Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

amanuel sahleሓንቲ ካብ’ተን ደስ ዝብላኒ መደባትኩም፡ ብመምህር ኣማኑኤል ሳህለ እትቕረበልና ዘላ መደብ ‘ሓንቲ ዓለም’ እያ። ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣማኑኤል ሳህለ ናብ መኣዲ-ኣሰና፡ ነቲ ጥዑም ቅጫኹም ዘጽግብ ጎጎ’ዩ ተደሪብዎ።

ካብ ሱዳን ናብ ሲናይ (ግብጺ) ብ 2500 ዶላር ተሰማሚዕም ዝተበገሱ ኣሕዋትና፡ ኣብ ሲናይ 2800 ኣኽፊሎሞም። ሲናይ ምስ ኣተዉ ከም እንደገና ካብ ሲናይ ንወስደኩም ኣለና ኢሎም ጠዋውዮም ናብ ካልእ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፋፊሎም፡ ነቶም ሓደ ጉጅለ ንነፍሲ ወከፎም 7000 ዶላር ኣመሪካ ነቶም ሓደ ጉጅለ ኸኣ 6000 ዶላር ኣመሪካ ኣምጽኡ እናበሉ ኣደዳ ሞትን ማህረምትን ገይሮሞም ኣለዉ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ሲፖዝም

ብመጀመርታ ነዚ ሲመፖዝዮም ክዉን ንምግባር ግዚኦም ሰዊኦም ኣብዚ ዘብቁዑዎ ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዲሲ፣ ህያው ኣብነት ናይቲ እዚ ማሕበር ከማዕብሎ ዝምነን ዝብህጎን ኢኹም ኢልና ስለንኣምን የውሃናና ክንገልጽ ከለና ብኣኹም ክሳብ ክንደይ ሕቡናት ምኻንና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ.

እዞም ደቂ ዓዲ ከምዚ ይብሉ "put your money where your mouth is". እዚ ከኣ ንዝኾነ ይኹን  ጉዳይ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ'ውን ክርኤ ኣሎዎ ማለት እዩ። ብካልእ ኣርዘረባ ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብ  ኤርትራ ዘሎ ግፍዒ ምንጽርጻርን ምሕማይን ምውርዛይን ፈኸራን፣ ከምኡ'ውን ብመልሓስካ ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ንሃገሩን ንህዝቡን ሓላይን ኣስቆርቋርን ምምሳል ንግዜኡ ንሕደጎ'ሞ ሃየ ብግብሪ ነርኢ ማለት እዩ። ስለዚ ብሓጺሩ ኩሉ ናይ በለጽ ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዘሎዎ ኤሪትራዊ፡ ኣብዚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ግዜኦምን ገንዘቦምን ወፍዮም ዘዳልዉልና ዘሎዉ ሰልፊ፣ ኣብ ዋሽንቶን ክንራኸብ ኣሎና ማለት እዩ።

በቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ኣሰቃቒ ምሕደራ ጉጅለ ህግዲፍ መሰረት ብምግባር ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ንምቅዋም ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ንዕለት 28-02-2009 (ቀዳም መዓልቲ) ልክዕ ሰዓት 12.00 ቅድሚ ቀትሪ ሰልፊ ክጅመር ምዃኑ እንዳሓበርና ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ሰዓትን ተረኺብኩም መረረኹም ክትገልጹ ብጥብቂ ንላቦ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ወርቃዊ ዝኾነ ተፈታውን ተነባብን እዋናውን ጽሑፋት ብስም እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ዜጋ ከነንብብ ቀኒና፡፡ ውሕሉል ዝወጾ ዘይብሉ ዘበራብር ጽሑፍ ኮይኑ ረኺበዮ፡፡ ኣቶ ተስፉ ዘውደ ንዶክተር ዘይነብ ኣመስጊኖም ንተበግሶ ምሁራን ዝምልከት ኣርእስቲ ንእግረ መንገዶም ጠቒሶም ምሁራና እንቋዕ ድምጾም ጀመሩ ክብሉ ኣመስጊኖም።ናብ ዶክተር ዘይነብ ዝቐንዐ ምስጋና ዝድገፍ ኮይኑ ምሁራና ድምጾም ኣስሚዖም ሰማዒ ካብ ዝስእን ግን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ ኩሉ ጊዜ ምስ ተቓለሱ ሙኳኖም ክዝንጋዕ የብሉን፡፡

