Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

FORUM:Radio Program – ድምጺ መድረኽ – Tuesday, 17 December, 2013

http://www.youtube.com/watch?v=7xgumR3I9zU&width=200&height=200

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas December 18, 2013

    ካብ ናይ ዕለት 15/12/2013 ፈነወ ድምጺ መድረኽ ዝቐጸለ፥

    ድምጺ፡ መድረኽ ዘተ!

    በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽሮ ዝደሊውን ኣሎ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ፡ ንልዕሊ ዕስራን ሓደን ዓመታት ብቐጻሊ፡ ንጽሑፋተይ የቃልሓ ከም ዝነበራን ኣነውን ዘይሕጋዊ ኣባል ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ ከምዝነብርኩን’ዩ። እቲ መንግስቲ ንኽኸውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንንእሽቶይ ስራሑ ከም ዓቢን ተኣምርን እናኣተባባዕናን እናወደስናን ብተስፋ ንጽበዮ ዝነበርና ጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ) መመሊሱ ከንደልህጽ ምስ ረኣኹዎ ግን ነቀፌታዊ ጽሑፋት ናብ እንዳ ዜና ክልእኽ ጀሚረ። ካድራት ህግደፍ ድማ ነቐፌታን እርማትን ናይ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ስለ ዘይፈቕዱ፡ ጽሑፈይ ናብ ህዝቢ ከይመሓላለፍ ኣጊዶሞ። ‘ስለምንታይ?’ ኢለ ሓቲተ ‘ንመንግስቲ ስለ ዝነቅፍ ኣይመሓላለፍን’ዩ!’ ዝብል ንጹር መልሲ ምስ ተዋህበኒ፡ ኣነውን ካብ ሽዑ ንንየው ጀሚረ፡ ብቐደሙስ “ኣብ ዓጋም ዝተጸግዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር!” ዶ ኣይበሉዎን ብምባል፡ ምስ ስርዓት ደማሒ (መላኺ) ምስራሕ ከንቱ’ዩ! እንታይ ገደሰኒ ዝደክም!’ ኢለ ርክባተይ ምሳእቶም ኣቋሪጸ፡ ትም ኢለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ግዜ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ስለ ዝቐሰበኒ፡ ዳግም ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ደለይቲ ለውጢ ኮይነ ክቃለስ ወሲነስ፡ እኖኹ ከማን ድሮ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ኣበርክቶ እገብር።

    ‘ጽሑፋት ስነ ጥበበኛ፡ ህዝቢ ጥራይ እዩ ክነቕፎን ክእርሞን ዝግባእ!’ ዝብል ተሪር መርገጺ ስለ ዘሎኒ፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሰንሱር (ነቐፌታ) ኣይፈቅድን’የ። ብምኽንያት ጽሑፋተይ ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ሳዕቤንውን ተሓታቲ ኣነ ባዕለይ’ምበር እቲ ናብ ማዕበል ዝዘርገሐ ኣካል ከምዘይኮነ’የ ዝኣምን። ከም ብዓል ራድዮ ኤረና ዝኣመሰላ ፈነወታትውን እዚ ኣምር’ዚ ክግንዘባ ዘሎኒ ትጽቢት ልዑል’ዩ። እታ ራድዮ ብትሕዝቶ ዘይኮነስ ብዓርኪ መሓዛ ጽሑፋት ብምሕራይ፡ ናይ ምዝርጋሕ ባህሪ ስለ ዘሎዋ፡ ካብዚ ሻራዊ ኣካይዳ ክትወጽእን ንኹሉ ብማዕረ ከተአንግድን ዘሎኒ ተስፋውን ልዑል’ዩ። እዚ ኮይኑ እቲ ግን በቲ ዘሎዋ ዝርግሐን ብቕዓት ኣዝዮም ምኩራት ጋዜጠኛታትን ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐባልነት ስለ ዘሎዋ፡ ክትምጐስን ክትታባባዕን ከም ዝግብኣ ክዝንጋዕ የብሉን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ እውን ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ’ዚን ብዛዕባ’ታ ኩሉ መደባታን ፈነወኣን ኤርትራዊ ኣጀንዳ ክነሱ፡ ብመስከረም ኔትን ካልኦት ጸበብትን ‘ናይ ወያነ’ ተባሂላ እትጓነ ዘላ መርበብ ሓበሬታ ሳሊናን ራድዮ ወጋሕታን ኣስፊሐ ክጽሕፍ ክፍትን’የ። ናይ መገረም ኔት ነገር ግን ነቲ “እቲ ንሱ ዚንዕቀኒ ኣየጉህየንን፡ እንታይ ደኣ ኣነ ከም ዝንዕቆ ዘይፈልጠለይ ምዃኑ’ምበር!’ ዝብሉዎ ምስላ ኣቦው’ዩ ዘዘኻኽረካ። በሉ ደሓን ንሎሚ ናብታ መበገሲት ጽሑፈይ ዝኾነት ራድዮ ድምጺ መድረኽ ክምልሰኩም።

    ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ራድዮ መድረኽ መን ኣሎ ኢሉ ዘሻቕሎ ጉዳይ ዘሎ ኣይመስለንን። ከምቲ ኣካየድቲ መድረኽ ዝብሉዎ ‘ወፍሮም ኣብ ኤርትራ ደሞክርያስያዊ ለውጢ ንምምጻእ’ ክሳብ ዝኾነ፡ ወነንቱ መን ምዃኖም ብዘይምፍላጥና ጥራይ ኣብ ጉዕዞኦም ከነሐንኩሎም ዝግባእ ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ ከምቲ፥ “ሕፍረት ጥንሲስ ክሳዕ ዚደፍእ!” ዝብሉዎ፡ ዘይጽባሕ ንግሆ ኣብዘይሕብኡሉ እዋን ምስ በጽሑ ክንፈልጦም ኢና። ዓቕሊ ጥራይ ንግበር። እቲ ሕጂ ክንገብሮ ዘሎና ጉዳይ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ነዛ ካብ ትፍልም ነዊሕ ግዜ ዘየቑጸረት ፈነወ ራድዮ፡ ብዕሸላ ናይ ትሕዝቶ ድኽነት የጋጥማ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ንምፍታሕ፡ ዓቕምና ዝፈቕዶ ኣበርክቶ ክንገብረላ’የ ዝላቦ። ምኽንያቱ፡ 24 ናይ ፈነወ ሰዓታት እናወነነት፡ ንሓንቲ ሰዓትውን ትኹን ብዘይመመላእታ ሙዚቃ፡ ስሩዕ መደባት ከተቃልሕ ኣይከኣለትን ዘላ። ሳላ ጃንዳ ህግደፍ ሎሚ ዝብሃል መሊኡ’ዩ። ካልእ ይትረፍ ባብ ዩቱብ ኣርሒኻ ብምእታው ከማን ንህዝቢ ዝጠቅም ቁጽሪ ኣልቦ ቁውም ነገራት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

    ብዙሕ ኣቐዲሙ ብካልኦት ማዕከናት ዜና ዝተመሓላለፈ ከም ናይ ቃለ መሕተት ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተ/ገርግሽን ደጊምካ ናብ ህዝቢ ምቅልሑ ዝጽላእ ኣይመስለንን። ብዓንዳ ርእሱ ግን ሰሙናዊ መደባት ብምስራዕ፡ መደባትካ ምጽፋፍ’ዩ ዝግባእ እብል። ንኣብነት፥ ሓደ ሰዓት ናትካ መደብ፡ እቲ ካልኣይ ሰዓት ድማ መደብ ካብ ዩቱብ መሚኻ ብምውሳድን ካልእ ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ዝተመሓላለፈ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽታት ብምድጋም፡ ናብ ህዝቢ እንተተቓሊሑ ዝያዳ ኣድማዒ ምኾነ ኔሩ በሃላይ እየ። እምበር ሓንቲ ሓተታን ሓደ ክልተ ግጥምታት ዶክተር ርእሶምን ፈይ ኣቢልካን ዝበዝሐ መደብካ ብሙዚቃ ሸፊንካን ‘ናይ ሎሚ መደብና ኣብዚ ወዲእና ኣለና’ እናበልካ ዝፍኖ መደብ፡ ዝጉስጐስ ወይ ድማ ንቃልሲ ዝለዓዓል ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ሙዚቃ ብሙዚቃኡ’ሞ ካብታ ብህግደፍ ፍጹም ተደዊና ዘላ ምጭውቲ ርእሰ ከተማና ኣስመራ ጻዕዳ ዝፍኖ፡ ደርፍታት ራድዮ ዛራን ኑማን ኣብ ቀረባኡ ኣለዎ። ንእኡ ክሰምዕ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ኣሰናዳእትን ኣካየድትን ራድዮ መድረኽ፡ ሃየ በርትዑ! ህዝቢ ሃንቀው ኢሉ መታን ክጽበየኩም፡ ሰሙናዊን እዋናውን መደባት ስርዑ! እብል።

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 18-12-2013

POST A COMMENT