይንፈናጨል፣ ኣይንፈላለ፣ ደጊም ብማሕላን ብከሚስትሪ ጨውን ተዋሃሂድና ኢና፣ ብዝብል ጭርሖን መደረን ምትሕንፋጸን ኣብ ዝኣወጃሉ ጊዜ፡ እዛ ጭርሖ እዚኣ ካብ ኣፍ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ክትወጽእ ከላ፡ ኣብቲ ጉባኤ ብኣካል ካብ ዝተዓዘቡ ዜጋታት ሓደ እየ ነይረ።

ንኣተሓሳስባኻ ዘንጸባርቕ ጽሑፍካ ብምንባበይ ‘’ መን መርዓት ኢሉክን ትኩሓላ’’ ኢለ ከህዳኣካን ንመንነትካ ከይተገደስኩ ኣደብካ ከትሕዘካን ስለዝደለኹ ንታሪኽን ወነንቲ ታሪኽን ትዳረግ ኢለ ስለዘይግምተካ  ካብታ ወረ መስነቒትካ ፋርማሲኻ ክብገስ መሪጸ ።

ኮይኑ ግና፡ ንቅኑዕ ኣራኣእያ ምትርጓምን፡ ብዘለካ እምነት ምስራሕን ጎደለ። እዚ ኹሉ ዓመታት ቃልሲ፡ ብዛዕባ ሽግራት ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣጋባብ መፍትሒኡን ዝተሓንጠጠ ቀለም፡ ተጸሚቑ ኣብ በራሚል ኣኪብና እንተነፍስሶ፡ ሰብ ዝወስድ ውሕጅ መበገሰ።

…ክላ ወደይ ስም ቀይር ኣለናስ ምሒር ዓብዩካ !!!

ርኢቶይ ነዚ ኣለና ብዝብል ናይ ብርዒ-ስም ተኸታቲሉ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ።

ሀ)መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይቀራረቡ/ይረሓሓቑ?

ለ) መራሒ ድዩ ንመስርሕ ወይስ መስርሕ’ዩ ንመራሒ ዝምልምሎ?

ኣለናነቲ ሓደ ግዱስን ተባዕን ኤርትራዊ ተጋዳላይ ‘ኣለና’ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም፡ “ ትልሚ፡ ንዘርኢ ክርዳድ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብተኸታታሊ ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ፡ ብዓረብን ብእንግሊዝኛን ተተርጕሙ ክቐርብ ብዙሓት ተኸታተልትና ርእይቶ የቕርቡልና ኣለዉ።

dawitኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍቶን ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኸይዱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሽወደን ክብገስ እንከሎ ንሰበ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዘራረብ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ቃል መሕተት ከካይድ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ቆጸራ ተታሒዙ ምስ መሳርሕቱ ተበጊሱ።

ሓው ፍስሓ ናይር በቲ ዘይብልና ዲና ንሓስብ ዘለና። ዋላስ በቲ ዘሎና ኢና ንሓስብ ዘለና። ወይ ‘ውን ብኽልቲኡ፣ ኣስተብህል’ሞ ለይትን መዓልትን በቲ ዘይብልና ነገር ስለ ዘማረርና እንታይ ከነተግብር ንኽእል?

ኣነ ኣልኣዛር ሓጎስ ኣቦ መንበር’ዚ ክፍሊ ዘሎኹ ቅድሚ’ዚ ሓበሬታ’ዚ ምዝርግሑ ዝተሓበረኒ ነገር ከምዘየሎ ፡ ኣቶ ኢሰያስ ኣስፍሃ ኣባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተወከሰኒ እዋን ኣፍልጦ ይኹን ቅዳሕ’ውን ከም ዘይመጸኒ ሓቢረዮ።

Isaias Asfahaብዕለት 02 መስከረም 2010 ዓ.ም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ‘ሓርነት ኦርግ’  ‘ኣገዳሲ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ሓበሬታ ንኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ (ኣባል መ. ፈ/ሽ ሰ-ደ-ህ-ኤ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ‘ብክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን’ ዝተዳለወ ኣምሲልካ ዝቐረበ ጽሑፍ ነቢበዮ።

