Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሳምንቲ ካብ ሓንቲ ኤርትራዉያን ብብዝሒ ካብ ሰብ በላዕ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ዝዕቆቡላ ዘሎዉ ሃገር ብሓደ ኣዝዩ ተባዕን ርእሱ ብዝኣምን ንፉዕ ዜጋ ብሹማምንቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ሕብረተሰብና ንዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ገበናት ብኣዝዩ ስሩዕን ንጹርን ኣቀራርባ ምስክርነቱ ዘርጊሑ ኣሎ:: ( ንሙሉእ ሓበሬታ ነዚ መወከሲ ምጥዋቕ ይካኣል::) http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/rightMap/temp-08/1210T8-TA.pdf

downስርዓት ህግደፍ ኣብ ድሮ ውድቀቱ ምህላዉ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ ካብቲ ኩሉ ዝሕዝን ግና ህዝቢ ለኪሙ ክጠፍእ ምኻኑ እዩ ግና ክሳብ መዓስ ኢና ክንጥበር ክነብር ኩሉ እቲ ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ሓሳረ መከራ ከጣዕሰና ክነብር ምኻኑ ድማ ጽባሕ ንግሆ ዘይወጽእ ጣዕሳ ከም ዝህሉ ርጉጽ እዩ::ገለ ካብቲ ን ስርዓት ሕግደፍ ካብ ውድቀት ዘየድሕንዎ ረቓሒታት ክጠቅስ

ሰብ ተበራቢሩ ከሎ ብዛዕባ ሰላም ኮነ ኵናት ብዙሕ ይሓስብ። ብዛዕባ ገንዘብ ኮነ ናብራ  የውርድን የደይብን ኢዩ። ናተይ ግን ዋላ ኣብ ድቃሰይውን እንተዀነ ዝሓልሞን ከዋልኣኒ ዝሓድርን ካልእ ዘይኮነስ እቲ ሕልመይ እውን ፖለቲካ ብምዃኑ ኢዩ። ሕልመይ  ብዛዕባቲ ኣብ ኣብ መቝሕን ኣብ ባርነትን ዘሎ ህዝብናን ወገናን ጥራሕ ብምዃኑ ለይቲውን ድቃስ ኣይረኸብኩን።

ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጸሓይ ከም ዘሎና ዝዝንግዑ ህግደፋውያን፣ ንህዝቢ ከታልሉ፣ ኣይከኣሉን። ተቓወምቲ ዜጋታት ተቐማጦ ስዊስ ነዚ መደብ ከይጀመረ ክፈሽል ንህዝቢ ብምምሃርን ብምምዓድን ጀመርናዮ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ’ቲ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ኣደራሽ፣ ተረኺብና “ቐዳምነት ቁዋማዊት ሃገር” “ንሕጊ ዝጸልእ ንባርነት የፍቅር” ዝብል ጭርሖን ዝዝርጋሕ ወረቓቕትን ሒዝና፣ ሰላማውን ሕጋውን ተቓውሞና ኣርኢና።

ኣቱም ሰባት ሎምስ ጉድ አዩ ወሪዱና ምስ ወለሓደ ከተወዳድሮ ዘይትኽእል ጉድ እዚ ክብል ከለኹ ዝስምዓኒ ጓሂ መዳርግቲ የብሉን። ማለተይ ብደም-ረሃጽ ብጊዜ ብሉጻት የሕዋትና ዝመጸት ሃገር መጻወቲ ጉጅለ ህግደፍ ክትከውን ዓይንና እንዳርኤና ስቕ ምባልና ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ፍጻመታት ታሪኽ ‘ዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ከምዘይኮነ ዝስሕቶ ከምዘየለ ርጉጽ እዩ:: ማለተይ ሎሚ ጊዘ ኤርትራ ካብ ኣብ ሶማል ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ኩነታት ዝባሰ እንታዘይኮይኑ ዝሓይሽ ከምዘይኮነ በዛ እትስዕብ ማንካ ካብ ባሕሪ ንእሽተይ ምሳሌ ኤርትራን ሶማልን ከወዳድረን ክፍትን ካብኡ መልሲ ነንባባይ ክገድፎ::

