Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 

ቱኒዝያ፡ ሓምለ 20 (UNHCR) ፊልሞን ኣብ ኤርትራ እዩ ተወሊዱ። ካብ ሃገሩ ክርሕቕ ብሂጉዎን ሓሊሙዎን ከምዘይፈልጥ፡ ልቡ ኣብ ኤርትራ ከምዘላ ይዛረብ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንሱን ስድራቤቱን፡ ኣብ ነፋሪት ተሳፊሮም ሓድሽ ህይወት ንምጅማር፡ ካብ ኤርትራ ናብ በልጅም ብምምራሕ፡ መሊሶም 5 ሽሕ ኪሎሜትር ርሒቖም።

fishaትማሊ ሓደ ካብቶም “እስዝ ሓሶት እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ” እናበልና ንብዓትን ቀለምን ሓዊስና እንጽሕፎም ዜናታት ካብ ምንጭታት በጺሑና። “ፍስሃ ወልደዳዊት ብትእዛዝ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተቐቲሉ” ዝብል ዜና።

meronሜሮን ዘወልዲ ይብሃል። ካብ ኤርትራዊ ዝሞቦቆሉ ኣቦይ ወላዲየይ ኣቶ ዘወልዲ የሕደጎ ገብረዮውሃንስ ገብረዝጊን
ብትውልዳ ኢትዮጵያዊት ዝኾነት ወላዲተይ ኣደይ ወይዘሮ ቡዙነሽ ሃይለ ወልዴ ብዕለት 06/06/1985 ዓመተ ምህረት
(ኣቆጻጽራ ፈረንጂ) ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ከተማ ድረዳዋ ተወሊደ።

asterሓፍትና ኣስቴር ወልዱ ብዕለት 16-03-1964 ካብ ኣቦኣ ግራዝማች ወልዱ ህብትዝግን ኣዲኣ ወ/ሮ ተረዛ ተስፋማርያም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ተወልደት:: 8 የሕዋት ድማ ኣለዉዋ:: ከምቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘጋጠሞ ኸኣ፡ ዝበዝሑ ገሊኦም ንሜዳ ገሊኦም ንስደት ፋሕፋሕ ኢሎም። ከምኡ እውን ናኣሽቱ ኮይኖም ዝተረፉ የሕዋት ነይሮም::

johnመርዓን ሓዳርን  ሓደ ኣይኮነን። መርዓ ኣፍደገ ሓዳር እዩ። መርዓ ኹሉ ጽቡቕ እዩ ዝሓልፍ፡ ንሓዳር ግን ኩሉ ኣይክእላን፡ ወይ ንኹሉ ኣይትኾነሉን እያ። ሰብ ኪዳን ኣብ ሓዳር እዮም ዝፍተኑ። ተጋዳላይ ዮውሃንስን ተጋዳሊት ኢለንን ከኣ ን25 ዓመታት ነዚ ፈተነ ‘ዚ ሓሊፎም፡ ተዓዊቶምሉ።