Assenna.com
ምጽንባልስ ይጽንበል ኣሎ….
እነሆ ብድምጽና ዘይመረጽናዮ ስርዓት ኣብ ሃገርና ካብ ዝነግስ 21 ዓመቱ መሊኡ። መበል 21 ዓመት ዕለተ ልደት ሓዳስ ሃገር ይበዓል ኣሎ። ብመሰረቱ ሃገር ማለት ህዝቢ ካብ ኮነ እቲ ሕጂ ዝጽንበል ዘሎ በዓል፡ ዕለተ ሓርነት ሃገር እምበር ዕለተ ሓርነት ህዝቢ ጌርና ንርድኦ ከይንህሉ ተስፋ እገብር።
መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬት ሃገርና ተባሪሩ ድሕሪ ምዉጽኡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዕቑዳት (Decades) ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዝተዓዘብናዮ ሓድሽ ነገር እንተ ደኣ ሃልዩ ምድያብ ኢሳያስ ናብ ስልጣን ፕረዚደንትነትን ምቕያር መጸዉዒ ስም ናይቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ዉድብን ጥራይ እዩ። እቲ ዋና ጸሓፊ ዝበሃል ዝነበረ ፕረዚደንት ተሰይሙ። እቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝበሃል ዝነበረ ዉድብ ድማ ነቲ ብሃረርታ ጽምኢ ሓርነት ተሳቕዩ ዝነበረ ህዝቢ ከዳህልል ንስሙ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ቀይርዎ። ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ድማ ብመንግስቲ ኤርትራ ተተኪኡ።
ይኹን እምበር እቲ ኣብ ጽባሕ ግዝኣታዊ ሓርነት ኣብ ሓዳስ ሃገር ዝተተኽለ መንግስቲ ኣብ መትከል ፍትሒን ማዕርነትን ኣሚኑ ንመሰል፡ ምርጫን ስልጣንን ህዝቢ ከኽብርን ካብ ኣሉታዊ ተመኩሮ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ክመሃርን ትጽቢት እናተገብረሉ ከሎ ኣብ ምድልዳልን ምብሓትን ስልጣን ብምትኳር ኣንጻር እቲ ክምርሓሉ እየ ኢሉ ቃል ዝኣተወሉ ፍትሒን ደሞክራሲን ኲናት ኣዊጁ።
ብቐደሙ’ዉን ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ናጽነት ዓዚዝዎ ኣየቃለበሉን ጸኒሑ እምበር፡ መሪሕነት “ህዝባዊ” ግንባር ካብቲ ኣብ ሰዉራ ኤርትራ ዝተቐልቀለሉ ፈለማ 70ታት ኣትሒዙ ብናይ ኢ-ደሞክራስያዊ ኣካይዳኡ ዝፍለጥ ጉጅለ እዩ። ስለዚ ድማ ስልጣን ሓዳስ ሃገር ምስ ተረከበ፡ በቲ ካብ በረኻ ሒዝዎ ዝመጸ ዉህሉል ናይ ምዕፋን ተመኩሮኡ ተሓጊዙ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘመነ ስታሊን ናይ ሩስያ ዘዘኻኽር ምልካዊ ስርዓት ክተክል ብዙሕ ኣይተጸገመን። ንህዝቢ መሰል-ኣልቦ ገይሩ፡ ወናኒ ፍጹምን ሓታቲ ዘይብሉን ስልጣን ክኸዉን ግዜ ኣይወሰደን። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ “ሓርነትካ ቅበጻ” ዝብል ዘይወግዓዊ ኣዋጅ ዝተኣወጀሉ ካብቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ እዩ።
ህዝብና ኣብ ፈቖዶ ዱር በረኻ ምስ ተመነ-ዕንቅርቢት ተመሓዝዩ፡ ጥሜትን ዕርቃንን ተጻዊሩ ናይ ናጽነት ቃልሲ ከካይድ ከሎ  ዝነበሮ ባህጊ፡ ሓዳስ ሃገር ምምጻእ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ፍትሒን ደሞክራሲን ላዕለዋይ ኢድ ዝሕዘላ ሃገር ምምስራት እዩ ነይሩ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ንድምር ቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ ጨዉዩ ስልጣን ምብሓቱ ከይኣክል፡ ንናይ ሓደ ዘመን ራእይ ህዝብና ከም ግመ ወጋሕታ ኣብኒኑ መቐጸልታ ኢድ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኮይኑ። እቲ ካብ በረኻን ስደትን ናብ ዓዱ ተመሊሱ ጸሓዩ ከብርቕ፡ ዝዓነወት ቤቱ ክሃንጽ፡ ናብራኡ ከቃንዕ፡ ብፍትሒ ክመሓደርን ሃገሩ ከልምዕን ተመንዩ ዝነበረ ህዝብና ድማ ንትምኒቱ ኣብ ናይ ቋሕ ሰም ግዜ ርእዩ ስኢንዎ።
ህዝብና፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰሪሑ ዝዕንገለሉ፡ ደቁ ኣዕብዩ ንቑም-ነገር ዘብቅዓሉን ናብራኡ ብሰላም ዝመርሓሉን ሃዋሁ ጥራይ ኣይኮነን ሓሪምዎ። ካብቲ ባዕዳዉያን ገዛእቲ ዘዉረዱሉ ግፍዒ ብዘይፍለ ኣገባብ’ዉን እዩ ዉርደትን ሓሳረ መከራን ዝቕበል ዘሎ። ሃገር ብምልእታ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ብምህላዋ፡ ስዉር ሕልናዊን ኣካላዊን መቕጻዕቲ ኣብ ዝካየደለን ማእከላት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፍጸም ዘሎ ኣሰቃቒ መርመራ፡ ካብቲ ብዙሕ ዘይተነግረሉ ግፍዒታት ስርዓት ኢሳያስ እዩ። “ፍትሒ ይንገስ፡ ምልኪ ይፍረስ” ኢሎም ብዓዉታ ድምጾም ኣበሪኾም ስለዘስምዑ ጥራይ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡ ገጽ መጋብኣያ ከይረኣዩ ብዘይ ፍርዲ ደረት ንዘይብሉ እዋን ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዕድሚኦም ዘብልዩ፡ ዝሞቱን ስቅያት ዝቕበሉን ዘለዉ ወገናትና ኣሽሓት እዮም።
“ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ዕማም ተዋሂብወን ኣብ ዝተመስረታ” ትካላት ዝረአ ናይ ሰበይ ሰብካ፡ ጉቦ፡ ሃይማኖታዊን ወገናዊን ኣሰራርሓ፡ መቀሓሓሪ ህዝቢን መናዉሒ ዕምሪ ስልጣንን እንተኾነ ተባሂሉ ያኢ ብመደብ ብስቕታ ይሕለፍ ኣሎ። ዓንዲ ማእከል ስርዓተ-ፍትሒ ሃገርና ክኸዉን ዝተነድፈ ሕገ-መንግስቲ ጅሆ ተታሒዙ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ዝተፈላለዩ መሰላት ከም ሓሳብካ ብናጻ  ምግላጽ፡ ናይ ምዉዳብ፡ ናይ ምንቅስቓስን ናጻ ኣምልኾን መሰላት ምስቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሳያስ ተቘሊፎም ኣለዉ። ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎም ከም ፓርላመንታዊ ደሞክራሲ፡ ናጻ ፕረስ፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝኣመሰሉ መትከላት፡ ስርዓት ኢሳያስ ክሰምዖም ከሎ ዘባህርርዎ ኣምራት እዮም።