ደት ዝመረሮ፣ ኣብ ግዳም ዝበሊ ዘሎ ህዝቢ፣ ብኹሉ መዳይ ዝተጎድአ ሕ/ሰብ፣ ዓቕሊ-ጽበት ዝዓሰሎ ባህሪ ዘርኢ
ሰብ፣ ኣየናይ መንገዲ ኮንዶ መዋጽአ፣ ከመይ ዝበለ ብልሓት ክንረክብ ንኽእል ዝብል ዝተጻሕሮ ገጻት ምንባብ፣ እሞ
ኣላሽ ዘይብል ዝነበረ ጅግና ህዝብኻ ኩሉ እቲ በጺሕዎ ዝርከብ ኣካልካ ክትዕዘብ ከለኻ፣ ክሳብ ክንደይ ምሉእ
ናጽነትን ሓርነትን መቐረት ብምስኣኑ ተጎዲኡ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ምረት ኣደራዕ ንነፍስ-ወከፍና ኣንገሽጊሹና ከም
ዘሎ ኣስተብሂልካ ሓዘንካ ደረት ትስእነሉ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትርከቡ ኤርትራዊያን ዜጋታት፡ ህላዌ ህዝብናን ሃገርናን ኤርትራ፡ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ
ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ከምዘሎ ብሩህ ኮይኑ፡  ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ብፍላይ፡ ብቃላት ክትገልጾ ዘይክኣል፡ ኣብ
ታሪኽ መዋእል ኤርትራ ተሰሚዑን ተጌሩን ዘይፈልጥ ወዲቑ ይርከብ ከምዘሎ፡ ንኩሉ ኩነታት  ኤርትራን ህዝባን
ዝከታተል ብሩህ ሓቂ ኢዩ

ከምቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝተጠቕሰ ህዝባዊ
ሓይልታት ንህዝቢ ምኽባርን፣ እቲ ህዝቢ ድማ ወሳን ዕድሉን ክኸውን ዝጠልቦ ጠለባት ከተተግብር ኣይተማህረትን ምባለይ ዝዝከር
ኢዩ። ኣዚ ኣበሃህላ እዚ ነቲ መራሕን ነታ ብምትላል ዝሃነጻን ናይ ብሕቱ ሰልፊን እንበር፣ ነቶም ኣብታ ሰልፊ ካብ ትህነጽ
ዝተሳተፉ ኣይምልከትን።

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽክዎ ተመክሮ
መራሒ ህግደፍ ምስ ኩሉ መዳያት ማሕበራውን ኩንነታውን ሓቅታት ኣብ ባይታ ተዓዚቡ ዝኸይድን ነቲ ዝርዝራትን ገምጊሙ ዝንቀሳቐስ
ሰብ ኣይነበረን።

ባሕቲ መስከረም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ፍልይቲ ዕለት ምኳና ንኩልና ብሩህ እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ኣንጻር
ባዕዳዊ መግዛእቲ  ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ዘልዓሉላ ዕለት ምኳና እያ። እዚ ምልዓል ብረታዊ ቃልሲ ግን 
ንልዑላውነት ኤርትራ ጥራሕ ኣይነበረን።

ብኣቶ ኣብርሃ ሃብተማርያም (ካብ ለንደን) ንሓታቲ ዝተዋህበ መልሲ (ካልኣይ ክፋልን መቐጸልታን)

READ MORE

ኣነ በቲ ሓደ ወገን ከም ሓደ ሃገራዊ ዜጋ ነብሰይ ኣብ ጀላነት ኣስፊረ፤ በቲ ካልእ ድማ ዘሎ ኩነታት ሃገርና
ንምጽናዕ፤ ናብ ኩሉ ክኸደሉ ዝኽእል እሞ ብደቂቕን ብሓፈሻን ዘሎ ምንቅስቓሳት እንተ ብሸነኽ መንግስትን ደገፍቱ
በቲ ካልኣይ መዳይ ድማ ኣማዕድየ ንተቓወምቲ ክዕዘብን መደብኩ።

ንሕና ኣሕውትኩምን ኣሓትኩምን ኤርትራውያን ተቀማጦ ሃገረ ስዊደን፣ ብኩነታት ሕዝብና ፡ ኣብ ትሕቲ ማእሰርትን፣
መቅተልትን፣ ምህዳንን ዝርከብ ንግደስ፣ እዛ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ፣ ምዕዶን መለበምን ከነቅርበልኩም ንፈቱ።

