ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንኹሉኹም ኤርትራውያን

ንኹሉኹም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ስደት ዘለኹም ወይ ‘ውን ንኽትስደዱ ኣብ ባሕርታት ሜዲተራንያን፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፡ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ጉዕዞኹም ትቕጽሉ ዘለኹም ወይውን ኣብ እስርቤትን ጸልማትን ህግደፍ ተዳጉንኩም ፍትሒ ንኽትረኽቡ ሃንቀው ትብሉ ዘለኩም ኩቡራት ደቂዛ ብኹቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገር ንሕና ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ … more

አወንታዊ ጎድኒ 2009 ትምኒተይ አብ 2010

አብዚ እንዛዝሞ ዘሎና ዓመት 2009፡ኩነታት ሃገርና፡ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ክርአ እንከሎ፡ አብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ንኩልና ብሩህ ኮይኑ ጸኒሑ አሎ። ቁጠባ ሃገርና ዓንዩ፡ህዝብና ንልማኖን ጥምየትን ዓጸቦን ተጋሊጹ፡ ስድራ ቤታት ተበታቲነን፡ከም ሳዓቤኑ’ውን ማሕበራዊ-ቅልውላው አኽቲሉ አሎ። … more

ብሕቡራት መንግስታት አብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ ማዕቀብ ንህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይጸልዎ? – ብ. ሓጎስ (ዓ. ብሪጣንያ)

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ አብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኸነ ማዕቀብ ኢዩ ዝርከብ። ቅድሚ ናጽነት ከም ሃብታማት ዝቑጸሩ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍጽም ድኽነት ከምኡ ድማ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ድኽነት ዝነበረ ናብ ፍጹም በተኽ ክምዝተቐየር ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ አብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ናይ … more

ከም ህዝብን ሃገርን ቀጻልነት ክህልወና ንህግደፍ ኡፍ ንበሎ፡

ኣቦታትና፡ቁልዕነት ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል፡ተመኩሮ ዝጎድሎ ስራሑ ብጽቡቕ ለኪዑ ስለዘየጠናቕቕ፡ቆልዓስ ይጎዩ‘ምበር ኣይቅድምን ይብሉ። ኣብ ህግደፍ ዘለው ሰባት ቆልዑት ኣይኮነኑ፡ብብዝሒ‘ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።ኣብ ተመኩሮ‘ውን ዘይነኣኣስ ተመኩሮ ዘማዕበሉ ምኳኖም ዘይከሓድ እንተኾነ፡መንግስታዊ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዞም ግን ካብ ምጉያይ፡ሓሊፎም ኣብ ዓወት ዘብጽሕዎ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ የለን። … more

ብውሕልነት ዘይተረኽበ ዝናስ ብሽፍትነት! (2ይ ክፋል)

ሎሚ ዓለምና ኣውያት ኤርትራውያን ክትሰምዖ ስለጀመረት፤ ብተግባራት መራሒ ሕጊ-ግደፍን ጉጅለኡን ዘይግረም ኪህሉ ኣይክእልን። እቶም ትማሊ ዝንዓቑ ዝነበሩ ኣፍሪቓውያን’ውን፡ ንመራሕቲ ሕጊ-ግደፍ፡ ብሓደ ድምጺ ከውግዘዎም ክንሰምዕ ከሎና፤ ኣብ ፍቐዶ ጎዳጉዲ ዝተጋዕረ ኣውያት ኤርትራውያን፡ ጸሎት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዶጉዓ ህዝብና ሰማይ በጺሑ፡ እግዝሄር መዳሕንቲ ኪሰደልና ከምዝጀመረ ዘበስር ይመስል። … more

