Document submitted to political branch of the ENCDC by Dr. Negassi Hadgu, Sept 2011

Congress_Vote

To the political branch of ENCDC;

I would like to use this opportunity to direct my special thought of application and my sincere gratitude to you and your colleagues for your excellent service for freedom and liberty of Eritrean people from the tyrant and dictatorial regime of Mr Isaias Afewerki.
Well, I have looked at the four document of ENCDC for the congress and after very thoughtful consideration here are my findings.
1) Regarding the constitution: As I pointed out from day one and on different occasions, drafting a constitution for the period after the fall of tyrant Isaias Afewerki’s PFDJ regime is beyond the mandate of ENCDC, that was given to it on the Addis Ababa conference last year, therefore, this document should be shelved and never put on the agenda for the coming congress.

2) Regarding the Road Map: I am sending notes, that, I would like to be add to the existing draft.

3) Regarding the Political Charter: with few exceptions it is identical with the existing EDA political charter, therefore, I have only very minor issues I would like to either to be omitted or rephrased.
A) Second chapter/article, number 7, should be omitted, since it is a repetition of number 5. In addition, being a religious person has nothing to do with Eritrean identity uniqueness.
B) Third chapter/article, number 6, should be omitted, since once again, the contents are exclusionist nature for non-religious Eritrean citizens.
C) Eighth chapter/ article number 3 need to rephrased or tossed out

4) Regarding the Transitional Eritrean National Assembly, This document need a major editing. The problem starts with title of the document itself and reference in the introduction that says “The organizers of this document had before starting referred to documents regarding how various parliaments and national assembly in other countries function. Hence, they consulted more than 15 documents related to such topics.” About what kind of document are organizers talking here? Where are the 15 references? As for me this document looks copied from a bylaw of an assembly of a county that has only three nationalities, therefore, this document cannot be applicable to Eritrea which have multiple nationalities. In addition the whole document is base on the period after the fall of tyrant Isaias PFDJ regime. This is not what we need at the present, to put it simple right now this document alien to the Eritrean realty, therefore, I would like to advice you put a task force to look this document thoroughly as soon as possible. For my part I am sending you here a brief starting material.

I hope you will find my inputs helpful in your work.

May Almighty GOD/ALLAH bless you all with good heath for many years to come, so that you may continue to give your services to the people of Eritrea.

Sincerely yours,

Hagerawi_1 (Dr. Negassi Hadgu)

Our Cultural Diversity is a Source for Our Unity in a Democratic Eritrea !!!!!!

ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ዉልቀ-መላኽነት ኣልዩ ደሞክራሳዊት ኤርትራ ንክሃንጽ ክኽተሎ ዘልዎ ኣብ ግብሪ እተሰረተ መሪሕ ሓሳብ (road map)

ከምዝረኣክዎ ካብ ሞራፍ I-II ዘሎ ነቲ ስጋዕ ሕጂ ኲነታት ተቃዉሞ ደምበን ዝሓለፎ መስርሕን አዩ ዝሕብር ስለ’ዚ ኣብዚ ምዕራፋት ዘሎ ሓሳባት ከምዘልዉዎ ክንሰግሮም ይመርጽ ይኩን እምበር ታሪኽ ENAን EDAን ብግቡእ እንተዝግለጽ ዝሓሸ ኢዩ በሃላይ ኢየ።

ምዕራፍ III – ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ENCDC)
ኲላትና ክንርድኦ ዘሎና ኣዚ ካብ’ቶም ካልኦት ምዕራፋት ኣዝዩ ዝኸበደን ኣገዳስን ምዃኑ እዩ። ከመይሲ ካብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ኢና፡ ካብ ዉልቀ-መላኽነት ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር ዘብቅዑና ትካላትን እነቁመሉን እንሕጽጸሉን መድረኽ ሰለዝኮነ።
እቶም ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ማለት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክሓልፉ ዘልዎም ውሳነታት ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዮም፣
1. ምጽዳቕ ፖሎቲካዊ ቻርተር ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፣
2. ምጽዳቕ መሪሕ ሓሳብ (road map) ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፣
3. ምጽዳቕ መምሓደሪ ሕጊ ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፣
4. ምጽዳቅ ምስረታ ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፣
5. ምጽዳቅ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ዝምስረታ ሽማግለታት፣
ምዕራፍ IV – ምዉዳቕ ምልኻዊ ስርዓት ኢሳያስ
ኲላንትና ከም እንፈልጦ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብሰንኪ እቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ፡ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ናብ ሓንቲ ብመላእ ሕብረትሰብ ዓለም፡ እተፈንፈነት ደሴት ተቀይራ ትርኸብ። እዚ ማለት ከኣ፡ ዕንደራ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂን፡ ናይ ገበን ምሻርኽቱ ህግደፋውያንን፡ ሓርነት ህዝብናን ልዕላዉነት ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ማለት ኢዩ።
ሰለ’ዚ ኲሉ ዝኸኣል ኣገባብ ቃልሲ ተጠቂምና ምዉዳቅ ባርባርዉን ምልኻዉን ስርዓት ኢሳያስ እቲ ቀዲን መድረኻዉን ዕማም ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ኢዩ።
ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ፣
ንስርዓት ዉልቀ-መላኺ ኢሳያስን ናይ ገበን መሻርኽቱ ህግደፍዋንን ካብ ዝባን ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምእላዮ መታን ክንበቅዕ እቲ ጸጥታውን ወተሃደራውን ክንፊ ህዝባዊ ቃልስና፡ ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ተማእኪሉ፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ጸጥታዊ ጉዳያትን፡ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ጉዳያትን፡ ተጠርኒፉ ክመሓደር ውሳኔ ከሕልፍ ይግባእ፡
ከምኡ እዉን ነዚ ዕማም እዚ ንምስልሳልን ንምቅልጣፍን ምስ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ጽኑዕ ምትእስታር ዝግበረሉ መደባትን ዉሳነታትን ንምሕንጻጽ፡ ጉባኤ ንባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ሓላፍነት ከሰክሞ ይግባእ።
ኣብ ፖሎቲካዊ መዳይ፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኲሉ ብምስራዕ ንምዕዋቱ ካብ ሕጂ ንብዙሕነት ከም ዕላማና፣ ከም መለለይና፣ ከም መሳርሒና፣ ኣንዳተጠቐምና ክንቃለስን ንህዝብና ከነቃልስን ከናላዓዕልን ይግባእ።
ኣብ መላእ ዓለም ቆይመን ዘለዋ ህዝባዉያን ሽማግለታት ንሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምፍሻል ዉጥናት ባርባራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን ንምብዳህ ብዘክእለን ዉደባ ክንዉድበን ይግባእ።
ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን ኣብ ልዕሊ ህብናን ዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ንሕብረተ-ሰብ ዓለም ብግቡእ ከነፍልጦም ዘኽእለና ትካላት ከነቕዉም ይግባእ።
ኣብ’ዚ ዘልናዮ መድረኽ ይኩን ድሕሪ ዉድቀት ባርባርዉን ምልኻዉን ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ሞንጐ ኲልና ጥምረት ዲሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት፡ ብሰላምዊን ብደሞክራሳዊን ኣገባብ ክፈትሖ መታን ክንበቅዕ ኣብዚ ጉባኤ እዚ፡ ናይ ዕርቅን ሕድገታትን ምጽዉዋርን ሽማግለ ክንምስርት ኣሎና።
ኣብ ዲፕሎማሳዊ መዳይ፡
ዝኾነ ይኩን ብሃገር፣ ሕብረ-ሃገራት፣ ዓለም-ለኻዉያን ማሕበረትን ደረጃ ዝግበር ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብመገዲ ኣብዚ ጉባኤ ዝምስረት ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራን፡ ብንሱ ዘቑሞም ትካላትን ክኸውን ይግባእ።
ኣብ ፋይናንሳዊ መዳይ፣
ምጣኔ ሃብታዊ ዓቅምታት ጥምረት ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ ንምሕያሉ ንኣብ መላእ ዓለም ተሰዲዱ ዘሎ ህዝብና ኣብ ጎድኒ ሓርነታዊ ቃልስና ከምዝስለፍ ብምልዕዓል ሓገዛቱ ከምዘዕዝዝ ምግባር።
ልዕላውነት ሃገርናን፡ ነጻነትን ሓርነት ህዝብን ኣብ ዋጋዕዳጋ ከየእቶና፡ ካብ መግንስትዉያን ዘይመንግንስታዉን ትካላት ሕብረተ-ሰብ ዓለም ሓገዝ ንክንረኽብ ጽዑቅ ጐሽጓሻት ንኽካየድ ጉባኤ ንጹር ኣዋጅ ከመሓላልፍ ኣለዎ።
ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላት ብምቛምን ነቲ ኣብ መዓስኸራት ስደትኛታት ዝነብር ዘሎ ህዝብና ካብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ናይ ሞራልውን ንዋታውን ሓገዛት ንምርካብ ክነጥፍ ይግባእ።
ምዕራፍ V – መሰጋገሪ ግዜ
መሰጋገሪ መድረኽ ካብ ምዕናዉ ህልዊ ምልኻዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ህግደፍ) ክሳብ እቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ዝምስረት ዚህሉ ግዜ ኢዩ። ኣብ’ዚ መስጋገሪ እዋን’ዚ ክልተ መንግትስታት ክቆሙ አዮም። ንሳቶም ከኣ፡-
ኢቲ ቃዳማይ በቶም ነቲ ምልኻዊ ስርዓት ዘዉደቁ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ ብሞግዚትነት ዝቀዉም ንሃገር ንምግጋእ ብህጹጹ ዝምስረት ግዝያዊ መንግስቲ እዩ፡ ዕድሚኡ ከኣ ካብ ስዱሽተ ወርሒ ዘይነውሕ ክኸዉን ኣለዎ።
ኢቲ ካልኣይ ከኣ ብመሰረት እቲ ግዝያዊ መንግስቲን ግዝያዊ ባይቶን ዘዳልዉዎ፡ ንመላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዘካፈለ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤን፡ ብኣባኡ ዝጸደቅ መሪሕ ሓሳብን፡ ግዝያዊ ሃገራዊ ቻርተርን ግዝያዊ ሃገራዊ መምሓደሪ ሕግን መሰረት ዝምስረት ንግዝያዊ መንግስቲ ዝትክእ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢዩ። ዕድሚኡ ከኣ ካብ ሓደ ዓመት ዘይነውሕ ክኸዉን ኣለዎ።
ሓላፍነትን ዕምማትን ግዝያዊ መንስግትን ግዝያዊ ባይቶን
ሀ) ግዝያዊ መንግስቲ
ሃገራዊ ሃድነታዊ መንግስቲ ኮይኑ። ካብቶም ነቲ ባርባራዉን ምልኻዊ ስርዓት ዘዉደቁ ፖሎቲካዉያን ሓይልታትን፡ በርገሳዉያን ማሕበራትን ሃገራዉያን ባእታታን ከምኡ’ዉን ካብ በቢወረድኦም ብህዝቢ ተመሪጾም ዝመጹ ሃገራዉያን ባእታታት ብምጽንባር ይቀዉም።
ለ) ዕማማት ግዝያዊ መንግስቲ
1. ናይ ፖሎቲካን ሕልናን እሱራት ይፈትሕ፡፡
2. ንሓርነታት ህዝብና ዝቕይድ ሕግታት ይስርዝ፡፡
3. ነቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝተመስረተ ዞባዊ ምሕደራ ብምፍራስ፡ ነቲ ናይ ቀደም ዝነበረ ኣውራጃዊ፣ ወረዳዊ፣ ዓዳዊ፣ ምሕደራ ናብ’ቲ ንቡር ይመልስ።
4. ብናይ 1952-1961 ወንጀላዊ ሕጊ (Penal Code) ተጠቂሙ ሃገር የመሓድር።
5. ብናይ ዓለም ለኻዊ መሰል ደቂሰባት ተቀይዱ ሃገር የማሓድር።
6. ነቲ መሓውራት ምልኺ ዝኮነ ናይ ጸጥታ ትካል ብምፍራስ፡ ነቶም ዓበይቲ መኮንናቱ ከኣ የደስክሎም፣
7. ንቅርጺ ትካላት ሰራዊትን ሓይሊ ፖሊስን ይዕቕብ።
8. ሓገራዊ ኣገልግሎት ደዉ የብል።
9. ንኲሉ ንጥፈታት ህግደፍ የደስክል።
10. ኣብ መላእ ሃገረ-ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ንምስፋን ይሰርሕ።
11. ብተጋድሎ ህዝብና ዝተረጋገጸ ልኣላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ብኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ዝተኣምነሉ ዶባትን ኤርትራ ይዕቅብ።
12. ንምላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዘካፈለ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ የዳሉ። ቀንዲ ዕላማ ናይ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ከኣ፡
ሀ) ግዝያዊ ሃገራዊ ቻርተርን፣ ግዝያዊ መምሓደሪ ሕጊን ምጽዳቅ፣
ለ) ምቋም መሰጋገሪ መንግስቲን መሰጋገሪ ባይቶን ኢዩ።

