ሎሚ 20 ሰነ ነቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ውፉያት ጀጋኑ ኤርትራ ኣኽብሮትና እንገልጸሉ ረዚን ዕለተ-ዝኽሪ እዩ። ዝኽሪ ንስለ ዝኽሪ ግን ፋይዳ የብሉን። ምስ ዕዙዝ ሞያኦም ምእንቲ ክዳረግ፡ ኣኽብሮትና ልባዊ ክኸውን ይግባእ።
ከምዚ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ፡ ነተን 364 መዓልታት ስዉኣት ኣብ ምፍራይ ኣሕሊፍካ፡ ኣብታ እንኮ 20 ሰነ ብስም ስዉኣት ምምጽዳቕ፡ ምርኻስ መብጽዓ ሰማእታት እዩ። ስዉኣትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ብግብሪ ክዝከሩ ኣለዎም።
ሰማእታት-ናጽነት፡ ትንፋሶም ብምሕላፍ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ከቢድ፡ ምስጢር ተወፋይነቶም ግን ቀሊል እዩ። ብመስዋእቲ ህይወት ክፈጥሩ እዮም ሓሊፎም። ካብ ህግደፍ ዝረኸቡዎ ሞሳ ግን ዘሐብን ኣይኮነን።
ድሕሪ ናጽነት ‘ውን ኤርትራዊ ማህጸን ኣይቀሰነን። ኣያታቶም ወፊሮም ዘምጽኡሎም ናጽነት ከየስተማቐሩ ኣሽሓት ውልዶ-መንእሰያት ሃሊቖም። ኣብ ማያት የመን፡ ኣብ ምድረበዳ ሱዳን፡ ወሰናስን ኢትዮጵያ ሕጂ ድማ ኣብ ድርኩኺት ጅቡቲ መስዋእቲ ኣዓረፈን። እሞ ድማ፡ ብጥይት ኣባይ ጥራይ ከይከውን፡ እንተላይ ብጥይት ‘ወገን’። ኣብ ዶባት ኤርትራ ናይ ዝርሸኑ ዘለዉ መንእሰያት ትንፋስ ካብቲ ናይ ዓውደ-ውግኣት ብቑጽሪ ‘ዝወሓደ ‘ኳ እንተኾነ ንኤርትራዊት ማህጸን ግን ዝመረረ ሓሞት ኮይኑዋ ኣሎ።
እሞ ኸ ደኣ እቶም ተነበይትን ተጸበይትን ህይወት ኤርትራ ዝኾኑ ጀጋኑ ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ህይወት በድራጋ እናወደቐ ከመይ ኢሎም ‘ዮም ክቐስኑ!?
እዚ ህዝብና መሰላቱ ብጅምላ ተገፊፉ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ሰብኣውነት ወሪዱሉ ዘሎ መሪር እዋን፡ መን ንመን ክዝክር ከምዝግብኦ ዘጠራጥር ጸላም መድርኽ እዩ። እቶም ምእንቲ ህዝቦም ናብ ሞት ዝኸዱ ስዉኣት፡ ብርኪ እንተዝረኽቡ፡ ናብ ህይወት ምምላስ ኣይመፍርሖምን። ነቲ ትንፋስ ብምሓዙ ጥራይ ዝበልጾም ህዝቢ ሽምዓ ከብርሁሉ እወ! ግፍዕታት ህግደፍ መሰክሕ እዩ።
ማሽን ህግደፍ ተጻባኢት መብጽዓ ሰማእታትና ኮይና ተሪፋ ኣላ። ዝብላዕ ምህርቲ ኣየዋህለለትን፡ ህዝብና ጠምዩ ናብራ ሓሲሙዎ ‘ሎ። ስደት ኣይዓገተትን፡ ቃፍላያት መንእሰያት መመሊሱ ንወጻኢ ይውሕዝ ኣሎ። ሰላም ኣይተረኽበትን፡ ህዝብና ቅሳነት ሓርቢቱዎ ‘ሎ። ማሽን ህግደፍ፡ ስዉኣት፡ ዘኽታማት፡ መበለታት፡ ስድራ ስዉኣት ኣብ ምፍራይ ጥራይ እያ ሃርኵታ ዘላ። እዛ ኣብ ክንዲ ብሕልሚ ሃገር ብስስዐ ስልጣን ውልቀመለኽቲ እትእዘዝ፡ ኣብ ክንዲ እኽሊ ሰብ ትዓጽድ ዘላ ማሽን ቀልጢፋ እንተዘየብቂዓ ግን ሞሳ ሰማእታትና መመሊሱ ክጎድል፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሃገር ብምልእታ ክንከስር ኢና።
ስለዚ፡ ነዛ ንመስዋእቲ ጀጋኑና ኣነኣኢሳ ንሞራልን ባህግን ህዝብና እተሕቅቕ ዘላ ማሽን ህግደፍ ከም ኣሲድ እትበልዕ ካልእ ናይ ተስፋን ምዕባለን ማሽን ክንሃንጽ ብሓባር ክንልዓል ይግባእ። ደብስ ስዉኣትና ህይወት ምዝራእ እምበር መስዋእቲ ምፍራይ ኣይኮነን።

ሰማእታትና ብስራሕ ይዘከሩ!
ኣሰና
” ስማ ሰማይ ከይዓረገ
ዳንዴር ምድራ ከይተጸርገ
ከይትደክም ከይትሕለል
ዋላ ሰዓብ ህይወት ክፈል ፡
ኣብ ምኽላፉ መወዳእታ
ከማኡ ‘ንድዩ ኢሉ ሽደን ጎይታ ”
ዳንዴር ምድራ ከይተጸርገ
ከይትደክም ከይትሕለል
ዋላ ሰዓብ ህይወት ክፈል ፡
ኣብ ምኽላፉ መወዳእታ
ከማኡ ‘ንድዩ ኢሉ ሽደን ጎይታ ”