ሓባራዊ መግለጺ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM) ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን (EYC) ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም

 

ሓባራዊ መግለጺ

 

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM) ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን (EYC)

ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም

ወርቃዊ እዮበልዩ

ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ሎም ባሕቲ መስከረም ወርቃዊ ኢዮበልዩ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንሓርነት እዩ::

ኣብ ሎም ኮይንና: ንድሕሪት ምስ ንርእይ ኣብቲ ቅድሚ 50 ዓመታት ዝተጀመረ ዕጥቃዊ ጉዕዞ ንሓርነት: ዝተሰግሩ ብጽምኢ ዝቐትሉ ሃሩር ኣጻምእን: ብዛሕሊ ዝገርፉ ቆረርቲ ሮራታትን: ክትወጾም ዘስተንክሩ ኣኽራናትን: ክትወርዶም ዝኸብዱ መስገደል ስንጭሮታትን: ዝብላዕ ተሳኢኑ ብጾም ዝተሓድረሉ ግዝየን: ዝኽደን ተሳኢኑ ዝተዓርቀሉ ግዝየን እናሓሰብናን: ምስ ሎም እናወዳደርናን፡ ከም ህዝቢ ኣብቲ ጉዕዞ ነዊሕ ከምዝተጎዓዝናን: ካብ ሓደ መድርኽ ናብ ካልእ ከምዝሰገርናን ንርዳእ:: ነቲ መድርኽ እቲ ዝኽፈል ከፊሎም ዘስገሩና ጀጋኑ ስዉኣትን ህሉዋትን ደቅ ህዝቢ ድማ ኣብ ታሪኽን ኣብ ሕልናን ኣስማቶም ተወሪቑ ከምዝጸሓፍ ኣይንጠራጠርን:: ሓርነት ጉዕዞ ስለዝኾነ: ኣብዚ ጉዕዞ ከም ህዝቢ መድርኻት እናሰገርና ነቲ ኣዝዩ መሪር መዋእል ሰጊርና ናብ ናጽነት መሬት ምብቃዕና ክንኮርዓሉ ዝግባእ እዩ::

ርግጽ እዩ ፈለምቲ ብረታዊ ቃልሲ: እቲ ዝጀመሩዎ ጉዕዞ ሓርነት: ልሙጽን ምቹእን ክኸውን ኣይተጸበዩን:: ግን ድማ እቲ ኣብ መገዲ ዘጓነፈ መኻልፋትን ሕማቕ ኣጋጣምታት ኩሉ ተጸብዮሞ ክንብል ኣይንኽእልን::

መስርሕ ቃልስና ብሓደ ሸነኽብዓብዪኡ ኩናት ሕድሕድን ካልእ ክኸውን ዘይነበሮ ሓርጎጽጎጽን: ዘይምኽኑይን ዘይግባእን ክሳራ ናይ ህይወትን ንብረትን: ናይ መንብሮን ዕድላትን ዘኸተለ ከምዝነበረ ምቕባል ግቡእ እዩ:: እዚ ብኤርትራውያን ኣብ ኤርትራውያን ዝወረደ ክሳራ ከነልዕሎ ዝኸብድ: ክንሰግሮ ግን ፍጹም ዘይግባእ: ንሓዋሩ እውን ከም ህዝቢ ክንፍውሶ ዝግባእ ታሪኽ ምዃኑ ኣይከሓድን::

እቲ ካልእን ኣንጸባራቕን ሸነኽ ናይቲ ቃልስና ግን: ካብ በጻብዕ ዝቑጸሩ ሰባትን ድሑር ንዋትን ተበጊሱ: ዓርሞሸሽ ሰራዊት ባሕርን መሬትን: ንዑኡ ዘመሓድር ምዕቡል ስርዓትን ዝተኸለ: ንገዛእትን ንዘራያቶምን ዘረብረበን: ዝሰዓረን: ኣብ መወዳእትኡ ድማ ንገዛእቲ ስርዓታትን: ወተሃደራዊ: ፓለቲካዊ ምምሕዳራዊን ውዳበታቶምን ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ዘውጽአ ቅልጽም ሓፋሽ ዝተራእየሉ: ህዝቢ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ክቱር ፍቕሩ ንሓርነት ዘመስከረሉ: ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ እንተላይ ኣብ ስነጥበብን ስነፍልጠትን: ኣብ ሕክምናን ትምህርትን: ምዕቡል ምሕደራን ዲፕሎማሲያን ዝተኻየደሉ: ኣግእዞ ደቀንስትዮ ኣብ ዓለም ብዘይካ ውሑዳት መዘና ብዘይብሉ ኩነት እተራእየሉ: ዓብይ መስተንክራውን ኣብነታውን ቃልሲ እዩ ነይሩ:: እቲ ዝዓበየን ንወለዶታት ሃገርናን ዓለምን ዝተርፍ ትምህርቲ ገድልና፡ ሓቂ ሒዙ ሓርነት ዝደሊ ይሳቐ፡ ይግፋዕ፡ ይዳጎን ይበሊ፡ ህይወቱን ህይወት ፈተውቱን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ እንተኾነ፡ እቲ ንሱ ዘልዕሎ ሓቀኛን ርትዓዊን ሕቶ ግን ዓጋቲ ከምዘይብሉን ከምዝዕወትን ርጉጽ ምዃኑ እዩ::