EPDPብቀዳምነት ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብወገን ጥዕናኻ ጽቡቕ ክትህሉን ኣብ መነባብሮኻን ኣብ እተካይዶ ዘይሕለል ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልካ።

ኣብ ዕለት 29 ነሓሰ 2010 ዓ.ም፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝጸንሐ መደብ፣ ኣኼባ መሰረታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ- ብርጣንያ፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ግዚኡ ከም ዝተሳላሰለ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዲ ነጻ ካብ ትኸውን 19 ዓመታት፡ ሃገራዊ ልኡላውነታ ብኣህጉራዊ ሕጊ ካብ ዝረጋገጸላ ድማ እነሆ 17 ዓመተት ቀሪቡሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣይተዓደለን ደኣምበር 19 ናይ ቅሳነት ዓመታት 17 ናይ ምዕባሌ ዓመታት መቑጸረ ኔሩ።

tegadalayሓው ዮሴፍ ሒደት ይኸውን ‘ምበር ኣንቢበ ኢየ ውሑድ መዓልታት ይኸውን ‘ምበር ኣዝዮም ዘድንቖም በላሕትን ፈላጣትን ሰባት ብተመስጦ ክዛረቡን ክምድሩን ከስተምህሩን ሰሚዐ ኢየ በቲ ይኹን በቲ ግን ኩሉ እቲ ጣቛ እቲ ቛንቛ መሰረቱ ህዝቢ ኢዩ ሕምረት ናይ’ቲ ምግዳል

Gedliብመጀመርያ ነቶም ብዘይ ምስልካይ ንድርሰት ምቅንጃው ገድሊ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ነቢቦም ብብቕዓትን ክእለትን ዝመለሱ ብፍላይ ከኣ ሓው ሳልሕ ዮኑስ በቲ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ንነብሱ ከም ውጺኢት ምዕራባዊ ዓለም ወሲዱ ህላዌ መንነቱ ብምኽሓድ ልዕሊ እቶም ዋናታት ቛንቛ እንግሊዝ ዋና ብምዃን ኣብ መርበባት ሓቤረታ ኤርትራውያን ዱድ ዝብለሉ ዝነበረ ቛንቛ እንግሊዝ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ

afabetኣብ ኣስማሪኖ.ኮም ይኹን ኣብ ኣሰና.ኮም፡ ብዕለት 31/03/2010 ብብርሃን ሓጎስ ዝተጻሕፈ ተመልኪትናዮ። ጀነራል መስፍን ሓጎስ፡ ቀጺሉ ናይ ኣፍዓበት ኣንበሳ፡ ( The Lion of Afa’Abet)  ተባሂሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝተጋነነ ሓዲሽ ታሪኽ ሰሚዕና ሱቕ ኢልና ክንሓልፎ ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ሕልናና ኣይፈቐዶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ነዚ ዝተጋነነ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ታሪኽ ክጸሓፍ ተደልዩ፡ ስለምንታይከ ናደው እዚ ንምፍራስ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣንበሳ ዘይተባህለ።

ናብ ኸበርካ ሓውና ምናሴ ዮሴፍ:
ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ አብ ክልተ ተከፋፊሉሉ አብ ዘሎ እዋን ጸግኢ ናይ ደግፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ወሲድካ አብቲ ብደግፍቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ዝፍኖ ናይ ረድዮ መደብ ምስ ሓደ ብጻይካ ” ብስጋ ሓውኻ ” ቀሪብካ ሓቂ ክትደፍንን ነቲ ነውራምን ሕማቕን ተግባራ ናይ ደገፍቲ ኢሰያስ  ክትሸፋፍንን ብጋዜጣታት ሽወደን ንዘይተባህለን ንዘይተጻሕፈን ከምዝተባህለን ከምዝተጻሕፈን አምሲልካ መልስን ትንታኔን  ክትህብ ምፍታንካ ንብዙሓት ኤሪትራውያን ዘሕዘነን ዘቆጠዔን ስለዝኾነ ነቲ ዝበልካዮ ሓደ ብሓደ  ብፍላይ ነቶም ክትዛረብ ከለኻ ዘይሰሙዑካን ክሰምዑኻ ዕድል ንዘይረኸቡን ከነብርሃሎም ክንፍትን ኢና::

