Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Fessahaye Mebrahtu   ወይለኹም ድኣምበር ንማዕዳ ትጸሙ ኪወግሕዩ ኪበርህ ከም ቀደሙ ኪግንጸልዩ መዝገብኩም ብቝሙ ኪዝርዘር’ዩ ተግባርኩም ብስሙ ወይለኹም ግን ተንኮል እትኣልሙ ሰላም ኢልኩም ንጥፍኣት ተዚሙ።   “ኣመልኩም ዘይትሓድጉ ደቂ ድሙ” ሃጠው ቀጠው ሓሶት እትለቕሙ ሓቂ ንምኽዋል ኃውኩም እትዓሙ ኃው ክተጥፍኡ ሓዊ ‘ትኸዝኑ ፈርሱ ትንጸፉ ትርኣስ ኣስካሬኑ የእዊሎ ይጠርዓልኩም ደሙ ባዕሉ ኪረትዓኩም ዘይተቐብረ በድኑ “ሓቂ ኣይስበርን ዓቢሩ ቀጢኑ።”   ስቓይ ሓላፊ’ዩ ኣእኪሉ እዋኑ ፍትሒ ኪጥጥዕዩ

READ MORE

ውረድ ንዕዳጋ        እዝኒ እንተ ጸመመ ልቢዩ ሰማዒ      ካብ ዓይኒ እንተገለለ መንፈስ ዩ ዝርኢ      ንምንታይ ግን ትሕሱ ተጣቅዕ እንድዒ            ልምዓት እንዳ በለ ሃገር ኮይና ዑና           ዩንቨርስቲ ዓጽዩ ኣብዚሑ ዱጓና            ጻማ

READ MORE

ይሕመኒሎ ይልሎ ኣብ መቁሎ በቶም እሱራት፡ ዝነብሩ ዘለው ኣብ መንቀራቅሮ ብርሃን ዝተሓረሙ ጸጋታት ተፈጥሮ ብመግረፍቲ ህግደፍ ዝደንቆሩ፡ ለባማት ሰብ ኣእምሮ።   ይሕመና’ሎ ስቃይ ናይቶም ውጹዓት ደጋጊሙ ይደግሰና ኣብ ምድረ በዳ ዝተረፉ ኣውያቶም ድቃስ ከሊኡና በቶም ርሒቆም ዝተሰዱ ዝተዋህቡ ጸማም እዝኒ በቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ዘይረኸቡ መቅበሪ እምኒ።   ይሕመና’ሎ ድቃስ ለይቲ ይኸልኣና እንክንሓስቦ ንድሕሪት ተመሊሱ እናሻዕ

READ MORE

ጥቅምቲ 07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ጽላል ህዝቢ ኤርትራ ሃገርና ብዘይካኺ ዳስ የብልናን ንሕና ብጥራዩ’ይኮናን ኣምጺእናኪ ኣብ ቅድሜና የለን ዝሸጠኪ     ይፍትን ይኸውን ዛር ዘለዎ     ጭራ ናይ ኣብኡ መሲሉዎ     ሕሱር ፍጥረት ክብረቱ ዘርክስ     ንእዲ ሂቡ ኣብ መደብ ዝድቅስ ኣውሊዕ ምልክታ ዶ ትጥለም ዑፍ ዝመረጸቶ ቆጽሊ ቀደም ናይ ሰላም ብስራት ባንዴራኺ ምስክር ስምምዕ ናይ ደቅኺ     ኣብ ዘይ

READ MORE

“Who does not remember yesterday will not Know about tomorrow even though he/she thinks today a hero” ባርነት ዘይጸግብ ህዝቢ ዝነገሰ ንጉስና - ዝበረቐ ፀሓይና ካብ ኮነ እምነት - መብዛሕቲኡ ህዝብና ማዕርነት ፍትሒ - ተደቑሱ ኣብ ዓድና ምጽቃጥ ካብ መረጽና - ብዘይ ሕጊ ተገዚእና ስውኣት ሰማእታት - ተረሶዖም ስንኩላትና ዓገብ ዝብል ተሳኢኑ

READ MORE

ምጭውቲ ኤርትራ ክምለስ 'ቲ ሕብራ ክሕደስ 'ቲ ክብራ ህዝባ ከስተማቕር፥ እቲ ንቡር ናብራ ስዓቱ ኣኺሉ፥ ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ። እቲ ጸልማት ለይቲ፥ 'ቲ ዘበን መከራ እቲ ዘበን ማእሰርቲ፥እቲ ከርፋሕ ናብራ እቲ ዘበን ስደት፥ እቲ ዘበን ከርተት እቲ ዘበን ስእነት፥ እቲ ዘበን ጥሜት ነበረ ክኸውን ከም ታሪኽ ክንገር ምስቲ መምጽኢኡ ጠቕሊሉ ክዕዘር ስዓቱ ኣኺሉ፥ ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ። ሃገር ብሃገራ ጅሆ ዝሓዘላ ጀጋኑ