ሐ)ግዝያዊ ባይቶ
ሃገራዊ ሃድነታዊ ባይቶ ኮይኑ። ካብ ብኣብ 2011 ኤርትዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝምስረት ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራን፡ ከምኡ’ዉን ብቅጽበት (ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ) ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳታት ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና፡ ብደሞክራዊ ኣገባብ ካብ ህዝቢ ተመሪጾም ዝመጹ ሃገራዉያን ባእታታት ብምጽንባር ይቀዉም።
ሓ) ዕማማት ግዝያዊ ባይቶ፡
1. ብመሰረት 2011 ሃገራዊ ጉባኤ ዝጸድቅ ቻርተርን፡ ሕግታትን ከምእዉን ብካብ 1952-1961 ኣብ ተግባር ዘገግል ዝመበረ ወንጀላዊ ሕጊ (Penal Code) ተሞርኲሱ ንግዝያዊ መንስቲ ይከታተሎን፡ መደባትን መምርሒታትን ከኣ የዉጽኣሉን፡፡
2. መሰረታዊ ሓርነታትን ነጻ ፕሬስን ዘነጽር ሕግታት ይሕንጽጽ፡፡
3. ግዝያዊ መንግስቲ የቕውም፡፡
4. ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝቀርብ ግዝያዊ ሃገራዊ ቻርተርን ሃገራዊ መመሓደሪ ሕግን እትንድፍ ነጻ ከምሽን የቕውም፡፡
5. ጠቕላላ ቆጸራ ህዝቢ ዝካየደሉ መደብ ይሰርዕ፡፡
6. ነቲ ብነጻ ኮሚሽን ዝተነደፈ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝቀርብ ግዝያዊ ሃገራዊ ቻርተርን ሃገራዊ መማሕደሪ ሕጊን ናብ ህዝቢ ብምዝርጋሕ፡ ህዝቢ ተካቲዑ እቲ ዘድሊ መኤረምታ ምስገበረሉ ኣብ ሰፊሕ ጉባኤ ከምዝቀሪብ ይገብር።
7. ክሳብ ንምላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዘካፈለ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝካየድ፡ ግዝያዊ ባይቶ፡ ጎኒ ንጎኒ ኮይኑ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ዕማማቱ እናፈጸመ ይጸንሕ፡፡
ሓላፍነትን ዕምማትን መሰጋገሪ መንግስታት
1) መሰጋገሪ መንግስቲ
ብመሰረት ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝጸደቀ ሕግታት ዝምስረት ንግዝያዊ መንግስቲ ዝትክእ ሓድነታዊ መንስቲ እዩ። ዕማምማቱ፣ ኣመሰራርትኡ፡ ሓላፍነቱ ከኣ በቲ ንምላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዘካፈለ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝወጽእ ሕግታትን መምሪሕታትን ይዉሰን።
2) መሰጋገሪ ባይቶ፡
ብመሰረት ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝጸደቀ ሕግታት ዝምስረት ንግዝያዊ ባይቶ ዝትክእ ሓድነታዊ ባይቶ እዩ። ዕማማቱ፣ ኣመሰራርትኡ፡ ሓላፍነቱ ከኣ በቲ ንምላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዘካፈለ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝወጽእ ሕግታትን መመሪሒታትን ይዉሰን።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ!!
ዓወት ንፍትሓዊን ደሞክራስያዊን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ዘልአለማዊ ዝኽርን ክብሪን ሞጎስን ንስዉኣትና!!