ግርም ንምልካዊ ስርዓት ዘይደገፈ ከመይ ዝበለ ስም ከም ዘልብስዎ ንዓና ሓዲሽ ኣይኮነን። እቲ ክመጽእ ዝኽእል
ንሕና እውን ተቐሪብናሉን ክንምክቶን ከምኡውን ክንከፍለሉን ከም ዝኾና ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ዲክታቶርያዊ
ስርዓት ክሳብ ዝወድቕ ከምኡውን መንግስትን ተቓዋምን ብዲሞክራሲያዊ ቅርጺ ጎድኒ ጎድኒ ኮይኖም ዝሰርሕሉ ሃዋሁ
ክሳብ ዝፍጠር ክንቅጽል ኢና።

helenኤረትራዊት ወንጌላዊትን ዘማሪትን ሄለን ብርሃነ ብዛዕባቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮንተይነር ማይስርዋ ክሳብ ሃለዋታ እተጥፍእ ምቕጥቀጥን ኩሉ እቲ ዘጋጠማ ግፍዕታትን ብከመይ ትጸሮ ከምዝነበረት ተሓቲታ ክትምልስ ከላ ከምዚ ዝስዕብ ትብል፡ ከም ሰብ ክትጸሮ ብጣዕሚ ከቢድ ኢዩ፤ ዕላማ ግን ንኹሉ ኢዩ ዘኽእለካ፤ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብዙሕ ኢዩ ዝሕግዘካ ትብል። እቲ ቀንድን ካብ ኩሉ ዘሕዝነን፡ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ፡

ንሰላማዊ ሰልፍታት ጸረ ፈሲቲቫላት ህግደፍ ዝግበር ደገፍና ንገልጽ። ቀዳም 12 ወርሒ ሓምለ 2008ዓም ኣብ ከተማ
ፍራንክፎርት ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ክኽወን ንምነ። ብኹሉ ሕልናናን ዓቅምናን ድማ ኣብ ጎንኹም ኣሎና ንብሎም።

ዝቐደመን ዝደሓረን ጉዳይ ዶብ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ክፍታሕ ንጽዉዕ፣ –  ብማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን ኣብ ስዊስ

እቲ ህግደፍ ካብ ዕለት 11 ክሳብ 13 .2008 ኣብ ኣይስ-ስፖርት ሃለ ተካይዶ ብስም ፈስቲቫል ዝጽዋዕ ናይ
ፖለቲካን  ኣዕናዊ ምትኽኻብ ንምኽሻሕ ነቶም ኣባላቱን መሻርኽቶምን ኣድላይ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጠብና ማለት
ዘበት ኢዩ።

ኣብ ተሞክሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፌስቲቫል ብኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሰናይ ተበግሶኦም ንተጋደልቲ
ብጾቶምን ኣሕዋቶምን ንምሕጋዝን ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን እጃሞም ንምብርካትን ኢሎም ብብክፍለ-ዓለሙ ዘበጋገስዎ
ቅዱስ ዕላም`ዩ ኔሩ፡፡

ኣብ ጽባሕ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ብ21 ሰነ ንግዱድ ስጓ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንግስቲ ምስሪ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ፊት ኤምባሲ ምስሪ ምዉቕ ዝበለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ሓደ ሕርኽርኽ ዘብል ዘይወሓጥ ትዕዝብቲ ተዓዚበ።

ህዘቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሪር ተጋድሎኡ፡ ብርሃን ናጽነት ኣብ ኤርትራና ንክውላዕ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ፡ ኣሓቱን ኣሕዋቱን፡ ነታ እንኮ ክብርቲ ሂወቶም ብጅግንነት ወፍዮማ ሓሊፎም።

ሕሉፍ ታሪኽና ናብ ናይ ጽባሕ ወለዶታት ክመሓላለፍ መታን ክንውከሶን፡ ክንመሃረሉን ብግቡእ ክስነድ ይግባእ። ኩሉ መዳያቱ ክንፍትሾ’ውን ግቡእ ኢዩ።

እዚ ሕጂ ተበጋጊሱ ዘሎ ሓይሊ ትንሳኤ መንእሰያት ዋሽንግተንን ከባቢኣን ዓቢ ባህላው፤ፖለቲካዊ፤ማሕበራዊን ስነ
ኣእምራውን ስራሕቲ ኣብ ቕድሚኡ ይጽበዮ ኣሎ።እንተተሓባቢርካን ተጠርኒፍካን ዘይካኣል ነገር የልቦን እሞ ሃየ
ኩላሃና ዘዝካኣለና ነበርክት