መራሒኻ ዝተዛረቦ ዝምቡዕ ኣበሃህላ ኢኻ ደጊምካ ዓሊ

ኣብታ ዝሓለፈት ሓሙስ ዕለት 10 ታሕሳስ 2009፡ ቃለ መጠይቕ ኣቶ ዕሊ ዓብዱ ምስ ረድዮ ኣመሪካ ተከታቲለ ነይረ።ጀሚሩ ስጋብ ዝውድእ ሓሶት ምስ ሓሶት እንዳ’ላገበ መእሰሪ ዘይብሉ ዘረባ ክዘሩ ሰሚዕዮ።እንታይ ክብል ከምዝደለየ እዝግሄር ዋንኡ።ንዓይ ምውሓጥ ዝኣበየኒ ነገር ግን፡ ዓሊ ተግባሪ መብጽዓን ልቡ ኻኣ ሰፈር ሓወልቲ ስወኣት ገይሩ፡ ነዛ ነብሱ ዘይናታ ከሰክማ ሰሚዐዮ።  … more

ተመክሮ – ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተኸስተ ፖለቲካውን ውድባውን ምፍንጫል

በቲ ነዚ ሓድነት ክንብል ዘጥፋእናዮ ናይ ግዜ ናይ ንያት ናይ ንዋት ከምኡውን ናይ ስነኣእምሮን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘስዓቦ ናይ ሞራል ሓፍ ፎዞቕ ተዳሂልናን ሰንቢድናን ድሕሪ ሕጂ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓድነት ፕሮጀክት ኣይንኣቱን ኢና ካብ ዝብል ዝንባሌታት ምድሓን። … more

ብውሕልነት ዘይተረኽበ ዝናስ ብሽፍትነት! 1ይ ክፋል

ንኽልተ መንግስታት፡ ዘመነ ድርግን ሕጊ-ግደፍን ኪርእዩ ካብ ዝበቕዑ መንእሰያት ሓደ እየ። ኣብ 1991 ዓ. ም. ህዝባዊ ግንባር ግዜን ቃልስን ዝወለዶ፡ ዓርሞሽሻዊ ውድብ ኮይኑ ዓዲ ከምዝኣተወ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ መወዳእታኡ ኣይጸበቐን። ከምቲ ምስላ ቻይናውያን ዝብሎ “ማርቴሎ ጥራይ ዝንዋቱ ሰብሲ ኩሉ መስማር ኮይኑ ይርኣዮ”። መራሒ ሕጊ-ግደፍን ጉጅልኡን ብደንቢ … more

ደረት ዝሰኣነ ህግደፋዊ ናይ ሱናሚ መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ! ክሳብ መዓስ፧

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሃገር ኖርወይ፡ ንጉዳይ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪተን ብቐጻሊ ሻቕሎተን ከቃልሓ ጽኒሐን። እቲ ብዝያዳ ዘሻቐለን ዘሎ ድማ እቲ ደረት ዝሰኣነ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ፣ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽተል ህግደፋዊ መዓት እዩ። … more

ንህዝቢ ዘናሹ፡ሓላይ ህዝቢ ኽኸውን ኣይክእልን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝነውሓን ዝመረረን ዕጥቃዊ ናይ ነጻነት ቃልሲ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዘካየደ ህዝቢ ኢዩ።እዚ ንኣስታት ሓደ ክፍለ ዘመን ካብ ተቃውሞ መግዛእቲ ዘየዕረፈ ህዝቢ፡ንሰላሳ ዓመት ዘኣክል ምእንቲ መሰሉን ሰብእዊ ክብሩን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ዝከፈለ ዝደመየን ዝቆሰለን ንክትገልጾ ቃላት ዘይርከቦ ምዑትን ቆራጽን ንዓለም መስተንክርን ዝኮነ ሓርበኛዊ ቂያ ዝፈጽመ ህዝቢ ኢዩ። … more