erfsauo@yahoo.com
መስከረም 26, 2011

መምሓደሪ ሕጊ ጥርናፈ ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ
መቅድም
ኲልና ከምእንፈልጦ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝለዓለ ጠለብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ ዓመጽ ዝመረጸ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ገበን መሻርኽቱ ህግደፋዉያንን ተገላጊሉ፡ እቲ ተነፊግዎ ዘሎ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምዕታር ኣብ ቅዋማዊትን ማሕበረ-ሰባዊ ማዕርነት ዝነገሳ ደሞክራሳዊት ሃገር ንምንባር ኢዩ። ማለት ካብ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ገበን መሻርኽቱ ህግደፋዉያንን ንኽገላገል፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ሃገሩን ፍጹም ተጠቃሚ ሃገራዊ ስልጣኑን ምዃኑ ብኑጹር ኣቐሚጡ፡ ዘቃልሶን ዝቃለሰሉን ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ይደሊ ኣሎ። ስለዚ ንሕና እዞም ኣብ ቅዋማዊትን ደሞክራሳዊትን ኤርትራ ረብሓ ዘሎና ኤርትራውያን ዜጋታት ብሓባር ከቃልሳና ዘኽእለና ጥርናፌ መስሪትና ነቲ ዝለዓለ ጠለብ ዉጹዕ ህዝብና ንምምላስ ክንበቅዕ ኣሎና ማለት ኢዩ፡፡
ኻብዚ ብምብጋስ ከኣ እነሆና እዞም ካብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ኣብዚ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክርሳዊ ለውጢ ዝተካፈና ወኪላት፡1) ውድባትን ሰልፍታትን ምንቅስቃሳትን፣ 2) በርገሳውያን ማሕበራት፣ 3) ብሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ ተመሪጽና ናብ ጉባኤ ዝመጻእና ባእታትን፣ 4) ከምኡዉን ካብ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ ኢልና ኣሚና ናብ ጉባኤ ዝመጻእና ኤርትራዉያን ዜጋታት ንጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ ነዚ ዝስዕብ ቅርጻ ዝውንን ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ብምቛም ውልቀ መላኺነት ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሃገና ንምጥፍኡ፡ ነዚ መምሓደሪ ሕጊ ነጽድቅ።
ዓንቀጽ ሓደ: ሌላ:-
1. ስም ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ (ጥ.ደ.ሓ.ኤ)፣
2. ኣርማ፡ እታ ኣብ ግዜ ፈደርሽን ዝነበረት ባንደራ ኤርትራ፣
ዓንቀጽ ክልተ: ዕላማታት፡-
1. ኣብ ክሊ ኢቲ ብተጋድሎ ህዝብና ዝተረጋገጸ ልዑላውነትን በዚ ሓዲሽ ወለዶ ከኣ ዝተዓቀበ ሓድነት ህዝብን መሬትን ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተኣምነሉ ዶባትን ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ምቅላስ፡፡
2. ንጸዓታት መላእ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ ብምውህሃድ፡ ንባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ህግደፍ) ብኩሉ ዝክኣል ኣገባብ ቃልሲ ብምጥቃም ምልጋስ፣ ኣብ ክንድኡ ፖሎቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዝመሰረቱ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምቛም ፖሎቲካዊ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ፡፡
3. ሰረታት ሃገራዊ ሓድነትን ማሕበራዊ ስኒትን ፍትሕን ምድልዳል፡፡
4. ንመሰረታዊ ክብርን መሰላትን ደቂ ሰባት ምክልኻልን ምእዛዝን፡፡
5. ኣብ መንጎ ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ህዝብናን ሕድሕድ ምጽውዋርን ምክብባርን ምስፋን፡ ማለት ሓድነትና ኣብ ኩልንትናዊ ብዙሕነትና ኢዩ ልዝብ ባህሊ ምህናጽን ምስራጽን፡፡
6. ኣብ ሃይማኖታውን፡ ብሄራውን፡ ባህላውን ብዙሕነት ምእማን፡፡ ነዚ ብዙሕነት’ዚ ንምኽባርን ምርጋግጽን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቻርተርን ውዐላትን ሰፊሮም ብዘለዉ ኣድማሳዊ መሰላት ምምእዛዝ፡፡
7. ንኩሎም ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ማሕበራውን መሰላት ምዕቃብ፡፡
8. ዝምድናታት ህዝብና ብዞናውን ኣህጉራውን ደረጃታት ብምምዕባል፡ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምምስራት፡፡
ዓንቀጽ ሰለስተ: ኣገባብ ቃልሲ፡-
1. ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህግደፍ ንምውዳቕ፡ ኩሉ ዝከኣል ኣገባብ ቃልሲ ምጥቃም።
2. ዓቕምታትን ጸዓታትን ህዝቢ ብዝዓበየ ኣድማዒ ንምግባር ጎሽጓሻትን ምውህሃድን ምክያድ።
3. ኣብ ሞንጎ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ ንዝፍጠሩ ፍልልያትን ግርጭታትን ንምፍታሕ፡ መርሓ ዘተ ምጥቃም። ማለት ንሕግን ሕጋዉነትን ምዙዛት ብምዃን፡ ሰላማዉን ደሞክራሳዉን ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭታት ምጥቃምን ምቅያድን።
ዓንቀጽ ኣርባዕተ: ኣባልነት፡-
ሀ. ምቕባል ኣባልነት
ኣብ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ገበን መሻርኽቱ ህግደፋዉያንን ሓንሳብን ንሓዋሩን ተገላገሉ፡ ህዝቢ ዋና ሃገሩን ፍጹም ተጠቃሚ ሃገራዊ ስልጣኑን ምዃኑ ኣሚኑ ዝቃለስ ፖሎቲካዊ ውድብ: ሰልፊ፡ ምንቅስቃስ፡ በርገሳዊ ማሕበርን፡ ከምኡዉን እቲ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝተተኽለ መሓዉራት ህግደፍ ክፈርስ ድኣ እምበር ክጽገን ኣይክእልን እዩ ኢሉ ኣሚኑ ንኽቃለስ ድሉዉ ዝኮነ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድኡ ኤርትራዊ ዜጋ ክፉት እዩ።
ብተወሳኪ ዋንነት ሃገር ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ እምበር ናይ’ቶም ኣብ’ዚ እዋን እዚ ንምልኺ ንምዕናዉ እንቃለስ ዘሎና ደሞክሳዉያን ሓይልታት ጥራይ ከምዘይኮነ ኣሚኑ፡ ኣብዚ መድረኽ እዚ ዝዉሰኑ ዉሳነታት ብድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ዉልቀ-መላኺ ሃገርና ከምብሓድሽ ብህዝቢ ክርኣዩ ምኻኖም ብመትከል ዝኣምን ክኸዉን ኣለዎ።
ለ. ኣገባብ ኣባልነት፡-
I. ኣባላት ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቃሳት፡ በርገሳውያን ማሕበራን፡ ብመገዲ ትካላቶም ኣባልነቶም የረጋግጹ።
II. ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ ኢሎም ዝኣምኑ/ና ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሜኦም ኤርትራዉያን ዜጋታት ከኣ ብቀጥታ ኣባልነቶም የርጋግጹ።
ሐ. መሰላት ኣባልነት፡-
1. ሓደ ኣባል ብመሰረት ክእለቱን ተወፋይነቱን ኣብ ዝኮነ ይኹን ጽፍሒ ናይ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ብመሪሕነት ወይ’ዉን ብተመራሕነት ክዋሳእ መሰሉ ሕለው ኢዩ።
2. ኩሎም ኣባላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ፡ ማዕረ መሰል ኣለዎም።
3. ንመንፈስ ፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብን እዚ መምሓደሪ ሕጊን ውሳኔታትን ጥ.ደ.ሓ.ኤ ብዘይጻረር ኣገባብ፡ ሓደ ኣባል ጥ.ደ.ሓ.ኤ ናይ ሓሳቡ ምግላጽ ነጽነቱ ሕልው’ዩ።
4. ብድሌቱ ኣባልነቱ ክስሕብ ይኽእል።
5. ንዕኡ ዝምልከት ክስታት ኣብ ዝቐርበሉ ግዜ፡ ኣብ ኣኼባታት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ተረኺቡ ንርእሱ ይከላኸል።
6. ንካልኦት ብዘየካፍእን እሩም ኣገባብን፡ ዕቃቤኡ ዘመዝገበሎም ጉዳያት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይገልጽ።
7. ነዚ ሕጊ’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰጎገ ኣባል፡ ኣብ ጉባኤ ጥርዓኑ ንከቕርብ መሰሉ ሕልው’ዩ።።
ሐ.ግቡኣት ኣባልነት፡-
ኣባል ጥ.ደ.ሓ.ኤ ዝኾነ ውድብ፣ ሰልፊ፣ በርገሳዊ ማሕበር፣ ወይዉ’ን ባእታ በዞም ዝስዕቡ ግቡኣት ይምእዘዝ፡-
1. ንፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብን መምሓደሪ ሕጊን ይምእዘዝን ይሕለቕን።
2. መደባትን ውሳኔታትን መሪሕነት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ይፍጽም።
3. ኣብ ምዱብን ህጹጽን ኣኼባታት ጥ.ደሓ.ኤ ተሳትፎኡ የረጋግጽ።
4. ወርሓዊ ክፍሊት ኣባልነት ይኸፍል።
5. ኣብ ንጥፈታት ትካላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ዝሳተፉ፡ ብቑዓት ኣባላት ይሓጺ/የቕርብ ከምኡዉ’ን ይመርጽን ይምረጽን።