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
Elsaሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ  ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።

Sulimanኣብ ነዘርላንድ ዝርከብ በርጌሳዊ ማሕበር ንጉዳያት ምስናይ ጭብንጥታቶም ብምትእስሳር ኣስዒብና ምስ ምሉእ ስእሎምን መንነቶምን ኣሰኒና “እዞም ሰባት መን ኢዮም?’’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዓምዲ ጽሑፍና መቕድም ሂብና ደቂቕ ዝርዝር ኩነታቶም ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ከኣ ናብ ነባሪ ተቐማጢ ሆላንድ ከነቕርብ እንከለና እቲ ናብ መንግስቲ ሆላንድን ትካላቱ ዝኾኑ ፖሊስን ጸጥታን ትካል ኣታዊ ውሽጢ ሃገር “ብላስቲን ደኒስትን” ብቐንዱ ኸኣ ናብ ክፍሊ ኢመግረሽን IND ዝቐንዐ ፍልይ ዝበለ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣቕሪብና

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ዘሕለፎ ብይን 1907/2009 መሰረት ብምግባር፡ ቅድምን ድሕሪን ውሳነ ብኹሎም ወገናት ደገፍትን ተቛወምትን ኩሉ በበቲ ዝመስሎን ዝፈልጦን ሰፋሕቲ ክትዓትን ዘመተታትን ይካየድ ምህላዉ ኩላትና ንከታተሎ ዘለና’ዩ። እዚ ብይን ናብ መን ዝቐነዐ’ዩ? እንታይ መሰረት ዘንበረ’ዩ? መን’ዩ ኸ በዚ ብይን ወይ ማዕቀብ ዝህሰ? ዝብሉ ሕቶታት ብኹሎም በቶም ረብሓ ህዝቢ ቅድሚ ረብሖኦም ዘንበሩ፤ ብጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘይጣሉዑ፤ መጻኢት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ መሰረት ዘንብሩ ኤርትራዊያን ብዙሕ ዝተባህለሉ ስለ ዝኾነ ምድጋሙ አገዳስነቱ ምንእኣስ ስለ ዝኾነ ክሰግሮ መሪጸ።

ብሰንኪ ማዕቐብ ዘውረዶ ቅልውላው ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ነገራት ይፍንቅል ከምዘሎ ቅሉዕ ነገር ኢዩ።ካብቲ ሓደ ዝጥቀመሉ ዘሎ ፍሹል ፈተነ፡ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ፡ኤርትራዊ ዜግነቶም ደርብዮም ዜግነት ናይ ዝቕመ ጡለን ሃገራት ሚሒሎም ዝተቐበሉ ገይሩ ኣንጻር ማዕቐብ ንዕለት 22 ለካቲት ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር’ዩ።

ከም ኩሉ ዝፈልጦ ኣብ ዝሓልፈ ግዜ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ጉጅለ (UN Security Council) ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ናይ እግዳ ውሳኔ ከምዝሓለፈ ርዱእ ኢዩ። እዚ እገዳ እዚ ድማ  ኤርትራ ምስ ናይ ሶማልያ ግብረ-ሽበራ ተንቀሳቐስቲ ትተሓጋገዝ ከምዘላን ከምኡ’ዉን ነቲ ዕላማ ቅዱስ ዕላማ ከምዃኑ ስለትኣምነሉን ኢዩ።

ነቲ ብሓፈሽኡ ዝፍለጥን ብሰፊሑ ድማ፡ ኣብ መዛግብን መርበብ-ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዘርጊሑ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣዋጅ ኣድማሳዊ መሰላት ደቂ-ሰብ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዘስተብህለሉን ከምዝፈልጦን ንምግባሩ ሓደ ካብ ዕላማ ናይ ጽሑፈይ ኢዩ። ግቡእ ኣፍልጦ ናይዚ ኣዋጅ’ዚ ምህላው ድማ፡ ኣብ ምጉስጓስን ምዕንባብን ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ካልኣይ ዕላማ ጽሑፈይ ድማ፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ ብባይቶ ጸጥታ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ፡ ፈጢሩዎ ዘለዎ ፈታኒ ኩነታት፡ ኤርትራዊ እንታይ ክገብር ኣለዎ ዝብል ኢዩ።

