ብዓይኒ ህግደፍ ቀዳማይ ጸላኢኡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ሰምበል ብድሕሪ ሆቴል ኢንተር ኮንቲነንታል /ኣስማራ ፓላስ/ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ሓደስቲ ናይ ተለኮሙኒኬሽን ህንጻታት ብሸበድበድ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትካል ተለኮሙኒኬሽን ሓደ ካብ ቀንዲ መሓውር ስለያ ህግደፍ ካብ ዝኸውን ሓያሎይ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ።
ብዓይኒ ህግደፍ ቀዳማይ ጸላኢኡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ሰምበል ብድሕሪ ሆቴል ኢንተር ኮንቲነንታል /ኣስማራ ፓላስ/ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ሓደስቲ ናይ ተለኮሙኒኬሽን ህንጻታት ብሸበድበድ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትካል ተለኮሙኒኬሽን ሓደ ካብ ቀንዲ መሓውር ስለያ ህግደፍ ካብ ዝኸውን ሓያሎይ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ።
መንግስቲ ሆንግ ኮንግ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘጽንዖ፡ ቀረብን ምስግጋርን ኣጽዋር፡ ምድስካል ኣብ ባንካትታት ዝርከብ ገንዘብ ናይቲ ስርዓትን፡ ምቕያድ ምንቅሳት ሰበስልጣንን ዘጠቓለለ እገዳ ባይቶ ጸጥጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣዋጅ ከምዘውጽአ news.gov.hk ዝተባህለ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ግህሰት መሰል ኤርትራውያን ንኸብቕዕን እቶም ኣብ ቤት ማእሰርትን ዘይተፈልጠ ጐዳጉድን ዝበልዩ ዘለዉ ኤርትራውያን እሱራት ንኽፍትሑን ዘመልከተ ኣብ ቦን ብ17 መስከረም 2010 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡
18- መስከረም 2001 ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ 1000 ንጹሃት ዜጋታት ብጃምላ ዝተኣሰሩላ፡ ንደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዓለም፡ እቲ በደል ጎሊሑ ዝተመስከረላ ጸላም ዕለት ኢያ። እንሆ ድማ ዝኽሪ መበል 9ይ ዓመት ንምኽባር፡ ሕልናና ደሪኹና ንዝክራ ኣለና።
ሰራዊት ጽዒና፡ ካብ ተሰነይ ተበጊሳ ናብ ኣስመራ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ኣብ ሓጋዝ ብነታጕ ድሕሪ ምቅጻላ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል 30 ክሞቱ ከለዉ፡ ብርክት ዝበሉ ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ ጀነራል ኤልሚ ሮቢለህ ፉሩር፡ ንጋዜጠኛትት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ብምዕራፍ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኣስታት 300 ኣባላት ተቓወሚ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ከበባ ብምእታው ከምዝሃደኑዎም ገሊጹ፡
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጻኢ ኣብ ኤምባሲታቱ ክሰርሑ ንዝጸንሑ ኣስታት 70 ኣባላቱ ናብ ኤርትራ ከምዝጸውዖም ምንጭታት ሓቢሮም።
ውሩይ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊ፡ መምህርን ናይ ቋንቋ ተመራማርን ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ነታ ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ሰፊሕ ህቡብነት ዝነበራ ‘ሓንቲ ዓለም’ እትብል ተነባቢትን ማራኺትን ናይ ትግርኛ ዓምዱ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ክቕጽላ ብምውሳኑ፡ demo.archive.assenna.com ብስማን ብስም ተኸታተልታን ‘ኣሰየ ኣሰና!’ ትብሎ። ምስኣ ሓቢርኩም፡ ንኣማኑኤል ሳህለ ‘መርሓባ !’ ከተባህሉዋ ኸኣ ብሓጎስ ትዕድመኩም።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም 3 ደቅንስትዮ ዝርከባኦም 12 ኤርትራውያን ካብ 2-17 ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ዮም ብ 3 መስከረም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቶም 7 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝነበሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ እትርከብ ቅነሓየላ ዝተባህለት ዓዲ፡ ኣንስቲ ዝርከባኦም 25 ሰላማውያን ሰባት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ሩባ ሃይኮታ፡ 16 ሓራምዝ ብጥይት ቀቲሎም፡ ነቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ዝተኸልከለ ልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝርከቦ ክቡር ስኒ ሓርማዝ (ኣይቮሪ) ምሕዮም ከምዝወሰዱዎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ብሓልዮት ኤሪትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ (ሽወደን) ኣብ ዝተጸውዔ ህዝባዊ አኼባ፡ አቶ አማኒኤል ሳህለን አቶ ኻልድ ዓብዱን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት አብ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዋዕላን ሰፊሕ ሓበሬታ ንዕዱማት ከምዝሃቡ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ::
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ (ሜሪላንድ) ዝምቕማጡ ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ግዱስ ኤርትራዊ ተኸታታሊ ድምጺ ኣሰና፡ “ኣሰና ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን እትገሮ ዘላ ኣስተዋጽኦ ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ኣለዎ” ብምባል፡ ብሕሳብ ሓደ ዶላር ንመዓልቲ፡ ናይ ዓመት ማለት 365 ዶላር ኣመሪካ ኣበርኪቱ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።
ሃገራዊ መትከላዊ ሰልፊ ኤርትራ: ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት ኣካላቱ ሰሪዑምስ ኩሎም ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ዘለዉ ዲሞክራስያዉያን ኣካላት ተወሃሂዱ ክሰርሕ ወሲኑ፡፡
(CNN) — Somali Islamist fighters on Saturday claimed they captured the largest
Reporters Without Borders alerts the international community to the collapse of the security situation in
Araya Debessay, professor of accounting and management information systems in the University of Delaware’s Alfred Lerner College of Business and Economics, has won a 2010 Ernst and Young Inclusive Excellence Award for Accounting and Business School Faculty.
ፖሊስ ግብጽን ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ስደተኛታትን ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ እትርከቦም ሽድሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጥይት ከምዝቐተሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንሃይልታት ጸጥታ ግብጺ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቲ ወትሩ ዓመት ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ሓምለን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰን ዝሰላሰል ፈስቲቫል ካስል ሎሚ ዘመን ኣብ መበል 25 ዓምቱ ብዘደንቕ ታሪኻዊ ኣገባብ ተፈጺሙ። ናይ ሎሚ ዘመን ፈስቲቫል ካስል ዝያዳ ፍሉይነቱ ምስ እቲ ታሪኻዊ ሰነድ ማኒፈስቶ ፈስቲቫል ካስል ዝወለዶ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሓደ ሰሙን ምስልሳሉ ኢዩ።
ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር “ፈስቲቫል” ህግደፍ ን4ይ ዓመቱ ኣብ ኤድሞንቶን ካናዳ ተኻይዱ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልቲ ብዛዕባ ደምዳሚ ኣዋጅን ዉሳነታቱን ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ገና ኣብ መስርሕ ምጽፋፍ እንከሎ፡ ብዝተፈላለዩ መርበባት ሓበሬታታት ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ኣዋጅን ዉሳነታትን ካብ ኣፍልጦን ሰክረታርያት ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ወጻኢ ኮይኑ፡ ዛጊ ስጋብ ሕጂ ተዘርጊሑ ንዘሎ ኣዋጅን ዉሳነታትን ዋ.ደ.ለ. ሰክረታርያ ዋዕላ ብሓላፍነት ዘይሕተተሉ ምኻኑ ይሕብር፡፡
