መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።
መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ጀርመን ናብ በርሊን ዝወሓዙ ብዙሓት ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ ሰልፈኛታት ካብ ፖስትዳመር ፕላትስ ሰዓት 10፡30 ተበጊሶም፡ ብሞተረኛታት ፖሊስ ተሰንዮም፡ ብነዊሕ ጎደና ርእሰ ከተማ በርሊን ውሒዞም ናብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን በጺሖም። ብድሕሪ’ዚ፡ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ግፍዓዊ ምሕደራ ህግደፍን ዝገልጽ መዘክር፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሓላፊት ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ንዝኾና ክብርቲ ፍራው ፋክሲንገር ብወከልቶም ኣቕሪቦምን ተዘራሪቦምን።
እቲ ብተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡ ብሲቪካውያን ማሕበራትን ደለይቲ ለውጢ ዜጋታትን ዝተኻየደ፡ ንሰለስተ ሰዓታት ዝቐጸለ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዘሳተፈ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ልባዊ ስምዒት ዘገንፈሎ ድሙቕ ጭርሖታት እናቃልሐን፡ ንህዝቢ በርሊን ጽሑፋቱ እናዓደለን ኢዩ ከምዝተጓዕዘ ኣዳላዊት ሽማግለ ናይ’ቲ ሰልፊ ሓቢራ።
ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ፡(ብ28 ለካቲት 2009)፡ ተመሳሳሊ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተኻይዱ ምንባሩ ይዝከር።