እዚ ክንድዚ ንንየተሉ ዓወት ግን ኩሉ ግዝየ ብመንጽር እቲ ንብረታዊ ቃልሲ ይኹን ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፓለቲካዊ ቃልሲ ዝደረኸ ክብርታት ሓርነት ህዝብና ክንርእዮ ኣገዳሲ እዩ:: ከምኡ ምስ ንገብር ድማ እቲ ነቲ ቃልሲ ዘበገሰ ክብርታት: ንመሬት ኤርትራ ብኤርትራውያን ንምምሕዳር ጥራይ ዝማእከሉ ከምዘይነበረ ንርዳእ:: እንታይ ድኣ: ምሉእ ዘይጉዱል ሰብኣውነትን ማዕርነትን ሰባትን ምርግጋጽ፡ ሓርነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ካብ ዝኾነ ይኹን መግዛእቲ ሓራ ምግባር ዝብል ስነሓሳብ ዝሕመረቱ ነይሩ:: ብሚዛንዚ ስነሓሳብ ምስንርእይ ድማ እቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ከምዝበጻሕናዮ ዘይንክሕዶ መድርኽ መሬታዊ ናጽነት ኤርትራ ኣገዳሲ ምዕራፍ እኳ እንተኾነ: መዛዘሚ ቃልስና ከምዘይነበረ ይንጸረልና:: ቃልስና ብዓወት ተዛዚሙ ንኽንብል: እቲ መንቀል ቃልስና ዝኾነ ሃረርታ ምሉእ ሓርነት ህዝቢ ብዘየዋላውል ክንበጽሖን፡ ብኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከቢሩን ካብ ባርነት ተናጊፉን ምሉእ ሓርነት ክወጽእን የድሊ::

እንተኾነ ሎም: ብኣንጻር ሃረርታና፡ ጉዕዞ ሓርነትና ብዉሑዳት ኣጽነትቲ ጉጅለታት ተጨውዩስ እቲ ህዝቢ ንዘመናት ዝደመየሉ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክተከል ኣይተኻእለን:: ሎም ምሕደራ ኤርትራ: ካብ ሓውሲ-በርጌሳዊ ናብ ምሉእ ወትሃደራዊ: ካብኡ ሓሊፉ ናብ ጉጅለኣዊ ሰጊሩ ይርከብ። ንሱ ከይኣክል እቲ ተረኺቡ ዝነበረ ተዛማዲ ዓወትን ሓርነትን ህዝቢ እናተጓዕመመ ባዶ ከምዝተርፍ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣደዳ ስደትን ከርተትን ኮይኖም፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተረፉ ድማ ኣደዳ ባርነትን ማእሰርትን ኮይኖም ኣለዉ። እቶም ንገድሊ ዝተወፈዩ ወለዲ ደቅኹም ኣምጽኡ ተባሂሎም ከም ኣቕሓ ብትሕጃ 50 ሽሕ ይሕየሩ ኣለዉ። መሻይኽን መነኮሳትንእምነታቶም ስለዝሰዓቡ፡ ጸሓፍቲስለ ዝጸሓፉ፡ ዓበይቲ ዓዲክፉእ ኣሕዋት ርእዮም ክዓርቁ ስለዝፈተኑ ይዳጎኑ ኣለዉ። ንመጻኢ እናርኣና ከይንትስፎ ድማ እቶም ተካእቲ ወለዶ ዝኾኑ ንኡሳት ተመሃሮ፡ ክንዲ ኣብ ናጻ ከባቢ ብናጽነት ዝመሃሩ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራውያን መዓስከራት ዘይኮነ ፕሮፖጋንዳ ዝመሃርሉ ዘሕዝን ዘመን ጊልያነት ወዲቕና ንርከብ::

