Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

arsemaኣርሴማ ዳዊት ዝተባህለት ለንደን ዝምቕማጣ ጓል 15 ኤርትራዊት ተማሃሪት ትማሊ 2 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቀጽሪ ገዝኣ ብዘጋጠማ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ኣብ ሕክምና ቅድሚ ምብጽሓ ብኡንብኡ ዓሪፋ።

በኣማኢት ዝቝጸሩ መንእሰያትን ህጻናትን ነብሰጾራትን ዝርከብዎም ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብስግረዶብ ክኣትዉ ዝተታሕዙ
ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ኣብ ቐረባ ግዜ ብዘይፍታዎም ናብ ኤርትራ ክጥረዙ መደብ ከም ዘሎ ካብ ካይሮ
ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነማሓላልፈልኩም ንፈቱ።

IREX ዝተባህለ ኣህጉራዊ መጽናዕታዊ ትካል፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣተኵሩ ኣብ ዘዳለዎ ናይ 2007 ጸብጻብ (Media Sustainability Index – 2007) ፡ ኤርትራ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃና፡ ህዝባ ሚዛናዊ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ኮነ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ምስትምቓር ኣዝዩ ተወጺዑ ከምዘሎ ብመርትዖ ዝተሰነየ መረዳእታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓባይ ብሪጣንያ ክዓዪ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ሜጀር ሃብቶም ኪዳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ሊስ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት፡ ንኣድላዪ ሕቶ ወሲዶሞም፥ እቶም መንእሰያት ከምዝተለቐቑ ክፍለጥ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም
ደገፍቲ ወፍሪ ዘመተ ግን ዝበጽሓና ሓበሬታ የለን። ብድሕሪዚ ኹሉ፣ እቲ እኼባ ናይ ዘመተ ዕላምኡ ከይወቕዐ ፋሕ
በለ።

Lon 1ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም፡ 13 ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቕያር ዝኣምኑን ዝቃለሱን ግዱሳት ኤርትራውያንን ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ኩሎም ብሓባር ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብምርኻብ ብፍልይ ዝበለ ድምቀት ጸምቢሎማ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ጽባሕ በዓል ናጽነት ስለምንታይ ናብ ኢራን ከምዝገሸ ገሪሙኩም ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን
ኣይግረምኩም። ንበዓል ናጽነት ዝኸውን ሽሻይን ሕብስትን ከምጽእ ኣይኮነን ከይዱ ዘሎ። መገሽኡ ምስ ውልቃዊ ጉዳዩ
ዝተኣሳሰረ እዩ።

ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ገራህቱ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋታት ናይታ ሃገር ቆñጺሩ ዘጠረዞምን
ኣዕጽምቲ ክሳዶም ዘስበሮምን አርትራውያን መንእሰያት ከይኣኽሎ ኣብዚ’ውን ንዕኡ ክደግም ምኳኑ ፈኪሩ ኣሎ።

ሻድሻይ ጉባኤ መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 20 04/ 2008 ኣብ
ዝነበረ ኣዋን እብ ከተማ ቱቢንገን ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ናይተን ኣብ ሸሞንተ ሃገራት
ኤውሮጳ ዝመደበረን ኣባላት መርበብ ዝዀና 10 በርገሳውያን ማሕበራት ተሳቲፎም።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ-ሰለስተ መዓልታት ብወገን ራስ-ዱሜራ ዶብ ጥሒሶም ናብ ጅቡቲ ብምእታው
መከላኸሊ ዕርዲ የዳልዉ ከምዘለዉ ንሓደ “ስሙ ክንገረሉ ዘይደለየ” በዓል ስልጣን ጅቡቲ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና
ፈረንሳ ሓቢሩ።

– ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል
– ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የስፋሕፍሕ

ካብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ልዑል ፈይሰል ቢን ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣልስዑድ ኣቦ-መንበር ማሕበር ቀይሕ ወርሒ (ሂላል ኣሕመር) ትማሊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኣምባሳደር ኤርትራ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ወድዓዊ ኩነታትን ናይ ነዊሕ እዋን ዝናብ ብዘይምዝናቡ ንደቅሰባት ብዝያዳ ግላዊ ጸገም ከምዘምጽእ እዩ ክብል ኣምባሳደር ብሽም ህዝቢ ለመንኡ ድሕሪ ምቕራብ ንልዑል ፈይሰል ንኤርትራ ንክዘውር ከምዝዓደሞ ተፈሊጡ። ”

ስርዓት ህግደፍ፡ ጠንቁ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ብዙሓት ነጋዶ ኣሲሩ ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ብመጀመርያ ተጋዳላይ መሓመድ ስዒድ ባርህ ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ ነቲ መርድእ ተቐላጢፍኩም ምዝርጋሕኩም ምስጋና ይግብኣኩም። የግዳስ ዝወዓለ ይንገርካ እዩ ‘ሞ ከም’ቲ ዝበልኩሞ ወዲባርህ ብሕማም ዘይኮነ ብትእዛዝ ኢሳይያስ እዩ ጠፊኡ።

barhኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባርህ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምስቓይ ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣፍሊጣ።

 