READ MORE

በሪኽ ተሰቒለ ኣብ እምባ ሃገር እንተተራእየትኒ ብዙርያ ብኽባ እንተረኽብኩዎ ብርሃነ መን ደኣ `ሞ ይደለዮ ዘይንስኺ ኣነ፡   ድሃይ ኪዳኑ `ኳ ዘየልቦ መፍትሕ ቤቱ ትርከቦ ኣበይ ክኣቱ `ዩ `ቲ ወዶም ጸሓይ ምስ ዓረቦ?   በዚሑና `ኮ `ቲ ጋዶ ምቑሕ ሰንሰለት ብጽምዶ ሰብኣይን ሰበይትን በብግደ ሸላ ኮይኑ ሓዳሮም ብሓደ፡   ኣብርሀ ወሲኹሉ ንስሙ እኹል ክንሱ ብርሃኑ ከመይ `ሉ ይጠፍእ ብእዋኑ ኣብ ጸልማት ዝርአ እማኑ ሓቂ ዝዛረብ

READ MORE

ሓደ   ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003   ናይ ሎሚኳ ጠፊኡና ንግሩ ዘበን ግርምቢጥ ጊዜ ተቐይሩ እጃም ብዙሕ ሓደ ይሃጥረሉ ንሪም ኣኅዋት ሓደ ይኾርዓሉ ጓይላ ሓደ ደሚቝ ሂር ኢሉ ‘ቶም ብዙሓት ይነብዑ የስቈርቍሩ ሕዝቢ ይደንን ንሱ ኣንቃዕሪሩ::   ኵልኹም ተዓዘብቲኸ ምንታይ ትብሉ? ርኢናኩም ገጽኩም ክትክውሉ ኣቱም ርኣይቲ ምንታይ ትብሉ? ሰሚዕናበር ኣይረኣናን ትብሉ ኣቱም ሰማዕቲ ምንታይ ትብሉ? ርኢና’በር ኣይሰማዕናን ትብሉ ኣቱም ጸሓፍቲ ምንታይ ትብሉ? ኣይረኣና

READ MORE

ንዑ’ባ! ክንደይ ትጭክኑ መስከረም 11/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ህግደፋውያን ክንደይ ትጭክኑ ቤተ-ሰብኩም ማሲኑ ማህሚኑ ኣደን ኣቦን የብልክምን ዲኹም እቶም ወሊዶም ደቀይ ዝበሉኹም     ረሲዕኩማ ኣዴኹም ሰግለለት     ኣባዲትኩም እሩሩ ዝበለት     ወላዲኹም ባዕሉ ’ፈልጥ ኢልኩም     ተቐጥቂጡ ቅጫ ዘምጽኣልኩም ክንደይ ትጭክኑ’ታ! እዛ ኤርትራ ብዙሕ’ያ ኸፊላ እምበርዶ ’ስኻትኩም ኔርኩሙላ እዚ ኹሉ ክድፈን ብሓመድ ኣይነበረኩምን ’ድዩ ሓደ ዘመድ     ታሪኽ የብልኩምን ናይ ሰውራና    

READ MORE

ሓድ ሓደ ዝኽርታት፡ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) መእተዊ የማነ (ነብሱ ይምሓር) ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝድነቑን፡ ዝፍተዉን፡ ሙዚቀኛታትን፡ ኣርቲስትን እዩ ኔሩ። ስለዚ ሽሕኳ ካብ ዝዓርፍ ዕስራ ዓመታት፡ እንተሓለፈ፡ ከም ድሙቑን፡ ተፈታውን ከኾብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ፡ እዋናት፡ ብብዙሓት ኮኑ፡ ውሑዳት ሰባት፡ ክለዓልን ክዝከርን ንቡርን፡ ግቡእን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡

READ MORE

ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 1961 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ኤርትራ ሃገረይ ደንደስ ባሕሪ ንጸላእቲ ጠሓሒራ ነብሪ ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ ትወልድዮም ጀጋኑ ስብ ስረ ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ ካበይ ድኣ ምጹ ብዓል ማእረ   ገለ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት በድሑር ዝምባሌ ወገንነት ወግሐ ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ ጸረ ሰላም ሓሶት ዝርብርቡ   ሓንሳእ የውርዱኺ ንዕዳጋ ሕሱር ክሸጡኺ ብዘይ ዋጋ ሃህ ምስ በለ ናይ

READ MORE

ጌም ኦቨር ወድ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 30 ሓምሌ 2018   ሓደ ኢድ ኲና ንህግደፍ ንበሎ ጌም ኦቨር ጌም ኦቨር ንበሎ ዶባትና ክኽበር ጌም ኦቨር ንበሎ ቅዋምና ክትግበር ጌም ኦቨር ንበሎ ነዚ በዓል ኣበር ********** ምሕንጻጽ ዶብ ክብል ልብና ዘሕበጠ ንብዙሕ ዓመታት ህዝቢ ዘዕለበጠ ኣፍ እንዳ ዓበሰ ብማሕዩርን ብጥይትን እንዳ ዘበጠ እንቋዕ ተቃልዐ ኣርቲፊሻል ቆርበቱ ተቀንጠጠ ********** ሃየ ንበራበር