ካብቲ ዘሕዝን፡ ሃገርና ክሳብ ሕጂ ካብ መጽሓፍቲ ሕጊ ሃጸይ ሃይለስላሰ ከም ዘለዎ ተወሪሱ “መሰጋገሪ ሕጊ” ብዝተሰምየ ናይ መሳፍንቲ ሕጊ ትመሓደር ምህላዋ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ከከም ስምዒትን ኣተሓሳስባን ወተሃደራዊን ሲቪላዊን ሰበስልጣናት ንመዓልቲ ሸዉዓተ ኣዋጃት ዝእወጀላ ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብ ኤርትራ ምዕሩይን ርትዓዊን ስርዓተ-ፍትሒ ክትከል ኣይተደልየን። ሃገርና፡ ካብ ዘይተጻሕፈ ሕጊ ተገላጊላ ምስቲ ዝኸተመትሉ መትከላት ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዝሳነ ናተይ እትብሎ ስርዓተ-ሕጊ ክህልዋ ኣይተፈቕደላን። ጉዳይ እሱራት ፖለቲካ ኣብ ክፉትን ናጻን መጋብኣያ ከም ዝረአ ኣይተገብረን። ፖለቲካዊ ስርዓት ሃገርና፡ ንህላወ ካልኦት ዉድባት ከም ዝጻወር ኮይኑ ኣይተሃንጸን። ስርዓት ኢሳያስ ካብ ጌጋታት በጋሚዶኣዊ ፖሊሲታቱ ተማሂሩ ኣብ ዞባና ካብ ዝፍጽሞም ዘለዉ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ዕንደራታት ክቑጠብ ኣይከኣለን። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ኣይኮነን ን21 ዓመት ንሓንቲ መዓልቲ’ዉን ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ናይ ምዉሳን ስልጣን ክህልዎ ዝግባእ ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ፡ እዚ ስልጣን’ዚ ዋንነቱ ናይ ህዝቢ ክኸዉን ኣይተደልየን።
ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ጽባሕ መሬታዊ ሓርነት ሃገርና ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ክኽተሎ ዝጸንሐ በጋሚዶኣዊ ኣካይዳ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ’ዉን ብግብሪ ክጥቀመሉ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ብዘይኣምን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ስርዓት ኢሳያስ ዝተሳቐያ ሃገራት ዞባና ብዙሓት እየን። ኣደራዕ ናይቲ ዉጽኢት ዓንዳሪ ፖሊሲ ዝኾነ ተግባራት መን’ዩ ዝስከሞ እንተ ደኣ ኢልና ድማ፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት እዮም። መንእሰያት ኤርትራ፡ ሕልምታቶምን ባህግታቶምን ሰዊኦም ኣገልገልቲ ናይዚ ስርዓት ክኾኑ በቲ ስርዓት ዝተፈርዱ ምዃኖም ከይኣክል፡ እቲ ስርዓት እናሓለፈ ኣብ ዝዉልዖ ግጭታት ገንሸላት ክኾኑ ጸኒሖምን ኣለውን። እዚ ስርዓት’ዚ እምበኣር ዕድመን ዕድላትን መንእሰያትና እናተቐለበ እዩ 21 ዓመቱ ረጊጹ ዘሎ።
ከም ዝዝከር፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ መሓመድ ቦዓዚዝ ዝተባህለ ቱኒዝያዊ መንእሰይ፡ ስርዓት ቢን ዓሊ ኣብታ ሃገር ብዝፈጠሮ ብልሽዉ  ምሕደራን ሽቕለት-ኣልቦነትን ተበሳጭዩ ነብሱ ብምቅጻል ዝጀመሮ ተቓዉሞ፡ ናብ ገዚፍ ህዝባዊ ናይ ተቓዉሞ ማዕበል ኣምሪሑ፡ ናብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብምልሓሙ፡ ኣርባዕተ ስርዓታት ንኽቕየሩ ምኽንያት ኮይኑስ ክሳብ ሕጂ’ዉን ይቕጽል ኣሎ። እቲ፡ ስርዓታት ቢን ዓሊ፡ ሑስኒ ሙባረክ፡ ሙዓመር ቓዛፊን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ካብ ስልጣኖም ንኽግለፉ ምኽንያት ዝኾነ ምረት ቱኒዝያዊ መንእሰይ ብብዙሕ መለክዒታት ካብ ምረት ኤርትራዉያን መንእሰያት እንተዘይዉሒዱ ኣይበዝሕን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እዞም ብንፋስ ለዉጢ ካብ ዙፋኖም ዝተዓልዉ ኣርባዕተ ስርዓታት ተደሚሮም ብባርባራዉነቶም ንስርዓት ኢሳያስ ኣይዳረግዎን እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ስቓይና ካብ ስቓይ ካልኦት ህዝብታት ዝዛይድ ካብ ኮነ፡ ካልኦት ህዝብታት ፈቲኖም ዝተዓወቱሉ ሜላ ተቓዉሞ ተጠቒምካ፡ ዕምሪ ስልጣን ናይዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ምሕጻር እዋናዊን ይጽንሓለይ ዘየድልዮን ጉዳይና ክኸዉን ይግባእ።
ኣማኑኤል ማህደረ
(iamamanuel@yahoo.com)
ክሳድ ንሓዝ
U.S. Embassy Asmara, Eritrea Message for U.S. Citizens Suspension of Routine Consular Services May 7, 2012
This message is to inform U.S. citizens that, due to limited staffing, the U.S Embassy in Asmara can provide only emergency services to U.S. citizens in Eritrea as of today, May 7, 2012. We regret that at this time we cannot offer non-emergency services, such as passports, Consular Reports of Birth Abroad, Consular Reports of Death Abroad, and notarial services. In addition, the Embassy in Asmara has also suspended visa services due to limited staffing. Embassy Asmara will announce alternative locations for consular services shortly.
U.S. citizens who travel to or reside in Eritrea are strongly advised to enroll in the State Department’s Smart Traveler Enrollment Program (STEP). U.S. citizens without Internet access may enroll directly with the U.S. Embassy or Consulate.  By enrolling, you make it easier for the U.S. Embassy to contact you in the event of an emergency.
