Category Archives: ኣተኵሮ

ምጽንባልስ ይጽንበል ኣሎ….

Amanuel_Mahdere

እነሆ ብድምጽና ዘይመረጽናዮ ስርዓት ኣብ ሃገርና ካብ ዝነግስ 21 ዓመቱ መሊኡ። መበል 21 ዓመት ዕለተ ልደት ሓዳስ ሃገር ይበዓል ኣሎ። ብመሰረቱ ሃገር ማለት ህዝቢ ካብ ኮነ እቲ ሕጂ ዝጽንበል ዘሎ በዓል፡ ዕለተ ሓርነት ሃገር እምበር ዕለተ ሓርነት ህዝቢ ጌርና ንርድኦ ከይንህሉ ተስፋ እገብር። **** መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬት ሃገርና ተባሪሩ … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | Leave a comment

ትጽቢት ሓንቲ መዓልቲ፡

Down

ወዲ-ሰብ ኣብህይወቱ ሰለስተ ዓበይቲ መድረኻት ከምዘለውኦ ይትረኽ ኢዩ። ዕለተ-ትውልዲ፡ ዕለተ ምምሳልን (መ ርዓ) ዕለተ-ሞትን ተባሂሉ ከኣ ይኽፈል። ካብዘን መዓልትታት እዚአን ኣየነይተን ትዓቢ? ንዝብል ሕቶ ድማ ሰባት በበይኑ ምርጫታት ይህልዎም። ንብዙሕ ህዝቢ ዓለም ዘደንጹ ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ኤርትራዊ ግና ዝዓበየት ራብዓ ይቲ መድረኽ ኣላቶ። መዓልቲ ናጻነት! ስለኣ ኩሉ ነገር ኮይኑን ይኸውን ኣሎን … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 7 Comments

“ሓያል” ጎኒ ኢሳያስ

Amanuel_Mahdere

ነዚ ጽሑፍ’ዚ “ድኹም ጎኒ ኢሳያስ” ብዝብል ኣርእስቲ እየ ክጅምሮ ሓሲበ ነይረ። ደሓር ግን ቁሩብ ሓሲበ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብኩሞ ኣርእስቲ ቀይረዮ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ድኹም ጎንታት ኢሳያስ ብዙሕ ተባሂሉ እዩ። ብዙሓት ኤርትራዉያን ተንተንቲ ፖለቲካን ጸሓፍቲን ብመጽሓፍትን ናይ ኢንተርነት ዓንቀጻትን ኣቢሎም ንድኹም ጎንታት ኢሳያስን ስርዓቱን ብኹለንትናኡ ፈቲሾም ኣርእዮምና እዮም። የርእዩና’ዉን ኣለዉ። ዶክተር … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 20 Comments

ኤርትራ ሶማል ወይ ዩጎስላቭያ ኣይኮነትን!

enough2011_18

ከመይ ትቕንዩ ክቡራት ኤርትራውያን! ሎሚ ሃገርና ኣብ ሓደ ወሳኒ መሰጋገሪ መድረኽ ትርከብ ኣላ። ኢሳያስ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ከም ሕሱም ዘድመየ፡ ንመንእሰያትና ባዕሉ ኣብ ዝጻሕተሮ ኵናት ዝጠበሰ፡ ናብ ሳሃራን መዓምቝ ባሕርን ዘጥሓለ፡ ንዓበይቲ ዓዲ ዝመቝሐ፡ ንኤርትራውያን ኣዴታት ዝዘለፈ ገበነኛ መራሒ ስለምንታይ ከምኡ ክገብር ክኢሉ ዝብል ሕቶ ክነልዕል ግድነት’ዩ። ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 16 Comments

