Category Archives: ሰሜን ኣመሪካ

ለውጥን ዕርቅን – ብ ዳኒኤል ተስፋዮሃንስ

EYC_meeting

(ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣብ ኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝቐረበ ወረቐት) ብዛዕባ’ዚ ሃገርን ህዝብን ዝህውጽ ዘሎ ማዕበል እንዳ ዝናን-ባህታን ምዝራብን ምጽሓፍን ካብ ዝጅምር፣ ጻዕረይ ነቲ ኣነ ዝፈልጦ፣ መሲሉ ብዝተራእየኒ መንገዲ ከንጸባርቕ ስለዝደለኹ ደኣ’ምበር፣  ፍሉይ ናይ ውድብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ወይ ድማ ክረኽቦ ዝዓለምኩ ረብሓ የብለይን። ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን … more

Posted in Eritrea, ሰሜን ኣመሪካ, ትግርኛ | 8 Comments

ታሪክ ሓቅን ታሪኽ ድንቁርናን ፊት ንፊት

NewYorkDemo12

ከተማ ኒው ዮርክ ነቲ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ጅግንነትን ዘይተምበርካኽነትን ኤርትራውያን ዝኾልዔ ሓድሽ ቅያ ወቂራ። እቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ኣብሪሱ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎን ንታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽድዓትን ጥልመትን ዝበረዘ ውልቀ መላኺ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ጊዜ ዓቢ ውርደትን ፍሽለትን ኣጋጢሞዎ። ኢሰያስ በቶም ንዓመታት ኣብ ጎኑ ዝተጋደሉ ገዳይም ተጋደልቲ እውን … more

Posted in Eritrea, ሰሜን ኣመሪካ, ትግርኛ | 36 Comments

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሲያትል ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ብቀዳም 20 ነሓሰ 2011 ኣብ ከተማ ሲያትል ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Leave a comment

በሎ ደቂሱ እንከሎ! – ፌስቲቫል ህግደፍ ኦክላንድ 2011

እቶም ንሰላም፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ኣንጊሆም ዝጨደሩ ህዝቢ ዓባይ ቤይ ኤርያ ሕጅውን መሰለይ ከይረኸብኩ ኣይዳነን ብምባል ንፌስቲቫል ህግደፍ ከም ዓውዲ መኼዳ ረጋጊጾሞ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Leave a comment

ሃብቶም ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ ዛንትኡ ይጽሕፍ።

  ሃብቶም ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ሓሙሽተ ክፍለ-ዓለማት ኣቋሪጹ ንዝፈጸሞ ጉዕዞ ስደት እንተአንቱ ምጽሓፍ ብምድራስ ንሕትመት ኣብቂዑዋ። እታ መጽሓፍ፡ እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓዱሽ ቤት ከጣይስ ኣብ ዘካየዶ ናይ ዓመታት ጉዕዞ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረኸቦም ሰባት ንዘርኣዩዎ ጽንዓትን ትብዓትን ዘንጸባርቕ ዛንታታት ዝሓቖፈት እያ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Leave a comment

20 ሰነ ቃል ስውኣትና

እዚ ወርሒ’ዚ ከም ዝፍለጥ ኣባና ኣብ ኤርትራዊያን ሓደ ዓቢ ቃል-ማሕላ ዝተኣተወሉን ንኣትወሉን ነብሰ ንስሓ ዕግበተ-ሕልና ሱባኤ ንገብረሉ ግዜ’ዩ፡፡

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Leave a comment

“ማሕበረኮምን ፖለቲካን ፈላሊና ንርኣዮ”

ዓመት ይሓልፍ ዓመት ይትካእ ብመንፅሩ ነቲ ዝሓለፈ ገምጊምና ናይ መፃኢ መደባትና ንሰርዕ። ንመደባትና ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ንከታተሎም፣ ምኽንያቱ ግዜ ብሉፅን ልዕሊ ኹሉን  ስለዝኾነ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Leave a comment

ሓበሬታ ካብ ድምጺ ኣሰና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን

ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , , | Leave a comment

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ  7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , , , , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ካናዳ ንዝቕመጡ ኤርትራውያን

ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ዝጀመረቶ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ዘርእስቱ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ንጽባሕ ቐዳም 7 ግንቦት ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ)፡ ንኩነታት መራኸቢ ብዙሓንን ሞያ ጋዜጠኛነትን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ ‘ውን ኩነታት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እንታይ ከምዝመስል ክትድህስስ እያ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , | Leave a comment