Current information on safety and security can also be obtained by calling 1-888-407-4747 toll-free in the United States or a regular toll line at-1-202-501-4444 for callers from other countries. These numbers are available from 8:00 a.m. to 8:00 p.m. Eastern Time, Monday through Friday (except U.S. federal holidays). You can also stay up to date by bookmarking our Bureau of Consular Affairs website, which contains the current Travel Warnings and Travel Alerts as well as the Worldwide Caution. Follow us on Twitter and the Bureau of Consular Affairs page on Facebook as well.
ናይ መጠረሽታ ድግስ ህ.ግ.ደ.ፍ!
“ናጽነት ማለት፣  ናጽነት ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ናጽነት መሬት ጥራይ ኣይኮነን፡፡ሓደ ካብ ክልቲኡ እንተዘየለ ናጽነት ክበሃል ኣይክእልን ኢዩ፡፡ስለዚ በይኑ ሉኡላውነት ናጽነት መሬት ጥራይ መዓቀኒ ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፡፡”  እዚ ወርቃዊ ቃላት እዚ ኣብ ኣርባዓታት ሓርበኛ ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ዝበልዎ ኢዩ፡፡ጽሑፈይ በዚ ኣርሒቑ ዝጠመተ ሓቀኛ ትርጉም ናጽነት እየ ክፍልሞ መሪጸ፡፡እቲ ምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይከም ውዕለቱን ትጽቢቱን 21 ዓመታት ናጽነት መሬት እምበር ክብሪ መሰሉ ኣይተሓለወን፡፡ኣብ ገዛእ ርስቱን መወለዱን መበቆሉን ተጓንዩ እምበር ዋና ኣይኮነን፡፡ ካብ ገዛእ ማህጸኑ ብዝወጹ ብስሙ ንሓሶት ዝመሓሉን ዝጠሓሉን ጨካናት ደቁ ናብ ባርነት ኣትዩ እምበር ሓርነት ኣየስተማቐረን፡፡ናጽነት መሬት ዘምጻእናልካ ንሕና ስለ ዝኾና ከም መሎኮት ኣሚንካ ንግዝኣትና ተቐበሎ፡፡ንሕና ልዕሌኻ ንሓስበልካ፡፡ ስለዝኾነ ንሕና ብዝኣዘዝናካን ብዝበልናካን ኪድ እምበር ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ድምጹ ከስምዕ ኣይከኣለን፡፡
ናይ መጠረሽታ ድግስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ትንቢት ዘይኮነ ኣብ ክውንነት ተሞርኪሰ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡ብኡ መንጽር ኣብ ኩሎም ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ ብምባል ቆሪጾም ዝተላዕሉ ደለይቲ ዲሞክራስዊ ለውጢ ውጹዓት ኣማን ብኣማን ሓቂ ዝብል ነጎድጓዳዊ ድምጺ ከም ዝስማዕ ርግጸኛ እየ፡፡ኣብቶም ገለ ከምቲ ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም ውጩ ኢልዎ ዝበሃል፡ “ወዲ ኣፎርቂ ነዛ ሃገር ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ኢዩ ዝወስዳ ዘሎ፡፡ነዛ ዓዲ ይሃንጻን የልምዓን ዘይኮነ ይብትናን የዕንዋን ኢዩ ዘሎ፡፡ንሕና ከኣ ምስኡ ኮይና ኣብቲ ግናይ ኢድ መሊስና ኢና፡፡ ስለዚ ጥፍኣትናን ዕርበትናን ምስኡ ኢዩ”፡፡ ዝበሎ ኢድ ዝመለሱን ኣብ ደም ንጹሃት ዝወዓሉን፡ ደም ዝተጸየቑን ዝነጠሮምን ኣጥፊእካ ጥፋእ ምርጫ ውጩ ከም ዝምእምኦም ዘጠራጥር የብሉን፡፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ነቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ሽርሕታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተፈራረድ ነብሰ ገርግስ ስለ ዝኾኖም ልኡኽ ወያነ ኢዩ፡፡መጋበርያ ሲ.አይ.ኤ. ኣሜሪካ ኢዩ፡፡ ብምባል ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ደፊኖም በቲ ዝተኻሕንሉ ሜላ ካዕቦ ሓሶት ንገለ የዋሃት ከደናግሩ ክፍትኑ ኢዮም፡፡የማነ ጸጋም ዝዕቆቡሉን ዝሕብኡሉን ካልእ ስለ ዘየለ ክሳብ እታ ናይ መጠረሽታ ደቒቕ ግብኣተ መቓብር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ለኻኺሞም ምእንቲ ክጠፍኡ ንኺድ!! ንጽደፍ!! ጥራይ ከምዝጭርሑ ውን ፍሉጥ ኢዩ፡፡ይዋእ’ዮም እቶም ዘሕዝኑ እቶም እናረኣዩ ዝዓወሩን እናሰሙዑ ዝጸመሙን ሕሉፋት ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢና ዝብሉ ኢዮም፡፡ ኣብ ዘይጭበጥ ናይ ሕልሚ ዓለም ኣትዮም እናሓርነኹ ሞት እዚ ጽዩእ ስርዓት ከም ዝተኣውየ ዘይምስመዖም ኢዩ፡፡ብርግጽ ድማ እዚ ዓማጽን ገባትን ስርዓት ሞይቱ ኢዩ፡፡ እዚ ናይ ጓይላን ዳንኬራን ድግስ ናይ መጠረሽተኦም ኢዩ፡፡መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሓመድ ድበ ናይዚ ሞቱ ብዓውታ ዝተኣወየ ገባቲ ስርዓት ከርክብ ኣብ ትንፋስ ዘይህብ ኣዝዩ ቅልጡፍ ጉዕዞ ኢዩ ዘሎ፡፡