ሓላፊ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ኢሳያስ ምስቶም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምስታፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኣኦም ዝቐነዩ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ብምርኻብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኩነታት ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ንዘለዉ ልዕሊ 50 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ‘ሞ ከም ቱሪስት ናብ ኤርትራ ክበጽሑን ኣብ ኢትዮጵያ ከውፍሩን ንዝደልዩ ኤርትራውያን ዜጋታት ንምምችቻእ ዝተፈለየለ መደባት ኣውጺኡ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ነቲ መደባት እተተግብር ኮሚተ ኣውጺኡ ከምዘሎ ‘ውን ኣገንዚቡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ድሕሪ ዓመት ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ከካይድ ወሲኑ።
ንናይ ውሽጢ ምንጭታት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ከም ዝእምቶ ዘሎ ሓንቲ ካብ ምድረ ፓኪስታን ተበጊሳ ናይ ፓናማ ባንደራ እናንበልበለት ናብ ወደብ ባጽዕ እትጓዓዝ ዝነበረት ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ከም ዝጸዓነት ዝንገረላ ዘሎ MV-SUEZ ዝመጽዓኒኣ ብናይ ግብጺ ኩባንያ “ሸርክ-ጋት” እትውነን መርከብ ብዕለት 02 ነሓሰ 2010 ከባቢ ሰዓት 5።30 ናይ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን ከም ዝተጨውየት ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ፣
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ርክቡ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ንደምክራሲያዊ ለውጢ፣ ኣብ ምምራጽ ኣጀንዳ ዋዕላ እትመርሕ ሰክረታርየት ኣተወ። ተሳተፍቲ ዋዕላ በዚ ጉዳይ እዚ ሓያል ክትዕ ኣካይዶም። ብዛዕባ ምምራጽ ሰክረታርያ ዋዕላ ተሳተፍቲ ብዙሓት ርእይቶን ሓሳባትን ኣፍሲሶም።
ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።
ብ11 ሓመለ ኣብ ኡጋንዳ ክልተ ቦታታት ኣሸባብ ብዘካየዶ ነብሰቕትለታዊ መጥቃዕቲ ቁሲሎም ‘ኢንተርናሺናል ሆስፒታል ኣብ ዝብሃለ ሕክምና ተዓቝቦም ዝነበሩ 6 ኤርትራውያን እቶም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኩነታት ጥዕናኦም ተመሓይሹ ካብ ሕክምና ክወጹ ከለዉ፡ ሓንቲ ሩታ እትብሃል ግዳይ ንራብዓይ ግዜ መጥባሕቲ ተገይሩላ ገና ኣብ ሕክምና ተዓቝባ ከምዘላ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ሱዳን ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ይጨውዩ ተተሓሒዞሞ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።
11 ኣባላት ናይታ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ንስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ ኣብ ኬንያ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣውስትራልያ መሰል ፖለቲካዊ ዑቕባ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ኣውስትራልያዊት ከተማ Adelaide city ብሰላም ከምዝኣተዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
International Crisis Group ዝብሃል ነጻ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ብኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝቐረበ ንኤርትራ ናብ ምዝገብ ግብረሽበራ ክትኣቱ ዝምሕጸን ጻውዒት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ኤርትራ ንኣሸባብ ከምእትሕግዝ ዝቐረበ ክሲ ክነጽጎ ከምዝፈተነ ድምጺ ኣመሪካ ጠቒሳ።
አባ ሉቃስ ምስ ካልአይ ርእሶም ካብ ኤርትራ ብዮፍታሀ ዲመጥሮስ ተላኢኾም ጽባሕ ናብ ሃገረ-እስራኤል ክአትዉ ትጽቢት ይግበረሎም። ተልእኮኦም ነቲ አብ ሃገረ-እስራኤል ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ንምፍራስ ኮይኑ፣ ብዮፍታሀ ዘድሊ ሓገዝ ተጌሩሎም ከምዘሎ ኣብዚ ከባቢና ይውረ ኣሎ።
ብ11 ሓምለ ብነብሰቕትለታዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣሸባብ ዝሞቱ 6 ኤርትራውያን ትማሊ ሰንበት 18 ሓምለ ኣብ ካምፓላ Old Kampala community centre ኣብ ዝተባህለ ማእከል ጸሎተ ፍትሓት ከምዝተገብረሎም ኒው-ቪዥን ዝተባህለት ጋዜጣ ኡጋንዳ ጠቒሳ።
ብእስላማዊ ጥሩፍነትን ምስ ኣልቓዒዳ ዘለዎ ርክብን ዝኽሰስ ሶማላዊ ጉጅለ ኣሸባብ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየዶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ኤርትራውያን መንነት ናይቶም ሽዱሽተ ክረጋገጽ ከሎ፡ ናይታ ሓንቲ ጓልንስተይቲ መንነት ግን ብሰንኪ ከቢድ ኩነታት ማህረምታ ብቐሊሉ ክረጋግጽ ከምዘይተኻእለ ምንጭታት ካብ ካምፓላ ሓቢሮም።