ሰ. ምድስካል ኣባልነት፡-
ዝኾነ ኣባል ጥ.ደ.ሓ.ኤ፡ ጉዳዩ ኣብ ኣኬባ ባይቶ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ኤርትራ ክሳብ ዝቀርብ፡ በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ክድስክል ይኽእል፡-
1. ብስስምምዕ ኣቦ-መንበር ባይቶን ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን፣
2. ንፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብን መምሓደሪ ሕጊን ዝግህስ ተግባራት ምስ ዝፍጽም፣
3. ወርሓዊ ክፍሊታቱ፡ ብተኸታታሊ ንሓደ ዓመት ምስዘይከፍል።
ሸ. ምውዳቕ ኣባልነት፡-
ኣባል ጥ.ደ.ሓ.ኤ፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኣባልነቱ ይወድቕ፡-
1. ብገዛእ ፍቓዱን ብዕላዊ ጽሑፍን ካብ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ኤርትራ ምስ ዝስሕብ።
2. ብፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብን መምሓደሪ ሕጊን ጥምረት ደሞክራሳዉያን ኤርትራ ምስዘይምእዘዝ፣
3. ኣባልነታዊ ግቡኡ ምስ ዘየማልእ፣
4. ብሞት ወይ ናይ ኣእምሮ ስንክልና፣
ምስጓግ ኣባልነት ብ3/4 ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ኤርትራ ይጸድቕ።
ዓንቀጽ ሓሙሽተ፡-ውድባዊ ቅርጻ
ሀ. ጠቕልላ ጉባኤ፣
ለ. ኮምሽን ገደብ ሕጋዉነትን ስልጣንን ባይቶ ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፣
ሐ. ማእከላይ መሪሕነት ባይቶ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ኤርትራ፣
መ. ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፣
ሰ. ሽማግለታት፣
ረ. ጠቅላላ ተቆጻሪ
ሀ. ጠቕላላ ጉባኤ
ሌላ፡- ጉባኤ ኢቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይዚ በዚ ጉባኤ ዝቀዉም ዘሎ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ኢዩ፡፡
ኣቃውማ፡ ብኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክርሳዊ ለውጢ ብዝሳተፉ ወከልቲ ፖሎቲካዉያን ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቃሳትን፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ንሞራልን ሕልናን ቅድሚ ውልቃዊ ረብሓ ዝሰርዑ ኤርትራዉያንን ይቐውም።
ግዜ ጉባኤ፡ ኣብ ከክልተ ዓመት ይጋባእ፣ ህጹጽ ጉባኤ ከም ኣድላይነቱ ይጽዋዕ፡፡
ዕማም ጉባኤ፡
1. ጸብጻባት ባይቶን ጠቕላላ ተቆጻጻሪ ይግምግምን የጽድቕን፡፡
2. ፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብን መምሓደሪ ሕጊን ጥ.ደ.ሓ.ኤርትራን ይመያየጥን የጽድቕን፡፡
3. ባይቶ ኣብ ዘቅረቦም ጉዳያት ይመያየጥን ውሳኔታት የመሓላልፍን፡፡
4. ካብ ኩሎም ኣባላቱ ኣብ ባይቶ ንዝውክልዎም ኣባላት የረጋግጽ፡፡
5. ባይቶ ካብ 59 ዘይዉሕዱ ካብ 65 ዘይበዝሑኣባላትን ከምኡዉን ብ 5 ተጠባብቅቲን ትቀዉም።
ለ. ኮምሽን ገደብ ሕጋዉነትን ስልጣንን ባይቶ ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ
ኮምሽን ገደብ ሕጋዉነትን ስልጣንን ባይቶ ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ነዝም ዝስዕቡ ክልተ ጉዳያት ጥራይ ፍጹም ስልጣን ዘለዎ ነጻ ትካል እዩ።
1. ንኣብ ጉባኤ ዝሓለፉ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብባይቶን ፈጻሚ ቤትጽሕፈትን፡ ኣብ ግዚኡ ይትግበሩ ምህላወምን ዘይምህላዎምን ብምክትታል ኣብ ነፍሲወከፍ ሰለስተ ወርሒ ናብ መሰረታት ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ዘይሻራዊ ጸብጻባት ተቅርብን፣ ከምእዉ’ን ናይ ህዝቢ ጥርዓናትን ክሲን ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ትሰምዕን።
2. ማእከላይ መሪሕነት ባይቶ ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ጉባኤ ክገብር ኣብዘይከኣለሉ እዋን፡ እቲ ዘጓነፈ ጸገማንት ንኣባላት ብዕሊ ድሕሪ ምሕባር፡ ጉባኤ ንክትጽዉዕን ከተካይድን ዕላዊ ስልጣን ይህልዋ።
ኮምሽን ገደብ ሕጋዉነትን ስልጣንን ባይቶ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ብካብ ኣብ ፖሎቲካዉያን ውድባትን ሰልፍታትን ዘየለዉ ተካፈልቲ ጉባኤ፡ ንኣመሰራርታ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ቅርጻ ዝሓዘት፡ ብካብ 9 ዘይዉሕዱ ካብ 11 ከኣ ዝይበዝሑ ዓበይቲ ዓዲ ኤርትራዉያን ክትቀዉም ኣለዋ።
ሐ. ባይቶ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ኤርትራ
ሌላ፡- ባይቶ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ኤርትራ ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ጉባኤታት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ዝለዓለ ሓጋግን ወካልን ኣካል ኢዩ።
ኣቃውማ፡- ባይቶ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ በዞኦም ዝስዕቡ ይቐውም፡-
1) ብካብ ኣባላት ውድባትን ሰልፍታትን ምንቅስቃሳትን፣
2) ብካብ ኣባላት በርገሳውያን ማሕበራት፣
3) ብካብ ኣባላት ሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ ተመሪጾም ናብ ጉባኤ ዝተካፈሉ ባእታት፣
4) ብካብ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ ኢሎም ዝኣምኑ/ና ኣብ ጉባኤ ዝተካፈሉ ኤርትራዉያን ዜጋታት ይቀዉም።
ተካፈልቲ ጉባኤ ካብ ኲሎም ተካፈልቲ ጉባኤ ብምስጢራዊ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጥመረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ይመርጹ፡፡ ብተወሳኪ ጉባኤኛታት ካብቶም ዝመረዝጽም ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ባይቶ፣ ሰክረተር ባይቶ፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት፣ ሰክረተር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት፣ ሓለፍቲ ጨንፈራት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ክምረጹ ኣለዎም። እዚ ከምዚ ዝመሰለ ኣገባብ ኣመራርጻ ካብ ድሕሪ ጉባኤ ንዘህሉ ናይ ስልጣን ባዶነት ግዜ ንዉሓት ስለ ዘሐጽር ኢየ። ብዝተካእልለ መጠን፡ ውክልና ሃገራዊ ባይቶ ንኣቀዋውማ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን ከምእዉን ጂኦግራፊካዊ ዝርገሐ ኣባላት ጥርናፈ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኽኸውን ኣለዎ።
መሰላት ኣባል ባይቶ፡-
ኣባል ባይቶ እዚ ዝስዕብ መሰል ይህልዎ።
1. ብቕዓት ከም ዘለዎ ክሳብ ዝተኣምነሉ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ሓላፍነት ባይቶ ክምረጽን ክመርጽን።
2. ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ባይቶ ዝወረደ ኣጀንዳ ርእይቶኡ ክህብን ክመያየጥን።
3. ብመሰረት እቲ ሕግታት ዝሰርዖ መማረጺ ሓሳባትን ትልሚ ውሳኔታትን ከቕርብ።
4. ኣብ ተታሒዙ ዘሎ ኣጀንዳ ባይቶ ቅድሚ ኣብ ሓደ ውሳኔ ምብጽሑ ብዝበለጸ ክትዓት ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ተቓውምኡ ከስምዕን ኣብ ዕላዊ መዝገብ ዕቃቤኡ የመዝግብን።
ዕማማት ሃገራዊ ባይቶ፡-
1. ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ ይጋባእ።
2. ዕድመ ባይቶ ክልተ ዓመታት ኢዩ።
3. ሓፈሻዊ ፖሊሲታትን ውጥናትን ጥምረት ዲሞክራስያዉያን ሓይልታት ኤርትራ የጽድቕን ውሳኔታት ይውስን።
4. ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንዝቀርቡ ትልምታትን መደባትን የጽድቕ።
5. ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝቐርብ ዓመታዊ ባጀት የጽድቕ።
6. መድረኻዊ መደባትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝሰርዕ ውሽጣዊ ሕጋጋትን መምርሕታትን ጥ.ደ.ሓ.ኤ ይሕንጽጽ።
7. ካብ ሞንጎ ኣባላቱ፡ ኣቦ መንበር ባይቶ፡ ሰኽረተር ባይቶን ይመርጽ።
8. ካብ ሞንጎ ኣባላቱ፡ ኣቦ መንበር፡ ሰክረተር፡ ኣቦ-መንበራት ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይመርጽ።
9. ካብ ሞንጎ ኣባላቱ፡ ሓለፍቲ ቀወምቲ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት ይመርጽ።
10. ካብ ሞንጎ ኣባልቱ፡ ኣባል መሪነት ባይቶ ዘይኮኑን ጠቕላላ ተቖጻጻሪን ተሓጋገዝቱን ይመርጽ።
11. ባጀት ጥ.ደ.ሓ.ኤ የጽድቕ።
12. ገንዘብን ንብረትን ጥ.ደሓ.ኤ ንምቁጽጻርን ምዕቃብን ዝሰርዕ መምርሕታት ይሕንጽጽ።
13. ኣፈጻጽማ ውሳኔታት ጉባኤን መምርሕታቱን ይከታተል።
14. ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ግዜ ኣቀዲሙ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክተርፎ ከሎ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ይመዝዝ።
15. መጠን ውክልና ትካላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣብ ጉባኤ የነጽር።
16. ባዕሉ ዝፈረሞ ስምምዓትን ውዑላትን ወይ ብዝምልከቶም ኣካላቱ ዝቐረቡ ስምምዓትን የጽድቕ።
17. ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ዘቕርቦ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ይግምግምን የጽድቕን።
18. ንህጹጽ ሃገራዊ ጉዳያት ብምርኣይ፡ ኣገዳስነት ምስ ዝርኢ ዘድልይዎ ሕግታትን ውሳኔታትን የውጽእ።
19. ኣብ መጀመርያ ኣኼብኡ ኣባልነት ባይቶ የረጋግጽን ኣብ ፍሉይ መዝገብ ይምዝግብን።
20. ኣባል ባይቶ ምስ ዝጎድል ካብ ተባባቅቲ ኣባላት ባይቶ ነቲ ዝጎደለ መንበር ይመልእ።
21. ባይቶ ንኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሓለፍቲ ሽማግለታትን ኣባላቶምን ብእኩብ ወይ ብውልቀ ክሓትት ስልጣን ኣለዎ።
22. ኣብ ልዕሊ ሕግታትን ውሽጣዊ መምርሕታትን ዝግህስ ኣባል ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣድላዪ ስጉምትታት ይወስድ።
23. ሕጋዊ ምልኣተ ኣኼባታት ጉባኤ ብህላወ 2/3 ኣባላቱ ይኸውን።
24. ብዘይካ ንኣገባባዊ ጉዳያት ዝምልከት፡ ውሳኔታት ባይቶ ብ3/4 ድምጺ ህልዋት ኣባላቱ ይውሰን።
25. ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣካላት ብዝጽዕዎ መሰረት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ይካየድ፡፡
ሀ. ብጠለብ ኣቦ-መንበር ባይቶ፣
ለ. ብጠለብ 50%+1 ካብ ኣባላት ባይቶ፣
ሐ. ብጠለብ 2/3 ሓለፍቲ ፈጻሚ ቤትጽሕፈት፣
ኣጀንዳ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ኣብቲ ንኣኼባ ክጽዋዕ ዘግበረ ጉዳይ ጥራይ ዝተሓጸረ ይኸውን።
ዕማማት ኣቦ-መንበር ባይቶ፡-
1. ስሩዕን ህጹጽን ኣኼባ ባይቶ ይጽውዕን ይመርሕን።
2. ብዛዕባ ኣካይዳ ዕዮን ምዕባለታትን ጥ.ደ.ሓ.ኤ ይከታትልን ሓበሬታታት ናብ ኣባላት ባይቶ የመሓላልፍን።
3. ወግዓዊ ኣፈኛ ባይቶ ኢዩ።
4. ኣብ ኣባላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ዘሎ ዝምድናታት ንምሕያልን ከምእዉን ፍልልያት ኣብ ዝተመዝገበሎም ጉዳያት ምርድዳእን ምስምማዕን ንክፍጠር ይቓለስን ይዓይን።
5. ንጠቕላላ ተቖጻጻሪ ስራሓቱ ንምክያድ ዘኽእል ኩነታት ይፈጥንር ጸብጻባቱ ይቕበልን።
6. ብባይቶ ዝተዋህቦ መደባት የትግብር።
7. ስራሓት ቀወምቲ ሽማግለታት ይከታተልን የማሓድርን።
8. ስራሓት ጥምረት ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ንምምዕባል ዝሕግዙ መጽናዕትታት የካይድ።
9. ኣብ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ሓልታት ኤርትራ ኣባልነት ዝሓቱ ውድባት፡ ሰልፍታን ማሕበራትን ይቕበል፡ ጉዳዮም ንምዉሳን ከእ ናብ ምዱብ ኣኼባ ባይቶ የቕርብ።
10. ጸብጻባት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን፡ ቀወምቲ ሽማግለታትን ጠቅላላ ትርቆጻጻሪን ይቅበል።
11. ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ባይቶ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ይከታተል።
12. ዕድመ ኣቦ መንበር ምስ ዕድመ ባይቶ ዘብቕዕ ኢዩ።
ዕማማት ሰክረተር ባይቶ፡-
1. መዛግብቲ ኣኼባታት ይምዝግብ።
2. ኣታውን ወጻእን መልእኽትታት ባይቶ ይሰርዕን ይዕቅብን።
3. ብዛዕባ ኣኼባ ንኣባላት ባይቶ ይሕብር።
4. ማሕተም ባይቶ ይዕቅብ።
5. ብኣቦ-መንበር ባይቶ ዝተወሃቦ ዉክልና ይፍጽም።
6. ኣብ ዘይህላወ ኣቦ-መንበር ንቦትኡ ይትክእ።
መ. ፈጻሚ ቤት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡
ሌላ፡- ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣኼባታት ባይቶ ዝለዓለ ኣተግባሪ ኣካል ኢዩ።
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ በዞም ዝስዕቡ ዓሰርተ ኣብያተ ጽሕፈታት ይቐውም፡፡
1. ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፣
2. ሰክረተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፣
3. ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት፣
4. ቤት ጽሕፈት ፖሎቲካዊ ጉዳያት፣
5. ቤት ጽሕፈት ዜናዊ ጉዳያት፣
6. ቤት ጽሕፈት ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት፣
7. ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ጉዳያት፣
8. ቤት ጽሕፈት ጸጥታዊ ጉዳያት፣
9. ቤት ጽሕፈት ገንዘባውን ምጣነሃብታውን ጉዳያት፡
ነፍሲ-ወከፍ ሓላፊ ጨንፈር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምስ ኣቦ መንበርን ሰክረተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብምምኻር መሳርሕቱ ዝኮኑዎ ባእታታት ካብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት/መሰረታት ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ናይ ምሕጻይ መሰል ኣለዎ። ብመንገዲ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ከኣ ነቶም ንመሳርሕቱ ክኮኑ ዝሓጸዮም ባእታታት ንኽረግኣሉ ናብ ባይቶ ደሞክራስዉያን ሓይልታት የቅርብ። ባይቶ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ ከኣ ንሕጹያት ናይ ምቕባልን ምንጻግን መሰል ኣለዎ። እዚ መሰርሕ’ዚ ካብ ምዝዛም ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሳዊ ለዉጢ ካብ ሓደ ወርሒ ኣብዘይነዉሕ ግዜ ክፍጸም ይግባእ።
ኣኼባታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡-
1. ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ወርሓዊ ኢዩ።
2. ህጹጽ ኣኼባ ብጻውዒት ኣቦ-መንበር፡ ወይ ብጠለብ 1/2 ኣባላት መርሒነት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይካየድ።
3. ውሳኔታት ፈጻሚ ቤት ብ2/3 ድምጺ መሪሕነቱ ይውሰን።
ዕማማት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡-
4. መደባትን፡ ፖሊሲታትን፡ ውሳኔታትን ባይቶ የተግብር።
5. ብመሰረት ውሳኔታት ሃገራዊ ጉባኤ መደባቱ ይሰርዕን የተግብርን።
6. ውሽጣዊ መምርሕታት ቤት ጽሕፈታት ይሕንጽጽን ንጥፈታተን ይከታተልን።
7. ኣብ ኩሉ መዳያት ኣሰራርሓ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ንምምዕባል ይዓዪ።