dehaiEritreaክቡር ኣምባሳዶር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ምስ ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውዲት ኣብ ጉዳይ ጠንቂ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ከምኡውን ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ውዲት ምእሳር ሓለፍቲ ሰበስልጣን ዓበይቲ ዓድን ጋዜጠታትን የቓልዕ፡፡

ብምኽንያት ሞት ገዲም ዓቢ ሃገራዊ ተጋዳላይን መራሒን ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ክንገልጽ ንፈቱ። ክቡራት ስድራ ሸኽ እስማዒል ዓብዱን ብጾቱን  ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ

READ MORE

መንግስቲ ካናዳ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዘለዎ ሓበረታ ግጉይ ስለዝኾነ ነቲ ቅኑዕ ሓበረታን ስእሊን ንምሃብ ናይ ጥርዓን ጽሑፍ ንምቕራብን ኣብ ዝለዓለ ኣካል በጺሕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ተሰማሚዕና ነዚ ጉዳይ እዚ ትመርሕ ሽማግለ መዚዛና ስራሓ ጀሚራ ኣላ።ነዛ ሽማግለ እዚኣ ንምሕጋዝ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ክለዓል ንጽውዕ።

ንዓርቢ ዕለት 9 ግንቦት 2008፡ ሰዓት 9፡30 (21፡30) ብኣቈጻጽራ በርሊን ሓውና  ሃይለ ገብሩ ፡ኣቦ
ወንበር ናይ ኮሚስዮን ምምሰራት ሰልፊ፡ ኣብ Eritrea democracy for all discussion group 
ጋሻና ኮይኑ ከምሲ ስለ ዝኾነ ምሳና ከተምስዩ ብኽብሪ ንዕድም

placeholder

ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን (ሕ.ወ.ኤ.-ኣ.ማ.ም.) ንግንቦት 18 ፣ 2008 (ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ግንቦት) ስለ ህዝብናን ሃገርናን ቤተክርስቲያን ኤርትራን እትጽልየሉ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኮይና ኪትውዕል ይጽውዕ ።

mesfin_hagosቃለ መጠይቕ ምስ መስፍን ሐጎስ — አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ 

አቕራቢ ጋዜጠኛ – ወልዱ ሚኪኤል
ኤርትራ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ካብ መሬታ ክውጽእ ምውሳና፡ ብሕጊ ምኽኑይን ብዲፕሎማሲ ሓጋዚንዶ ነይሩ፡ ወይስ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ሃሳዪ?

ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ ክዕስከር ዝብል ውሳነ፡ ምስ ምሕንጻጽን ኣብ ባይታ ምምልካትን ናይቲ ሓድሽ ውሳነ ዶብ ብምትእስሳር ማለት ኢዩ’ምበር፡ ደረት ንዘይብሉ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣይኮነን። ኮሚሽን ዶብ ብይኑ ሂቡ። ኣብ ባይታ ከይተመልከተ እነሆ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመቱ ቀሪቡ። ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ኣብ ግዜኡ፡ ኣብ ባይታ ብምሕንጻጽ ተተግቢሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ምስሕሓብ ዶብ ኣብቂዑ ምዀነ ነይሩ። ምስሕሓብ እንተ ኣብቂዑ፡ ዓቃብ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ኣይምነበረን። ዶብ፡ ኣብ ባይታ ክሳብ ዘይተሓንጸጸ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣለዎ ማለት ቅኑዕ ኣይመስለንን። በቲ ካልእ መዳይ፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ብድሌት ኣኣንጋዲ ሃገር ኢዩ ሰፊሩ። ኣኣንጋዲ ሃገር ኣይደለዮን፡ ይወጽእ። ብምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝኽተል ሳዕቤን እንተ ሃልዩ፡ ናይቲ ሃገር ሓላፍነት ይኸውን።