READ MORE

ምድማር = መደመር                   ፍሥሓየ መብራህቱ ላዕላይ ቀመርዶ ታሕታይ ቀመር? መኖም’ይ ዚተርፍ መኖምከ ኪቕመር? ምንታይ’ዩ ዚጐድል ኣይናይከ ኪድመር? ኅብረት ተሰቢኹ ኣሽሓት ንምቕባር “ኣንድነት” ተኣዊጁ ፖሊቲካዊ ምጭብርባር ስምብራት ኣይሓወየን ናይ መግፋዕቲ ኣቝሳል። ምድማር ምጕዳሉ ዘይኵሉ ሕሳብ ምርባሑ ምምቃሉ ዘይኵሉ ሕሳብ ሕሳብ እንታይ ውጽኢቱ ብዘይ ጸብጻብ? ምትሕስሳብ እምበር ሕሳብዶ ጠፊኡና ምፍዃስን ምቅላልን’ውን ቍጽሪ’ዩ ትብሉና ምልቃሕን ምጥፋእን ‘ምበር’ዩ ስኽፍታ ፍርህና። ምድማርን ምጕዳልን

READ MORE

ሊሎየ ሊሎ ፡ ድምጺ ኣሎና ይስማዕ’ሎ ብዋዛ እተሰቅለ ገበል ኣብ ዘንቀና ውሕጅ ደም ይትምነ ንጥፍኣት ኩልና ፍጡር ኣባሪሩ ገዛ ባዶ ኮይኑ ንግሆ ዝንቑ ደርሆ ተሳኢኑ ሽላን ኣሞራን ሸይሙ መዃንንቲ መግቦም ካብ ገበላ ኮይነን ጨቕውቲ ጸሊም ተከዲኑ ኣብ’ቲ ዝባን ናሕሲ ኣብ ጉንባሕ ኮይኑ ሙሉእ  ኣባት ነብሲ ተሓብኤ ከይተርፍ ገለ ተቀመጠ መንደላይ ተሓርዩ ጸጥታ ውሻጠ ጸዋር ሕማቅ ወረ

READ MORE

ጓል ሃገረይ                      ጓል ሃገረይ ኣንቲ ጓል ሕዮባ፣                 ጓል ሃገረይ ኣንቲ ጓል ሕዮባ፣                 ዘይድፈር ዘይጽዓድ ኮኾባ፣                 ቅናት ሰማይ ዝመስል ሕዛባ፣                 ስሩዕ ዝመኣዳ ሰማያዊ መሶባ፣                 ኣምላኽ ሰማይ ባዕሉ ዘወቀባ፣                 እኖታትኪ ሰብ መስተር ወለባ፣                 ዘይጽግመን በፍራስ ክጋልባ፣                 ብዘይ ዓወት ጸሓይ ዘየዕርባ፣                  ታሪኽ ዝሰነዳ ዘመዝገባ፣                 ሃገርኪ´ንደሞ

READ MORE

ጀኔቫ ተላዓሉ ኣባጽሕ ዓድና ተላዓላ ጎራዙት ዓድና ተላዓላሉ ኣቦታት ዓድና ተላዓላ ኣዴታት ዓድና ሃየ ንዑናይ ናብ ጀኔቫ ደጋፍን ተቓዋምን ዘይብላ ኩሉና ብሓበራ ደቂ'ታ ውጽዕቲ ኤርትራ ንዓለም ክነግራ እቲ ድርብ ወጽዓና ብውሽጥን ብደገን ካብ ተዛረረዩልና ሕጂ ውን ከም ቀደምና ንጠመር ድኣ ከም ምኣዶ ድምጺ ውጽዓት ከነጎድጉዶ ባይቶና ካብ ፈረሰ ወጽዓና ካብ ብኣሰ ህዝብና ካብ ፈለሰ ስኣን መጓሰ ሕልሚ ቀደሞም ካብ ደገሰ ፍርዲ ዓለም ካብ ሓንከሰ ዶብካ ተወሪሩ

READ MORE

ፍሥሐየ መብራህቱ (2002)   ምውጋሕስ ወጊሑ ፀሓይውን በሪቓ ገና ቲስማይና ወሪስዎ ጣቓ፡   ምውጋሕስ ወጊሑ ወቕቱ ተኸቲሉ ጌና ኣይተሰምዐን ዜማ ናይ ጨራሩ፡   ምውጋIስ ወጊሑ ከምዘይወግሕ የለን ንምንታይ ‘ተንከብቲ ገና ተሓጺረን?   ምውጋሕስ ወጊሑ ሰማይና በሪሁ ኣብታይ ካብ መትከሎም ከመይ ዘይተፈትሑ?   ምውጋሕስ ወጊሑ ኣብ ኣጋ ዘራእቲ ጎበዝ ተሳኢኑ ዝጸምድ ናውቲ፡   ምውጋሕስ ወጊሑ ድሕሪ ዘራጊቶ ኣብ ዝዓኖ ገዛ ከመይኢልካ ይእቶ?   ምውጋሕስ ወጊሑ መሲሉኩም