8. መዓልታዊ ስርሓት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ይመርሕን የመሓድርን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ገንዘባውን ፖሊሲታት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ይፍጽምን።
9. ኣብ ኩሉ መጋባእያታት ብስም ጥ.ደ.ሓ.ኤ ርክባት የካይድ። ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉባኤታት ንጥ.ደ.ሓ.ኤ ይውክል።
10. ባጀት ጥ.ደ.ሓ.ኤ የዳሉን ንምጽዳቑ ናብ ባይቶ የቕርብን።
11. ኣዋጃትን መግለጺታትን ጥ.ደ.ሓ.ኤ የውጽእ።
12. ብዛዕባ ሓደስቲ ተረክቦታትን ምዕባሌታትን፡ በብእዋኑ ስሩዕ ሓበሬታታት ናብ ኣባላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ የመሓላልፍ።
13. ወርሓዊ ጸብጻባት ነብሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ይቕበል።
14. ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣብ ኩሉ ኣህጉራዊ ፎርማት (ዓውድታት) ከምዝውከል ንምግባሩ ይዓዪ።
15. ደገፍ ናይቶም ንጡፋት ዝኾኑ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና፡ ማለት ከም ተመሃሮ፡ መንእሰያት፡ ምሁራትን ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመስሉ ኣብ ጎኒ ጥምረት ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ተሰሊፎም ንክነጥፉ ይጽዕት።
16. ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሓራ ንምውጻእ ንዘካይዶ ዘሎ ደሞክራሳዊ ቃልሲ ዝድግፉ፡ ፈተውቲ ሓይልታት ሰላምን ፍትሕን ካብ ዝኮኑ ማሕበራትን ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፋት ንምርካብ ይዓዪ።
17. ንውድቀት ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢስያስ ዘቐላጥፉ ኣድማዒ ኣገባባትን መሳርሒታትን የናዲ።
18. እተን ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ቆይመን ዘለዋ ህዝባዉያን ሽማግለታት ንሃገራዊ ጉባኤ ዳግማይ ስርርዕ ብምክያድ፡ ኣብ ምፍሻል ዉጥናት ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን ንምብዳህ ብዘክእለን ዉደባ ብምኽያድ ንምብርትዐን ይሰርሕ።
19. ምስ ደሞክራስን ሰላማዊ ምቕብባል ስልጣንን ዝኣምኑ ሃገራት፡ ማሕበራትን ትካላትን ዝምድናታት ንምፍጣር ይሰርሕ።
20. ነቲ ህዝብና ኣንጻር ብዕደሽበራዊ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ መኸተታት ብምምራሕ፡ ህዝቢ ንሕጋዊ መሰላቱ ክምንዝዕ ንምብቅዑ ይጽዕት።
21. ንሽርሕታት ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምክቱ ፌስቲቫላትን ሰሚናራትን የዳሉ።
22. ህዝቢ ንምንቕቓሕ ዝዓለሙ ዑደታትን ሰሚናራትን ምድላውን ርኽክባት የካይድ።
23. ርእይቶታትን መግለጽታትን ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣብ ህዝቢ ከም ዝበጽሑ ይገብር።
24. ንባይቶ ስሩዕ ጸብጻብ ምምሕዳራውን ፋይናሳውን ኩነታይ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣብ ስሩዕ ኣኼብኡ የቕርብ።
25. ዕድመ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምስ ዕድመ ባይቶ ዘብቕዕ ኢዩ።
ዕምማት ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡-
1. ስሩዕን ህጹጽን ኣኼባታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይመርሕ።
2. ንጥፈታት ቤት ጽሕፈታት ይከታተል።
3. ዕላዊ ኣፈኛ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኢዩ።
4. ንሰክረተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ጻውዒት ኣኼባታት ቤት ፈጻሚ ጽሕፈት ክሕብር ሓላፍነት ይህብ።
5. ዓመታዊ ባጀት፡ ትልምታትን መደባትን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብባይቶ ንክጸድቕ ናብ ባይቶ የርቅርብ።
6. ኣፈጻጽማ ፖሊሲታትን ውሳኔታትን ባይቶ ብፈጻሚት ቤት ይከታተል።
7. ኣብ ሰነዳት ገንዘብ ይፍርም።
8. ንባይቶ ስሩዕ ጸብጻብ ምምሕዳራውን ፋይናሳውን ኩነታይ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣብ ስሩዕ ኣኼብኡ የቕርብ።
ዕማማት ሰክረተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡-
1. መዛግብቲ ኣኼባታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይምዝግብ።
2. ኣታውን ወጻእን መልእኽትታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይሰርዕን ይዕቅብን።
3. ብዛዕባ ኣኼባ ንኣባላት ፈጻሚ ቤትሕፈት ይሕብር።
4. ብኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝተወሃቦ ዉክልና ይፍጽም።
5. ኣብ ዘይህላወ ኣቦ-መንበር ንቦትኡ ይትክእ።
ዕማማት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት፡-
1. ንኣህጉራውን ዞናውን ዓውድታት ኣብ ኣገልግሎት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ንክዉዕል ይሰርሕ.።
2. ብደረጃ ሃገርን፡ ሕብረ-ሃገራትን ዓለም-ለኻዉያን ማሕበራትን ዝግበር ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ንምብርትዑ ይዓዪ።
3. ኣብ ሃገራዊ ልዑላውነትን ሰናይ ጉርብትናን ኣብ ምርግጋጽ ዝተሰረተ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ንምትግባር ይጽዕት።
4. ብኣህጉራውን ዞባውን ደረጃ ንስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምንጻል ይዓዪ።
5. ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኣድላዪ ሰነዳት ብምድላውን፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ክግልገለሉ ይዓዪ።
6. ረብሓ ህዝብና ዘገልግል ዝምድናታት ምስ ኩለን ማሕበራትን መንግስታትን ንምፍጣር ይጽዕት።
7. ልኡኻት ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ምውፋርን ብኣድላዪ ሰነዳት ምዕጣቕን ንህዝቢ ኣብ ጎድኒ ጥ.ደሓ.ኤ ንክስለፍ ይዓዪ።
8. ኣብ መዳይ ወጻኢ ጉዳያት፡ ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ባይቶ ኣብ ግብሪ ንምዉዓሉ ይጽዕት።
9. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስሩዕ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን የቅርብ።
ዕማማት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሎቲካዊ ጉዳያት፡-
1. ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኲሉ ብምስራዕ ንምዕዋቱ ህዝባዊ ምልዓልታ ንምክያድ ይዓዪ።
2. መልእኽቲ ፖሎቲካዊ ቻርተር፣መሪሕ ሓሳብ፣መምሓደሪ ሕጊ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ናብ ህዝቢ ንምቅልሑ ይዓዪ።
3. ኣብ ኣባላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ዘሎ ዝምድናታት ንምሕያልን ከምእዉን ፍልልያት ኣብ ዝተመዝገበሎም ጉዳያት ምርድዳእን ምስምማዕን ንክፍጠር ይቓለስን ይዓይን።
4. ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያን ኣብ ልዕሊ ህብናን ዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ንሕብረተ-ሰብ ዓለም ብግቡእ ንኽፍለጡ ይዓዩ።
5. ንሽርሕታት ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምክቱ ፌስቲቫላትን ሰሚናራትን የዳሉ።
6. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስሩዕ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን የቅርብ።