ሰርናዮ ስቕታ፡ሰጊርናዮ ከውታ ምስሉይነት ድዩ ፕሮፖጋንዳ፡

ሰርናዮ ስቕታ ሰጊርናዮ ከውታ፡ኣብ መበል ዒይስራን ሓሙሽተን ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ከም ጭርሖ ዝተወስደ ፍሉይ ኣርእስቲ ኢዩ።እቲ ጭርሖ፡ምስ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ፍርቂ ኣካል ኅብረ ተሰብ ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ሕይወት ተራእዩ፡ካብ ፕሮፖጋንዳ ሓሊፉ ካልእ ክህልዎ ዝኽእል ኣይነበረን። … more

ክልቲኡ ቕዱስ ሃይማኖታትና ዓንዲ ማእከል ፍቕርና’ምበር መንቀሊ ጽልኢታትና አይኮነን

 ብተስፋይ ተኽለ ህዝቢ ኤርትራ ንኽልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታት ክርስትና ኮነ ምስልምና፣ ካብቶም ቀዳሞት ዝተቐበሉዎ አህዛብ ሐደ ኢዩ። ክልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታትና ከአ አብ ማሕበራዊ መነባብሮና ኮነ  አብ መዓልታዊ ጉዕዞና፣ ከም ህዝቢ ጸገም ፈጢሩልና አይፈልጥን ኢዩ። ክልቲኡ ሃይማኖታት ብሐቀኛን መሰረታዊ መግለጺኡ ንፍቕርን ሰላምን ሕውነትን’ምበር፣ ንጽልኢን ጎነጽን ባእሲን ከቶ አየስተምህርን ኢዩ። … more

25 ሕዳር ኣይፋል! ንኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ – ዝፍጸም ግፍዕን ዓመጽን፡

ዕለት 25 ሕዳር ዓለም-ለኸ ጸረ ግህስትመዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ተባሂሉ ካብዝጽዋን ካብዝኽበርን ልዕሊ 20 ዓመት ዝኣክል ኣቑጺሩ እነሆ። እዚ መዓልቲዚ ንመዘከርታ ናይተን ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝተቓለሳ ሚራባል ዝተባህላ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ዕለት 25 ሕዳር 1960 ዓ.ም ኣብ ዴሞኒካኒሸ ረፖፕሊክ ብግፍዒ እቲ ዝነበረ ዓማጺ ስርዓት ጸጥታዊ ትካል ተኣሲረን ንወርሒ ዝኣክል መግቢ ንኸይውሃበንን ከቢድ … more

” ኢሳያስ በትሪ ገይሩ ክሰላልዖ ርእየ……….” – መ.ም ተስፉ ዘውደ

 ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ ታሪኽ ሃገርና ይኹን ታሪኽ ናይ ዝኾኑ ኣህዛብን ማሕበረሰባትን፡ከከም ኩነታቱን ከከም ደስ ዝበለካን ዝተራእየካን ዝለዋወጥ ወይ ዝማዛበል ተርእዮ ኣይኮነን። ታሪኽ ታሪኽዩ ነናቱ ኣሉታውን ኣውንታውን ጎድንታትን በሰላን ሓድግን ገዲፉ ድማ ይምርሽ። ደስ ስለዘይበለካ ወይውን ዊን ኢሉካ ኣብ ኣፍካ ከከምዝመጽልካ ንታሪኽ ምጽብባቕ ወይውን ምንእኣስ፡ ኣብ ልዒሊ ህዝብኻን ሰዓባይ ወለዶን ምድንጋር … more

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ከተማ ማንሃይም ንጉዳይ ደቀስትዮ ብዝምልከት ዝቐረበ መግለጺ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ሰልፈኛታት ኣቐዲመ እንቋዕ ኣብዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ክትካፈሉ ኣብቀዓኩም። ከምቲ ኵላትና እንርደኦን እንግንዘቦን ኤርትራ ሃገርና ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዛ ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲን መሳፍንትን ትግዛእ ከም ዝነበረት ኣይኰነን ዘይብሃሎ ክዉን ታሪኽ ኢዩ። … more

ነዚ ክትግዕታ’ዶ ትርህጻ

ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ ስሙናት እዚ ናይ ብሩሰልስ ኮንፈረንስ ዘስዓቦ ሳሓቦ ጉተቶ ብዙሕ ኣማጓትን ኣካታዒን ፈታንን ኰይኑ ምቕናዩ ካብ ማንም ዝተሓብአ ኣይኰነን። ብዙሕ ኣሰሓሓቢ ክኸውን ድማ ይግብኦ ኢዩ። … more

እግፈሓልኩም!

