ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን! (4ይ ክፋል)

ለ) ምብታኽ ዝምድና ኤሪስታስ (ኤርታራ) ምስ ማሪታይም (ኢትዮጵያ)። ንግድና ልማት የካቲት 1989 ብግእዝ። ንግድና ልማት ዝተባህለት ጋዜጣ – ቤት ምኽሪ ነጋዶ ኣዲስ ኣበባ (ቻምበር ) ሕታም የካቲት 1989 (ብግእዝ) ከምዝገለጸቶ፣ ብናይ ቻምበር ጻዕሪ፣ ሓለፍቲ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝነበሩ ሰበስልጣን-ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕዳም ምስ ኣባላቱ፣

መግለጺ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ‘ውን እዋናዊ ኣቦ ወንበር ኢጋድን: ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

  ኢጋድ ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡ ናይ ስርዓት ለውጢ ሓላፍነት ህዝቢ ናይታ ሃገር ምዃኑ ብመትከል ይኣምን። ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክህሉ ከምዘለዎ ክመርጻ ‘ውን መዝነት የብለንን። ይኹን’ምበር፡ ንሰላምን ምርግጋእን ብ ህውከትን ሽበራን ንምዝራግ ካብ ዝተዓጥቀ ጎረቤት ዘየቋርጽ ስግኣት ክገጥሞም ከሎ፡ ንመንግስታት ሃገራት ኢጋድ ግድል ከምዝኾኖም … more

ይኣክል! ኣማን ብኣማን – ብ ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ይኣክል እወ በቃ! ደጊም ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ። ይገርም’ዩ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ከምዚ ቦታ ወይ ከተማ ኣንጻር ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ ሰሚዕካ ክንደይ ሰብ ከምዝተሳተፎ ንኽትዕዘብ ስእልታት ሰልፊ ክትርእይ ትህንደድ። እቲ ስእሊ ግና ከምቲ ዝተጸበኻዮ ስለዘይጸንሓካ ኣዚኻ ትሓዝንን ትስከፍን።

ጻውዒት ን ህዝባዊ ኣኼባ – ኣብ ከተማ ሎንዶን ።

ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና … more

ዘይተዓደለ ህዝቢ! ንስቓይ ዝተፈርደ ትውልዲ

ካብ 50ታት ክሳብ 80ታት ዝነበረ ትውልዲ ብኑጽር ናይ ናጻነት ዕላማ ተረዲኡ፡ ብኡ መጠን ኒሕ ተዓጢቁ ንናጻነት ህዝቡን ሃገሩን ንኸተግብር ኣንጊሁ ብምውፋር ሜዳታት ኤርትራ ኣዕለቕሎቖ። ከምታ ቃሉ ከኣ ነታ እንኮ ዝውንና ሂወቱ ከፊሉ ነታ ዝተመነያን ዝደኸመላን ዝድመየላን ነጻነት ኤርትራ ንብዙሓን ርእሰሃያላን ኣምበርኪኹ ህልውቲን ህያውን ከኣ ገበራ።

ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (ስመኤለ)

“ ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “ እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡

ቛንቛ፡ ተበግሶ ዕጡቅ መንእሰይ ዘርዓዶም፡ ከደምቲ ስርዓት ህግድፍ።

ቅድሚ ክልተ ማዓልቲ፡ ሓደ ዓርከይ፡ ኣነ ኣብቲ ብመንእሰያት ኤርትራ ዝተዳለወ፡ ብዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ ጀነቫ (Geneva)፡ ኣብ ቅድሚ ቤት-ጽሕፈት ናይ UN ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ተኻፊለ ከምዝነበርኩ ዝፈልጠ፡ ኣብ ስልኪ ደዊሉ፡ እንታይ ዳኣ ኢና ንሰምዕን ነንብብን ዘለና …? ኢሉ ሓቲቱኒ።

መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጋዳፊን ገጽ ንገጽ

ዝሓለፋ ክልተ ወራዋርሕ ካብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝጀመረ ኣድማ ህዝቢ ኣንጻር ኦኣመጽቲ መራሕቲ ብፍላይ ከኣ ምልዕዓል ህዝቢ ሊብያ ኣንጻር ዕሉልን ጽሉልን ውልቀመላኺ ጋዳፊ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሕማም መንጾሮር ኮይኑዎ ከምዘሎ በቲ ንኽልተ ግዜ ንሕክምና ንቐጠር ዝተመላለሶ ከነረጋግጽ ንኽእል።

ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ትሪፖሊ ንሃለዋቶምን ካብቲ ኩነታት ንምህዳምን ዝገብሩዎ ቃልሲ ይቕጽሉዎ ኣሎዉ።

ጋንታ ኣመሪካ ምስቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንሊብያ ዘዕኑን ነቲ ስልጡን ዓለም ዘሕዝንን ኲናት ሕድሕድ ኣብ ትሪፖሊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘካይዶ ርክብ ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብርእሲ ዋጣ ዝዋጢ ኣይካጥን ከውጠጢ

ስርዓት ህግደፍ፡ ፍጥር ክብል ስልጣኑ ዘደልድል ሓበሬታን ዜናን ከቃልሕ፡ ህዝቢ ንምጭፍላቕ ክጠቕሞ ዝኽእል ተዀሓሒሉ ዝቐርብ ብሓሶት ዝተላዕጠጠ ጐስጓሳት ካብ ምፍናውን ምቅላሕን ሓሊፉ፡ ንህዝቢ ዘርብሕ ሓበሬታ ንፈውሲ ማሕላ’ውን ዘርጊሑ ኣይፈልጥን።

ተጠሊሙ ሕድሪ ስዉኣትና። ክሳብ መኣስ`ዩ

ክቡር ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ!! ህዝባዊ ማዕበል ዝዓግት ሓይሊ ከምዘየሎ፡ ኤርትራውያን ፡ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቓልሲ፡ ብከቢድ ክቡር ዋጋ ብሉጻት ዜጋታትና፡ ዝዓነወ ዝተራሰየ ሃብትና፡ ስደት ማሕበራዊ ምዝንባልና፡ በሰልኡ ገና ዘይሓወየ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉዳትና፡ ድምር ኩሉ ኩቡር ዋጋ ከፊልና ናጽነት ኣረጋጊጽና።