ዕማማት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናዊ ጉዳያት፡-
1. ትካላት ዜና ጥ.ደሓ.ኤ የመሓድር።
2. ብስም ጥ.ደ.ሓ.ኤ ብስሩዕ ኣገባብ መጽሄት የዳሉ።
3. ንጥፈታት ጥ.ደ.ሓ.ኤ የቃልሕ።
4. ንስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምቅላዕን ንቕሓት ህዝቢ ክብ ንምባልን፡ ናይ ህዝብና መንፈስ መኸተ ንምሕያልን ይጽዕት።
5. ትሕዝቶን ተልእኾን ፖሎቲካዊ ቻርተር፣መሪሕ ሓሳብ፣መምሓደሪ ሕጊ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ንምብራህ ትጽዕር።
6. ኣብ ዜናዊ መዳይ፡ ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ባይቶ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣብ ግብሪ ንምዉዓሉ ይጽዕት።
7. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስሩዕ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን የቅርብ።
ዕማማት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት፡-
1. ነቲ ህዝብና ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ መኸተታት ብምምራሕን፡ ህዝቢ ንሕጋዊ መሰላቱ ክምንዝዕ ንምብቅዑ ይጽዕት።
2. ንሽርሕታት ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምክቱ ኣስተምህሮን ሰሚናራትን የዳሉ።
3. ህዝቢ ንምንቕቓሕ ዝዓለሙ ዑደታትን ሰሚናራትን ምድላውን ርኽክባት የካይድ።
4. ዉሳኔታት፡ ርእይቶታትን መግለጽታትን ጥ.ደ.ሓ.ኤ ኣብ ህዝቢ ንኽበጽሑ ብትግሓት ይሰርሕ።
5. ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ትካላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ምውህሃድን ምርድዳእን ንምፍጣር ይዓዪ።
6. ከም ሰብኣውን ፖለቲካውን ሕቶ መጠን፡ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ ኣትኩሮ ሂቡ ጸገማቶም ንምቅላል ይዓዪ።
7. ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላት ብምቛምን ነቲ ኣብ መዓስኸራት ስደትኛታት ዝነብር ዘሎ ህዝብና ካብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ናይ ሞራልውን ንዋታውን ሓገዛት ንምርካብ ይዓዪ።
8. ጸጥታውን ጥዕናውን ትምህርታውን ቁጠባውን ስቅያትን ዓጸቦን ስደተኛታት የቓልሕ።
9. ኣብ መዳይ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት፡ ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ባይቶ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ይጽዕት።
10. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስሩዕ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን የቅርብ።
ዕማማት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ጉዳያት፡-
1. ብመሰተረት መደብን ዉሳነኔታን ጉባኤን ባይቶን ነቲ ወተሃደራውን ክንፊ ህዝባዊ ቃልስና ንምሕያሉን፡ ነቲ ናይ ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ወታደራዊ መሓውር ንምድምሳሱ ይጽዕት።
2. ንስርዓት ዉልቀ-መላኺ ኢሳያስን ናይ ገበን መሻርኽቱ ህግደፍዋንን ካብ ዝባን ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምእላዮ ነቲ ወተሃደራውን ክንፊ ህዝባዊ ቃልስና ዘድልዮ ቀረባት ምርካብ ይዓዪ።
3. ወተሃደራውን ክንፊ ህዝባዊ ቃልስና ናብ ሓደ ሃገራዊ ትካል ንምምዕባሉ ዘድልዩ ኮርሳትን መደባትን ሓንጺጹ ንምዕዋቱ ይሰርሕ።
4. ምስ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ጽኑዕ ምትእስታር ዝግበረሉ መደባትን ዉሳነታትን ብምሕንጻጽ፡ ንምዕዋቱ ይጽዕት።
5. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስሩዕ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን የቅርብ።
ዕማማት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታዊ ጉዳያት፡-
1. ብመሰተረት መደብን ዉሳነኔታን ጉባኤን ባይቶን ነቲ ጸጥታዊ ክንፊ ህዝባዊ ቃልስና ንምሕያሉን ይዓዪ።
2. ምድምሳስ ናይ ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ጸጥታዊ ማሐዉር ከም ቀንዲ ዕማሙ ብንጹር ኣቀሚጡ ይቃለስ ።
3. ንምዕናዉ ናይ ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ጸጥታዊ ማሐዉር ዘክኣልዎ መሳሪሒታትን ንምዉናን ይነጥፍ።
4. ንምድምሳስ ኢቲ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ ኤርትራ ስጋብ ሲናይ ተዘጊሑ ዘሎ ኣብ መሸጣ ሂወትን ኣካላትን (Human and organ trafficking) መንእሰያት ኤርትራ ተዋፊሩ መርበብ ማፍያ ይሰርሕ።
5. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስሩዕ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን የቅርብ።
ዕማማት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባውን ምጣነሃብታውን ጉዳያት፡-
1. ጠቕላላ ገንዘብን ንብረትን ጥ.ደ.ሓ.ኤ ይቆጻጸር፡፡
2. ኣታውን ወጻእን ገንዘብ፡ ኣብ ሳጹን ዝርከብ ገንዘብን ጥ.ደ.ሓ.ኤ የምሓድር።
3. ንዕላማታት ጥ.ደ.ሓ.ኤ, ምዕዋት ዘኽእል፡ ገንዘባውን ሞራላውን ደገፋት ንምርካብ ትጽዕት።
4. ውሳኔ ክውሰደሎም ዘለዎም ህጹጻት ገንዘባዊ ጉዳያት ምስ ዝርከቡ፡ ቅልጡፍ ሕጋዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ንኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይሕብር፡፡
5. ጠቅላላ ተቖጽጻሪ ኦዲት ክገብር ኣብ ዝመጸሉ መዝገባቱ የርኢ/የረኽብ።
6. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስሩዕ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈቱ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን የቅርብ።
ሰ. ሽማግለታት
ኣብዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ እዘን ዝስዕባ ቀወምቲ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት ከነቅዉም ይግባእ።
1. ሽማግለ መጽናዕቲ ቅዋምን ቅዋምነት ኣብ ኤርትራ።
2. ሽማግለ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ዕርቂ፡ ሕድገታትን ምጽዉዋርን።
3. ብዛዕባ ብስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸሙን ዝፍጸሙ ዘለዉን በደላትን ገበናትን እትስንድን እተጽንዕ ሽማግለ።
4. ንምርግጋጽ ዕዙዝን ዕቱብን ተኻፋልነት መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብዚ ህዝባዊ ቃልስና እተጽንዕ ሽማግለ።
5. ብዛዕባ ድሕሪ ዉድቅት ስርዓት ህግደፍ ክንክተሎ ዘሎና ምጣኔ-ሃብታዊ ሜላ (policy) እተጽንዕ ሽማግለ።
6. ብዛዕባ ድሕሪ ዉድቅት ስርዓት ህግደፍ ክንክተሎ ዘሎና ዓይነት ዘይምእኩል መንግስታዊ ምሕደራ እተጽንዕ ሽማግለ።
7. ብዛዕባ ትሕዝቶ መሬትን ዋንነቱን ኣብ ኤርትራ እተጽንዕ ሽማግለ።
8. ብዛዕባ ኣመሰራርታ ብሄራትን ብሄራዉነት ኤርትራ እተጽንዕ ሽማግለ።
9. ብዛዕባ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ሓለዋን ጸጥታን ሃገር ብኸመይን ብየናይ ኣገባብን ዳግማይ ስርርዕ ክነብረሉ ከምዘሎና እተጽንዕ ሽማግለ።
10. ንመሰል ሓተቲ ዑቑባን ስደተኛታትን እትጣበቅ እትስንድን ሽማግለ።
11. ንትሕዝቶ ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ዉልቀ መላኺ ሃገርና ክግበር ዘለዎ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ እተጽንዕ ሽማግለ።
12. ኣብ ጽባሕ ምዕናዉ ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ/ህግደፍ፡ ነዚ ኣብዚ ጉባኤ ንምስርቶ ዘሎና ባይቶ ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ብካብቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ብደሞክራሳዊ ኣገባብ ዝተመርጹ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳታት ሃገርና ናብዚ ባይቶ ዝጽንበርሉ ኣገባባት እተጽንዕ ሽማግለ።
ነፍሲ-ወከፍ ሓላፊ ቀወምቲ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት ምስ ኣቦ መንበርን ሰክረተር ፈጻሚ ባይቶን ብምምኻር መሳርሕቱ ዝኮኑዎ ባእታታት ናይ ምሕጻይ መሰል ኣለዎ። ብመንገዲ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣቢሉ ከኣ ነቶም ንመሳርሕቱ ክኮኑ ዝሓጸዮም ባእታታት ንኽረግኣሉ ናብ ባይቶ ደሞክራስዉያን ሓይልታት የቅርብ። ባይቶ ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ ከኣ ንሕጹያት ናይ ምቕባልን ምንጻግን መሰል ኣለዎ። እዚ መሰርሕ’ዚ ካብ ምዝዛም ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሳዊ ለዉጢ ካብ ክልተ ወርሒ ኣብዘይነዉሕ ግዜ ክፍጸም ይግባእ።
ታሽዓይ ዓንቀጽ፡ ጠቕላላ ተቖጻጻሪ፡-
1. ገንዘብን ንብረትን ጥምረት ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ ይቆጻጸር።
2. ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘድሊ ጉዳይ ክኽሰት እንከሎ፡ ንኣቦ መንበር ባይቶ ይሕብር።
3. ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዝረኣዮ ግዜ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰነድ ኣታውን ወጻእን ክሓትት መሰል ይህልዎ። ዝምልከቶም ኣካላት በዚ ምእዙዛት ይኾኑ።
4. ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ባይቶን ጠቕላላ ጉባኤን የቕርብን።
ዓስራይ ዓንቀጽ፡ እቶት ጥምረት ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ፡-
እቶት ጥ.ደ.ሓ.ኤ እዚ ዝስዕብ’ዩ፡-
1. ካብ ወርሓዊ ውጽኢታትን ካልእ ኣበርክቶታትን ኣባላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ።
2. ብወፈያታት ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ።
3. ካብ እትዋት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ።
4. ካብ ዘይቅድመ ኩነታዊ ሓገዛት ካብ ሕበረተ-ሰብ ዓለም።
ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ፡ ሓፈሻዊ ጉዳያት፡-
1. ኵሎም መሪሕነት ባይቶን ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብምሉእ ግዜኦም ንስራሓት ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ዝነጥፉ ክኮኑ ኣለዎም።
2. ዝኾነ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ቨርገሳዊ ማህበር ወይ ውልቀ ሰብ፡ ኣርማ ጥ.ደ.ሓ.ኤ ክጥቀም መሰል የብሉን።
3. ኣብዚ ሕጊ’ዚ ምምሕያሽ ናይ ምትእትታው መሰል ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ጥራሕ’ዩ።
4. ኣብ ሞንጎ ትካላት ጥ.ደ.ሓ.ኤ ፍልልይ ኣብ ዝፍጠረሉ ግዜ፡ ሕግታት ናይ ምትርጓም ሓላፍነት ዘለዎ ባይቶ ጥምረት ደሞክራዉያን ኤርትራ ጥራሕ ኢዩ።
5. ባይቶ ጥምረት ደሞክራስዉያን ሓይልታት ኤርትራ ብመሰረት ኣብ 2011 ዝተጋብአ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝወጸ ውሳኔ ስተመስረተ ሕጋዊ ወኪል ጥምረት ደሞክራሳዉያን ሓይልታት ኤርትራ’ዩ።
ተፈጸመ 
erfsauo@yahoo.com
መስከረም 26, 2011

