Category Archives: ሰሜን ኣመሪካ

ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ ብ FBI ብጽኑዕ ተፈቲሹ።

ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ … more

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , , , , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ

ብዕለት 18 ምያዝያ ኣብ ሳንፍራንሲኮ፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ካሊፎርንያ ዝመጹ ተቓወምቲ ዜጋታት ዝተሓወስዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ተኻይዱ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዝወዓለ ዜጋ ብዕድመ ይኹን ብብሄራዊ መልክዑ ዝተዛነቐ ብምንባሩ፡ ምዉቕ መንፈስ ሃገራውነትን ሓደነትን ዘንጸባርቕ ሃዋሁው ክፈጥር ክኢሉ። ካብ ናይ ቀደም ሰላማዊ ሰልፍታት ዝያዳ ብርክት ዝበላ ደቀ-ኣንስትዮ እውን … more

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , | Leave a comment

ኤርትራውያን ካናዳውያን ጉዳይ ናይቶም 400 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያት ክጻረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንታሮዛ ካሊፎርንያ

ኣብ ሳንታ ሮዛ ዝወዓለ ኣኼባ ሽማግለ ንጉባኤ፡ ብጉዳይን ህዝብን ሃገርን ኤርትራን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ዘትዩ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሽማግለኡ ዝርከብ ስርርዓት፡ ዘለዎ ሓላፍነቱን ዝዓሞ ስርሓትን በብሓደ ምስ ኣኼበኛ ብምልላይ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , | Leave a comment

ቕልዕቲ ደብዳቤ ንህዝቢ ሲያትልን ኩሉ አብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝብን

አብዚ እዋን እዚ ራዕድን ሽበራን ቅንጸላን ከም ቀንዲ መሳርሒ ስልጣኑ ገይሩ ዝጥቀም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ኣብ ወጻኢ ወይጦታቱን ሃሱሳቱን እንዳኣዋፈረ መነባብሮ ህዝቢ ርፉታ ከሊኡ ይነብር ኣሎ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , , , | Leave a comment

ደርማሳዊ ኩቡዖ ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ(ኦክላንድ)

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(ቤይ ኤርያ) ከም ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራውን ከም ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዘሎ ውልቀ ምልክን ስርዓተ ኣልቦነትን ካብ ሱሩ ሚሒኻ ኪኖ ሓጹር ንምድርባይን፡ ኣምሳይኡ ድማ ፍትሕን ደሞክራስን ሰላምን ዝሰፈኖ ስርዓት

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , | Leave a comment

ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ፤

ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , | Leave a comment

ፖለቲካዊት ከቦሮ ንለውጢ ኣብ ኦክላንድ ዲም ክትብል ሓዲራ (ብሽማግለ ንጉባኤ ኦክላንድ በይ ኤርያ)

ከቦሮ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብሓዳስ ከቦሮ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተተኪኣ። ናብቲ ገፊሕ ዳስ ዘተን ምርድዳእን ዋዕላን፡ ገጻ እትመርሕ ከቦሮ መንእሰይ፡ “ንዑ ኩሉኹም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ በዚ’ዩ መንገዱ ሰዓቡኒ ተጸንበሩ ተዛተዩ!” ክትብል ኣምስያ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ኣኼባ ኣካይዱ

ብዕለት 10/16/2010 ኣብ ኦክላንድ ብኣባላት ሃገራዊት ኮሚሽን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 25 ዝኣባላት ቦርድ ከም ከምእተመርጸ ይዝከር። እዚ ቦርድ እዚ፡ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝብል መጸዋዕታ ተዋሂብዎ፡ ብዕለት10/24/10 ተኣኪቡ ነብሱ ክሰርዕ ውዒሉ።

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Tagged , , , , , , | Leave a comment

ጋዘጣዊ መግለጺ ምምስራት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ

ድሕሪ ተደጋጋሚ ኣኼባታትን ምይይጥን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ፕሮግራሙ ኣጽፊፉ ዓላማታቱ ኣነጺሩ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር

Posted in ሰሜን ኣመሪካ | Leave a comment