ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኹሉ ብሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝግደስ ዜጋ
ንሕና ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ከተማ ሎንዶን እንርከብ: ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከይተሓለልና ክንጽዕት ዝጸናሕናን ዘለናን ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ ተቓወምቲ ዜጋታትን ምዃና ኣቐዲምና ክንሕብር ንፈትው። ኣብዚ ቅሉዕ ደብዳቤ ከነልዕሎ ዝደለናዮ ጉዳይ እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ዓሚ ከምዚ እዋን ብዘይሕለል ጻዕሪ ተቓለስቲ ዕዉት ሃገራዊ … more
