Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

FORUM : Radio Program -ድምጺ መድረኽ – Tuesday, 31 December, 2013

http://www.youtube.com/watch?v=sJ1JMAuZl2g&width=200&height=200

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas January 1, 2014

    ርእይቶይ፥

    ዝኸበርኩም ኣሰናዳእትን ኣቕረብትን ድምጺ መድረኽ፡ ብመጀምርያ ዓመተ 2014፡ ዓመተ ሰላምን ራህዋን፣ ዓመተ ፍትሕን ደሞክራስን፣ ዓመተ ምዕባለን ህንጸትን ክትኮነልና እናተመነኹ ናብ ናይ ሎሚ ርእይቶይ ክሰግር ፍቐዱለይ። ኣቐዲመ ኣብ ዝሃብኩዎ ክልተ ተኸታተልቲ ርእይቶታት እቲ ቀዳማይ ብፈነወ ድምጺ መድረኽ ዘይዕግበተይ ዝገልጽ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንምምሕያሽ ፈነወ ድምጺ መድረኽ ዘመጉስ ከም ዝነበረ ከዘኻኽር እደሊ።

    ናይ ሎሚ ዓለቕይ (ርእይቶይ) ድማ ካብቲ ካልኣይ ዓለቐይ ብዘይፍለ ኣድንቖት፣ ምስጋናን ርእይቶን ንኣሰናዳእትን ኣቕራቢትን ድምጺ መድረኽ’ዩ። ብቕድሚኡ ግን ነዛ ሓጻር ራዕታ ወስ ከብል ፍቐዱለይ?

    እንተ ካብ ኣስናኑ እንተ ካብ መልሓሱ
    መርዙ ከይኪዕወልና ዘይርከቦ ፈውሱ
    ዕምሩ ንኺሓጽር ክንዓጽዎ ትንፋሱ
    ኣባትርና ኣልዒልና ንቐጥቅጦ ርእሱ!

    ሕቈኡን ኣእጋሩን ዋላ እንተደሰቕና
    ነዚ መርዛም ገበል ኣይንቐትሎን ኢና
    ስለዚ፡ ህግደፍ ሰውነት’ዩ ከየጋግየና
    ናብ ርእሲ’ቲ ገበል ይቕናዕ ኣባትርና!

    መድረኻውያን፡ ወፍርኹም ከምዚ ኣብ ናይ ዕለት 28/12/2013 ከምኡውን ኣብ ናይ ዕለት 31/12/2013 ፈነወታትኩም ብንጹር ዘቕረብኩሞ፡ ፈልዩ ንርእሲ ገበል ዝወቅዕ፡ ሓያል ሓተታን ትንተናን ፈሊሙ ኣሎ። በዚ እንተ ቐጺሉ ኸኣ ዕምሪ ገበል ነዊሕ ከምዘይከውን ንኹሉ ብሩህ’ዩ። ስለዚ፡ ነቲ “ንህዝቢ ሓበሬታ ምሃብ ፖለቲካዊ ባህልና ኣይኮነን” ብዝብል ምኽንያት ኣብ በዓቲ ምስጢር ተሓቢኡ ዝገዝእ ዘሎ ኣውቶክራት (መላኺ) ምቅላዕን ብደዉ ከሎ ዓስከሬኑ ከም ዝርአ ምግባር፡ ብርግጽ ንመላኺ መገዲ ሞት’ዩ። ስለዚ፡ ፈሊኹም ንደማሒ (መላኺ) ናይ ምውቃዕ ወፍርኹም ብዝሓየለ ክትቕጽልዎ ደጊመ እላቦ።

