መንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ዘካየዶ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ምቕባል ኣጽዋር ኮነ ኢሉ ክሓብእ ከምዝፈተነን ንማሕበረሰብ ዓለም ከምዘደናገረን ‘ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ነቲ እገዳ ኣጽዋር ምጥሓሱ ከይቃልዖ ምእንቲ እንተላይ ምስናዕ ሰነዳት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ተክኒካት ከምዝተጠቕመ፡ ብነፈርቲ ኣጽዋር ኣብ ዘሰጋግረሉ እዋናት፡ ነዚ ዕላማ ‘ዚ ብፍላይ “ ኤሪኮ” ዝተባህለ ‘ መደናገሪ ትካል ግንባር’ ከምዘቖመ ‘ውን እቲ ጸብጻብ ብኣብነት የረድእ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም “ሸባብ” ብዝብል ስም ዝፍለጡ ኣካል እስላማዊ መጋብኣያታት ዝኾኑ ዕጡቓት “ኣይሓገዝኩን” ብምባል ከም ቀደሙ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።
ይኹን እምበር ኣብ ግጭት ሶማልያ ብቐጥታ ንምስታፍ ካብ ዝለኣኾም ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሓደ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ንእስላማዊ መጋብኣያታት ክንሕግዝ ልኢኹና” ኢሉ ከምዘቃልዐ ይዝከር።