READ MORE

ተመለሱ ተመለሳ ንመለስ 6 ሰነ 1918 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ምሁራት ኤርትራ ተመለሱ ታሪኽ ጅግና ህዝቢ ተረሚሱ ካብ ክሳራ ስብከት ተጠዓሱ ነቶም ጀርመናውያን ምሂርኪሞም ንኣመሪካውያን’ውን ምሂርኩሞም ንኤርትራውያን ግን ረሲዕኩሞም ተመለሱ ዕንቅፋት ልማዱ እግሪ ዓሻ እንታይ ’ልኩሞ ዘይረብሕ መገሻ እዚ ኹሉ ፍልጠትሲ ኣልቦ ውርሻ ብረትና ደፊእኩም ጀሚርኩሞ ኣንቃዕሪሩ ኽኣ ርኢኹሞ ንኸንቱ ትደኽሙ ’ታይ ’ልኩሞ ኣይፋልኩምን ተመለሱ ድኣ እዚ ኹሉ መጽሓፍ ተነቢቡ ኲምራ ፍልጠት ክኣ ተደሊቡ ልሙጽ

READ MORE

መዓልቲ ናጽነት ዘኪረያ ገለን ክዘላ ገለን ክበኽያ ገለን ክፍሰሃ ገለን ክጉህያ ሰብ ዘመን ክፍንጨሓ ሰብ ኣያ ኣዴታት ስውኣት ከእውያ የዒንትና  ክንደይ ዘይረኣያ -------------------------------------------- እንቋዕ ስውኣት ኣይረኣኹም ‘ቶም ናጽነት ዘምጻኹም ንብዓት ኣዴታትኩም ዝደበስኩም ንመግዛእቲ ዝሰበርኩም ዘይ ኢድኩም -------------------------------------------- ተጠሊምኩም ተጠሊምኩም ብህግደፍ ዝብልዎም ርህራሀ ዘይብሎም ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሎም ኤርትራውነት ዘይብሎም ከመይ፥ ከመይ ገሃነም ትቀበሎም ------------------------------------------- እወ ይርደኣኒ ‘ዩ: ይርደኣኒ ብመን ከምትሓስቡ ስንኩል ኤርትራዊ ከይረኸበ ዓስቡ ብጥሜት ከብዱ ተላጊቡ ዝኣረገ ክዳውንቲ:  ለጋጊቡ ናጽነት ከብዕል ተቐሲቡ ዕረ ‘ንዳጣዓሞ: ዕረ ‘ንዳጣዓሞ ‘ወታ ከም ሰቡ ---------------------------------------------- ምድሪ ሃገረ ኤርትራ ጠላማት ጀነራላት ክዕንድርሉ ንብረት ሃገር ክዘምቱ ዘይጸዓርሉ ስንኩል:  ከይረሃዎ: ከይበለዐ: ከይሰተ ዮሃና በል ተባሂሉ ናጽነት ኢሳይስ: በል ተባሂሉ ተምቤን: ሓዳስ ጸሎት ኮይና ‘ያ ዝብሉ ምስተቐልቀሉ ኣብኣ ይረኽባ ተዘይሉ ‘ተዘይ ኮይኑ ደቁውን ይስንክሉ ------------------------------------- ‘ታይ ደኣ ክገብር በለ ድማ ከምስል ሰጊኡ ተዘይበለ ከይቆስል ወይ ድማ ደቁ ከዕንግል ወይ መስገደል ኣብ ርእሲ ናጽነት: ተኾይጡ ገበል እዋይ ናጽነት ትረኽብዮ ትርጉምኪ ጠፊኡ ብኻልእ ተተኪኡ ጌሮምኺ ናይ ሳይበርያ ቀዝሒ 27 ዓመታት ራሃዋ ጽጋብ ፍትሒ ኢሎሙና እዋይ ሽርሒ ሰብ ተሾቕሪሩ ብፍርሒ ናጽነት ተሰሪቓ ብዘይ ዲግሪ ተመሪቓ ብዘይ ሓርነት ዓሪቓ በዞም እከይ ግብሪ ዘይናታ ቆርበት ምስ ለበሰት ዘይምሱል መሰለት ለመሰት: ሰንከለት: ተንከላበተት ስኢና ሓርነት --------------------------------------- ክቕየርዩ: ኣጆኹም ክቕየርዩ ትርጉም ናይ ናጽነት ድሕሪ ህግደፍ:  ክትለብስ ‘ያ ለማጽ ቆርበት ናጽነት ቅኑዕ ትርጉማ ክትሽከም ረዚን: ሓቀኛ: ትርጉም ቀደም ‘ቲ  ወርቃዊ ቀለም ንዘልኣለም! Simon G