    ካልእ፥ ናይ ሎሚ ለበዋይ ኣብቲ ሓደ ሓደ ግዜ እተቕርቡዎ ኣዝዩ ነዊሕ ዝትሕቶኡ ግጥሚታት’ዩ። ግጥሚ ብመሰረቱ ኣብ ዓቐኑን ኣናብባኡን’ዩ መቐረቱ! ስለዚ፡ ካብ ሓደ ግጥሚ ዓቐኑ ልዕሊ 20 ስታንዛ እንተኾይኑ ንሰማዒ ምንም ከምዘየቕረብካሉ ምግንዛብ ልቦና’ዩ። ምኽንያቱ፡ ግጥሚ እንተ ነዊሑ ሰማዒኡ ስለ ዝውሕድ። እቲ ግቡእ ዓቐን ግጥሚ ኸኣ ካብ 2-10 ስታንዛ ክበዝሕ ኣይግባእን’ዩ። ሓደ ስታንዛ ኸኣ ካብ 2-7 ረምታ ኣሎዎ። ካብዚ ንላዕሊ ዝቐውም ራዕታ (ግጥሚ) ግጥሚ’ዩ ክትብሎ ኣይከኣልን’ዩ። ወየ ደኣ ንሕና ኤርትራውያን በቲ ብተኸታታሊ ዝወረደና ባዕዳውን ዘቤታውን መግዛእቲ፡ ናይ ምንባብ ባህልና ኣዝዩ ድኹም ስለ ዝኾነ ዘየስተብሃልናሉ ንኸውን ኢና’ምበር እዚ ሕጊ ኣጸሓሕፋ ናዕታ’ዚ ቀዳሞት ማሰኛታትን መላቐስትን ወለድናውን ይጥቀሙሉ ኔሮም’ዮም። ስለዚ፡ ካብ ሓደ ነዊሕ ዝትሕዝቶኡ ግጥሚ ሓሙሽተ ሓጸርቲ ግጥምታት ምቕራብ ይምረጽ። ንኣብነት፥ እዛ ኣብዚ ናይ ሎሚ 31/12/2014 ፈነወኹም ቀሪባ ዘላ “መሬትዶ ንቐብሪ ወይ መሰል ንኽብሪ” ዘርእስታ ናዕታ ህያው ምስክር ናይዚ’ያ። ካብ ከምዚ ዝበለ ትርጉም ከለዎ ግን ከኣ ብሰሪ ምንውሑ መልእኽቱ ብግቡእ ዘየመሓላልፍ ራዕታ፡ ኣዝዩ ሓጺር መልእኽቲ ዘሎዎ፡ እዋናዊ ደርፊ ክተቕርቡ ይምረጽ። ስለዚ፡ ልዕሊ ዓቐን ንዝልእኸልኩም ገጠምቲ፡ ግጥምታቶም ኣብ ግቡእ ዓቐኑ ጸሚቖም ክሰደልኩም ከምዘለዎም ምትሕስሳብ ከድልየኩም’ዩ።

    ምኽንያቱ፡ ግጥሚ ሓጺር ዛንታ ኣይኮነን ካብ ክልተ ሰለስተ ደቒቕ ንላዕሊ ክንበብ! ንኣብነት፥ እዛ ኣብ ላዕሊ ኣርእስታ ተጠቒሱ ዘሎ ናዕታ፡ 11 ደቒቕ ተነቢባ። እዚ ክልተ ሃስያታት ኣሎዎ። ማለት፡ ምጽላእ ግጥምን ምብኻን ግዜን! ምጡን ዓቐን ዘሎዎ ናዕታ እንተደኣ ኣቕሪብኩም ግን ሰማዒ ኣብ ግጥሚ ዘሎዎ ፍቕርን ወልፍን ንኪዓቢ እጃምኩም ከተበርክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ግጥሚ፡ ነቲ ዘድሊ መልእኽቲ፡ ክርሳዕ ብዘይክእል፡ ብዝምስጥ፡ ልቢ ብዝትንክፍ ኣገባብ፡ ብውሑዳትን ምሩጻትን ቃላት ከቕርብ ከሎ፡ ዚግብኦ ስነ ጥበባዊ ክብሪ ሒዙ ኣሎ ክንብሎ ንኽእል ኢና። የቐንየለይ።

    “ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳታት ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!”

    ርሑስ ልደተ ክሩስቶስን መቕሰኒና ዓመተ ሓርነትን ይግበረልና! ኣሜን!!!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-01-2014

POST A COMMENT