Category Archives: እዋናዊ ዜና

ርሑስ ብዓል ፋሲካ – ኣሰና !

ንኹሉኹም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ-ሉጓም ፈትሓልኩም እናበልና፡ ርሑስ ብዓል ፋሲካ ንምነየልኩም። ኣሰና !

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , | Leave a comment

ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድን ለንደን ዓዲ እንግሊዝን ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ጸብጻብ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ካብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , | Leave a comment

ናይ ሰዓት መደብ ፈነወ ሓጺር ማዕበል ራድዮ ድምጺ ኣሰና ናብ ኤርትራ ሎሚ ሰኑይ 21 መጋቢት ፈሊሙ።

እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ኣብ ነርወይ ዝርከቡ ግዱሳት ደቂ ሃገር ድምጺ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ሲቪላዊ ህልቂት ንምውጋድ ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካልአይ ስሩዕ አኬባ ጀሚሩ

ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ15 መጋቢት 2011 ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱን ዕማማቱ ጀሚሩን።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , | Leave a comment

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ብምስጢር ናብ ቀጠር ከምዝገሸ ተፈሊጡ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ብምስጢር ናብ ቀጠር ከምዝገሸ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , , , , | Leave a comment

ሪፖርታዥ፡ ካልኣይ መዓልቲ – 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

እቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , | Leave a comment

ሪፖርታዥ፡ ቀዳማይ መዓልቲ – 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

ሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ  ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።

Posted in እዋናዊ ዜና | Tagged , , , , , , , , | Leave a comment