ዘመነ-ቁልዕነተይ ኣብ ግዜ ደርጊ ዘሕለፍኩ መንእሰይ እየ። እዝከረኒ ወተሃደራት ደርጊ ብኮለኛ እንዳፈከሩ ክጉዓዙ፡ ሰማያት ገዛውትና ብነጎዳ ነፈርቲ-ውግእ፡ ወግሐ-ጸብሐ ከንጎድጉድ፡ ጽልምት ክብል ካቦት-እንግሊዝ ዝትኸድኑ ኣባጦር ከባቢ ጎዛውትና ኪቖጻጸሩ። እወ ሕጂ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ዓበይቲ ደቂ-ገዛውትና ኣሎዉ እንዳበልናዮም ንገድሎም ወይ ንስደቶም ሽርብ ክብሉ። ምስ ኣዕሩኽተይ ተጋደልቲ እዚ ጌሮም እዚ ደጊሞም ኢልና ኣርባዕተ ነጥቢ … more

ካብ ጸጊብና ኢለን ዝዕንድራ’ስ ገዲፈናና ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሐ

ብተስፋይ ተኽለ (ሕ/መ/አሜሪካ) ጸገምን ሽግርን ኤርትራ ዝሐለፈ መግዛእታዊ ጭቆናን፣ ድሒሩ ዝሰዓበ ጨካን አረሜናዊ ምልካዊ ምምሕዳር ኢሳያስን’ዩ ተባሂሉ እንተዘኽትመሉ’ስ ክንደይ ኮን ጽቡቕ ምኾነ። እንተኾነ ግን ከምቲ አቦና አቶ ወልደአብ ወልደማርያም “ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና” ኢሎሞ ዝብሃል፣ አብ ክንዲ ንዝኾነ ተረኽቦ ተጠያዪቝካ  ምልዛብ፣ አብ ክንዲ ጽን ኢልካ  ብምስማዕ ሃዲእካ ኢሂን ምሂን ብምባል … more

ዝትሓቑነ ጸባ ጠስሚ የዉጽእ፣

ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና በብጊዚኡ ዘይምርድዳእን ምፍሕፋሕን ካብ ዝርኤ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ፡ እቲ ብዝያዳ ጎሊሑ ዝርኤ ካአ ኣብ ሞንጎ መሰረታዉያንን መሪሕነታትን ሰልፍታትን ይኹና ዉድባት፣ ከምኡ’ዉን በርገሳዊያን ማሕበራትን ብጠቅላሉኡ ኣብ ደምበ ተቛዉሞ እንርከብ ዝርኤ ጉዳይ ኮይኑ፣ እዚ ምትፍናንን፣ ምንቅቃፍን አብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና ባህርያዊ ኢዩ.። … more

ተዓዛባይ ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ይሓምም፡ ንስሌኡ’ውን ይማጎት፤ እቲ በዓል ውራይከ፧ እናጉረምረመ፡ይመውት፡ ይጸንት፤

ኤርትራ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ሰጊራ፣ ልእላውነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ”ኣብነት ሰላምን መሰረት ምዕብልናን ኣብ ኣፍሪቓ” ክትከውን እያ ዝብል ኣጉል ተስፋታትን ትጽቢታትን ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣህዛብ ዓለም ውሑዳት ኣይንበሩን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ እቲ በዚ ዝተታለለ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓታትን ውድባትን ዓለምን፡ ኣብቲ … more