READ MORE

ጒንበት 30/2018 ብረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ህግደፍ መደረኻ ሰሚዕናዮ ናይ ለብዘበን ኣሕጽር አቢልካዮ ወያነ-ወያነ ገዲፍካዮ ጀማሚርካ ዲኻ ባይታ-ባይታ ዝተሓብአት እምኒ ከም ብርኲታ ከም ኣመልካ ክትጻወት ካርታ እንታይ ተርኽበ? ‘ተደለኻ ዓሻ ትጠባብር ‘ተደለኻ ኣንጊህካ ተዕገርግር እንታይ’ሞ ’ስኻ ዘይትገብር ‘ተደለኻ ነብስኻ ትጸርፍ ‘ተደለኻ ሃንደበት ተዕርፍ ናብ ቃሕ ዝበለካ ሕልፍ-ሕልፍ እንታይ ተርኽበ? መልሓስካ ረቒቑ ብወያነ እንታይ ድኣ ረኸብካ ለንቅነ ሕሹዂ ናይ ውሻጠ ናይ ክሽነ ተቐቢልካ ዲኻ ጋሻ ጸላም ህግደፋዊት

READ MORE

ግንቦት 24/2018 ብ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣይናትካን’ያ ህግደፍ ጒንበት መን ሂቡካ? ንብረት ናይ ህዝቢ’ያ ኣጥብዩ  ዘዕበየካ። ጠላማት ሓቝፍካ ጀጋኑ ትዂንን ከመይ ጌራ ጒንበት ንዓኻ ትኸውን? ኣሉ ዝኣመሉ እስከ ንገረና ከተምስል መታን ተብዕላ ምሳና ቀይሕ ደም ከፊልና ዘውጻእናያ ሓራ ብሰንኪ ጥልመትካ ጒንበት ተደፊራ ሃመማ ሻዲኑ ንህቢ ተበቲኑ ወኻርያ ነጊሳ ኣምበሳ ደኒኑ ዓለም ዘመስከሩ ጀጋኑ የሕዋትና ጒንበት’ሞ ዝያዳ ክንዝክሮም ኢና ጽግዕ-ጽግዕ

READ MORE

ኣንታ ተባዕ ህዝቢ፡ ንስኻዶ ክልተ ግዜ ምተጸዋዕካ ጅግና ኔርካ ፈራሕ ምተብሃልካ ስድራ ኔርካ ከብድን ሕቆን ምኾንካ ሓድነትካ ላሕሊሑ ቤትካ መድፈርካ። ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ ንስኻዶ ምተሰደድካ ባሕሪ ምሰገርካ ልዕሊ ሰብካ መስዋእቲ ከፊልካ ክብሪ ምስኣንካ ምንባር ስኢንካ ሃገር ኣልቦ ምኾንካ መኣዝንካ ስሒትካ ከምደቂ ዛግራ ምተበታተንካ። ኣንታ ለዋህ ህዝቢ፡ ንስኻዶ ምዓረቅካ ምጠመኻ ዋለኻ እንከለካ ገረውረው ምበለ ቆፎኻ ዓሳ

READ MORE

ካብ ምጉሓቱ ብዓል መትከል ናይ ህዝብኻ ሓበን ናይ ብጾካ ዓንዲ ማእከል ታሪካ ስለ ዝጸሓፍካ ብደምካ ኣብ ልብና ይጥጥዕ ኣሎ ታሪካ ኣንታ ሃይለ ድሩዕ! ኣቦ ቃልሲ ዘይውዳእ ስንቂ’ዩ ታሪካ ንስጋ ንነብሲ ኣርኪብካዮም ዶ! ነቶም ብደሞም ታሪኾን ዝጸሓፉ ከማኻ ንበዓል ዑቕበ፡ ሸሪፎ፡ በራኺ፡ ጀርማኖ ናቲ … ንብዓል ጆስዋ፡ ስዩም ጽሓየ … ንሓቂ ተማጎቲ ሓቂ ክነግሩ ዝተጨውዩ

READ MORE

ብኸዩ ህዝብታት፣ ንብዓታት ጨርሑ ቖዝሙ ሰብ ሓደራ፣ ኣውያት ደርጉሑ ተሰለፉ ቀባሮ፣ ንቐብሪ ኣምርሑ ጽን በሉ ሰብ ማዕዶ፣ ኣእዛንኩም ኣስብሑ ኡኡኡኡኡኡይይይይ ይባሃል ኣሎ፣ ኣውያት ሰምዑ መርድእ መርድእ ይብል ኣሎ፣ ኣብ ዘለክሞ ጽንዑ [gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2018/02/ሃይለ.pdf"]

READ MORE

ዕረፍቲ ተቓላሲት - ኣራራት ኢዮብ                          ፍሥሓየ መብራህቱ ኣራራት ኢኺ ያታዊት እምባ ኣውሊዕ ዘጠጥዐት ዘብቆለት ዕማባባ ቅናት ኣደይ ማርያም ሕብሪ ዝዓጀባ ፈጣሪ  መሓለ ኣይሂ ከይድብባ ምድርና ክትሕደስ ወቕትታታ ሂባ። ዝጨቀየት መሬት ደም ተጀሊጣ ማይ ጓቝመን ክትሕጸብ ሕማማ ፈሊጣ ሓደ ኢላ ክትጅምር ዳግም ተወሊዳ ቀይሕ ገበል መጸ ዘሊሉ ኪጎብጣ ንዕሸል ሓርነት ክጥህራ ክውሕጣ። ኣራራት ጓል ያቱ -