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት፡ ክበር ንበር ዝብሎ እምበር ኣብቲ ዘይሓወየ ቑስሉ ብሓለንጊ ዝገርፎ መራሒ ክረክብ ብሓቂ ኣይጻምኡን ኔሩ።

ዳማይ ወራር ብዓወት ኢሰያስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስታት ኣመሪካን ርዋንዳን ዘበገስዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ
እማመ ሰላም ቀሪቡ። ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽረን ቦታታት ክስሕባን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት
ድማ ዶበን ክሕንጸጽ ዝብል እማመ ኣቕሪበን።

ኣብ ጅቡቲ ዶብ ጥሒሱ  ቅሉዕ ወራር ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቕርብኦ ቀንየን ኣለዋ። ምስዚ ፍጻመታት
ብምትሕሓዝ እምበኣር፡ ኢሰያስ ንምንታይ ዕላማ ነቲ ብጎነጽ ፈጺሙ ክፍታሕ ዘይክእል ዶባዊ ግጭት ንምንህሃሩ
ከምዝጎይን፡ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ እቲ ግጭት ከምዝምህዞን እዚ ዓንቀጽ ክትንትኖ ፈቲኑ ኣሎ።

ንሕና’ዞም ኣብ ደገ ዘሎና፣ ብፍላይ’ቶም ብውዱብ ኣሰራርሓ ንምስራሕ ዓቕሚ ተመክሮን ዘሎና፣ ህዝብና ካብ ሞትን
ስደትን ንምድሓን ካብ ሕጂ ንዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላት ከነፍልጥ ዘድሊ ምድላዋት ክንገብር ይግባኣና።

ነጻነት! ነዛ ነጻነትን ነጻ ንምዃንን ህዝቢ ኤርትራ ንኽንደይ ዓመታት ከርተት ኢሉ። ምእንቲዛ ነጻነት ብዙሕ ከፊሉ። ብሉጻት ደቁ ሐደ ድሕሪታ ሐደ እናተታኻኽኡ በብዝወጽዎ ስለዛ ነጻነት አብ በረኻታት ኤርትራ ተሪፎም። ስለዛ ነጻነት ተሰዊኦም። ስለዚ ዋጋቶም ብሉጻት ደቑ ዘለዝኾነት፡ ነጻነት፡ ንኤርትራውያን ብዙሕ ትርጉም ክህልዋ ግድን ኢዩ። ስለዝኾነ ድማዩ ነዛ ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ብመሪር ስቃይን ዘምጻአ ሃገርን ናጻነቱን ዝኾነ ዝትንክፈሉን ዋላውን ትንዕ ዝብለሉን ዘይፍቅድ።

ብወገነይ፡ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ጕባኤ ናይ ኪዳን፡ ክርስትያን ክዕብሉሉና ይደልዩ ኣለዉ ብዝብል ምፍርራሕ፡ ናይ እስላማውያን ውድባት ደገፍ ረኺቡ፡ ንውድቡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንምስራዕ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ግምት ጥራሕ ኢዩ። ነፍስወከፍኩም ድሕር’ዚ ሓተታ’ዚ ምንባብ ከም ናተይ ይኹን ካብ ናተይ ዝተፈልየ ግምታት ክህልወኩም ከምዝኽእል ኣይስሕቶን ኢየ።

ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ናይ ቀረባ ተዓዘብትን ተካታተልትን ዜጋታት ከም ዝሕብርዎ፡ ጃንዳ ህግደፍ ዘዋፍሮ ሓደ ፖሊቲካዊ ዉዲት ኣሎ። ንሱ አብ ባጽዕ ተጠጂኡ፡ አብ ካርቱም ተጸሚቑ፡ ኣብ ካይሮ ብስም ተወከልቲ 6 ውድባትን ዝብሃሉ ዝግበር ዝርርብ ኢዩ። እዚ ዘብርሆ ከዓ፡ እቲ ንነዊሕ ተመዲቡ ዝነበረ ሓባራዊ ጉባኤ ኪዳን፡ ንዘይተወሰነ ጊዜ ምትሕልላፉን፡ አጽፋር ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክሳብ ክንደይ ልሒዂ ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብር።