ተዓዛባይ ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ይሓምም፡ ንስሌኡ’ውን ይማጎት፤ እቲ በዓል ውራይከ፧ እናጉረምረመ፡ይመውት፡ ይጸንት፤

ኤርትራ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ሰጊራ፣ ልእላውነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ”ኣብነት ሰላምን መሰረት ምዕብልናን ኣብ ኣፍሪቓ” ክትከውን እያ ዝብል ኣጉል ተስፋታትን ትጽቢታትን ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣህዛብ ዓለም ውሑዳት ኣይንበሩን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ እቲ በዚ ዝተታለለ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓታትን ውድባትን ዓለምን፡ ኣብቲ … more

ዕዉት ፍጻሜታት ኣብ ኣትላንታ

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ታሪኽ ዕጥቃዊ ተጋድሎና, ዘይተነግሩ ‘ምበር ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ብዙሓት’ዩም። እቶም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ስሪሒታት ካብ ሂወት ወድ ሰብ ምኽፋል ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ዮም ተፈጺሞም። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና’ውን እንተኾነ, ሰብኣዩ ሰበይቱ ዓቢኡ ንእሽቱኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፍለጥ ሓድነትን ሃገራዊ ኒሕን፡ ሃገራዊ … more

ሓደ ካብ ኣዕርኽቲ ኢሳያስ፡

ኤርትራ ብሰንኪ‘ቲ ገና ዘይተዳህሰሰት ሃገር ምዃና ሕብእቲ ግምጃ ተባሂላ ዝንገረላ ሃገር ኢያ።ርእሺ ኩሉ ከኣ ኣብ ኣገዳሲ ቦታ ብምህላዋ ነዚ ዕድላትዚ ክጥቀሙ ዝተፈላለዩ ኣዋፈ ርቲ ርእሰማል ስሒባ።እዚ ዕድልዚ ግን ረብሓ‘ቲ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ዝወደቐን ዝሰንከለን ዘይኮነ ኢሳያስ ምስ ሰባት ክፋለጥ ኣኺኢሉዎ።ብዙሓት ኣዕሩኽ ረኺቡ፡ምብዛሖም ግን ንኤርትራውያን ኣይጠቐመን።ካብዞም ብዙሓት ኩፉእ ግብሪ ዘለዎም፡ብዘይካ ናብ … more

ስደት

ጠንቂ ስደት ዘይቅሳነት ፍርሂ ጭቆና ኣብ ገሊኡ ከኣ ጸገም ጥሜት ዘምጸኦ ኢዩ።ሃጼ ኃይለስላሴ ኤርትራ ኣድኪኻ ናይ ምግዛእን ኤርትራውያን፡ካብ ዝኾነ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክርሕቑ ብጥበብ ንማእከል ሃገር ክስደዱ ገይሩ።ነዚ ቅርጡው ጥበብዚ፡ካብ ገዛእትን ካብ ራሰይቲ ዝተረፈ ትካላት ኤርትራ ቦርቒቑ ንማእከል ሃገር ብምግዓዝን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ምዕባለ ከይረአ ንኤርትራ ሓኒቑ ሒዙዋ።ሃገራዊ ስሚዒትን ምትእኽካብን … more

መዓልቲ ስዉኣትን ትርጉማን

ንዝኽሪ ስዉኣትና ብሐደ ሐቢርና ክንጽንብል ዘብቃዐና ልዑል ኣምላኽ መጎስ እብጻሐዮ፡፡ ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ድማ ንስዉኣትና! ድሕሪ ምባለይ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ንዅልኻትኩም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ፣ እወ ልባዊ ሰላምታይ ንዅልኻትኩምን ንዅልኻትክን ተሳተፍቲ እዚ ብጸሎትን ብብድሆን እንዝክሮ ክቡር መዐልቲ አቕርብ፡፡ ብምቕጻል ከአ ከም መእተውን ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ነዚ ዛዕባ፣ ማለት ነዚ መስዋእቲ ዚብል ኣምር ከብርህ … more

ዘይቅዱስ ዕላማ ብስም ተዋህዶ፡ መዓት ዝወረዶ ህዝቢ ኣትላንታ!

ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን።

ብርዕና

ብምኽንያት ጸላም ዕለት 18 መስከረም ማለት ምእሳር ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ብርዕታት ኣብ ስደት ዘለው ጋዜጠኛታት ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ካብ ሰሜን ንደቡብ ክትወናጨፍ ክትርኢ ሓደ ተስፋ ንነብስኻ ይወሮ። ልሳን ህዝቢ ክዓብጥን ክቐብርን ዝኽእል ማንም ሓይሊ ከምዘየለ ይበርሃልካ። ካብዚ ተበጊሰ ብርዒ ኤርትራውያን ከምዘይተቐበረትን በንጻሩ ትስስንን ከም ሮማዲ ተሳፍሕን እያ ዘላ … more

ኣብ ማዕዶ ኣይንማዓዶ

ዘይባህግና ምብትታን ከምዚ ናትና፡ እኩብ ሰብ እንተርኣና ንግረም ። ኣብ ማዕዶ ሰግር ሰፊርና ማዕዶ ሓድነት፡ ማዕዶ ሕሰምን ሸግርን ህዝብና ክነብር፡ ንበይንና፡ ንብሕትና፡ ኣብ ብርቱዕ ጽምዋ፡ እሞ ድማ በይንና ክንፈትሖ ዘይንክእል ሸግር ክንሓስበሉ ግድነት’ዩ ዝኽውን።

ሳዋን ጽልዋኣን።

ሳዋ ክትጅመር እንከላ፡ከምዚ ከማይ የዋህ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም፡ኩነታት ኣሲሩዎ፡ ወለዱ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ቁሸትን ቕርዓትን ዘይረኣየ፡ውጽእ ኢሉ መሬት ሃገሩ ክፈልጥ ይሕግዞ ዝብል ኣረኣእያ ኔሩና።ኣብ ከተማ ቐንፈዘው ካብ ምባል፡መሬት ሃገሮም ርእዮም ልምዓታዊ መደብ የውጽኡ ዝብል ዘይንጸግ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ኣይተሳእኑን።

ፍትሒ ንእሱራት ኤርትራ

ሀገረ ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ ሎሚ ብዙኃት እሱራታ ብዓሰትርተታ አሽሃት በጺሖም ይርከቡ። አብ ሀገርና ኤርትራ ግዝአተ ሕጊ ብዘይምንጋሱ እሱራት ብዘይ ገለ ሕጋዊ መስርሕ  ኢዮም ዝእሰሩ። ዋላዃ  ቅቡልን ቅኑዕን እንተ ዘይተባህለ ቅዋም ብዘይ ምትግባሩ፤ ድማ ሀገረ ኤርትራ ብዓዋሉ ተወኒና  መሬት ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ሕዝቢ ኤርትራ ገይሮሙዋ ይርከቡ።

ወርሒ መስከረም መቀያይሮ ኲሉ!

  መጀመርታ ከም ባህሊ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእላት እትፍለጥ፤ ናይ ሓዲሽ ዓመት ጀማሪት ወርሒ ምዃና  ብዘይ እቶም ጸረ ሕዝብናን ሀገርናን ዝኰኑ ጉጅለ ሽበራን  ዓመጽን ኲሉ ዝፈልጦ ንጹር ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ከአ ናይ 2002 ዓ.ም.ግዕዝ ርሑስን ቅዱስን፤ ዓመተ ፍቕርን ሰላምን፤ዓመተ ፍትሕን ርትዕን ዝዕንብበሉን ክኾነሉ ንሕዝብና ልባዊ ትምኒትናን  ማኅበራውን ሀገራውን ሀንቀውታናን  ንገልጸሉ።

ማሕበረኮም መንእሰያት ኤርትርያ (ማ.መ.ኤ) ተመስሪቱ/Eritrean Youth Self-help Association (EYSA) Founded

ሎሚ ቕኔ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኤርትርያውያን ዝወረዶም ዘሰክሕ ኩነታት ዘሕመሞምን ዘሰምበዶምን ዘጉሃዮምን ካብ 200 ምእቲ ዝበዝሑ እርትርያውያን ካብ ዘሓለፈ ሰምበት ዕለት 8/30/2009 ኣትሒዞም ን4መዓልቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርካብ መራኸቢ ቡዙሃን Paltalk Room: Eritrea no Fara ተኣኪቦም “እንታይ ኢና እንገብሮ ብኸመይ” ዝብል ዛዕባ ሒዞም ንነዊሕ ስዓታት ገፊሕ ዘተን ዘድሊ መጽናዕትን ኣካይዶም ትማሊ … more

ትርጉም ሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ፡ ንጽገናዊ ለውጢ ዝዓለመ ዶ’ኾን ይኸውን …?