ቃልሲ ድሕሪ መስመር

Leeds_youth24

ኣምላኽ ድኣ ባዕሉ ኢዱ የምብረሉ እምበር፡ ዓርከይ ሰመረ ከምዚ ሕጂ ከይሃጠመ እንከሎ ነዛ ዘይትተርፍ ናይ ቀውጢ ግዜ ክጓንያ ክብል „“ኣንታ’ዞም ቆልዑ ነገር ከምጽኡልና ኢዮም“ ብማለት ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት መንእሰያት ስኽፍታኡ ደረት ኣይነበሮን። ካልእ ኣይኮነን፡ ናይ ፖለቲካ ባዶነት ከይፍጠር ብማለት ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ብኽፍኣት ዝተበገሰ እዃ ኣይኹን እምበር ንሕና ከኣ“ ባዶነት … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 14 Comments

ኣሻቓሊ ተርእዮ ምንቁልቋል ክብሪ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ

Amanuel_Mahdere

ብቑዕን ተወዳዳሪን ኣገልግሎት ትምህርቲ ብምቕራብ ፍልጠት ዝደለቡን ብትምህርቲ ዝበሰሉን ዜጋታት ብምፍራይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ቁኑዕ ጎደና ምዕባለን ልምዓትን ንክትምርሽ ካብ ዝሕግዝዎ ወሰንቲ ረቋሒታት ሓደ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ዝኾነ ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ዜጋታት እዩ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ተላቒቑ ምስ ዘመናዊት ዓለም ብማዕረ ክስጉምን ስልጥንቲ ዓለም ኣብ ምፍጣር ግዲኡ ከበርክትን ዝኽእል፡፡ ሕረተሰብ … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 21 Comments

ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ

Enough2011_new
Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 31 Comments

ባይቶ ኣዋሳ ናበይ…..ገጹ…….???

Godbles

ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጲያ ዝተመስረተ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክንዛረብ ኣይደለናን፡፡ሕማቕ ናትካስ ኦሆይ ይብለካ ስለ ዝኾነ ሕመቕና ተሰኪምና ክንጓዓዝ ሰለይ ክንብል ኣብ መስርሕ ጌጋታቱ እናኣለየ ክኸይድ መሪጽናን ሓሲብናን፡፡ እንተኾነ ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ከም ዝበሃል፡ዝሓባእናዮ ቁሰሊ ገና ካብ መፈለምትኡ ሓሳኹ ገይሩ ክምሽምሽ ምጅማሩ ኣስተባሂልናሉ ኢና፡፡ነገራት … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 20 Comments

ዝሓሸ መጻኢ ከይሓልም ዝተኾነነ ትውልዲ

Eri_refugees-tree

ሓውሲ ደሴት ሲናይ እንክልዓል ኣብ ኣእምሮኻ ቅጅል ካብ ዝብሉኻ ነገራት ሓደ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝትረኽ ዛንታ ስደት ሙሴ ኣብ በረኻታት ሲናይ እዩ፡፡ ሙሴ ሕነ ናይቲ ብጎይትኡ ተቐጥቂጡ ተወላዲ ሂብሩ ዝኾነ ጊላ ፈድዩ፡ ካብ ምድረ ግብጺ ናብ በራኻ ሲናይ ከምዘተሰደ ዛንታ ስደቱ ይገልጽ፡፡ ብዝኾነ ዕላማን መበገስን ናይዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሙሴን … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | Leave a comment

ትንታነታት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሓመድ ኣዳም ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉን መልስታቱን

HRC_L

ሬሳ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ሓመድ ኤርትራ ንከይለብስ ምኽልካል ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ወሪሑ። ርእሰ ኣጋንንቲ ኢሳያስ መልሲ ካብ ምሃብ ትም ዝመረጸሉ ምኽንያት ስዒቡ ዝመጾ ሕቶ ዝኸፍእ ምዃኑ ፈሊጡ ካልእ ነዚ ዘረስዕ ሓድሽ ኣርእስቲ ኣብ ምህንዳስ ይርከብ። ልዕሊ ዝኾነ ወገን እዚ ጉዳይ ንደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ ዓቕሎም ኣጽቢብሎም። ምኽንያቱ እቲ ከም ጣኦት ዘምልኹዎ … more

Posted in Eritrea, ትግርኛ, ኣተኵሮ | 5 Comments