ሎሚ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንመበል 21 ግዜ ብልዑል ፈንጠዝያ ንምብዓሉ ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝበሃለሉ ዘሎ ናይ ዋዜማ ዕለታት ኢዩ፡፡ ዕስራን ሓደን ዓመታት ናጽነት ብኸመይ ከም ዝሓለፍናየን ድማ ንኹልና ዝተሰወረ ሚስጢር ኣይነበረን፡፡ህዝቢ ኤርትራ መሬታዊ ናጽነት እምበር ፍትሕን ዲሞክራስን ኣይረኸበን፡፡ኣብ ገዛእ ውራዩን ዳሱን ከም ዝተናዕቀ ፍንፉን ለማኒ ኣብ ኣፍደገ ተኾርምዩ እምበር ዋና ኣይኮነን፡፡ ካብ ምቕታልን ምእሳርን ምጭዋይን  ኣየዕረፈን፡፡ወናኒ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣይኮነን፡፡ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ መዐሙቕ ድኽነት ተሸሚሙ እምበር ምቾት ኣየስተማቐረን፡፡ዝነበረ ዋሕዚ ስደት ብዝተዓጻጸፈ ቀጺሉ እምበር ኣየዕረፈን፡፡ኣረ ኣብ ግዜ እቲ ፈደረሽን ኤርትራ ጥሒሱ ህዝቢ ዘበሳበሰ ዓድታት ዘንደደ ሃጸይ ሃይለስላሰን፡ድሒሩ በትረስልጣን ዝጨበጠ ኤርትራውያን ብሰንሰለት ታንክ ዝዓምጠቐ፡ ነፍሰ-ጸራት ኣዴታትናን ኣሓትናን ብብልሒ ሳንጃ ዝተሳህለ ፋሽሽታዊ ደርግ፡ ዘይተራኣየን ዘይተሰምዓን፡ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ዓለም ዘደንጸወ ትራጀድያዊ ፍጻመ ሲናይ፡ ዝምታ ውሽጣዊ ኣካላት ኤርትራውያን መናእሰያት ናጽነት ተባሂሉ ኣብ ዝተዘመረሉ ሕጂ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፡፡ሃገር ናብ ሓንቲ ዓባይ እስርቤት ተቐይራ መላእ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ማሕቡስ ዝተዳገነ ሎሚ ኣብ ናጽነት ኢዩ፡፡ ብስም ዘይውዳእ ሃገራዊ ኣገልግሎት መላእ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘመናዊ ናይ ባርነት ስራሕ ዝተጸምደ ትማሊ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይኮነ ሎሚ ኣብ  ናጽነት ኢዩ፡፡ 21  ዓመታት ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝረገኣ ደም ንውሽጢ እናነበዐ ሓሊፍወን፡፡
ውሉድ ካብ ወላዲኡ ተፈላልዩ ተበታቲኑ፡፡ዕሸላት ቆልዑ ኣቦን ኣደን ሲኢኖም ዘኽቲሞም፡፡ መናእሰያት ኤርትራ ንምልኪ ውሑዳን ኣብ ዘርብሕ ኣብ ተደጋገምቲ ዘይምኹኑያት ኲናት ኣትዮም ሃሊቖም፡፡ ሰንኪሎም፡፡ መጻኢ ዕድላቶም ተበላሽዩ ኣይ ትምህርቲ ኣይ ስራሕ፡ ኣይ መርዓ ኣይ ደርዓ ኮይኖም ግዚኦም ንብላሽ ባኺኑ፡፡ብዙሓት ካብዚ ዘስካሕክሕ መዓት ንምምላጥ ምድረበዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ውሒጥዎም ኣሰራቶም ጠፊኡ፡፡ቤተሰብ እዚ ኣስካሕካሒ ፍጻመ ሓዘን ከይገብሩ ከየልቅሱ ተኸልኪሎም፡፡ ዕሙራት ስድራቤታት ጸንታ ኮይነን፡፡ ዓድታት ጸምዩ ገረውረው ኢሉ፡፡ኣረ ቀባርን ወራዶ መርዓን መሰነይታ ትስእነሉ ግዜ ተበጺሑ፡፡ ትርጉም ናጽነት እንታይ ምዃኑ፡ ዝተኸፍለ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ንምንታይ ምንባሩን ድንግርግር ክሳብ ዝብለና ኮይኑ፡፡እቶም ንናጽነት ከም ሓርኢ ተመን ዘናደይዋ ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ኣብ ዓወት ዝበጽሑ ገዳይም ተጋደልቲ፡ውዕለቶም ተጠሊሙ ማሕዩር ዒራዒሮ ሰፊሮም፡፡ካብ መጀመርያ ናጽነት 1991 ዓ/ም ኣስጋእቲ ዝበሃሉ ተጋደልቲ እናተለለዩ ካርሸልን ካልእ ስዉር እስርቤታትን ዕድመ ልክዕ ናጽነት ብዘይ ፍርዲ ተሞቒሖም፡፡ብዙሓት ካልኦት ሓታቲ ዘይብሎም ሃለዋቶም ተሸሪቡ ሓቒቖም፡፡ ኣሽሓት ኣማኢት ተጋደልቲ ድማ፡ ከቢድ ሞራላዊ ውድቐት በጺሕዎም ኣራእሶም ከምዘድንኑ ተገይሩ፡፡ጠገለ ዝሰኣነ ፍኑው ሓታቲ ዘይብሉ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንመውጋእቲ ከም ስልማት ከም ዘይ ገዓረሉን ከም ዘይ ዘመረሉን ተወጺዕና ናብራ ከቢዱና ተረሲዕና ዝበሉ ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ፡ ሓንቂቕኩም ብምባል ብኣድራጋ ጠያይቲ ተሳሂሉ፡፡ቅንጣብ ገበን ዘይብሉ ንጽህ ህዝቢ ምኽኒታት እናፈጠርካ ኣብ ዘስካሕክሕ እስርቤታት በልዩ፡፡ተቐቲሉ ተጨፍጪፉ ካብ ዓድታቱ ተሓግሒጉ ወጺኡ፡፡ ገለ ካብዚ በላዕተኛ ስርዓት ኣምሊጦም ኣንጻር እቲ ስርዓት ክቃለሱ ደው ዝበሉ ከኣ፡ ህዝቢ መታን ክፍንፍኖም ከዳዓት፡ ሸየጥቲ ሃገር፡ ልኡኻት ወያነ፡ መጋበርያ ኣመሪካ  ዝብል ኣነዋሪ ቅጽል ስም ተጠሚቖም፡፡ ሕድርን መብጽዓን ኣሽሓት ሰማእታት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኢሳይያስ ብዝመርሖ ሒደት መላኺ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተመንዚዑን ተጠሊሙን፡፡ብኸቢድን መሰክሕን ዘይጽወር ተግባራት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዘበነ መግዛእቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ዝሓለፍናዮ ሂወት ይሓይሽ ንኽንብል ደሪኹና፡፡እቲ ምንታይ ደርግ ዕላምኡን ጭረሐኡን  ሓደን ፍሉጥን ስለ ዝነበረ፡፡ኤርትራ ባሕሪ ምድራ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ስለ ዝኾነ፡፡ካብ ዝኾነ ገዛኢ ባዕዲ ውን ፍትሒ ርህራሄ ስለ ዘይርከብ ምቕታል ምእሳር ምርጋጽ ምስዳድ ምብትታን ከም ውሁብ ወሲድናዮ፡፡ እንተ ናይዚ ናትና ዝበልናዮን ከም መሎኮት ዝኣመናዮን ሓያል ኮይኑ ንኽወጽእ ኩሉ እንትናና ዝወፈናሉን ግን፡ ስጊንጢር ፍጹም ዘይእመን ኮይኑ፡፡ንዕስራን ሓደን ዓመታት ድማ “ላም ሓዊ ወለደት” ኮይኑና፡፡