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነታ፡ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተጻሒፋ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ መሰልና፡ ብመሮን ኢስቲፋኖአስ ዝተነበበት፡ „ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት  ጽሕፍቲ፡ ምስ ሰማዕክዋ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ሓሳባት ምዃኑ ክግንዘብ ምስ ካኣልኩ እዩ።

ኢሰያስ እቲ ዕሉል ገበነኛ

ነዚ ጽሒፍ’ዚ ናብ ኣሰና ክልእኽ ከለኹ፣ ልዕሊ ሰበይ ፈሊጠ ዘይኮንኩ፣ ነቶም ሃገራውያን ኣመት ንምሃብ፣ ነቶም ንኢሰያስ ካብ ገበናቱ ነጻ ኣውጺኦም ልዕሊ ሃገር ክሰርዑዎ ዝደልዩ፣ ንስዉኣት ረሲዖም ምስ ረብሓኦም ዝጐዓዙ ድማ፣ ግደፉ ናብ ልብኹም ተመለሱ ሒዝኩሞ ዘለኹም መስመር ግጉይ’ዩ፣ ጽባሕ ብታሪኽ ክትሕተቱ ኢኹም ንምባል ምዃኑ ክትግንዘቡለይ እደሊ። ሰናይ ንባብ!

‘ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ጊላነት!!’ – ሓዲሽ ኣሰራርዓ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሓይልታት( ሓምሻይ ክፋል)

ተስፉ ዘውደ ከምቲ ኣብ ራብዓይ ክፋል ዝገልጽክዎ እተን መካይን ዕላምአን ንፖርት-ሱዳን ኣትየን ኣብቲ ናይ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ረድኤት ክህባ ኢዩ ተመዲቡ ዝነበረ። ካብ ወደብ ላስፐዝያ ንኣለክሳንድርያ ኣተና። እቲ ኩሉ ዝጽዕነት ናይተን መካይን ንስደተኛታት ስለ ዝኾነ ብስምምዕ ግብጽን ሱዳን ንኩላህና በዚ ጉዳይ ዝትዋፈርና ናይ ዲፕሎማሲ ቪዛ ተወሃበና። ንዓይ ዓቢ … more

ዕርቒ ዕልመናዊ (Secular Governance) ስርዓትን ጦዮክራስን (Theocracy) ይከኣልዶ? ንኤርትራ ሃገርናከ ኣየናይ የርብሕ?

ብ ረዘነ ገ.  ሚካኤል መተሓሳሳቢ፤ ክቡር ኣንባቢ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ነጥበ መካትዒ ፊጢሩ ሓሳባትን ኣረኣእያን ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንምስፋሕን መሃሪ ተራ ክህልዎን ተባሂሉ ዝጽሓፍ ዘሎ እምበር ንዝኮነ ናይ ፖለቲካ ሃልኪ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።

ኣቶ ኢሳያስ፡ሎሚ’ኸ ከምቲ ናይ 1978 ዝነበር በድሆ ገጥ’ዶ ኢልካ ኣለኻ፡

ዳን ኮኔል ዝተባህለ ኤሜሪካዊ ጋዜጠኛ፡ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ኣብ ምልላዩ ዓብይ ግደ ዝተጻወተ ጋዜጠኛ ኢዩ።ንሱ ኣብ መወዳእታ 2003 ኣብ ቦስቶን ኣሜሪካ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማሕበር ኣፍሪቓዊ መጽናዕቲ ኣብ ትሕቲ ይኣክል፡ነቐፈታ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ነቐፈታ … more