Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

MCH

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኩወየት ዝነበረ ማሕሙድ ዑመር ጭሩም ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ካናዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ከምዘሎ ብቐጥታ ዘዘራረቡዎ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ካናዳ ኣረጋጊጾም።

Sene

ፍሉያት ዜማታት ንኽብሪ መስዋእቲ ጀጋኑ ዘሞግሱን ሕድሮም አብ ሽቱኡ ንምብጻሕ ፍናን ዝህቡን ዘበራትዑን ደርፍታት ተሰሚዑ፡ አቦ መነብር ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ አብ ጀርመን አቶ ተስፉ ብወገኑ፡ ነዚ ሰፍ ዘይብል ሕድሪ፡ እጃምና ከነሐይል ተላቢዩ፡፡ ብድሕሪኡ ትርጉም መስዋእትን፡ ህሉዊ ተበግሶታት ንምትግባር ሕድሪ ጀጋኑ ብስፍሕ ዝብለ ካብ አባላትት ቀሪቡ።

aliኣብ መንጎ መራሒ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱን ዝነበረ ምውቕ ዝምድና ኣብዚ ጊዜ’ዚ ላሕሊሑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወዲቑ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

kekia

ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

in

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ነባሪ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ዝርከቡ ኤርትራውያን “ ንጽምብል ናጽነት በበይንካ ተኸፋፊልካ ምብዓል የብቅዕ “ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓድነታዊ ጭርሖ ኣጽሊሉ፡ ብመሪሕነት ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዘቖማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽማግለ ዕዉት በዓል ናጽነት ከምዘሕለፈ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ። 

HagosKishaYemane

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

 

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲ ገፊፉ ብ13 መካይን ናብ ከባቢ ሽዕብ ብምግዓዝ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ንኽልተ ሰሙን ዝኣሰሮም 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክካታተሎ ዝቐነየ  ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ምስ ኣሰና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።

ብህግደፍ ትውነንን ንህይወት ሰራሕተኛታት መርዛም ብዝኾነ ኣስበስቶስ እናብዓጠት ልጓም ወይ ፍረኖ መካይን እተፍሪ ኣብ ኣስመራ መንገዲ ቁሸት ትርከብ ትካል ተክኖብረይክ፡ እቲ መርዛምን ህይወት ብዙሓት ዝለከመን፡ ዘይሕጋውን ኣሰራርሓኣ ብመርበብ ሓበረታ ኣሰና ምስ ተዘርግሐ፡ እቲ ወረ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝብን ዕግርግር ስለዝፈጠረ፡ ካብ ኢሳያስ ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፡ ኣካያዲ ናይታ ትካል ኣቶ ኣተሽም ብዕለት 5 ግንቦት 2009 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንፍርያት እታ ትካል ዝምልከት መግለጺ ንህዝቢ ክህብ ተቐሲቡ ።

ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ኤርትራ ካብ ውልቀመላኺ ብዝተዋህባ መምርሒ መሰረት፡ ብህጹጽ ኣብ ጎደይቲ ኣብ ዝርከብ ገዳም ኣቡነ ብጻምላኽ ናይ መብራህቲ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጀመረት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ናይ ዕለት 5.6.2009 ሕታም ኣፍሊጣ፡፡

Carson

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተመዘ ጆኒ ካርሰን ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ዝምድና ከተማሓይሽ ትደሊ እንተደኣ ኮይና ነቲ ኣብ ሶማልያ ትገብሮ ዘላ ኣሉታዊ ምትእትታው ደው ከተብሎ ኣተሓሳሲቡ።

JRI have never met Anna Maria Ayala and  Sintayehu Tedla. But I am with them almost every day and every minute. I feel their pain, grief deep anguish and unrelenting wounds to sprit and body. These two women and countless other men and women are victims of history, tyranny and unfortunate circumstances beyond their control. They are among millions in this love less world who lost their loved ones brothers, sisters, husbands,