ዕዉት ፍጻሜታት ኣብ ኣትላንታ

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ታሪኽ ዕጥቃዊ ተጋድሎና, ዘይተነግሩ ‘ምበር ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ብዙሓት’ዩም። እቶም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ስሪሒታት ካብ ሂወት ወድ ሰብ ምኽፋል ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ዮም ተፈጺሞም። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና’ውን እንተኾነ, ሰብኣዩ ሰበይቱ ዓቢኡ ንእሽቱኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፍለጥ ሓድነትን ሃገራዊ ኒሕን፡ ሃገራዊ … more

ሓደ ካብ ኣዕርኽቲ ኢሳያስ፡

ኤርትራ ብሰንኪ‘ቲ ገና ዘይተዳህሰሰት ሃገር ምዃና ሕብእቲ ግምጃ ተባሂላ ዝንገረላ ሃገር ኢያ።ርእሺ ኩሉ ከኣ ኣብ ኣገዳሲ ቦታ ብምህላዋ ነዚ ዕድላትዚ ክጥቀሙ ዝተፈላለዩ ኣዋፈ ርቲ ርእሰማል ስሒባ።እዚ ዕድልዚ ግን ረብሓ‘ቲ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ዝወደቐን ዝሰንከለን ዘይኮነ ኢሳያስ ምስ ሰባት ክፋለጥ ኣኺኢሉዎ።ብዙሓት ኣዕሩኽ ረኺቡ፡ምብዛሖም ግን ንኤርትራውያን ኣይጠቐመን።ካብዞም ብዙሓት ኩፉእ ግብሪ ዘለዎም፡ብዘይካ ናብ … more

ስደት

ጠንቂ ስደት ዘይቅሳነት ፍርሂ ጭቆና ኣብ ገሊኡ ከኣ ጸገም ጥሜት ዘምጸኦ ኢዩ።ሃጼ ኃይለስላሴ ኤርትራ ኣድኪኻ ናይ ምግዛእን ኤርትራውያን፡ካብ ዝኾነ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክርሕቑ ብጥበብ ንማእከል ሃገር ክስደዱ ገይሩ።ነዚ ቅርጡው ጥበብዚ፡ካብ ገዛእትን ካብ ራሰይቲ ዝተረፈ ትካላት ኤርትራ ቦርቒቑ ንማእከል ሃገር ብምግዓዝን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ምዕባለ ከይረአ ንኤርትራ ሓኒቑ ሒዙዋ።ሃገራዊ ስሚዒትን ምትእኽካብን … more

መዓልቲ ስዉኣትን ትርጉማን

ንዝኽሪ ስዉኣትና ብሐደ ሐቢርና ክንጽንብል ዘብቃዐና ልዑል ኣምላኽ መጎስ እብጻሐዮ፡፡ ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ድማ ንስዉኣትና! ድሕሪ ምባለይ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ንዅልኻትኩም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ፣ እወ ልባዊ ሰላምታይ ንዅልኻትኩምን ንዅልኻትክን ተሳተፍቲ እዚ ብጸሎትን ብብድሆን እንዝክሮ ክቡር መዐልቲ አቕርብ፡፡ ብምቕጻል ከአ ከም መእተውን ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ነዚ ዛዕባ፣ ማለት ነዚ መስዋእቲ ዚብል ኣምር ከብርህ … more

ዘይቅዱስ ዕላማ ብስም ተዋህዶ፡ መዓት ዝወረዶ ህዝቢ ኣትላንታ!

ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን። … more

ብርዕና

ብምኽንያት ጸላም ዕለት 18 መስከረም ማለት ምእሳር ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ብርዕታት ኣብ ስደት ዘለው ጋዜጠኛታት ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ካብ ሰሜን ንደቡብ ክትወናጨፍ ክትርኢ ሓደ ተስፋ ንነብስኻ ይወሮ። ልሳን ህዝቢ ክዓብጥን ክቐብርን ዝኽእል ማንም ሓይሊ ከምዘየለ ይበርሃልካ። ካብዚ ተበጊሰ ብርዒ ኤርትራውያን ከምዘይተቐበረትን በንጻሩ ትስስንን ከም ሮማዲ ተሳፍሕን እያ ዘላ … more

ኣብ ማዕዶ ኣይንማዓዶ

ዘይባህግና ምብትታን ከምዚ ናትና፡ እኩብ ሰብ እንተርኣና ንግረም ። ኣብ ማዕዶ ሰግር ሰፊርና ማዕዶ ሓድነት፡ ማዕዶ ሕሰምን ሸግርን ህዝብና ክነብር፡ ንበይንና፡ ንብሕትና፡ ኣብ ብርቱዕ ጽምዋ፡ እሞ ድማ በይንና ክንፈትሖ ዘይንክእል ሸግር ክንሓስበሉ ግድነት’ዩ ዝኽውን። … more

ሳዋን ጽልዋኣን።

ሳዋ ክትጅመር እንከላ፡ከምዚ ከማይ የዋህ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም፡ኩነታት ኣሲሩዎ፡ ወለዱ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ቁሸትን ቕርዓትን ዘይረኣየ፡ውጽእ ኢሉ መሬት ሃገሩ ክፈልጥ ይሕግዞ ዝብል ኣረኣእያ ኔሩና።ኣብ ከተማ ቐንፈዘው ካብ ምባል፡መሬት ሃገሮም ርእዮም ልምዓታዊ መደብ የውጽኡ ዝብል ዘይንጸግ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ኣይተሳእኑን። … more

ፍትሒ ንእሱራት ኤርትራ

ሀገረ ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ ሎሚ ብዙኃት እሱራታ ብዓሰትርተታ አሽሃት በጺሖም ይርከቡ። አብ ሀገርና ኤርትራ ግዝአተ ሕጊ ብዘይምንጋሱ እሱራት ብዘይ ገለ ሕጋዊ መስርሕ  ኢዮም ዝእሰሩ። ዋላዃ  ቅቡልን ቅኑዕን እንተ ዘይተባህለ ቅዋም ብዘይ ምትግባሩ፤ ድማ ሀገረ ኤርትራ ብዓዋሉ ተወኒና  መሬት ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ሕዝቢ ኤርትራ ገይሮሙዋ ይርከቡ። … more

ወርሒ መስከረም መቀያይሮ ኲሉ!

  መጀመርታ ከም ባህሊ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእላት እትፍለጥ፤ ናይ ሓዲሽ ዓመት ጀማሪት ወርሒ ምዃና  ብዘይ እቶም ጸረ ሕዝብናን ሀገርናን ዝኰኑ ጉጅለ ሽበራን  ዓመጽን ኲሉ ዝፈልጦ ንጹር ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ከአ ናይ 2002 ዓ.ም.ግዕዝ ርሑስን ቅዱስን፤ ዓመተ ፍቕርን ሰላምን፤ዓመተ ፍትሕን ርትዕን ዝዕንብበሉን ክኾነሉ ንሕዝብና ልባዊ ትምኒትናን  ማኅበራውን ሀገራውን ሀንቀውታናን  ንገልጸሉ። … more

ማሕበረኮም መንእሰያት ኤርትርያ (ማ.መ.ኤ) ተመስሪቱ/Eritrean Youth Self-help Association (EYSA) Founded

ሎሚ ቕኔ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኤርትርያውያን ዝወረዶም ዘሰክሕ ኩነታት ዘሕመሞምን ዘሰምበዶምን ዘጉሃዮምን ካብ 200 ምእቲ ዝበዝሑ እርትርያውያን ካብ ዘሓለፈ ሰምበት ዕለት 8/30/2009 ኣትሒዞም ን4መዓልቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርካብ መራኸቢ ቡዙሃን Paltalk Room: Eritrea no Fara ተኣኪቦም “እንታይ ኢና እንገብሮ ብኸመይ” ዝብል ዛዕባ ሒዞም ንነዊሕ ስዓታት ገፊሕ ዘተን ዘድሊ መጽናዕትን ኣካይዶም ትማሊ … more

ትርጉም ሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ፡ ንጽገናዊ ለውጢ ዝዓለመ ዶ’ኾን ይኸውን …?