ሎም ኣብ ኤርትራ መንግስትነት ጨቢጡ ዘሎ ጸቢብን ናይ ውሑዳትን ኣጽናቲ ጉጅለ ዝኸዶ ዘሎ መገዲ ካብቲ ፈለምቲ ቃልስና ዘመልከቱዎ መኣዝን ኣዝዩ ርሒቑ ጥራይ ዘይኮነ ብኣንጻሩ ናብ ጥፍኣት ተማእዚኑ ንኺድ ጥራይዝሕላገቱ ባዶ ፍልስፍና ንብምልእታ ሃገር ኣብ ደንደስ ጸድፊ ኣብ ሓደጋ ኣንቢሩዋ ይርከብ፡፡ ነቲ ኣብ ነዊሕ ዘመን ገድሊ ብሉጻት ከፊልና ዝተጎናጸፍናዮ ዓወታት ጥበብ: ትምህርቲ: ሕክምና: ምሕደራ፡ ዲፕሎማሲያ: ኣግእዞ ደቀንስትዮን ካልእን ዓወታት ዓቂቡ ክስጉም ኣይክኣለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘስደመም ኣገባብን ፍጥነትን ንድሕሪት እናመለሰ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ንዘመናት ብርጉእ ማሕበራዊ መንብሮ ዘካየደና ሓራን ንመሰሉ ““ዱኽዐይኢሉ ደው ዝብል ኣተሓሳስባን፡ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣጽኒቱ፡ ኣብ ቦትኡኣብሩኽተባሂሉ ብዘይ ሕቶ ዘብሩኽ፡ ንሓዋሩ መሰሉ ዘይሓትት፡ ንገዛእቲ ዝምችእእሺበሃሊ ግዙእ ኣተሓሳስባ ኣብ ንኡሳት ከስርጽ ለይትን ቀትርን ህርድግ ይብል ኣሎ:: በዚ ድማ ንሃገር ናብ ናይ ባሮት ደምበ ክቕይራ ይደናደን ኣሎ። ነቶም ንእስነቶም ወፍዮም ነቲ ኩሉ ዓወታት ክጭበጥ ባይታ ዘንጸፉን ዘካየዱን፡ ንገለ ነታ ዝተጋደሉላ መሬት ከይረግጹ ከልኪሉ፡ ንገለ ኣባሪሩ፡ ንገለ ኣሲሩን ንገለ ድማ ህይወቶም ኣሕሊፉ፡ ንታሪኽ ገድሊ ጠማዚዙ ክውንን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ታሪኽ ክሰርቕ ንርእዮ ኣለና።

ኣብ ከምዚ እዋን ኩልና ፈተውቲ ሓርነት: ንሕሉፍ ዓወታትና ዓቂብና: ነቶም ንስርቂ ታሪኽናን፡ ንምጭዋይ ጉዕዞናን ዝሰርሑ ዘለው ውሑዳት ኣለሊናን ኣሊናን ናብቲ ፈለምቲ ቃልስና ዝተበገሱሉ ግና ዛጊት ዘይበጻሕናዮ እምባ ሓርነት ምምራሽ ካልኣይ ዘይብሉ ምርጫና እዩ:: ኣብ ምምላእ እቲ ዘይተዛዘመ ጉዕዞ: ካብቲ ዝሓለፈ ጉዕዞ እናተመሃርና፡ ብሓድነት ብንጽህና ልቢን ሓድሕድ ምክብባርን ክንጉዓዝ ድማ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ኣጋጣም ንኹሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዘለው በብዘለውዎ ክነቕሑን ክውደቡን፡ ናብዚ ተበጊስናሉ ዘለና ጉዕዞ ሓድሽ ልደት ሓርነት ምሳና ክጎዓዙን ሕውነታዊ ዕድመና ነቕርበሎም።፡

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ንብረታዊ ገድሊ ዝደረኸ ኩነት እቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ ፓለቲካዊ ቃልሲ እዩ: ነቲ ፓለቲካዊ ቃልሲ ዝደረኸ ድማ ሕዱር ክብርታትና እዩ። እዚ መሰረት ቃልስና ዝኾነ ክብርታት ነዚ ሎም እንገብሮ ቃልሲ ንሓርነትን ንብድሕሪኡ ዝካየድ ጉዕዞን መራሕ-መገድና፡ ብሶላናን መልህቕናን ኮይኑ ክነብር እዩ:: እዚ ሓድሽ ልደት ሓርነት ኢልና ተበጊስናሉ ጉዕዞ ድማ ካብዚ ክብርታት ዝብገስ እምበር ካብ ህዋ ዝተንጠልጠለ ባዕዳዊ ስነ ሓሳብ ኣይኮነን:: ዓወትና ዓወት እዚ ክብሪ ሓርነት ዩ፡ ዓወትና ዓወት ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ዓወትዚ ርጉጽ ከምዝኸውን ድማ ሕሉፍ ታሪኽና ምስክር እዩ::

ሓርነትና ናይ ግድን እዩ!!!

ባሕቲ መሰከረም 2011

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>