READ MORE

ኣንታ ጅግና ቢተወደድ ኣቦ ዶ ተሳኢኑ ዘርእኻ ዘዋድድ ኣደ ዶ ተሳኢና ተምሳልካ ትወልድ ምቑሕካ ፈቲሑ ብሕጊ ዝፈርድ ኣምሳያኻ መላኺ ዝቕፍድ፡ ሳይንስ ከ `ታይ ኮይኑ ከም ማህጸን ዝሕንግድ ኣይተወርየሉን ዶ ደቂ 60 ከእንግድ፡   ዓባጢትካ ናይ ጋኔናት ጉድጓድ ሰልሚ ኮይና ምስ ኣበየት ምስዳድ ብልሓት ተሳኢኑ ታኼላ ዝስግድ ተኻሊ መሳልል ሓርቢቱዋ ውላድ እንሆ`ዛ ሃገር ከም ሕሱም ትዓብድ፡   ማይ እናሃረማ እኽሊ

READ MORE

ሓንጎልና በሪሑ መኣዝኑ ስሒቱ መልሓስና በሊሑ ነገር ኣብ ርእሲ ነገር ጥሒሱ ደረቱ ኩሉ ፈላጥ ኮይኑ ዝዛረብ እምበር ዝሰምዕ ተሳኢኑ   ዋእ! ሰብ ‘ዶ ሓንጎሉ ይበርሕ ‘ዩ? እወ ይበርሕ: ከመይ ዘይበርሕ   ጨጉሪ ርእሲ ግዳ ዝንቡር ኣብ ድያስፖራ: ምስተሳእነ ዝመክር ካብ ርእሲ ሓሊፉ ናብ ሓንጎል ይሰግር እዚ ግን ልሙድ ከይመስሎኩም ኣይተራእየን ኣብ ካልእ ሃገር ንበይኑ ‘ዩ ናትና ነገር ኩሉ ፈላጥ: ኩሉ ሃብታም: ኩሉ ምሁር ናይ ዓለምና መስተንክር!   ዋእ! ኣንታ ‘ታይ ትብል? ከምዛ ዝብለኩም!   ኣይወሰኽኩ: ኣይጉደልኩ ንዓይኒ ከይኮነና ከይኮነኩም ናይ ሎሚ ኤረትሪያ: ፕሪሞ ናይ ዓለም!  ንብለኩም   ዋእ! ካበይ ዝመጸ ባህሊ ‘ዩ ‘ዚ? ከምዝመስለኒ: ከምዝመስለኒ ‘የ ደልኩ   ኣብ ግዜ ህግደፍ: ኩሉ ብግምጥሊሽ ዝጠመየ ጽጉብ: ጉዕ በርበረ ኮይኑ ድንሽ ፍሩታታት ኣጥፊእካ: ናይ ምራራ ሓሺሽ ኣየ ብላሽ!   ግዝኣተ ህግደፍ ንበትክታት: ኣሰዊዱ ንፈላጣት: ሓሪዱ ንሃብታማት: መንጢሉ ንድኹማት ሕልና: ኣገቢሉ ንሕጊ ረጊጹ ሃገር ብሃገራ ጅሆ ሒዙ   ሕረድ! እሰር! መንዝዕ! ሃግር! ነዞም ፈግራግር ናይ ህግደፍ መምርሒ ሰብ ውሒጦሞ ብፍርሒ   ስለዚ ‘ዩ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ   ሰብ ርእሱ ዘይኮነ ሓንጎሉ በሪሑ መን ብራሕ ኢሉካ ከይበሃል ፈሪሑ ብውሽጡ ጌርዋ ቁርጥም ኣቢልዋ ናይ ውሽጣዊ ብርሒ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ጥራይ ኢኹም ትሪኡዋ! Simon G.

READ MORE

ካብ ሶዶም ንጎሞራ ካብ ሶዶም ንጎሞራ፡ ክንደይ’ዩ ርሕቀትኪ ኤርትራ ኣበይ‘ዩ ሸላኺ ኣብቲ ናይ ግሃነም ስፍራ ዓሻክርኪ ወርወርቲ ጭማራ ተሓንገጥቲ ሴፍ፡ ተዀልኰልቲ ኻራ ትማሊ’ዶ ኣይነበሩን እቶም ጨቆንቲ „ኣምሓራ“ ካሮኦም ዝጎደመት ክሳድኪ ሓርሒራ በየን‘ድኣ ኣተዉ ሕጂ‘ኸ እዞም ህንጡያት ጭፍራ ካብ ውሻጠኺ ፈልኽ ኢሎም እንቋቝሖ ኮብራ ኣትማን ዝናኸሱ፡ እንዳፈለዩ ኣንቆራ መርዞም ከም ቻርኖቢል ትለክፍ ኣሕቢራ ክንደይ ህያው ይሔው ዘይበለት