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

Comments

Document submitted to political branch of the ENCDC by Dr. Negassi Hadgu, Sept 2011 — 5 Comments

  1. Haf keibelas tat abela zblwos leka keimzi ms kone iyu. The Awassa skunks never fail to amaze Eritreans. Now they have come up with a mile long list of the duties and responsibilities of their dream jobs in future Eritrea without explaining who is going to remove the PFDJ regime. As always, however, sensible Eritreans have been offering their concerns and advice to the Awassa skunks and their supporters to dissolve the 127 members of ENCDC committee and start afresh. However, the ENCDC is totally dominated by Islamic extremists whose main goal not to establish a democratic system but to stir up religious chaos in Eritrea. The committee is another face of the criminals in the Tedamun Coalition and it is about time people understand their mission and goals before it is too late. For starters, they need to get rid of the 127 member-leadership of the ENCDC immediately and elect another one that truly reflects the reality of the Eritrean society: 50% Christian highlanders and 50% Muslims. Anything else is simply a waste of time and energy. It is that simple!

    VA:F [1.9.22_1171]
    Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
    VA:F [1.9.22_1171]
    Rating: 0 (from 0 votes)
  2. Leave these fake erittreans to enjoy chewing khat with thier boss chenawi Zenawi . These are corrupted and selfish who want a short cut. H.E. Isyayas won’t mention by these bunch of illiterate and crap. Eritreans will let to you enjoy with ur dream. Otherwise, we real eritreans will wait you what crazy thinking will be next in Awassa. Your illusion government will be in Dedebit or Adwa NOT BELOVED ASMARA.

    VA:F [1.9.22_1171]
    Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
    VA:F [1.9.22_1171]
    Rating: 0 (from 0 votes)
    • Dear Agamino2001,
      I am Hama-sinai, from Agame of Tigrai. You have a very good name. i have also selected my name deliberately. Hamasien= Hamasi, someone who always works for terror. And as a result its citizens leave their coutry and diie in the desert, sinai.
      When we see your histroy, you were used to wash the ASS of italians (your lords and colonizers); And whenever, the lords need, your grand fathers were used to give their ass in a dog style, which is forbiden in my culture. HAMASiens are known for this ugly history. The Agames were poor but also pure, they do not have any bad spot in their history. they are proud of thier history
      In the future, i will follow you and give you additional dose, so that you will be cured from your disease. For today this is enough. have a nice stay

      VA:F [1.9.22_1171]
      Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
      VA:F [1.9.22_1171]
      Rating: 0 (from 0 votes)
      • Dear narrow minded,
        i know Tigray far more better than you. First, Tigray is known on envy and betrayal behavior that is why we call a road called “Lib Tigray” you know i am talking about. As everybody knows that for the last 200 years until 1991 Tigray is barren and unproductive land except ash and black stone unless around shire or Axum. The entire Tigray is worthless, all property and wealth we saw now migrated from southern and central Ethiopia. It reminds me one day mengistu hailemariam said, ” Tigray is pure ash and dry land even the government didn’t get a value of single chalk worth unless bankrupting the wealth of other part of Ethiopia”. So, agamino i know u are deep sinking when ur government collapse soon. You will be back where you used to be like beggar and migrate to Eritreans Street and Sudan streets. No place to go even inside Ethiopia when ur minority government collapse.

        VA:F [1.9.22_1171]
        Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
        VA:F [1.9.22_1171]
        Rating: 0 (from 0 votes)
  3. Regardless of the oobstacles, the oppostition camp should unite and speak with one voice, sing from the same hymn sheet. Otherwise the suffering will continue, the fake patriots will slaughter more and more Eritrean citizens.

    Eritreans demand unity and are not satisfied with anything less. United front is the killer of this ruthless dictatorial regime called PFDJ.

    VA:F [1.9.22_1171]
    Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
    VA:F [1.9.22_1171]
    Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>