እስራኤል ነቲ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ህላወ ኢራን ኣብ ኤርትራ ትከታተሎ ከምዘላ ማዕከናት ሓበሬታ ‘ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሰበስልጣን ‘ታ ሃገር፡ እቲ ብ ’ሪቮሉሺናሪ ጋርድ’ ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ሰራዊት እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ንምምስራት ልኡኹ ናብ ኤርትራ ከምዝሰደደ ብምጥቃስ፡ ኢራን ኣብታ ንነዊሕ እዋን መሓዛ እስራኤል ኮይና ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ህላወ ክትምስርት ጀሚራ ምህላዋ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።

ሓደ ስሙ ዘይጠቐሰ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን “ስትራተጂካዊ ህላወ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምፍቃድ ንምንቅስቃስ መራክብና ዘስግእ ኣሉታዊ ምዕባለ እዩ” ከምዝበለ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የገንዝብ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>