ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞሲያዊ ለውጢ ምስ ናይ ኣመሪካ ወጻኢ ጉዳያት ተራኺቡ።

executive_C

ብኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤል ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓጂ ጀሚል ኣማን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ኣባላት ባይቶን ዝምራሕ ልኡኽ ብሚያዝያ 16, 2012 ምስ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዋሽንግቶን ተራኺቦም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ኣስፊሖም ዘትዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግፍዓውን ጨካንን ህግደፍ … more

ደምዳሚ መግለጺ፡ 1ይስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ(ምደፍኤ)

EMDJ_Logo

ፈጻሚ ኣካል ምንቅስቓስ ንደሞክራስንፍትሕን  ኤርትራ(ምደፍኤ)፡  ኣብ  ጽባሕ ምዝዛም ኣኼባ  ማእከላይ  ሽማግለ፡ ማለት ካብ ዕለት6-ሚያዝያ 2012  ኣብ   ናይ ቀትርን ለይትን ሰዓታት ጽዑቕ ኣኼባታት ብምክያድ፡   ኣብ  ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጡ ኣገዳሲ መድረኻዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍ ፡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ ፈጻሚ ኣካል ምደፍኤ፡   ማእከላይ  ሽማግለ  ውድብና  ንዘቐመጦ መድረኻዊ ገምጋማትን፡  ዝሓንጸጾም  ናይ   ስራሕ  መደባትን መሰረት ብምግባር፡  … more

ደምዳሚ መግለጺ ሰልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

Allaince

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ 31 መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ 10 2012 ኣብ ዘሎ ጊዝያት ስልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኻባኡ እዚ ንህልዊ ሃገራውን፣ ዞባውን፣ ዓለማውን ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፋሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተኻየዱ ዕማማት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብዕምቆት ተመያይጡን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን፡፡ ማእከላይ … more

ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፡ ማለት እንታይ ማለት እዩ …? – ጻውዒት ንተኻፋሊን ደጋፊን ኤርትራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ

encdc_logo_large

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ እታ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ እትብል፡ ብሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝተዳለውትን ኣብ ህዝቢ ዝተዘርገሔት ሰነድ እያ። ኣነ ሰነድ’ዚ ብተገዳስነት ኣንቢበ ምስተረዳኣኒ፡ ኣብ ኣእምሮይ ብዙሕ ሕቶታት ተቐላቒሎም። ሓደ ካብቶም ሕቶታት፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንሃገራዊ ኮምሽን ዝሃቦ ሓደራ (ሓላፍነት) ፡ … more

ሓበሬታ ንተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ንምስግጋር ዕለተ ጉባኤ ብዘርኢ ጉዳይ

Tewelde_BeshirY

ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ጥቅምቲ 2011 ናብ ሕዳር 2011 ብሓደ ወርሒ ስለምንታይ ከምዝተሰጋገረ ህዝቢ መረዳእታ መታን ክረክብ ፡ ንኣቦ ወንበር ኮምሽን ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ከነዘራርቦም ኣቐዲምና ፈቲንና ስለዘይሰለጠና፡ ኣብ ናይ ሰኑይ 10 ጥቅምቲ መደብና፡ ብቐረባ ክንረኽቦ ንዝኸኣልና ኣባል ኮምሽን ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንኣቶ በረኸት … more

ገበን መራሕትኻ ምክልኻል – ብህዝቢ ምልጋጽ/ ምትላል

(ሃብተማርያም ሚካኤል ካሊፎርንያ/ሳክራመንቶ) ብዕለት 10/09/11 ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሔ ናይ ኣባላት ደግሓኤ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ከምኡ’ውን ኤውሮጳ ዘውጽእዎ ቴማ ወድዓዊ ሓቅነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ውሻል ናይ መርሕቲ ኰንካ ውድባዊ ዓብላልነት ንምርግጋጽ እዩ። ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር ከምዝብሃል፡ ሓለይቲ ሃገራዊ ጉባኤ ክመስሉ ካብቲ ዝተገልጸ ንምጥቃስ ዝኣክል እዘን ዘስምረለን ዘለኹ ሕንጻጻት … more

ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ: ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ብመራሕቲ ኪዳን ተደግመ

Press_Eritrea

I ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ እውን ብመራሕቲ ኪዳን ተደግመ ዝብል ኣርእስቲ ካብቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ባይታ ዝነበረን እቲ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ባይታ ዘሎን ብምምስሳል ዝረኣኽዎ ስእሊ እዩ። ድሕረ ባይታን ፖለቲካዊ ቍርቍሳትን ዝተራእየ ተረክቦታትን … more

ዓገብ ነዚ ሃገራዊ ጉባኤ ዝመጠጡ ሸነኻት

encdc_logo_large

ዘገርም አዩ ኣላጋጭ ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንህግደፍ ካብ ስሩ ምሒኻ ናብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ደርቢኻ ንህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ተባሂሉ ንምሉእ ዓመት ክስረሖ ዝጸንሐ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ብኹሉ ኩርኑዓት ዓለም ጽዑቅ ምንቅስቓስን ናህሪ ተሳትፎ መንእሰያትን ናህሪ ምሁራትን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተሳታፍነት ብሩህ ተስፋ ተራእዩ እንከሎ፤ በዞም ንሃገራዊ … more

መግለጺ ሓዘን መስዋእቲ ኣባላት ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ

EDA_logo

ክቡር ኣቶ መልስ ዜናዊ ቀዳማይ መኒስተር ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝዓዘዘ ሰላምታ ድሕሪ ምቕዳም፡ ብምኽንያት መስዋእቲ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ ኣብ መንግዲ ቆቦ – ሆርሞት ብዝጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ፡ ንህዝቢ ትግራይን ዝተሰመዓና መሪር ሓዝና ንገልጽ። እዞም ሓደጋ … more

ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብጨናፍ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ተጸንቢሉ።

እቲ ብምኽኒያት 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብጨናፍ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ዝተዳለወ ታሪኻዊ በዓል ብዓወት ተጸንቢሉ።

11 ኤርትራውያን መንእስያት ካብ ደሴት ዳህላክ ናብ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ።

ብዕለት 07 ሓምለ 2011 ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና መንእስያት ዓፋር ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ከባቢ ዳህላክ ብምብጋስ ናብ ኣልሓያ ዝተባህለት ወደብ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። ምንጭታትና ከም ዝሕብርዎ ምክንያትመህደሚ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ባሕሪ ዝተረኽበ ዕጭኡ ምርሻን ምዃኑ ዝተመሓላለፈ ኣረሜናዊ ውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ፡ ኣብ ከባቢ … more