ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፡ ማለት እንታይ ማለት እዩ …? – ጻውዒት ንተኻፋሊን ደጋፊን ኤርትራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ
ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ እታ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ እትብል፡ ብሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝተዳለውትን ኣብ ህዝቢ ዝተዘርገሔት ሰነድ እያ። ኣነ ሰነድ’ዚ ብተገዳስነት ኣንቢበ ምስተረዳኣኒ፡ ኣብ ኣእምሮይ ብዙሕ ሕቶታት ተቐላቒሎም። ሓደ ካብቶም ሕቶታት፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንሃገራዊ ኮምሽን ዝሃቦ ሓደራ (ሓላፍነት) ፡ … more






