Category Archives: ትግርኛ

ሳህለን መሃንዘልን – ዕላል ብዛዕባ ናይዝግን ብኢዱን

gerahtu_Isu

ከመይ ቀኒኻ ዓርከይ ሳህለ እንታይ ኣሎ ማይ ዘይጠዓመ ዕላል ሎሚ ቕነ ሓድሽ ዝጠለለ?   ኤእ መሃንዘል ዓርከይ፡ ካባኻ’ዩ ወረ ካብ ነቕጺ ብኢዱ ዶ ተረኺቡ ፍረ፡ ንገረኒ ደኣ ‘ቲ ዝብሃል ዘሎ እንዳ ገብረ-ኣዳል እንታይ ይወረ’ሎ?   ወይለይ፡ ኣንታ መንቃም ኢኻ ድሮ ‘ምብኣር ጨንዩካ ንዓኻ መቸም የለን ካብ ሳህለ ዝሕባእ ህንጥሸው ኣይተርፈካ … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ናዕታ | 1 Comment

መግለጺ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

EriStudents12

ከም መቐጸልታ ዝሓለፈ ርክብ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ንሕና ኣብ መዓስከራት እንነብር ስደተኛታት ካብ ዕለት 16/02/2012 ካብ ሓሙሽትኡ መዓስከር ስደተኛታትን ኣዲስኣበባን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተኣኪብና ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘቲና፡፡ ኣብዚ ናይ ዘተ መኣዲ ዝተሳተፍና ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣስታት 210 ኮይና 29 ካብ ተሳተፍቲ እዚ መኣዲ ዘተ ደቂኣንስትዮ ኢየን፡፡ … more

Posted in Eritrea, ሃገራዊ ዜና, ትግርኛ | 8 Comments

ሞት ናይዝጊ፤ ሞት ክናና’ዩ! መስፍን፤ ይኣኽለካ ምስ ፎርዖን ምልፋን! – ፍሉይ ጽሑፍ – ኣለና

Alena_NewLogo1

ካልኣይ ምዕራፍ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዛዕባ ድርብ ኪዳን ናይዝጊ ክፍሉን ኢሳይያስን  ኢዩ ኣስፊሩ ዘሎ፣  “ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም” ከም ዝበሃል ድግም። ኣብ ጉዳይ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ጸሎትናን ጸሎት ኢሳይያስን ነንበይኑ ኢዩ ጸኒሑ፣ ሕማም ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ንዝክረሉ ዝነበርና ግዜ። ‘ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ነይሓልፍ’ ክንብል’ኳ እንተጸናሕና፤ ንሕና ንቁሩብ እዋን … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣለና | 12 Comments

ቀደምሲ ንህዝብኻ ንሃገርካ ሎሚኸ ምእንተ መን ኢኻ?

Assenna_DC_small

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርሂስ 19/02/2012 Norway ህግደፍ ይፍሕር ኣሎ ኲናት ክውልዕ ሓላው ወሰን ሎሚኸ ንመኒኻ ክትስዋእ ነዞም ሕማም ዝሓዞም ንህዝቦም ዘጽልእ ንብዓል የማነ ማንኪ ንኾንቱ ክትብጃእ ንዘይ ረብሑ ክትብል ዘርእኻ ክጠፍእ ኣስተውዕል ጅግና ዝብለካ የለን ደጊም ነብሰ ቅትለት ከይመስል ጸሊም መርገም እናፈለጥካ ኣይትጽደፍ ተኣለ ካብ ህጉም ንህዝቦም ዝተሰዉኡ ኣብቂዖም ቅድም ጀጋኑና ንዘላአለም … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ናዕታ | 13 Comments

ወጋሕ ትበል ለይቲ ምስወናማት ደረፍቲ – Frankfurt am Main

Night_Womensday

ነጻ ማሕበር ኤርትራውያንደቂ-ኣንስትዮንሰላምንዲሞክራስን ዕድመ ታሪኻዊት ንዓለም-ለኻዊትን መዓልቲደቂ-ኣንስትዮ (8 መጋቢት ) ብምዝካር ሓቢርና ከነብዕልን ከነኽብርንነጻ ማሕበር ኤርትራውያንደቂ-ኣንስትዮንሰላምንዲሞክራስን ብመጀመርያንኤርትራውያንኣሓትቀጺሉውንንኹሎምክፋላትኤርትራውያንሕብረተሰብናብሓፈሽኡድማንኹሎምመሓዙትናንፈተውትናንብኽብረትይዕድም። ዕለት፡          24.03:2012 ቦታ፡           Kleyer str.21   Kleyerstraße 21 60326 Frankfurt am Main beim (Adlerwerk) ሓበሬታ፡ ካብHauptbahnhof  Frankfurt am Main  ዝተፈላለየመጉዓዝያኣሎ። 1)     Strassenbahn 11 ን 21 ስጋብGalluswarte, 2)     ብ S-Bahnen 3/4/5/6 ሓንቲስቴሽንስጋብGalluswarte. ካብGalluswarteብኣውቶቡስ … more

Posted in Eritrea, ምልክታ, ትግርኛ | 4 Comments

ክልተ ሞት!! – ናይዝጊ፡ ናይ-ሰብ ዘይኮንካ ‘ሞ ከመይ ኢልካ እዩ ናይ-እዝጊ ዝኽወኖ?