ሰልፊኣብ ሸፊልድ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ብምቅዋም ብ5 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ እንተኾይኑ እቲ ንልኡላውነት ሃገሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ዘኽብርን ዝሕሉን፡ ወጽኢት መሪር ቃልሱ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ቅዋሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ።
ነዚ ንምትግባር ከኣ ብዘይካ በቲ ብዓል ቤት ናይዚ ሕቶ`ዚ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ዘይፍጸም ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዓለም ተማሂርና ኣሎና።

ሽሕ እኳ ኣውቲስታ ወዲ ኤፍረም ዕጫ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣውቲስታ ‘ሳልሕ’ ይበጽሖ ከምዝኾነ  ይፍለጥ እንተ ነበረ፡ እንሆ ክቡር ሓውና ንሱ በዘይፈልጦ ጉዳይ፡ ጥራሕ ተለኣኣኺ ብምዃኑ ሚስጢራት ንምድምሳስ ፡ ግዳይ ዓመጽቲ ኮይኑ።

haileተጋዳላይ መምህር ሃይለ መብራህቱ (ወዲ መብራህቱ) ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ብድንገት ብሓደጋ መኪና ሃንደበት ብምዕራፉ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንርከብ ተማሃሮኡ፡ መቓልስቱን ብጾቱን፡ ንስድራቤቱ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነቶም ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ብምቕዳሙ ድሒሩ ስለዝወለዶም ከይዓኾኹ ብዘይ ኣቦ ዝሓደጎም ዕሸላት ደቁ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

hayleተጋዳላይ መምህር ሃይለ መብራህቱ (ወዲ መብራህቱ) ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ብድንገት ብሓደጋ መኪና ሃንደበት ብምዕራፉ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንርከብ ተማሃሮኡ፡ መቓልስቱን ብጾቱን፡ ንስድራቤቱ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነቶም ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ብምቕዳሙ ድሒሩ ስለዝወለዶም ከይዓኾኹ ዝሓደጎም ዕሸላት ደቁ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

መፈጸምታ ነቲ ብኣባላት ጉጅለ ህግደፍ ክካየድ ዝጸነሔ ናይ ምዝመዛ ወፍሪ ኣብ ዙርያ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ከተማ ርያድ ሓፋሽ ህዝቢ ዘፍሸሎ ኣኼቦኦም ንምጽጋን ከመይ? ኣበይ? መዓስ? ምስመን? ንዝብል ሕቶታት መጽናዕቲ ድሕሪ ምውሳዶም (መኸተ) ብዝብል ጭርሖ ተሰምዩ ካብ ደሞዝ ሙሉእ ንላዕሊ ግምት ዝተዋህቦ ወፍሪ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ዳግማይ ሓፈሻዊ ኣኼባ ተኣዊጁ ንዕለት 14.03.2008 ኣብ ከተማ ርያድ ብተጽዕኖን ጸቕጥን ናይ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ፍርቂ ደሞዝ ከምዝጸደቐ ካብ ውሽጢ ኣኼባ ዝመጸና ሉኡኽ ሓቢሩ።

ደጊመ ንኣንበብቲ ብሓፈሻ ከረጋግጾ ዝደሊ ግን፡ ኣዝማሪኖ ነቲ ጽሑፍ ሳንሱር ክትገብሮ ከምዘይሓተትኩን ድሌት ከምዘይብለይን፡ ደጋፊ ጥራይ ዘይኮነ ተጣባቒ መሰልን ሓርነትን ሓሳብካ ምግላጽ ምዃነይ፡ ኣብ ስደት ካብ ዘቐመጡኒ መሰረታዊ ጉዳያት ሓደ ፍቕሪ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ምዃኑ እዩ።

ኣብቲ ፈስቲቫል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ቡዙሓት ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ከምኡ’ውን ተራሃረህቲ ዜጋታት ዕዱማት ሃገራውያንን ገዳይም ተቓለስትን ክርከቡ እንከለዉ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኣቶ ኑር መሓመድ እድሪስ ማለት (ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ሰልፍታት) ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፉ ነቲ ፈስቲቫል ዓቢ ድምቀት ክህቦ ኪኢሉ።

ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2008 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ስርዓት  ህግደፍ ን መንእሰይ  ኤርትራ ግዱድ  ዕስክርና  ነጻ ጉልበት ብምጥቓም መጻኢ ሂወቱ  ኣጸልሚቱ  ባርያ  ናይ  ሰበስልጣናት  ገርዎ  ይርከብ ።  ነዚ  ግዱድ  ዕስክርና ዝመረሮም  በሽሓት  ዝቑጸሩ  መንእሰያት  ድማ  ብሰንኪ  እዚ  ስርዓት  ዝፈትውዋ  ሀገሮም ገዲፎም  ካብ  ቅድሚ  ሕጂ  ተራእይዎ  ዘይፈልጥ  ቑጽሪ  ናብ  ጎረባብቲ  ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ ።

swedሐደ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ አብ ነፋሪት ምስተሰቕለ ብናይ ሐይሊ ጎነጽ ተቓውሞኡ ብምርአይ ናይ ነፋሪት ፓይሎት እዚ ሰብዚ አስጋኢ ስለዝኾነ አይብገስን ኢሉ ስለ ዝአበየ ካብ ነፋሪት ክወርድ ድሕሪ ምኽአሉ አብ ትሕቲ ፖሊስ ይርከብ አሎ፡