READ MORE

ግደፋ እዛ ዓዲ ረስዓያ ካብ ልብኻ ምሒቕካ ኣውጻኣያ ስጐጓ፡ ኔው በላ፡ በላ ብያ ብምንታይ ኢያ‘ሞ ሰሪሓ ክትብሃል ዓያ ሃሊኻ፡ ደይባ፡ ጐያ ሓሪሻ፡ ጐልጕላ፡ ጸጊኣ፡ ጻህዪያ ቀውዓ ኣቖንጺባ ዓውዳ ኣጨቅያ ደቃ በእላፋት ኣጥምያ እንሃ ከም ገልዒ ትጕሓፍ ተደርብያ   ኣብ መዓሙቕ ልበይ ተሰዅዓ ከም ብሮት ትነብር ምስ ስጋይ ጠቢቓ ሕቖይ እንተሃብክዋ ትጥወ ብፊተይ መጺኣ ጽላሎታ ትኸይድ ምሳይ ተጸጊዓ ትምኒተይሲ ነይሩ

READ MORE

ወረደ ኡኡኡኡይ ዶ ክብል ኣታ ወረደ ሓወይ ኣታ ወረደ ሓወይ ወረደ ሓውኻ በሊዩ ኣብ ማእሰርቲ ከይተፈርደ ደሃዩ እኳ ኣይነበረን ሽዑ ምስተወስደ ሕጂ እንደሞ ወሪዱና ካብኡ ዝገደደ ኣብኡ ተኻሪጁ ኢሎሞ ንፋስ ከይ ወሰደ ትሰምዓኒ ዶ ትህሉ ወረደ ሃብቶም በዓል ፋረ በዓል ታንኪ ዝነበርካ ናቶም ሓውኻስ ከይዱ እዩ ሎሚ ካብኣቶም ኣዴኻስ ኬይዳ ኢያ ትማሊ ካብኣቶም መጼሙኻ ዶ

READ MORE

እምነ፡ ጸጽብቁ እምነ ሰላም ክረከብ ብፍትሒ ክዳነ ብምሽቁራር ከይስጉም ደኒነ ኣብ ገዛእ መሬተይ ክድቅስ ቀሲነ። ብልቢ እምነ፡ ኣብ መሬተይ ብኽብረት ክነብር ክወልድ ክዝምድ ከምቲ ንቡር ምስ ሞዛኖይ ብንእስነተይ ክዕንድር ንሰላም ክዝምር ወግዒ ሃገረይ ከስተማቅር።   እምነ፡ ዓዲ ዝወዓሉ ወለደይ ክጥውሮም ዓስቦም ክኸፍሎም ፍረ ጻዕሮም ኣለኹልኩም ክብሎም ኣብ ሕማም እርጋኖም ብንጥፈት ክዋሳእ ኣብ ሓዘን ሓጎሶም። እምነ፡ ብዙሕ’የ ዝምነ ግዱዕ ክሕግዝ

READ MORE

ጸሊም ግመ - ጸለግለግ ደበና መአስ ኮን ይኸውን - ዝግፈፍ ካብ ዓድና ዓንቃዕሪርና ክንርእዮ - ዓመታት ኣሕሊፍና ብውሽጢ ብደጌ - ኤርትራውያን ተሳቒና ክንዲ ጉሓፍን - ጉሓፋትን አሊና ብሓባር ተጠርኒፍና - ንገዛና ኣጽሪና ንሰላም ንፍቕሪ - ክንሰርሕ ንጥቕምና ንጸሊም ግመ - ፎእ ንበሎ ተኣኪብና ስቓይ መከራ ከብቅዕ - ፈቐዶ ተበቲና።   ምድረ በዳ ሰሃራ - በዚሒዎ

READ MORE

(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ)   ኤርትራ እኳ ጥንታዊትያ ብቐደማ መሬተ ነገስታት ፑንተ ነበረ ስማ ምድረ ባሕሪውን ተባሂላ ካብ ፈለማ ባሕረ ነጋሲ ትሸይም ከም ስማ ድባርዋ ነበረ መናገሻ ከተማ መግዝእቲ ቱርኪ ን300 ዓመታት ተጸሚማ ግብጺውን ን 17 ዓመታት ደገማ ከይዕረፈት ብዘይ ፈውሲ ንሕማማ ፋሺሽቲ ጥልያን መጸ ዝረግጽ ብጫማ።   2ይ ውግእ ዓለም ንጥልያን ኣባረረ መግዛእቲ ቀጸለ

READ MORE

ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ ንቁሩባት’ዶ ንህዝቢ መንቢዒ ንሰላም’ዶ ንጨካናይ ረጋጽ ፍትሒ ንዲሞክራሲ’ዶ ንሕጊ ኣልቦ መራሒ ብቐጻሊ ህዝቢ ዘጽንት ህድገፋዊ ነጻነት ንመን? ንህዝቢ’ዶ ንገፋዒ።   መንእሰይ ነፊጹ ካብ ዝፈትዋ ዓዱ ሽግር በዚሒዎም ከይፈተዉ ዝተገዱ ብኹሉ ማእዝናት ክወጽኡ ክስደዱ ነጻነት ኤርትራ ባርነት ወሊዱ ንእሽቶ ዓብዩ ብስቓይ ተቐርዲዱ ንሃገሩ ጠንጢኑ ንስደት’ዩ ከይዱ ካብ ስቓይ ሃዲሙ ኣብ ስቓይ ተኣጉዱ ነጻነት ምስ ተነፊገ ኣብ