ሎሚ እዚ ድሕሪ ምፍላይ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ዕስራን ሓደን ጽንኩር ናይ ሞትን ውግእን ዓመታት፡ ብደገፍ መላእ ህዝብን ተባዕ ጅግንነታዊ ተወፋይነትን ሓፋሽ ተጋደልትን ናጽነት ዘረጋገጸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ሕቑፉኡ ብዝወጸ እሾኽ ኣሜኬላ ጫሌዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕስራን ሓደን ናይ ባርነት ዓመታት ከም ነሕልፍ ገይሩና ኣሎ፡፡ብሕማቕ ክፍኣተ መጋብር ዝተኻሕነ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዋላኳ ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ወለዶታት ዝዝክርዎ ዘሓብን ታሪኽ እንተሰረሐ፡ንፍትሒ ረጊጹ፡መብጽዓ ስዋኣት ጠሊሙ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንባርነት ስለ ዝዳረገን ኣሽሓት ኣማኢት ንጹሃት ዜጋታትና ብዘይ ፍርዲ ስለ ዝቐንጸለን ዝሸረበን ዝኣሰረን ግን ብዝኸፈኣ ኣብ ጸሊም መዝገብ ክሰፍር ኢዩ፡፡ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታትን ከምኡ ውን ባህርያትን ኣመጻጽኣን እቲ ውድብ ብደቒቕ ዝፈልጡ ገለ ለባማትን ብምልኪ ሓደ ኢሳይያስ ዝምእዘን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ከም ዘይክእል ብንግህኡ ኣተንቢሆምን ኣሚቶምልናን ኢዮም፡፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብርሃ 1991 ሎሚ ጸነትና ሕጂ ዘርእናን መበቖልናን ጠፈአ ኢሳይያስ ዝኸፈኣ መራሕን ቀታልን ዓማጽን ኢዩ፡፡ ምስ በሉ፡ ብዙሓት ከቢድ ጽምኣት ናጽነት ዝነበሮም ኣሕዋት  ሰብኣይ ዓቢዶም ተጸሊሎም ከም ዝበልዎም ዝሰማዕኩዎ ዕላል ኣሎ፡፡የግዳስ ብኸቢድ ጽምኣት ናጽነት ውነና ዘጥፋእናን ዝዓበድናን ዝሰኸርናን እቶም ባህርን ኣነዳድቓን ኣመጻጽኣን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዘይንፈልጥ ዝነበርና እቶም ብዙሓት ኢድና ክሳብ ዝደሚ ዘጣቓዕናን  ኢና፡፡ገለ ሓቅታት ዝወዓሉ ካብ ዝበልዎ ዝበልዎ ንምጥቃስ፦
ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣብቲ ብምኽንያት መስዋእቲ ዓሊ ሰይድ ዓብደላን ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ባርነት’ዩ፡፡ኣብ ዝብል ሻምናይ ክፋል ጽሑፉን፡ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ብኑጹር ሰፊሩ ንረኽቦ፡፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ክልተ ዓይነት ተጋደልቲ ኢዮም ነይሮም፡፡
1-   ጸላኢ ዝቐትሉ፡ ጸላኢ ዝማርኹ ተጋደልቲ፡፡
2-  ንኸምኦም ተጋደልቲ ዝቐትሉን ዝኣስሩን ተጋደልቲ ኢዮም ነይሮም፡፡
እዞም ኣብ ቀዳማይ ጉጅለ ዘለው ተጋደልቲ፡ንሂወቶም ከይበቐቑ ምእንቲ ናጽነት ህዝብን ሃገርን  መዳርግቲ ኣልቦ ከበድቲ ገበናት እቲ ውድብ፡ ተጻዊሮም ነብሶም ረሲዖምን በጅዮምን ብቦምባ ኢድን ካላሽንን ታንክታት ጸላኢ ማሪኾም ናጽነት ዘግዘሙና ኢዮም፡፡
ብኣንጻሩ እቶም ኣብ ካልአይ ጉጅለ ዘለው፡ሓለዋ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መላኺ ጃንዳ ኮይኖም ንንቑሕን ዝተማህረን ዘስግእን ንናጽነት ሂወቱ ከወፊ ዝተጋደለ ንጹህ ተጋዳላይ፡እናሃደኑ ኣብ ዘስካሕክሕ እስርቤታት ኣእትዮም ዝጭፍጭፉን ዝቐትሉን ዘሕቅቑን ዝነበሩ ኢዮም፡፡ከይሰንከሉ፡ ከይተወግኡ፡ ከይተሓንፈጡ ኣብ እንግዳዓ ጀጋኑ ተሓዚሎም ኣብ ናጽነት ዝኣተዉ ኢዮም፡፡በዚ ድማ 24 ግንቦት 1991 ዓ/ም ብሓደ ፍጹም መላኺ ኢሳይያስ ዝምራሕን ምሉእ ብምሉእ ዝዝወርን ውድብ’ዩ ናጽነት ኤርትራ ዝተረጋገጸ፡፡ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ይኹን ሓፋሽ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነቲ መላኺ  ጉጅለ ክቋጻጸረሉ ዝኽእል ባይታ ይኹን ልጓም ኣይነበሮን፡፡
እዚ ኣብ በረኻታት ሳሕል፡ጫካታት ሰሜናዊ ባሕሪ፡ዓድታት ደቡብ፡ ኣብ ጎላጉል ባርካን ደንካልያን ካልእ ቦታታት ኤርትራን ብጉልባብ ቅንዕቲ ውድብ ክሳውዲ ጀጋኑ ተጋደልቲ እናሰየፈ ዝመጸ ሓደገኛ ማፍያዊ ጉጅለ፡ ኣብ ናጽነት ኢዱ ተሓጺቡ ከም ርግበ ሰለሙን ሰለማዊ ክኸውን ትጽበዮ ኣይኮነን፡፡እቲ ምንታይ ዝቦቐለሉን ዝዓበየሉን ዝተኻሕነሉን ግናይ ዓማጺ ስነሓሳብ፡ንስልጣንካ ዝጻረርን ዝደፍርን ቅተል እሰር ጨፍጭፍ ስለ ዝኾነ፡፡የግዳስ እቲ ናይ በረኻ ናይ ጸላም ከደኖ እከይ ተግባራቱ ኣሰራቱ እናረአናዮ እናተነግረና ብኸቢድ ጽምኣት ናጽነት ጻሓይ ምስ በረቐ ውን ልጓም ከይንሕዝ ንዝተፈጥሩ ነቓዓት ከይ ንጥቀመሎም ዳግማይ ተደናጊርና፡፡ኣደንቋሪ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እዚ ዓማጺ ስርዓት ነቲ ጸርዩ ዘይጸረየ ስግኣታትና ናይ ከበባ ኲናትን፡ ደግሲ ወራር ኢትዮጲያን ኣብ ጸቢብነት ዝተሰረተ ኣጉል ትምክሕትናን ከም ልቡ ንኽምዝምዞ ባብ ኣርሒናሉ፡፡ኣብዚ በዓቲ’ዚ ተዓቝቡ ንኽሃጥር ንኽስውድ እሩሩ….. ኢልና ኣሐንቂቕናዮ፡፡ ከም ምስላ ሓሰኻ ደምበ ናብ ዝለምለመሉ እናሶለኸ ድማ፡ንልቢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራን ሓደን ዓመታት ብበሊሕ ሽኻል ኣሸኻኻት ዓለም ተጻዊትሉ፡፡ንሕድሕድና ተጠራጠርትን ዘይንተኣማመንን ከም ንኸውን ገይሩና፡፡ ብዘይትግበሩ ናይ ሕልሚ መብጽዓታትን ሚዛን ክንቲት ዝኾኑ ፈኸራታትን ጓይላን ዳንኬራን ሕሉፍ ፈንጠዝያን ዕስራን ሓደን ዓመታት ኣስኪሩና፡፡
ሎሚ ግን ኣይከም ትማልን ቅድሚ ትማልን፡፡ስሑል ካራ ዝጨበጠ ኣእዳው ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎሮርኡ ተተኺሉ ኣሎ፡፡እቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ፈርገጥገጥ ከኣ፡ ከም ነገር ሰፋሕፋሕ ዝብል ወጠጦ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኢዩ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ እዚ ዓማጺ ስርዓት ሞይቱ ተኣውዩሉ ኢዩ፡፡እዚ ድግስ እዚ ድማ ናይ መጠረሽቶኦም ኢዩ፡፡ ካልኣይ ክፋል ይቕጽል፡፡
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)
Aranchi03@yahoo.com
ምስክርነት ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ህግደፍ ዓዲ ኣቤቶ – ብቓል ብርሃነ እፍሮ –
Click here to view the embedded video.