ጠዓመ ጐይትኦም (መቐለ) ኣብ 1977 ናብ መስርዕ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። ከም ኩሉ ሰብ በቲ ንቡር ታዕሊም ሜዳ ሓሊፉ ናብ ተዋጋኢ ሓይልታት ተሰሊፉ ግቡኡ ፈጺሙ። ኣብ 80ታት ካብ ተዋጋኢ ሓይልታት ናብ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ማለት ክፍሊ 72 ተመዲቡ ክሳብ ናጽነት፡ ውድብ ናብ ዝለኣኾ ክዋፈርን ክሰርሕን ጸኒሑ።

ዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝመጽእ ብስራትካ፣ ኣብ ኣዚማሪኖ፣ ኣሰናይን ድምጺ መሰልና ደሊና ክቃላሕ ከሎ፣ በቲ ትብዓትካ እነሄለ ብዓል ዝናር፣ እናበለ ኣብ ውሽጡ መንፈሳዊ ቅንኢ ዘይስመዖ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን።

ሶነዛ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዋ ን ወ/ሮ ሶፍያ እትምልከት ናይ ‘ደወል’ ጽሕፍቲ ምስቲ ኣሰንዩዋ ዘሎ ስእልታት ምስ ኣንበብኩ ምስ ዝሓደረኒ መረዳእታ ትሰማምዑ ኣንበብቲ ክረክብ ተስፋ እገብር። መረዳእታይ ከካፍለኩም፡-

ኣባላት ኤምዲሰመውን ነቲ ኩሉ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ ዓመጽን ጎነጽን ወጊድ ኢልኩም፣ ነዛ ካልኣይቲ፣ ምርጫ ክብረት፣ ርትዒ፣ ሰላም፣  ሃገራዊ ዕርቂ፣ ብልጽግና፣ ሕድሕዳዊ ምክብባር ብምምራጽ ትቃለሱ ብምህላውኩም፣ ህዝብኹም ተሓቢኑልኩም ከምዘሎ፣ ንሕና እዞም እንፈልጥን ኣብ መንጎኡ እንርከብ ውልቀ ሰባት ንምስክር ኣሎና። ኣጆኹም ኣጆና

fanaብዝኾነ ፋና ናይ ነብሳ ጭካነ ድኣ ሓዊሳትሉ እንበር ካብ ህግደፍ ዘይተለኣኸቶ ዶ ጌይራ ኮይና።…ዝዓበናሉ ቦታታት ኩሉ ፈሪሱን ባዲሙን ኣሎ። ንሕና ከኣ ናብ ዓዲ ጓና ሰፊርና ኣሎና። ከማና ዘጋጠሞምውን ብዙሓት ኣሎዉ። ብሕጂውን ክሳብ ዘሎዉ ኣይክገድፉናን እዮም። እንተኾነ ግን በትሪ ሓቂስ ትቀጥን እንበር ኣይትስበርን ከምዝበሃል፣ ፋናን መሰልታን ናብ ዓይኒ ሕግን ፍትሕን ጠጠው ዝብሉሉን፣ በቲ ኩሉ ዝገበርዎ ግፍዒ ፍዳኦም ዝኽፈሉልን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

MHኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ከም ኣቦ መንበር ናይ ሰልፊ ዶምክራሲ ኤርትራ መጠን ምስ መዘናታትካ  ዝኾኑ ተቓለስቲ፣ ዝሓለፈ ምፍሕፋሓት ብምርሳዕ፣ እንዳተራዳድእኩም ንክትከዱ፣ ናትካ ተራ መተካእታ ከምዘይህልዎ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ ዝኣምነሉ ከምዝኾነ ጥርጥር የብልናን።