JRI have never met Anna Maria Ayala and  Sintayehu Tedla. But I am with them almost every day and every minute. I feel their pain, grief deep anguish and unrelenting wounds to sprit and body. These two women and countless other men and women are victims of history, tyranny and unfortunate circumstances beyond their control. They are among millions in this love less world who lost their loved ones brothers, sisters, husbands,

musieሙሴ ኤፍሬም ዝባሃል ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ (Vänsterpartiet) ዝኾነ፡ ኣብዚ ጽባሕ (7 ሰነ 2009) ዝውዳእ መዓልቲ ምርጫ፡ ንፓርላማ ኣውሮጳ ይወዳደር ከምዘሎ ክነላልየኩም ንደሊ፡፡ ኩሉኹም ኣብ ሽወደን ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ መሰል ምርጫ ዘለኩም፡ ድምጽኹም ነዚ መንእሰይ ንክትህብዎ ነዘኻኽር። እቶም ከተድምጹ ዘይትኽእሉ ድማ፡ ከድምጹ ንዝኽእሉ፡ የዕሩኽትኹምን ቤተሰብኩምን ድምጾም ንሙሴ ኤፍሬም ክህቡ ከተተባብዑዎም ነዘኻኽረኩም።

መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኢራን ከምኡ ‘ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝንገረሉ ሄመል ኽትያር ኣልዕቡድ፡ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ስሉስዊ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሙቐት ከምዘለዎ ዝእመነሉ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ን ሽዱሽተ ዓመት መመላእታ ዝኣሰሮም ኣርባዕተ ኣመንቲ ክርስትና ተሳቕዮም ከምዝሞቱ CFC ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ሃይማኖት ዝጉስጕስ ማሕበር ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። ካልኦት ኣርባዕተ ኣመንቲ ‘ውን ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ጸላም ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ናብ ብርቱዕ ብርሃን ብምቅልዖም ዓይኖም ከምዝዓወሩ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። 

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሩ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተፍረፈ ብጅምላ፡  ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ኣብ ኣጻምእ ኣብ ዝተደኮነ ማሕዩር ዳጕኑዎ ከምዘሎ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ሕሰምን ጥሜትን ዓጸቦን እናገደደ ስለዝመጸ፡ ዓድታቱ ገዲፉ ናብ ከተማ ኣትዩ ኣብ ምልማን ዝዋፈር ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ እቲ ብዓጸቦ ዝተጠቕዐ ህዝቢ ናብ ከተማታት ንከይኣቱን ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ወጻኢ ከይንቀሳቀስን፡ ብወታሃደራት ክሕሎ ኣቐዲሙ ዘውጽኦ መምሪሒ ብዝያዳ ኣጸንኪርዎ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ውልቀ መላኺ ኩሉ ናይ ውልቀ ሰባት ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ስለዝኸልከለን፡ እቲ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ ስማዊ ድኣ እምበር ብግቡእ ስለዘይሰርሕን  ናይ መንግስቲ ማሕለኻታት ስለዝበዝሖን፡ 90 ሚእታዊት ንኤርትራ ዝኣቱ እቕሑትን፡ እቲ ዝርካቡ ካብ ኤርትራ ዝወጽእ ሰደድን ኮንትሮባንዳ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ምንጭትት የርድኡ።

cabine

ሞት ንብሪጋደር ጀነራል ዓብዱ ረመጭ ቅድሚ ትማሊ ኣርኪባቶ። ቀዲሞም ብዙሓት ሚኒስተራት፡ ጀነራላት፡ ኣምባሳደራት ከይሸምገሉ፡ ብሕማም ነብስን ጽንቃቐ ሞራልን ሓሊፎም እዮም። ብዙሓት ከኣ ኣብ ትሕቲ ክንክን ጥዕና ኣለዉ። ሰብ ኣይነብርን እዩ። እንተ ብኽፉእ እንተ ብጽቡቕ ከም ኩሉ ወዲ ኣዳም ስምኩም ኣብ ታሪኽ ‘ዩ ዝነብር። ሞት ቆጸራ የብላን ‘ሞ፡ ንሞት ቀዲምካ ታሪኽካ ምሕካም ናይ ወረጃታት ስራሕ ምዃኑ ዘክሩ።

