Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰመረ ዓርከይ፡ ዓለም’ኮ ኣዕለቢጣ ኢያ።ናይ ለውጢ ግዜ ከኣ ብነብሱ ይስግር ኣሎ። መንእሰይና’ሞ ኣካን’ዃ ተዓጊሱ። ካብሕጂ ንንየው በቃ ይኣክል። ንስኻ ግና ነዚ መሪሕ መንእሰይ ክትጅልሕ’’እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ዘዕገርግሩ ዘለው መንእሰያትን ምሁራትን ብልክዕ ኤርትራውያን ዝመስሉ ኢትዮጵያውያን፡ ወይ ድማ  ፍርቂ፡ርብዒ ጐድኖም ዝተለኸዩ ኢዮም“ ኢልካ ኢኻ ኣጻዊትካና።

READ MORE

ሰላም ኤርትራውያን ድልየትና ስምርትን ምዕብልትን ኤርትራ ክጋሃድ ይምነ፡

እዚ ዘለናዮ ወርሒ ወርሒ ባዓል ነጻነት ኢዩ፡ ነጻነትና ብቖጺርካን ጸዊኻን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ውርደት, ስቓይ, ዓመጽ, ቅትለት, ስደት, ሕስረት ክኸውን ኮሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ብሓቦን, ኒሕን, ቆራጽነትን, ሓርበኝነትን, ቃልሲን, መስዋእትን መውጋእትን ኤርትራውያን ነጻነት ተረጋጊጹ፡፡

ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት፡ ንክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት ብዝገበራልና ዕድመ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሰዓታት ቕድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ጽቡቕ መንፈስ ናይ ምርድዳእ ዘለዎ ክልትኣዊ ርክባት ተኻይዱ።

HRCስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ  ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።

አብዚ እዋነ ብርሰት ድቕናን አኃዋትናን አኃትናን ብመዘናን መግለጽን ዘይርከቦን፤ ሓዘን ተጻዒንና አብ ዘለናሉ እዋን፤ዋላዃ ዂላትና ኤርትራውያን ዜጋታት ሕዙናት እንተዄንና ብዝያዳ ግን እቶም ወለድን ቤተሰብን ብምዃኖም  ብሓበራ ነዚ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ናይቲ ዂሉ ሓዘናትኹም  ምዃና ንገለጽ።

ብመጀመርያ ማሕበርና ነቶም  ኣብ ዕለት 8 ወርሒ 4  ዝተገብረ ቁዱስ ሰለማዊ ሰልፍ ንዝታሰቱፉ ልዑል ምሥጋና ነክርብ :: እትምንታይሲ ዑዱማት ናይ ዝተፈላለየ ጸግዕን ኣታሕሳስባን ንጽጋም ብምቅማት  ነዚ  ካብ ሓልዮት ዝተበግሰ  ቢመንእሰያት  ዝተገብረ ዝኮነ ፀጊዕ ዘይሓዘ ሂወት ኣድሕን ዕለታዊ ዕዮም ግዝዊ ሽግሮም ወርቃዊ ግዝኦም  ፖልታካዊ እምነቶም ነቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ ዕዉት ንምግባር ዝተሓበበሩ ዓቢ ምስጋና ነቀርብ::

haiddlebergከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር ( Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ  ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ  መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ።

genevaመርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ

ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና ይሃርሞ ዶኾን ዓድና… (ካብ ዜማታት ነፍሲሄር የማነ ባርያ)

ናይ ኤርትራ ነጻነት፡ ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ኮይነ ኣብዒለዮ። ኣብዚ ህሞት`ዚ፡ ብሓንሳብ ፡ ሓያል ናይ ሓጎስ ስምዒተይ ብሓደ ወገን  ንሕልናይ ዝወቅስ ድማ በቲ ካልእ ኣብ ሓደ ጊዜ ጦብላሕ በሉኒ። ኤርትራ ነጻነታ ጨቢጣ!!  ዕ-ል-ል-ል-ል-ል!! እብል።

Fenqilኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ሃገርና ብስርዓት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝተቛረነትሉ ግዜ ጀሚሩ ንዓመታት ዝተዋህለለ ግፍዒ መሊኡ ስለ ዝተደፍአ ብዓወት ስርሒት ፈንቅል ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ዝገልጽ’ዩ።

Egyptን18 መዓልታት መመላእታ ኣዉያት ህዝቡ ዕሽሽ ብምባል ስልጣኑ ንኸይለቕቕ ሓንጊዱ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብሓይሊ ብረት ንልቢ ግብጻውያን ሰይሩ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝጸንሐ ፕረዝደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ፡ ዓርቢ 11 ለካቲት 2011 ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡

Mehamedነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ሃገራዊ ተቓውሞ ብምብራዕ ትእምርቲ ህዝባዊ ተቓውሞን ለውጥን ዝኾነ ቱኒዝያዊ መንእሰይ ሙሓመድ ቦዋዓዚዚ

ሲናይዓመጽ ምግሳስ ኣብ መላእ ኣካላት ነዝሪ ኤለትሪክ ምፍናው ብዝረሰነ ሓጺን ምትክዋስ ማእሰርቲ ምጥፋእ ውነን ሞትን ኣብ ዘቃጽል ኮነይነራትን ካልእን መግለጺ ናይቲ ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ዝፍጸም ግፍዕታት ኢዩ..እዚ ካብ ዶብ ግብጺ 24 ኪሎመተር ርሒቁ ብነጋዶ ሰብ በደዊን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ዝተሃንጸ መዓስከራት ዝካየድ ግፍዒ ንምእማኑ የጸግም።

ብፈለማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብኣረሜናዊ ስርዓተ ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ጊላ ይነብር ንዘሎ ተቓላሳይ ህዝብና ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሎም ንዘለው ስደተኛታት ህዝብና ካብዚ ዘለናዮ ናይ ስደት ቦታና ማለት ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታና ይብጻሕኩም ንብል።

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ካብ እኩብ ድምር ናይ ዘጽናዕክዎን ዘንበብክዎን ዝተመኰርክዎን ዓይነት ሓበሬታታት ምርኩስ ብምግባር ሚዛነይ ኣብ መንገዲ ዓወት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምክፋል ብልቦና ንኽትመዝንዎ ኣተሓሳስብ።

ዝኸበርኩም ኤሪትራውያን ኣነ ነዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ዘዳልዎ መዋእል ኮይኑኒ እዩ። ክሳብ ሎሚ ክጽሕፎ ዘይከኣልኩሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሓደ ምስ ደቂሰባት ክራኸበሉ ዘይክእል ብስሩዓት ሻዕቢያ ጥራይ ዝነብርዎ ካልእስ ይትረፍ ነታ ዝተጋደልኩላ ሃገረይ ረፈረንድም ከይገብር ተኸልኪለ ከም ጎቦታት ሳሕል ጽውጽው ዝብልዝነበረ ኮይኑኒ እየ ዝነብር ኔረ።

ኣንታ ዳንኤል! ‘…ክላ ወደይ ስም ቀይር ኣለናስ ምሒር ዓብዩካ !!!! ኢልካ ክትጅምር! ክንድዚ ዝኣክል ዘንቀጥቅጥ ገዚፍ ምስጢር ህግደፍ ንህዝቡ ስለ ዘቕረበ! ህዝቢ ክፈልጦን፡ ክመሃረሉን ስለዝግበረ! ካብኡ ተላዒሉ ካብ ስቓዩ ዝናገፈሉ መገዲ ከናዲ ስለዝጽዓረ! ‘ኣለና’ ስ ዓቢዩዎ ክትብል! ‘ኣለኹ’ ኸ ምሒር ኣይነኣሶንዶ!  ክተቆናጽቦን ክተንኣእሶን ክትፍትን! ስለምንታይ?

Abune Meqaryosብመጀመርያ ዒድ መብሩክን ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ግእዝ ይግብረልና! ኣብ ድሮ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬ፣ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተሪር ዝኾነ መልእኽቲ ኣተሓላሊፎም። ብዝያዳ ንትሕዝቶ ኣብ መርበብ ተዋሕዶ ክንረኽቦ ንኽእል።

መምህር ዓምደብርሃን ሞይቶም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ንዓይ ብውልቂ ዝስመዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ከመይሲ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎም ሓደ ስለ ዝኾንኩ እየ። ነታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና’ውን እዚ ናቶም ሞት ዓቢይ ማህሰይቲ እዩ።

Biteweded Abraha Assennaስርዓት ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ የሕቅቖም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ጀጋኑ ሓደ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ እዩ። ቢተወደድ ኣብርሃ ንውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ብኣግኡ ስለዝተቓወመ ንልዕሊ 17 ዓመት ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ይሓቅቕ ኣሎ። ነዚ ጸሓይ ናጽነት ኣምጺኡ ጸሃይ ንጽነት ዘይረኣየ መትከላዊ ተጋዳላይ ስርዓት ህግደፍ ክርሳዕ እዩ ዝደልዮ፡ ንሕና ግን ወትሩ ክንዝክሮ ይግባእ።

 ሃገርና ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ስምን ኣድናቖትን ዘትረፉ ብዙሓት ምሁራንን ለባማትን ኣለዉዋ። እንተኾነ፡ ምሁርን ለባምን ዝጽይኑ በሃማት ‘ውን ስለዘለዉዋ፡ እሞ ድማ ንግዚኡ ሰብ ጠበንጃ ኮይኖም ላዕለዋይ ኢድ ስለዝሓዙ፡ እቶም ፍቕርን ድሌትን ሃገር ዘለዎም ሰብ ብርዕን ሓንጎልን ደቂ ሃገር ንዓዶም ክገብሩላ ዕድል ኣይረኸቡን።

Asena Haile menkerious“ ሃይለ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ክነግስ ስለዝሓተተ ብጥልመት ተኸሲሱ ኣሎ። ንሱ ግን ሓደ ካብቶም ዝለበሙን ምጉሳትን መራሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ተባዕ ጅግና እዩ። ንደቀይ ኣብነት (role model) እዩ። ንደቀይ ካብ ዕርክነቱ ዝበልጽ ህያብ ክረኽበሎም ኣይክእልን እየ”