READ MORE

ኣለኹ በል ኣብ ህጉም ዘለኻ ኣብ ምድረበዳ ኣጻምእ፡ በረኻ ጸጋም እንተበልካ ነቕጺ የማን እንተበልካ ነውጺ ጽሓይ ህሮርማ ነራእስ ፈላጺ ቍሪ ለይቲ ንጸጕሪ ዝላጺ ማሕቡስ ዒራዒሮ የብሉን መግለጺ ማእሰርቲ ናዅራ የብሉን መግለጺ ዓዲ ኣበይቶ’ኸ እንታይ’ኺ ትገልጺ፧ ዛንታኺ ንገሪ ብዙሕ ኣይትምጸጺ መንዩ ዓጽሚ ዝሰብር ዘሎ ኣእጋር ሰብ ዝቖጺ መንዩ ዝፈትሕ፡ መን’ዩኸ ንሞት ዝሓጺ ቂዕ በሊ፡ ኣተንብሂ፡ ሃቢ ድምጺ ሰራው እኳ

READ MORE

  Tesfamariam wel.15/04/2017 oslo Norway እልል በል ህዝበይ ህግደፍ ተሳዒራ ዝኣመንዋ ዕርዶም ትማል ተሰቢራ ተሓጎስ ደላይ ፍትሒ ጻማኻ ሲዒራ ወልፊ ጓይላ ዝነበራ ተሪፋ ኣንቃዕሪራ   ቅያ ተሰሪሑ ኣብ ሆላንድ ኤንድ ሄቨን ንህግደፍ ሓዘን ንደላይ ፍትሒ ሓበን ታኣምር ክንሪኢና ሓዲኡሎ ሎምዘበን ክንሪኢና ህግደፍ ክበላልዓ ሕድሕደን   ኤውሮ ክግሕጡ ከም ቀደም መሲሉዎም ተራኣኻስ ባዶ ተሰኪሞም ጽርግ ንዓዶም ህግደፍ ህግደፋውያን ተጋሊጹ ጉድኩም ፈኸራኹም ተሳዒሩ

READ MORE

ምሕረት ዝኣዘዝኪ ንብዙሓት ነዛ ግልኺ ዶ ተነፍገኪ ድሕነት ኣንቲ ክኣሊቱ መምህር ምስ ኣደነት፣ ‘ታይ ‘ሞ ፋይድኡ ‘ወየ’ ድሕሪ ‘ቲ ሞት ከለኺ በኺና ወዲእናዮ ንብዓት!   መለሳ ህላወ ካብ ወሳዲኺ ሞት ባዕልኺ ዘይገለጽክዮ ትርጉሙ ንህይወት እምበር ጽንጽንታ ዶ ጠፊኡና ናይዘን ተካል ዓመታት ካብ ንምዉታት ከምዝብከየልና ንህልዋት!   እንተ ሕማም ኣምላኽ ዘይውቀስ ኣንደበት ናብ ደበስ ዘስግር ተመኒኻ ገነት፣ እንተ ግፍዒ ሰይጣን

READ MORE

ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና! መልቀስ ድሓን ኩኒ ኣሞይ ለተንኪኤል ገብሪ ሂወት!!!! ወየ!! ኣነ!!ወየ!!!!ኣነ!!! ወየ!!!ኣነ!!!! ወየ!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!!!!! እዛ  ዝፈትዋ ኣሞይ ሞይታ!!!!! ኣርኪባቶም እምበር ነቦታታ ኣርኪባተን ነተን ኣደታታ ኣርኪባተን፡ ንዝሓለፋ፡መሓዙታ።   ኣሞይ!! ለተንኪኤል ጓል ኣባ ቡላ ኣብ ዳምባ ተወሊዳ፡ ከም ብተይ ዘሊላ ካብ ምድሪ ፈላሲ፡ ደቂ በኹሪ፡ መራጉዝ ብኹላ ጓል ኣድከመ ምልጋእ፡ ኣብ ማእከላ ጓል ስረትክን ትብል መላሲ ዘይብላ።   ኣሞይ!! ኣሞይ!!!ጓል ኣስመራ ለቲ!!!!!!! ተባሂላ

READ MORE

መጋቢት ሸሞንተ - ተዘከራ ሎሚ ኣደታትን ኣሓትን - ተዘከራ ብኽብሪ ገሃድ ዝገበርክን - ናይ ትማሊ ሕልሚ ናይ ጸላኢ ክፍኣት - ዝሰገርክን ሰልሚ ንሃገር ንህዝቢ - ዝነበረክን ፍቕሪ ከማይ ዘርዊ - ዘጽግብ ከም ምግቢ ሎሚ ተረሲዑ - ዝሓለፈ ቅያ ግብሪ ተንኮል ምስ ነገሰ - ከጥፍእ ንፍቕሪ።   ኣደታት ኣሓትን ሎሚ - ሎሚ ተዘከራ ብዓብይ ንእሽቶ -

READ MORE