Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas January 15, 2014

    “መላኺ፣ ኡውቶክራት፣ ዲክታቶር፣ ሓራዲ፣ ዲያብሎስ፣ ፋሺሽቲ፣ ቄሳር፣ ሰይጣን ወዘተ. ዝብሉ ቅጽላት ምብዛሕ እንታይ እዩ ትርጉሙ?” ኢላ ሓቲታትኩም ተኸታታሊት መደብኩም ረዛን ካብ ኣስመራ። መልስኹም ድማ ኣብ ክንዳኹም ንኣይ ኣሕፊሩኒ። ብኸመይ? ብቕድሚኡ ግን ንረዛን ካብ ኣስመራ፡ እቲ ዝግባእ መልሲ ክህባ ፍቐዱለይ? ዝኸበርኪ ረዘነት፡ እዚ “ቅጽላት” ብምባል ዝጠቐስክዮ ቃላት፡ ከምቲ ዝበልክዮ ጸርፍን ዘለፋን ዘይኮነስ፡ መግለጺ መንነትን ባህርን መለኽቲ’ዩ። ንኣብነት፥ ረዘነት ብሞያኽን ብስራሕክን ዶክተር እንተ ደኣ ኴንኪ፡ ዶክተር ረዘነት እንተተሰመኺ ዘለፋ ክኾነኪ ይኽእልድዩ? ኢሳያስ ድማ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎን ልዕሊኡን ብዓል ሞያ ስለ ዝኾነ ብኸምኡ እንተተጸውዐ ዚንእሶ’ምበር ዚበዝሖ ኣይመስለንን። ብኣንጻሩ ሞያኡ ኣጉዲልካ ክትስይሞ ከለኻ’ዩ ጸርፊ ንእኡ ዘይኮነስ፡ ጸርፊ ነቲ ብሓይሉ ዘውዱ መንጢሉ ዝረግጾ ዘሎ ህዝቢ ዚኸውን። ስለዚ ክብርቲ ሓብቲ ረዛን፡ ኣብ መንጎ ጸርፍን መንነት ሰብ ምግላጽን ዘሎ ፍልልይ ምግንዛብ ከድልየኪ’ዩ።

    ናብ ኣዳለውትን ኣቕረብትን መድረኽ ክምለስ፥ መድረኽ፡ ነዚ ብዘይሕግን ፍርድን ህዝብና ዘጥፍእ ዘሎ ሰብ ካብኡ ሓሊፍኩም እንታይ ኢልኩም ክትጽውዕዎ ስለ ዝደለኹም ኢኹም፡ ነቶም ሕንጥሸው እንተበለ ርእሶም ዘሕሞም ዕውራት ልቢ ደገፍቱ፡ ይቕሬታ ዝሓተትኩም? እቶም በቲ ምስሉይ ባህሩ ተታሊሎም “ፕረዚደንቲ’ኮ ንበይኑ ኮይኑ’ምበር ካልእ ሓደ ከምኡ መሳርሕቲ እንተዝረክብ ኔሩስ እዛ ሃገር ኣበይ ምበጸሐት ኔራ!” እናበሉ ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ የዋሃት ኣብ ክንዲ መንነትን እንታይነትን ደማሒ (መላኺ) ገሊጽኩም ከተርድእዎም ምፍታን፡ ነቲ ተኣኒንኩም ዘዳለኹሞን ዘቕረብኩሞን ዓንዲ ሕቘ ዕላማኹም ዝገልጽ ሓተታኹም “ተጋጊና ኢና! ክንእርሞ ኢና!” ምባልኩም ከምቲ ረዛን ዝበለቶ የቕለኩም’ዩ እኳ እንተዘይበልኩ ንፋህም (ንመስተውዓሊ) ዚኾነ ሰማዒኹም ግን ኣብ ዕላማኹም ዘሎዎ እምነት ምጥርጣር ከም ዝፈጥረሉ ጥርጥር የብለይን። ኣብ ቀጻሊ ከምዚ ዝበለ ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ መልሲ ካብ ምሃብ ክትቁጠቡ እላቦ። ወደሓንኩም።

    ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 15/01/2014

POST A COMMENT