አገዳሲ ህዝባዊ አኬባ አብ ዋሺንግቶን ዲሲ
ንዳግማይ ቅያ፡ ሎሚ’ውን ንሓርነታዊ መስተንክር ብሓባር ንልዓል !!!
“ ኣብ’ዛ ዓለም ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ መስልካን ሓርነትካን ዝፈልጠልካ ሓደ’ዃ የልቦን። ንዝተመንዝዔ መሰልኻን ሓርነትካን ክትመልስ ክትቃልስ ናይ ግድን ኢዩ። እንተዝይኮነ ተኹላ እንዳሃለው በጊዕ ክትኸውን እንተመሪጽኻ ምብላዕካ ኣይተርፍን ኢዩ።” ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ
ቅድሚ ዕስራን ሓደን ዓመት ከምዚ ዘሎናዮ ወቅቲ ከም ህዝቢ ሓደ ንዓለም ክትኣምኖ ዘጸግም መስተንክራዊ ዓወት ተጎናጺፍና። ኣብ ምዕራፋት ካብ’ቲ ንፍትሒ ዝተካየደ ቃልሲታት ድማ ሓደ ገጽ ኣብ ማህደር ታሪኽ ክንስንድ በቂዕና። እወ  እዚ ውሑድ ህዝቢ ነቲ ኩሉ ሓያልን ፈታኒ እዋናት ሰጊሩ፡ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእትን ከርተትን ማእሰርትን መግረፍትን ስደትን ከም ጽዋእ ተቅቢሊ’ዩ ነዛ ዓለም ትእምርቲ  ቅያ ዘበሰራ።
ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንምዕዋት ሕሉቡን ንጽፉን እንተላይ እቶም ዝፈትዎም ውልዱ ገንሽል መስዋእቲ ዝበጀዎም  ዕላማ ራእይን ስለዝነበሮ ኢዩ። እዚ ድማ ዝኮነ ዓይነት ምልክን  መግዛእትን ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ መሬት ክጽረግ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ግዳማዊ ይኩን ብዓል ቤታዊ ተጽዕኖን ባርነትን ክይህሉን ኢዩ።
እንተኮነ ዕጫና ግዲ ኮይኑ እቲ ቅድሚ ዕስራን ሓደን ዓመታት ብጓይላን ደበላን ዝተቅበልናያ ቅርጫት ናጽነት ኣብ ውሽጣን ከምቲ ዝብሃግናያን ዝተመነያን መኣዲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘይኮነትስ፡ የግዳስ ቅርጫት ምልክን ዓመጽን ድኣ ኮነት። እንሆ ድማ ፍርያታ ካብ ዓይንና ዝተኸወለ ኣይኮነን። ንድሕሪት ቁሩብ ተመሊስና ምስ ንምልከት ጎዕዞ ዝሓለፈ  ዓመታት ካብ ምትካል ሓዳስ ብንዴራን ሓዲሽ መንግስትን ዝራኣናዮ ሓድሽ ነገር ሓደ’ዃ  የሎን። እምበሺ ካብቲ ባዕዳውያን ግዛአቲ ኢ/ያ ሃለስላስን ንዕኡ ዝተክኤ ደርግን ዝኸፍእ በደልን ዓመጽን መግዛእትን ባርነትን ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒኑ ንረክቦ። ንልቦና ዘለዎ ኣርሒቁ ንዝርኢ ቀጻልነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ይወድቅ ኣሎ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ወኒን፡ መንነትን፡ ክብርታትን ይዓኑን የበርስን ምህላው ከኣ  ካብ  ኩላና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኤርትራ ድማ ከም ሃገር በዚ መዕገቲ ዝይተረክቦ ስደትን ሞትን ጥፍኣትን መንእሰያት ትጸንት ኣላ። ጎበዝን ጎርዞን ዘይብሉ፡ ዓዲ ዝርከብን ሕድሪ ዘጽንዕን ዘይብላ ሃገር ቀጻልነታ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።
ሰለዚ ነዚ ከጽንተና፡ ከም ኣብዲ ድሕረይ ዳንዴር ትብቆላ ዝጭሩሕኡ ስርዓት፡ ካብ ማይ-ቤቱ ሓሊፉ ካልእ ዘይዓጅቦ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከብቅዕ፡ ሎሚ ከምቲ ናይ ትማሊ ብሓባር ሓሕ፡ እምቢ እምብላይ ንምልኪ ንበል።
ዎ ! ዝከበርካ ህዝቢ ኤርትራ ተልዓል ! እቲ ትማሊ ነቶም ከጽንቱካ ዝተሃንደዱ ባዕዳውያን ብዓጸፋ መልሲ ዝመልሽካ፡  ኣላሽ ዘበልካዮም ፡ ሎሚ ንምንታ’ዩ ስቅታ ዝመረጽካ ? ውለድካ እንዳ ጽነቱ፡ እንዳካ እንዳፈረሰ፡ ዓደቦካ ብወሑዳት ሰብ መስል ተዃሉ እንዳ ዓነወ ። እታ ብዕጸምቲ ደቅካን የሕዋትካን ኣሓትካን ኣብ ከውሒ ጅግነት ዝተሃንጸት ሃገር ቀጻልነታ ሓደጋ እንዳ ወደቀ፡ እቲ ምእንቲ ብዙሓት ዝተከፈለ መወዳድርቲ ኣልቦ ዋጋ፡  ብውሑዳት ጠላማት ተጨውዩ  እንዳርእካ፡  ከምዘይ ርኣካ፡ ኣውያት ሓዘንን ውጹዓት እንዳሰማዕካ ከምዝይሰማዕካ ትም ሕትም ኣይግድን። ኣይፋልካን። እቲ ምንታይ’ሲ ሞሳ መስዋእቲ ደቂኻ ነዚ ኣይነበረን፡ ዓስቢ ከርተትካን ስደትካን ማእሰርትካን፡  ዳግማይ ማእሰርትን ሞትን ከርተትን ኣውያንትን ሓዘንን ኣይኮነን። እቲ ዓስቢን ጻማን ጀጋኑ ካብ ተኮልፍ ሕጅውን ምርጫና ቃልሲ ኢዩ። ዕስራን ሓደን  ዓመታት ዕንደራን፡ ብድዔ፡ ዓመጸ፡ ኩናት፡ ምክልባትን ራዕድን ይኣክል።