 ትማሊ ኣብ ኤርትራ መበል 18 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ከቢሩብ ውዒሉ።ኣብ ዓይነት ይኹን ትሕዝቶ ፍሉይ ነገር ኣየምጸኣን።ከም ቀደሙ ንሕማቕን ሰነፍን ዘሕጉስ ጎደናታ ት ብመሳጢ ጠቕሲ፡ጎልጎል ብሕብራዊ ክዳን ዝለበሱ መናእሰያት ተሰሊሙ ከበሮን ተወ ቒዑ ክራር ምስ ኦርጋን ኣቓሊሑ።ሰባት ተኸዳዲኖም ኣደታት ተቖኒነን ተለባቢሰን ውጺአን፡እዚ ግን ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ስቓይ ኣይሓብኦን፡ዝተዛረቡ ከኣ ክሓብኡ ዝ ደለዩ ወይ ጌጋ ቃል ከየስቱኹ ሰጋእመጋእ እናበሉ ምድማጾም ገጾም ክምስክር፡ኣብ ቃላ ቶም ተሓጉሸ፡ ጽቡቕ ርእየ…ገለስ ሕሉፍ ሓሊፉዎም ዮሃና ንክቡር ፕረዝደንትን ኣመ ራርሓኡን ምባሎም ከኣ ብዙሕ ክበሃል ዝከኣል እንተኾነ፡ኣብ ጥቃ መን ከምዘለው ፈሊ ጦም ዘወጻጽእ ምዝራቦምውን ምልክት ናይቲ ዘሰክፍ ኩነታት ምዃኑ ይሕብር።

london

 

 

 

 

ኣብቲ ካብ ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ቤርገሳውያን ማሕበራትን ብዝተዋጽኡ ዜጋታት ዝቖመት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ተወዲቡ ትማሊ 24 ግንቦት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ከምኡውን ገዳይም ተጋደልቲ ዓበይቲ ዓድን ምሁራንን ተረኺቦም።

Berlinመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።

atlantaኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ናይ ገዛእ ርእሶም ዳሳት-ነጻነት ብምትካል ነቲ ብመሪር ተጋድሎ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ብውዕዉዕ መንፈስ ምጽንባሎም እዩ።

bizen

ን 22 ገዳማት ኦርቶሮክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምስናይ ቅርስታተን ንምውራስን ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቕያርን ኣብ መስርሕ ዝርከብ ውሳኔ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ውሉደክህነት ቤተክርስትያን ማለት ካብ ኣቐሽሽትን ኣመሓደርቲ ገዳማትን ዲያቆናትን ሰፊሕ ተቓውሞ የጋጥሞ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡

Reporter

እቲ ብቤትምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ከምዝጸደቐ ዝጠቐሶ መምርሒ፡ እቶም ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ዝተገብሩ ኤርትራውያን፡ ግላዊ ንብረቶም ንምርካብ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ንምክያድ፡ ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ዘሎ ገንዘቦም ብምንቅስቓስ ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉ ተቖጺሮም ኣብ ንግድን ወፍርን ንኽነጣጠፉ ዘኽእሎም ምዃኑ የገንዝብ።

wl

ናይ ማይን ከባብን ሚኒስተር ነበር፡ ወልደሚካአል ገብረማርያም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝርከብ ምፍሕፋሕ ንምህዳእን፡ ጠለብ ሰራዊት ተቐባልነት ንኽረክብን፡ ምርግጋእ ክሰፍንን፡ ብዘርእዮ ተሓባባርነትን ቆራጽነትን ኣብዚ ጊዘዚ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ዓቢይ ህቡብነት ስለዘጥረየ ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ በዚ ህቡብነትዚ ከምዝተሻቐለን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ወልደሚካኤል ዝውርወር ዘለፋ-ሓዘል ዘይእርኑብ ቃላት ከስምዕ ከምዝተራእየን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡

atlantaውራያትን ጽምብላትን ህግደፍ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይሓቍፍ፡ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብምጥርናፍ ሃገራውነት ኤርትራውያን ንምዕዛዝ ዝዓለመ ሰፊሕ ብዓል ንዝወደቡ ተባዓት ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ እቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ጽምብል ናጽነት ከይካየድ ኣብ ቀጻሊ ዘመተ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ንዘቕረበሎም ካልኣይ ኣውያት ኵነኔን ትእዛዝን ነጺጎም ሃገራዊ ብዓሎም ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ንምጽንባል ምድላዋቶም ኣብ ምቕጻል ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ምስናይ መረጋገጺኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

 NASAir

እታ ንብረት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኾነት፡ ኣብ ምጽዋዕ ዝመደበራ ‘ናስ ኣየር’ ተባሂላ እትፍለጥ ነፋሪት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተዋፊራ ከምዘላ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

idc

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።