Naizghi_Isaias

ካልኣይ ህይወት ከምዘሎ ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ። ክዉንነት እምነቶም ብዘየገድስ፡ ትምኒቶም ኣብ መንግስተ ሰማያት ክሰምረሎም እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዝቐደመ ምድራዊ ህይወቶም ዘጽድቕ ተግባራት ክፍጽሙ ከምዘለዎም ሞራላዊ መሪሕ ስለዝኾኖም፡ ሰናይ ትምኒቶም ካብ ገዛእ-ርእሶም ሓሊፉ ንሕብረተሰብ ‘ውን ጠቓሚ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ገነት ከሕልፉዎ ዘለዎም ተስፋ ካልኣይ ህይወት ክሰምረሎም ጽቡቕ ድሌት እናገለጽካ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ … more

Posted in Eritrea, ቃል ኣሰና, ትግርኛ | 73 Comments

መንእሰይ ተሰካሚ ሕድሪ!!

Assenna_DC_demo

ብናይ ኤውሮጳውያን ኣቆጻጽራ እዚ ዘሎናዮ እዋን ልደት ኣሕሊፍና ድሮ ሓዲሽ ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና ናይ ሰላምን ቅሳነትን ሓዲሽ ዓመት ክኾነልና ይምነ፡፡ ኣብ ኩለን ሃገራት መራሕቲ ሃገራት ንህዝቦም መደረን ትንቢት ሓዲሽ ዓመትን ገምጋም ናይ ዝሓለፈ ኣረጊት ዓመት ገምጋምን ኣሕጺሮም ይገብሩ፡። እቲ ካልእ ዝነውሐ ገምጋማት ንናጻ መድያ ይገድፍሎም፡፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 3 Comments

ማርያም ሚላኖ ከም ጽንዓታ ኣብ ቦትአ ኣላ።

Eritrea_religions

ህዝቢ ሚላኖ ብሓድነት ተጠሚሩ ኣብ ሓደ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ብጸሎትን ምህለላን ምስ ኣምላኹ ዝራኸበሉ ኩሉ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝረኽበላ ኳ እንተኾነት፡ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ናብ መጋበርያ ኽለዉጡዋ ሒዅ ካብ ምባል ዓዲ ዊዒሎም ኣይፈልጡን። ኮይኑ ድማ ኣብ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ምስ ምምጻእ መንእሰያት ካብ ሊብያ፡ እቲ ቤት ክርስትያን ካብ … more

Posted in Eritrea, ስቪክ ማሕበራት, ትግርኛ | 11 Comments

ወየ፡ መልቀስ ንናይዝጊ ክፍሉ

Naighi

ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ኣንታ ናይዝጊ ብዓል ድርብ ስረ ሓርበኛ ኤርትራ ብትብዓቱ ዝሰኸረ ኣብ ሳንጀርጆ መንደፈራ ዝጀመረ ብሓምሳታት ጀሚሩ ዘናገረ ኣንታ ጠፊእዎምዲዩ ናትካ ወረ ሩስያ ከይዱ ዝተማህረ ምስ ሰናቶር ዝመኸረ ኣመሪካ መጺኡ ዘይሓፈረ ኤናስኣ ንኽምስረት ዘዕገርገረ   ኣመሪካ ገዲፉ ንሜዳ ምስከደ ኣብኡ ጸንሕዎ ክርዳደ ምርዳደ   ኣእተዉዎ ኣብ … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ናዕታ | 20 Comments

ስርዓት ህግደፍ ንሬሳ ናይቲ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነት ዘገልገሎ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

nayzgi-kiflu

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሬሳ ናይቲ ብትእዛዙን ኣብ ክንድኡን ሓያለ ንጹሃት ኤርትራውያን ከም ዘጋፍዐ ዝንገረሉ፡ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነትን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ጸጥታን ዘገልገሎ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝዓረፈ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ ምኽንያት፡ እታ ካብ ዝዓረፈሉ ሰዓት … more

Posted in Eritrea, ሃገራዊ ሕግታት, ትግርኛ | 18 Comments