ዎ ! ዝከበርካ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ስደትን ዘሎካ መንእሰይ ኤርትራ !  ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሓደን ዓመታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዃ እንተይዘጠዓሞ፡ እቲ ከም ሕሱም ዝሳቀ ዘሎስ ንስካ/ ንስኪ መንእስይ እኪ/ እካ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኩናት ትጥበስ፡  ብስም ሃገራዊ ልምዓት ብዘይ መስልን ደሞዝን ክብርን ብጥራይ ዝባንካ፡ ሰብ ምዃንካ ረሲዖም ናብ ዝዝረብ መጽዓኛ ክተከውን ዝተፈረድካ ንስኻ ዶ ኣይኮንካን። ብዕባራ ምኽንያት ምኹብላል ዶ፡ ሰግረ ዶ ተባሂሉ ኣብ ኣደባባይ ክትርሸን፡  ኣብ ጎዳጉዲ ሽላታትን ብዝስኻኽሕ ስቅያት ክትማስን፡ ክትመውት ዝገብረ ህግደፍ እዩ  ። ንሳቶም ነጋውስን ሽሞኛታትን ኮይኖም ንስካ ከም ባርያ ብነጻ ጉልበትካ ርሻውንቶም ክትሃንጸ፡ ግራውቶም ክትሓርንስ ክትዓጽድን በገዳድ ዝተዓስከርካን ትዕስከር ዘሎካን  ንስኻ  እካ ?  እታ ከም ገረድ ዘመነ መሳፍንቲ፡ መግቢ መዃንንቲ ህግደፍ እትሰርሕ፡ ቡን እተፍልሕ፡ ክዳወንቶ እትሓጽብ፡ ብዘይ ድሌታ ብሓይሊ እንትዕመጽ ዘላ እታ ጎርዞ ግምጃ ሃገር ሓፍትኻ ወይ ሓፍትኪ ዶ ኣይኮነትን ?  ንራእካ ከም ቆጽሊ ክረግፍ ዝገበሩን ፡ ብዕድሜ ንእሰነትካ ዝተጣልዑን፡ ግራት ዓደቦ ኳኺቶ ዘሪኦም መርግጺ ክትስእን፡ ንስደት ሃጽ ኢልካ ክትጠፍእ፡ ኣብ መድረበዳ ክትጥሕል፡ ኣብ ባሕሪ ክጥሕል፡ ክብርና ተጋሂሱ ከም ዋና ዘይብለን ጥሪት፡ኣብ ፈቀዶ በረኻታት ሲናይ ከም ጠለ በጊዕ ክትሕረድ፡ ንኣዳም ገረሞ ናዊቲ ኣካላትካ ከም ኣቅሓ መሻጣ ኣብ ዕዳጋ ክውርድ እንዳረኣክ እንዳሰማዕካ ስቅታ ፡ ሓረግ ወሎዶታት ተበቲኹ  ዓደቦኻ እንዳፍረሰ ንምታይ ትም ትብል ?
ሰለዚ መንሰይ ወለዶ ተልዓል ! ንመስልካን መስል ህዝብካን ተዓጠቅ። ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም መስተንክር ዝሰርሕ መንእሰይ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉን ዝያዱ ኩሉን ድማ ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ፡ መሰልካ ዝፈልጠልካን ዝህበካን ሓደ’ዃ  የልቦን። እቲ ናይ ትማሊ ምስተንኪራዊ ቅያ እዃ ህያው ኣብነት እንተኮነ፡ እዚ ኣብ ጎረባብትና ዝርኣናዮ ዓበይቲ ዓወታት መንእሰያት ቱንዝያን ግብጸን፡ ኣብ ጥምጥም ዘሎው መንእሰያት  ሶርያን የመንን ንዓና መንእሰያት ኤርትራ ሓደ ዓቢ ተሞክሮ ናይ ግዜና ኢዩ። ሽግርናን መከራናን ካብ ጎረባብትን ዓለምን ዝብኣሰ ክንሱ፡ ጌና ኣብ ስቅታ ሪዕምና ንርከብ ኣሎና። ሰለዚ እቲ ግዜ ከይሓለፈ፡ እቲ መሬት ከይ መሰየ ብኣግኡ ንተንሰእ።  ነቲ ኣብ ከባቢኡ ተፈጢሩ ዘሎ ውደባታት ብምልፋን ውደበና ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከነበርኾ ሎሚ ንወስን። ኣብ ሓደ ዕላማን ራእይን ንዕሰል። ሓቀኛ ዓወት ብንጹር መስመርን ንጹር መትከልን’ዩ ዝረጋገጽ።
ምእንትዚ ከም ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ነዚ ኣብ ኩርናዓት ዓለም፡ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ክሳብ ኣውስትራልያ፡ ካብ ኣውሮጳ ክስብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን  ብመንእሰያት ደላይቲ ፍትሕን ሓርነትን ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶን ሰለማዊ ስልፍታት ነሞግስ። ዕውቱን ውጺእታውን ኽኽውን ክኣ ግድና ክንጻወት ከም ወትሩ ድልዋት ኣሎና። ብቀንዱ በዚ ኣጋጣሚ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ተቃላሳይ ሓርነት ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ኣብ ዝሃለው ይሃሉ ነዚ ሃገራዊ ጻዊዒት ብምልኣት ክሳተፎ፡ ኤርትራዊ ግቡኡ ክገብር ጻዊዕትና ነቅርብ።
ሓርነት ግድን ኢዩ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስማእታትና።
ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ
15 ግንቦት 2011
THE NEED FOR A NATIONAL DATABASE OF ERITREANS WHO COLLABORATE WITH THE PFDJ REGIME
THE NEED FOR A NATIONAL DATABASE OF ERITREANS WHO COLLABORATE WITH THE PFDJ REGIME
INTRODUCTION
One of the main reasons why the PFDJ junta is still in power is because we, as Eritreans, are not united enough with a common vision to oppose the regime. This lack of unity ranges from those who live inside Eritrea to those who live in the most democratic countries in the West.