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነታ፡ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተጻሒፋ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ መሰልና፡ ብመሮን ኢስቲፋኖአስ ዝተነበበት፡ „ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት  ጽሕፍቲ፡ ምስ ሰማዕክዋ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ሓሳባት ምዃኑ ክግንዘብ ምስ ካኣልኩ እዩ። … more

ኢሰያስ እቲ ዕሉል ገበነኛ

ነዚ ጽሒፍ’ዚ ናብ ኣሰና ክልእኽ ከለኹ፣ ልዕሊ ሰበይ ፈሊጠ ዘይኮንኩ፣ ነቶም ሃገራውያን ኣመት ንምሃብ፣ ነቶም ንኢሰያስ ካብ ገበናቱ ነጻ ኣውጺኦም ልዕሊ ሃገር ክሰርዑዎ ዝደልዩ፣ ንስዉኣት ረሲዖም ምስ ረብሓኦም ዝጐዓዙ ድማ፣ ግደፉ ናብ ልብኹም ተመለሱ ሒዝኩሞ ዘለኹም መስመር ግጉይ’ዩ፣ ጽባሕ ብታሪኽ ክትሕተቱ ኢኹም ንምባል ምዃኑ ክትግንዘቡለይ እደሊ። ሰናይ ንባብ! … more

‘ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ጊላነት!!’ – ሓዲሽ ኣሰራርዓ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሓይልታት( ሓምሻይ ክፋል)

ተስፉ ዘውደ ከምቲ ኣብ ራብዓይ ክፋል ዝገልጽክዎ እተን መካይን ዕላምአን ንፖርት-ሱዳን ኣትየን ኣብቲ ናይ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ረድኤት ክህባ ኢዩ ተመዲቡ ዝነበረ። ካብ ወደብ ላስፐዝያ ንኣለክሳንድርያ ኣተና። እቲ ኩሉ ዝጽዕነት ናይተን መካይን ንስደተኛታት ስለ ዝኾነ ብስምምዕ ግብጽን ሱዳን ንኩላህና በዚ ጉዳይ ዝትዋፈርና ናይ ዲፕሎማሲ ቪዛ ተወሃበና። ንዓይ ዓቢ … more

ዕርቒ ዕልመናዊ (Secular Governance) ስርዓትን ጦዮክራስን (Theocracy) ይከኣልዶ? ንኤርትራ ሃገርናከ ኣየናይ የርብሕ?

ብ ረዘነ ገ.  ሚካኤል መተሓሳሳቢ፤ ክቡር ኣንባቢ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ነጥበ መካትዒ ፊጢሩ ሓሳባትን ኣረኣእያን ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንምስፋሕን መሃሪ ተራ ክህልዎን ተባሂሉ ዝጽሓፍ ዘሎ እምበር ንዝኮነ ናይ ፖለቲካ ሃልኪ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ። … more

ኣቶ ኢሳያስ፡ሎሚ’ኸ ከምቲ ናይ 1978 ዝነበር በድሆ ገጥ’ዶ ኢልካ ኣለኻ፡

ዳን ኮኔል ዝተባህለ ኤሜሪካዊ ጋዜጠኛ፡ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ኣብ ምልላዩ ዓብይ ግደ ዝተጻወተ ጋዜጠኛ ኢዩ።ንሱ ኣብ መወዳእታ 2003 ኣብ ቦስቶን ኣሜሪካ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማሕበር ኣፍሪቓዊ መጽናዕቲ ኣብ ትሕቲ ይኣክል፡ነቐፈታ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ነቐፈታ … more