Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምኒስተር ፍትሒ፡ ፎዚያ ሃሺም “ተመሓይሹ ዝቐረበ” ዝበለቶ ንድፊ ሲቪላውን ገበናውን ሕጋጋት፡ ፈጻሚ ኣካል ህግደፍ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዱ፡ መመሓየሺ ርእይቶታት መታን ከቕርቡሉ ብዝብል ምኽንያት ናብ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ብዲስክ ልኢኻቶ ከምዘላ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት ሓቢሮም።

ህዝቢ ከተማ ሰገነይቲ ናብ ባርካ ክግዕዝ ምዃኑ ብመንግስቲ ብዕሊ ከምዝተነግረ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

 

ብመሰረት ‘ቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ህዝቢ ጥሜት እንተለዎ፡ ካብ ዓዱ ተዘናቢሉ ናብ ባርካ ኪኸይድ ድሉው ከምዘይኮነ ነቶም ሰበስልጣን የፍልጦም ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ደቆም ባዕሉ ዝረሸነሎም ስድራቤታት፡ ናይ ዝተቐትሉ ደቆም መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ናብ ምምሕዳር ዓዲዃላ ጸዊዑዎም ከምዘሎ፡ እዚ  ስግንጢራዊ ስራሕ ናይቲ ባዕሉ ገበነኛ ክንሱ ንግዳያት ዘዐዲ ስርዓት ንህዝቢ ኣርሚሙዎም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብኣንክሮ ገሊጾም። 

 ፕረዚደንት ኢሳይያስ 16 ኣምባሳዶራት ካብ ስርሖም ክድስክሉ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓቢ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ከምዘሎን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።  እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽውዖም ብ20 ለካቲት ኢሳይያስ ናይ መዛዘሚ ኣኼባ ዘካየደሎም ኣምባሳደራት፡ ኣብቲ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

 እቲ ንሊትሮ 38 ናቕፋ (2.50 ዶላር ኣመሪካ) ክሽየጥ ዝጸንሐ በንዚን ስለዝተሳእነ፡ ኣብያተ መዐደሊ ነዳዲ ኤርትራ በንዚን ምዕዳል ደው ኣቢለን ከምዘለዋ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 ሰራዊት ኤርትራ ካብ 6 ወርሒ ንላዕሊ ዝቕለቦ ዝዝተኸዘነ ቀረብ መግቢ ከምዘይብሉ ስለዚ ድማ ኣብ ኣመጋግባ ቁጠባ ክገብር ከምዘለዎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ትእዛዝ ከምዝተቐበለ ምንጭታት ሓቢሮም።

Demoሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡  ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ኣብ ከተማ ለንደን ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያንን ድሕነት ሃገርና ኤርትራን ድምጾም ኣስሚዖም ።

MoE እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

is ተቐማጦ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ እትርከብ ዓዲ ቆልዓ ሰበይትን ሰብኡትን ንብረቶም ጠርኒፎም ብስቱር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ተቐማጦ ናይታ ዓዲ ነዚ ዓቕሊ-ጽበታዊ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወሰዱ ብጥምየትን ሕሱም ጸቕጢ ስርዓት ህግደፍን ተገዲዶም ከምዝኾኑ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ተቐማጦ ከባቢ መንደፈራን ዓዲ ቐይሕን በቲ ወሪዱዎም  ዘሎ ጥምየትን ሕሰም መነባብሮን ዝርእዩዎ ስኢኖም ነቲ ስርዓት ጭንቀቶም ምስ ገለጹሉ፡ ‘ናብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ጎልጅን ገርሰትን ኬድኩም ሓሪስኩም ብልዑ’ ስለዝበሎም ዝገዓዙ ብዙሓት ስድራቤታት ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ‘ሎ። Amb

isu

 

welwelTes                                                                

cabineባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ (14 ጥሪ 2009) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታታት ክትወጽእ ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃቡ ዝተሻቐለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዘይወግዓዊ መንበሪ ይቐያይር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ5 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘግዓዞም ኤሪትርያ ዎች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።