Wherever and whenever the PFDJ organizes meetings, functions or rallies (inside and outside of Eritrea) there are some so-called Eritreans who want to be seen as ultranationalists than others. Their action is malicious and goes beyond this superficial show. They serve as agents / informants in various Eritrean embassies all over the world. They do this in return for minor benefits at the expense of other innocent Eritreans. Many of us have been victimized for having a different opinion because of these spies whose network is directly with Eritrean embassies and (indirectly) with the Office of National Security (Hagerawi Dihnet) in Eritrea. This has resulted in prolonging the regime’s lifespan and the plight of our people. They are like small streams that make a river. It is therefore time to stop the flow of these small streams to dry the river.
Some of these people have sought asylum in the respective countries where they live. However, to the dismay of many Eritreans, human rights activists and those governments who granted them protection, these selfish beasts serve as holy messengers of the regime they allege to have grossly violated their rights.
It is worth noting to mention here that the errant action of such people at this cross roads in our history must not be left unnoticed and undocumented. Their evil involvement should be exposed to the fullest extent and they must be judged harshly by history. They must pay a hefty price! One way of doing this is through the establishment of a national database which records their full personal details with other concrete facts and detailed information about what they are / have been doing.
AIMS TO BE ACHIEVED
The establishment of such a national database would assist, among other things, to:
- Name and shame such wicked people so that every Eritrean knows who they are;
- Isolate them from the general peace loving Eritrean community;
- Deter them and others from getting involved in similar heinous acts thereby minimizing the harm they may further inflict on Eritreans;
- Inform relevant authorities of their host countries to revoke their asylum, refugee status / citizenship; and
- Hold them accountable in a democratic Eritrea in the future for their hands are blood stained.
Misgina G. Tesfamichael
In Memory of Sinai Victims
Click here to view the embedded video.
Eritrea: The President’s Illness?
Michael Abraha – Dar Es Salaam, Tanzania
There is nothing unusual about the Eritrean dictatorship collapsing sooner or later. History has never been friends with dictators.
The extraordinary story built around the presumed illness of autocratic President Isais Afewerki was meant to cover up his critical political ailment. This became more apparent in the wake of the demolition of three Eritrean army bases by Ethiopian infantry forces in mid March. There was no resistance of any kind from Eritrea’s 200-thousand troops guarding the 1000km-long border with Ethiopia.
Commander-in-Chief Isaias made no convincing waves in the name of national pride or national sovereignty for which he has gone to war in the past with each neighboring state at the drop of a hat. This time, the government, which has long espoused the idea of ‘might is right’, shamelessly confirmed its political and military weaknesses by brushing off the Ethiopian action as a US sponsored “ploy” to divert attention from unsettled boundary demarcation issues still leaving dusty, little Badme in the hands of Ethiopia.
The implications of the Ethiopian army penetrating 18km deep into Eritrean territory could only be guessed at. After the raids, Ahmed Nasser, one of the prominent builders of the Eritrean struggle for independence from Ethiopia, spoke of a crucial leadership crisis the Ethiopian action could create to the Eritrean regime. He maintains: “Eritrean troops have long been demoralized and the regime is badly damaged politically in the Horn Region; further exposure of its military vulnerability may fatally impact President Isaias and his henchmen”.
For some Eritreans in exile, the ‘news’ of the president being terminally ill meant they may soon return home after all. Earlier this month, this reporter met Eritreans in Dar Es Salaam, Tanzania, who were rejoicing at this possibility and some had even packed to go back to Eritrea. They couldn’t wait to be with family and friends again.
Commenting on the made-up story of Isaias’s death, one Kenyan International Affairs expert visiting the Tanzanian capital said she hoped the next Eritrean leader would not treat the country and people as if they were his own personal property.
The Eritrean leader had refused to consult with his people or with his rubber-stamp National Assembly (the Parliament) when he decided to go to war with Ethiopia in May 1998. The war drugged on till December 2000 killing 19,000 Eritrean soldiers. Unofficial accounts put the number at over 65,000, about the same as those lost during the 30-year Eritrean independence struggle that ended in 1991.
The Ethiopian government is equally if not more conservative with its official figures. It puts the number of troops killed during the two-year war at less than 19-thousand. The two nations are believed to have sacrificed between 100-thousand and 120-thousand souls mostly in hand-to-hand combat operations around their common border. Journalism may not accomplish it today, but history will one day honor those martyred young men and women by liberating them from being victims of misleading official statistics.
It was one of the stupidest wars ever fought on the planet in the last 100 years. It was initiated by the Eritrean government, according to a UN finding. Asmara was bent on making its point clear on the battle field instead of the negotiating table ostensibly in retaliation against unfavorable trade terms offered by Addis Ababa in early 1998. The new proposed trade and business arrangements amounted to an Armageddon on the Eritrean government’s income. It was the most serious threat to the President’s dream to build the largest, invincible military machine in the Horn and East Africa region. By 1998, impoverished Eritrea (still healing from decades of a brutal liberation war) already had over 150,000 trained fighting men and women compared to Kenya’s under 30,000 troops or Ethiopia’s estimated 35,000 active personnel at the time.
Today, after two rounds of UN sanctions accentuated by an incapacitating arms embargo and confronted by a more determined opposition and facing a more aggressive Ethiopia to the south, the Eritrean leader is believed to be under a horrible distress and anguish. If he is suffering from poor health, it must have been caused by the gruesome political quagmire he finds himself in.
Information Minister Ali Abdu was probably telling the truth when he said the president was as “fit as a fiddle”. The minister was referring to the condition of the much-talked-about president’s liver. If the government itself was the source of the manipulated information about the president’s ‘terminal liver illness’, it sure did succeed for a while in deflecting public attention from the most serious crisis facing beleaguered Isaias Afewerki caused by his uncontrollable fear of a possible full-scale war with Ethiopia, which, if it happens, may lead to his downfall.
The Eritrean government is unlikely to ever get sympathy from the African Union, the UN or US as they all have already expressed their displeasure and desire to see its demise by imposing sanctions justified or not.
Domestically, no matter how futile, the regime cannot afford to look troubled or weak by, for instance, freeing a dozen political or religious prisoners or by allowing limited freedom of speech or by improving food ration or by offering to talk to Ethiopia. Such measures are out of the question because they would encourage people to be asking for more and more concessions which may lead to demands for democratic changes. That would be opening a Pandora’s Box.
The opposition is yet not united to be fit to “lead the needed change”, asserts the Frankfurt based Eritrean People’s Democratic Party. But the Addis Ababa headquartered 127-member National Democratic Council representing almost all Eritrean political and civil society movements world-wide believes it is ready to play its role. Urging greater solidarity with Eritreans inside the country, Council Chairman Yosuf Berhanu (M.D.) warns against “cosmetic changes by the regime or by possible coup leaders waiting in the wings to replace Isaias Afewerki.” Dr. Yosuf cautions against lifting of UN sanctions “before full transfer of power to the people is achieved and unless human and democratic rights are assured first”.
Poorly organized and with meager resources, the opposition poses no immediate threat to the “ailing” president. But he is deeply worried by what Ethiopian Premier Meles Zenawi may have under his sleeves. Isaias has no incentive to normalize relations with Ethiopia because that could prove fatal to his survival.